ህንዲ፡ ዳስ ብምፍራሱ 14 ሰባት ሞይቶም፡ 50 ቆሲሎም

Published
ንባብ: 1 ደቓይቕ

ትማሊ ሰንበት ኣብ ህንዲ ኣውራጃ ራጃስታን ናይ ሓጺን ዳስ ብምፍራሱ ብውሕዱ 14 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ልዕሊ 50 ሰባት ቆሲሎም።

እቶም ዝበዝሑ በቲ ምስቲ ሓጺን ተታሓሒዙ ዝነበረ ገመድ ናይ ኤለክትሪክ ክሞቱ እንከለዉ እቶም ዝተረፉ በቲ ዝወደቐ ሓጻዊን ናይቲ ዳስ ተጸቒጦም ከም ዝሞቱ ሮይተርስ ሓቢሩ።

ሂንዱስታን ታይምስ ዝተብሃለት ማዕከን ዜና ህንዲ፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ዳስ ሃይማኖታዊ ጽንብል ንምክያድ ኣስታት 300 ሰባት ከም ዝነበሩ ጸብጺባ።

ሚኒስተር ምክልኻል ሓደጋታት ህንዲ ባህንዋር ላል ማግህወል "እቶም ነቲ ጽንብል ዘዋሃህዱ ዝነበሩ ሰባት እዚ ኩሉ ጠሊ እንከሎ ንምንታይ ነቲ ኤለትሪክ ዘየጥፍእዎ" ዝብል ሕቶ ኣልዒሉ ኣሎ።

ሚኒስተር ባህንዋር ላል ማግህወል ኣስዒቡ ነዚ ዝተከሰተ ሓደጋ ሱር ጠንቑ ንምፍላጥ መርመራ ተጀሚሩ ከም ዘሎ ሓቢሩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ህንዲ ናረንደራ ሞዲ ኣብ ተዊተሩ ኣብ ዘሰፈሮ ጽሑፍ፡ ነቲ ሓደጋ 'ዘይተገመተ' ብምባል ነቶም ዝተጎድኡ ምሕረት ከውርደሎም ብምምናይ ንስድራ ግዳያት ጽንዓት ተመንዩ