ህንዲ፡ ህቦቡላ ፋኒ ኣብ ምብራቓዊ ህንዲ ከጥቅዕ ጀሚሩ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ፋኒ ዝተሰመየ ብርቱዕ ህቦቦላ ዝተሓወሶ ዝናብ ኣብ ምብራቓዊ ገማግም ህንዲ ከጥቕዕ ከም ዝጀመረ ኣገልግሎት ትንበያ ኩነታት ኣየር እታ ሃገር ሓቢሩ።
እዚ ኣብ ስዓት 195 ኪሎ ሜተር ዝሕምበብ ዘሎ ንፋስ ምስ ምሉእ ሓይሉ'ዩ ኣብ ምብራቓዊ ገማግም ህንዲ በጺሑ ዘሎ።
ካብታ ብሓያል ክትጥቃዕ ትጽቢት ዝግበረላ ዞባ ኡዲሻ፡ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሰባት ናብ ውሑስ ቦታ ይግዕዙ ኣለዉ።
ብዙሓት ካልኦት ዞባታት'ውን ኣብ ተጠንቀቕ ክጸንሓ ተነጊርወን ኣሎ።
ህቦቡላ ፋኒ ኣብ ኡዲሻ ጥራይ፡ መስሕብ በጻሕቲ ዝኾነት ከተማ ፑሪን፡ 858 ዓመት ዝዕድሚኡ ቤት መቅደስ ጃጋናታህ ዝርከበን 15 ቀበሌታት ክጥቐዓ ትጽቢት ኣሎ።
ኣብ ምብራቓዊ ገማገም ህንዲ ዝርከባ ሰለስተ ወደባት፡ ብዙሕ በረራታትን ናይ ባቡር መጓዝያን ተቋሪጹ ይርከብ።
መንግስቲ ብሓይሊ ሓይሊ ባሕርን ሓይሊ ኣየርን ካልኦት ውሃብቲ ኣገልግሎታትን ተሓጊዙ ንግዳያት ኣብ ምሕጋዝ ይነጥፍ ምህላዉ ክፍለጥ ተኻኢሉ'ሎ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ህቦቡላ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሳላሳ ዓመታት ንራባዓይ ግዚኡ'ዩ ንምብራቃዊ ገማግም ህንዲ ዘጥቅዕ ዘሎ።
ኣብ 2017 ህቦቡላ ኦክሂ ዝተብሃለ ልዕሊ 200 ሰባት ክቀትል እንከሎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ጥቅምቲ'ውን ኣብ ዞባ ኦሪሳ ተመሳሳሊ ህቦቡላ ብምኽሳቱ ብዙሓት ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ተመሳዘቢሎም'ዮም።
እቲ ክሳብ ሕጂ ዝኸፈአ ዝተብሃለሉ ከኣ ኣብ 1999 ዘጋጠመ ህቦቡላ ኮይኑ በቲ ሽዕኡ ዝነበረ ህቦቡላ ኣስታተ 10,000 ህንዳውያን ምሟቶም ይዝከር።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
