ኣልጄሪያ፡ ሓያል ተቃውሞ ስዒቡ ቦተፍሊካ ለውጢ መንግሥቲ ገይሮም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ካብ ስልጣኖም ንክለዓሉ ሓያል ህዝባዊ ተቓውሞ ዘጓነፎም ፕረዚደንት ኣልጀርያ ኣብዳልኣዚዝ ቦተፍሊካ፡ ዓብዪ ዝበሃል መንግስታዊ ለውጢ ከምዝገበሩ ኣፍሊጦም።
ካቢነኦም'ውን በቲኖም ከምብሓዱሽ ኣዋቒሮም ኣለዉ። ናይታ ሃገር መንግስታዊ ቴለቪዥን ከምዝበሎ፡ ካብ ጠቕላላ 27 ሚኒስትራት እቶም 21 ክልወጡ ተገይሩ።
ኖርዲን ዴዶይን፡ ናይታ ሃገር ቀዳማይ ሚንስትር ኮይኖም ከምዝጸንሑ ድማ ኣፍሊጦም።
ፕሬዚደንት ቦተፍሊካ ቅድሚ ሽድሽተ ዓመት ብሕማም ስትሮክ ምስተጠቕዑ፡ ምዝራብ ኮነ ጠጠው ኢሎም ምኻድ ኣይክእሉን።
እቶም ፕረዚደንት ካብ ስልጣኖም ንክለዓሉ ዝጠልቡ ተቓውምቲ ሓይልታት፡ ምኻድ ኮነ ምዝራብ ዘይክእል ሰብ ብኸመይ ሃገር ይመርሕ ክብሉ ውን ይሓቱ።
እቶም ፕረዚደንት በዚ ሕማም ምስተጠቕዑ ኣብ ኣደባባይ ከርና ኣይረአዩን።
ብኻሊእ ወገን፡ ምስቶም ፕረዚደንት ዝኾነ ርክብ ከምዘለዎም ዝዝረበሎም ኣሊ ሃዳድ ዝተብሃሉ በዓል-ሃብቲ ናብ ጎረቤት ሃገር ቱኒዝያ ክሳገሩ ክብሉ ኣብ ቀይዲ ከምዝወዓሉ ይዝረብ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣሊ ሃዳድ ንፕረዚደንት ቦተፍሊካ ይድግፉ ተባሂሎም እዮም ዝሕመዩ።
መራኸብቲ ሓፋሽ እታ ዓዲ ከምዝብሉዎ እንተኾይኑ፡ ኣሊ ሃዳድ ብናይ እንግሊዝ ፓስፖርት፡ በዝሒ ዘለዎ ገንዘብ ሒዞም ክወጹ ክብሉ ሰንበት ንጎሆ እዮም ኣብ ቀይዲ ውዒሎም።
ይኹን'ምበር ኣሊ ሃዳድ ብምንታይ ምኽንያት ከምዝተኣሰሩ ዛጊድ ዝተፈልጠ ነገር የለን።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
