እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኔፓላዊት ጓልኣንስተይቲ ኣብ 'ኣጉዶ ወርሓዊ ፅግያት' ንክትፀንሕ ብምግዳዳ፡ ተዓቢሳ ሞይታ
መስኮት ኣብ ዘይብሉ 'ኣጉዶ ወርሓዊ ፅግያት' ንክትፀንሕ ናይ ዝተገደደት ጓል 21 ዓመት ኔፓላዊት ህይወት፡ ከምዝሓለፈ ፖሊስ ኣፍሊጡ።
እዛ ፓራዊት ቦጋቲ ዝተብሃለት ውልቀሰብ፡ ኣብ ግዘ ወርሓዊ ፅግያታ ንመዓልታት ካብ ስድርኣ ተነፂላ መስኮት ኣብ ዘይብሉ ገዛ ተዓፅያ ፀኒሓ።
ወላዲታ ኩነታታ ንምርኣይ ምሰከደት፡ ጓላ ወርሓዊ ፅግያታ ኣብ ትውድአሉ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ሞይታ ረኺባታ።
"ወርሓዊ ፅግያታ ንምውዳእ ሓደ መዓልቲ ተሪፍዋ ስለዝነበረ፡ ሕጉስቲ እያ ነይራ። ምስክነይቲ ህፃን ንዘልኣለም ኣዕይንታ ከዲና" ክትብል ላክሲሚ ቦጋቲ ንካትማንዱ ፖስት ገሊፃ።
ኣብ ኔፓል ዞባ ዶቲ እዚ እንተጋጥም፡ ሓንቲ ኣደ ምስ ክልተ ደቃ ኣብ ተመሳሳሊ ኣጉዶ ወርሓዊ ፅግያ ድሕሪ ምሟታ ድሕሪ ሓደ ወርሒ እዩ።
ፖሊስ እቲ ከባቢ ላል ባህዱር ንAFP፡ ፡"መስኮት ኣብ ዘይብሉ ገዛ እያ ተዓፅያ ነይራ፤ ምሸት ሙቐት ንምፍጣር ኣብ ምድሪ ቤት ብዘቃፀለቶ ሓዊ ዝወፅአ ትኪ ተዓፊና ከምዝሞተት እዩ ዘለና ጥርጣረ" ክብሉ ገሊፆም።
እዚ ልምዲ፡ ቻፓዲ ተባሂሉ ዝፅዋዕ ጥንታዊ ልምዲ እንትኸውን፡ ኣብ ወርሓዊ ፅግያት ትርከብ ጓልኣንስተይቲ ሕማቕ ዕድል ክተምፅኣልና እያ' ብዝብል ኣብ ዓምፃፅ ገዛ ወይ ድማ ኣብ ደምበ ከፍቲ ክትድቅስ ትግደድ።
እዘን ደቂኣንስትዮ ዝድቅሳሊ ገዛ ኣዝዩ ቆሪርን (ዛሕሊ)፣ ብገበነኛታት ክጥቅዓ ዕድል ዝኸፍትን እዩ። ብዙሃት ደቂቀኣንስትዮ በዚ ልምዲ እዚ ተዓቢሰን ዝሞታ እንትኾና፡ ብውሑዱ ሓንቲ ጓልኣንስተይቲ እውን ብተመን ተነኺሳ ህይወታ ሓሊፉ እዩ።
ኔፓል ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን 2017 ከኣ እዚ ቻፓዲ ተባሂሉ ዝፅዋዕ ልምዲ፡ ገበን ከምዝኾነ ብሕጊ ደንጊጋ።
ይኹን'ምበር ሕዚ እውን እዚ ልምዲ ኣብ ብዙሓት ከባብታት ገጠር እታ ሃገር ይትግበር ኣሎ።
ብመሰረት እዚ ሕጊ፡ ነዚ ልምዲ ዝተግበረ ኣካል ማእሰርቲ ሰለስተ ዓመት ማእሰርትን 30 ዶላር ኣሜሪካን ይቕፃዕ።