ፔሩ፡ ኣብ ስነስርዓት መርዓ መሬት ብምህማሙ 15 ሰባት ሞይቶም

ምንጪ ስእሊ, National Civil Defence Institute (Indeci)
Published
ንባብ: 1 ደቓይቕ
ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ፔሩ፡ ኣብ ሓደ ስነስርዓት መርዓ ዝካየደሉ ዝነበረ ሆቴል መሬት ብምህማሙ ብውሕዱ ዓሰርተ ሓሙሽተ ሰባት ምሟቶም ሰብ መዚ ፔሩ ሓቢሮም።
ውሑጅን ጭቃን ከምኡ ከኣ ኣኻውሕ ናብቲ ሆቴል ብምንሽርታቱ መንደቕ ናይቲ ሆቴል ሰጊሩ ነቶም ዝጉይሉ ዝነበሩ ኣጋይሽ ከምዝጸቐጦም ዝተዛረቡ ሰብ መዚ፡ ካልኦት ዕስራ ትሽዓተን'ውን ተሃስዮም ምህላዎም ሓቢሮም።
ማዕከናት ዜና ፔሩ ከም ዝሓበረኦ፡ እዚ ክስተት፡ ኣብቲ ከባቢ ብርቱዕ ዝናብ ድሕሪ ምህራሙ'ዩ ኣጋጢሙ ኢለን።
ኣብቲ ኣልሃምብራ ዝብሃል ሆቴል፡ ኣብቲ መርዓ ንምስታፍ ኣስታት 100 ዕዱማት ከም ዝነበሩ ሓላፊ ምክልኻል ሓደጋታት ጆርጅ ቻቨዝ ንማዕከናት ዜና ፔሩ ክሕብር እንከሎ፡ "ኣስታት 50 ዝኾኑ ኣብቲ ፈሪሱ ዘሎ መንደቕ ተደብዮም ይህልዉ'ዮም" ኢሉ።

ካልእ በዓል መዚ ድማ፡ ኣብ ውሽጢ ተደብዮም ዘለዉ ንምድሓን ዝክኣሎም ይገብሩ ከም ዘለዉን እቶም ዝድሓኑ ኣብ ሆስፒታላት ምሉእ ክንክን ይግረሎም ከም ዘሎን ሓቢሩ።
ማዕከናት ዜና ፔሩ፡ ሆቴል ኣልሃምብራ ኣብ ጸድፊ ዝተደኮነ ከም ዝኾነን፡ እቲ ዝፈረሰ መንደቕ ካብቲ ጎቦ ንዝመጽእ መደራጋሕ ንምክልኻል ተባሂሉ ዝተሰርሐ ከም ዝነበረን ሓቢረን።


![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
