ፕሪምየር ሊግ፡ ኣሰልጣኒ ማንቸስተር ዩናይትድ ሆዜ ሞሪንዮ ካብ ስርሑ ተባሪሩ

ሆዜ ሞሪንዯ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

Published

እንግሊዛዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ፡ ማንቸስተር ዩናይትድ፡ ንክልተ ዓመትን ፈረቓን ነታ ጋንታ ክኣሊ ንዝጸንሐ ኣሰልጣኒ፡ ሆዜ ሞሪንዮ ኣባሪራ።

ወዲ 55 ዓመት ፖርቱጋላዊ፡ ሞሪንዮ፡ ነታ ጋንታ ኣብ ዋንጫ ሊግ ከምኡ'ውን ሊግ ኤውሮጳ ዓወት የዕቲርዋ ኢዩ።

እንተኾነ ግን፡ እታ ጋንታ፡ ኣብ ሰሌዳ ተርታ ፕሪምየር ሊግ እንግሊዝ ኣብ መበል ሻዱሻይ ተርታ ክትርከብ ከላ፡ ካብታ ኣብ ቅድሚት ዘላን፡ ዝሓለፈ ሰንበት 3 ብ 1 ዝረትዓታን ሊቨርፑል ብ 19 ነጥብታት'ያ ድሒራ ዘላ።

"ነታ ጋንታ ክሳብ መወዳእታ እዚ ናይ ጸወታ ወቕቲ ዝዛዘም ዝኣሊ፡ ካልእ ግዜያዊ ኣሰልጣኒ ክምዘዝ ኢዩ። እዚ እናገበርና ድማ፡ ነቲ ቦታ ዝትክእ ምሉእ ኣሰልጣኒ ክነናደይ ኢና" ይብል በታ ጋንታ ዝወጽአ መግለጺ።

እቲ መግለጺ ወሲኹ "ሆዜ ኣብ ማንቸስተር ኣብ ዝጸንሓሉ፡ ስለ ዝሰርሖ ስራሓት፡ እናኣመስገንና፡ ዓወት ንምነየሉ" ይብል።

እቲ ንሞሪንዮ ዝትክኦ፡ ምክትል ኣሰልጣኒ እታ ጋንታ፡ ሚካኤል ካሪክ ከም ዘይኮነን ካብታ ጋንታ ወጻኢ ዝምረጽ ምዃኑን ክረጋገጽ ከሎ፤ ኣሰልጣኒ ኣርሰናል ነበር ኣርሰን ዌንገር ከም ዘይከውን'ውን ተፈሊጡ ኣሎ።