ፕሪምየርሊግ እንግሊዝ፡ ካብ ኣርሰናልን ሊቨርፑልን ዓወት ንመን ይቐንዕ ይኸውን?

ምንጪ ስእሊ, BBC Sport
ኣብዚ ሰሙን ካብ ዝግበሩ ፀዋታታት ፕሪምየርሊግ እንግሊዝ፡ እቲ ዝዓበየ ግጥም ኣርሰናል ምስ ሊቨርፑል ዝረኸባሉ እዩ። ኣርሰናል ኣብ ፅቡቕ ጉዕዞ ትርከብ'ኳ እንተኾነት፡ ተፃወትቲ ሊቨርፑል ግን ዝሓሹ ኮይኖም ከም ዝቐርቡ፡ ተንታኒ ስፖርት ቢቢሲ ማርክ ላውረንሰን ገሊፁ።
ላውሮ፡ ኣብቶም ካብ ፅባሕ ቀዳም ክሳብ ሰኑይ ዝካየዱ 10 ግጥማት ፕሪምየርሊግ፡ ግምት ውፅኢት ሂቡ'ሎ።
ቀዳም ኣቐዲመን ዝራኸባ ጋንታታት፡ በርንማውዝን ማንቸስተር ዩናይትድን እየን። ላውሮ ከም ዝብሎ እንተኾይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንኤቨርተን 2 ብ 1 ዝሰዓረት ዩናይትድ ዓወታ ዘእምን ኣይነበረን።
ተፃወትቲ በርንማውዝ ድማ ዕድላት ሸቶ ናይ ምፍጣር ክእለት ኣለዎም። ይኹን ደኣ'ምበር ኣብቲ ፀዋታ ዩናይትድ ተዓዊታ ከም እትወፅእ ገሚቱ። 2 ብ 0 ብዝኾነ ውፅኢት ክትስዕር'ያ።

ምንጪ ስእሊ, BBC Sport
ካርዲፍ ምስ ሌይስተር ኣብ እትራኸበሉ ፀዋታ፡ ተፃወትቲ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ብዘጋጠሞም ሓዘን ምኽንያት ኣብ ስነ-ልቦናዊ ፀቕጢ ስለዝርከቡ፡ እቲ ፀዋታ ከም ዝኸብዶም ላውሮ ይሕብር። እቲ ፀዋታ ድማ ብዓወት ካርዲፍ 2 ን 0 ክዛዘም'ዩ።
ኤቨርተን ምስ ብራይተን፡ እታ ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ነጥቢ እናደርበየት ዝመፀት ኤቨርተን 2 በብ 0 ከም እትስዕር ግምት ላውሮ የመልክት።
ኒውካስል ምስ ዋትፎርድ ኣብ ዝህሉ ፀዋታ ድማ፡ እታ ዓወት ዝረሓቓ ኒውካስል ክትከሓስ ከም እትኽእል ላውሮ ገሚቱ። 2 ን 0 ክትስዕር'ያ ኢሉ። ዌስት ሃም ምስ በርንለይ፡ እታ ኣብ ሜደኣ ትፃወት ዌስትሃም ናይ 2 ን 0 ዓወት ክቐንዓ'ዩ።
ናይዚ ሰሙን ዝዓበየ ፀዋታ፡ ኣርሰናል ምስ ሊቨርፑል ዘካይድኦ ፀዋታ እዩ። ላውሮ ኣብ ዝሃቦ ግምት፡ ክልትኤን ጋንታታት ኣጥቂዐን ክፃወታ ከለዋ ሓደገኛታት ከም ዝኾና ሓቢሩ። ሊቨርፑል ዝሓሸ ክፍሊ ምክልኻል ከም ዘለዋ'ውን ኣዘኻኺሩ።
ኣርሰናል ኣብ ክፍሊ ማእኸልን ምክልኻልን ብዙሕ ክትሰርሕ ከም ዘለዋ'ውን ገሊፁ። ብሓፈሻ ግን ሊቨርፑል ብኹሉ ነገር ዝሓሸት ስለዝኾነት ክትዕወት'ያ ኢሉ።
ካብ ሜድኣ ወፃኢ 2 ን 1 ዓወት ክቐንዓ እዩ። ቀዳም እቲ ናይ መወዳእታ ፀዋታ ወልቭስ ምስ ቶተንሃም ዘካይድኦ ኮይኑ፡ ቶተንሃም 2 ብ 0 ክትስዕር'ያ።
ሰንበት፡ ክልተ ፀዋታታት ክካየዱ እዮም። ማንቸስተር ሲቲ ምስ ሳውዝኣምተን ክራኸባ እየን። ሲቲ ብ26 ነጥብን 24 ፅሩያት ሸቶን ኣብ ቅድሚት ከም እትርከብ ዘዘኻኸረ ላውሮ፡ ሳውዝኣምፕተን ክትዕወት'ያ ምባል ከም ዝኸብድ ሓቢሩ።

ምንጪ ስእሊ, BBC Sport
ብምዃኑ'ውን ሲቲ 3 ን 0 ክትዕወት'ያ ኢሉ። ቸልሲ ኣብ ሜድኣ ምስ ክርስታል ፓላስ ክትራኸብ'ያ። ንቸልሲ ደው ከተብሎም ትኽእል ጋንታ ዘላ ኣይመስልን።
ሃዛርድ ኣብ ዘይስለፈሉ ፀዋታ'ውን እታ ጋንታ ንክትሰዓር ትኸብድ'ያ። ንፓላስ ድማ 2 ብ 0 ክትስዕራ'ያ።
ሰኑይ ዝካየድ ናይ መወዳእታ ፀዋታ ሃደርስፊልድ ምስ ፉልሃም ዝገብርኦ'ዩ። ሃደርስፊልድ ድማ 2 ብ 1 ከም እትስዕር ላውሮ ገሚቱ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
