ጋናዊ መንእሰይ፡ ኽጥመቕ እንከሎ ኣብ ሩባ ጠሊቑ ሞይቱ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
Published
ወዲ 20 ዓመት ጋናዊ መንእሰይ ሓደ ሰባኺ ስርዓተ ጥምቀት ኣብ ዘካይደሉ እዋን፡ ኣብቲ ሩባ ምስጠሓለ ህይወቱ ክሓልፍ ክኢሉ።
እዚ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ክቃላሕ ዝቐነየ ተንቀሳቓሲ ምስሊ፡ ኣብ ከባቢ ደቡብ ርእሰ ከተማ ጋና (ኣክራ) ዝርከብ ሓደ ሩባ ብሓደ ሰባኺ እንትጥመቕ ተታሒዞም ከምዝጠለቑ እዩ ዘርኢ።
ድሕሪ ሓፂር ፀሎት ምግባር እቲ ዝጥመቕ ዝነበረ መንእሰይ፡ ንኻልኣይ ግዜ ዝጠለቐ እንትኸውን ከይተመለሰ ብአኡ ኣቢሉ ጥሒሉ ተሪፉ።
ወሃቢት ቃል ናይቲ ከባቢ ፖሊስ ጣብያ፡ ንቢቢሲ ከምዝገለፀቶ፡ ኣብቲ ተግባር ዝተሳተፈ ሰባኺ'ኳ ክርከብ እንተዘይኸኣለ፡ ካሊእ ንኡስ ሰባኺ ኣብ ቀይዲ ውዒሉ እዩ። እቲ ኣብቲ ተግባር ዝተሳተፈ ዓብይ ሰባኺ ድማ ይእለሽ ኣሎ።
እዚ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ዘጓነፈ ፍፃመ ስዒቡ፡ ብዙሓት ነበርቲ ንሃይማኖት ክበሃል ስለምንታይ ሰባት ህይወቶም ይስእኑ ዝብል ቅረታ ይቐርብ'ሎ።
ስድራ ናይዚ ግዳይ ግና በቲ ፍፃመ ዝኮነ ተሓታቲ ዝገብሩዎ ሰብ ከምዘየለ እዮም ንመራኸቢ ሓፋሽ ተዛሪቦም።


![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
