ተቓውሞ 'የለው ቨስት': ማክሮን ኣብ ዝተሓተ ክፍሊት መሃያ ወሰኽን ንምግባር ተመባፂዑ

ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን

ምንጪ ስእሊ, AFP

Published

ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን፡ ኣብ ዝተሓተ መሃያ ሰራሕተኛታት ወሰኽ ክህልውን ሕድገት ግብሪ ንክግበር ብምውሳን፡ ነቲ ንሰሙናት ክካየድ ዝቐነየ ተቓውሞ መልሲ ሂቡ።

ፈረንሳ 'የለው ቨስት' (ቢጫ ሰደርያ) ዝተሰመየ ተቓውሞ ንሰሙናት ኣጓኒፍዋ ፀኒሑ'ዩ። ምኽንያት ተቓውሞ ድማ ወሰኽ ቀረፅ ነዳዲ፣ ምኽባር ናብራን ካልኦት ዛዕባታትን እዮም።

ኣብ ተሌቪዥን ቀሪቡ መልሲ ዝሃበ ፕረዚደንት ማክሮን፡ ነቲ ዓመፅ ብምኹናን፡ ቁጠዐ ተቓወምቲ ግን "ዓሚቝን ብብዙሕ መገዲ ሕጋዊ'ዩ" ክብል ገሊፁ።

እቲ ዝተሓተ መሃያ ሰራሕተኛታት ካብ ዝመፅእ ሓድሽ ዓመት 2019 ጀሚሩ፡ ብወርሒ 100 ዩሮ ወሰኽ ከም ዝግበሮ'ውን ተዛሪቡ።

ዝተሓተ ኣታዊ ካብ ዘለዎም ጡረተኛታት ዝእከብ ግብሪ ክግደፍ፣ ሕልፊ ሰዓት ስራሕ ንዝሰርሑ ሰባት ካብ ዝኽፈል ገንዘብ ይቑረፅ ዝነበረ ክተርፍ፣ ኣስራሕቲ ንሰራሕተኛታቶም ካብ ግብሪ ነፃ ዝኾነ መተባብዒ ኣብ መዛዘሚ ዓመት ክህባ ከም ዘለወን ሓቢሩ።

ይኹን ደኣ'ምበር ኣብ ልዕሊ ዝሓሸ ሃፍቲ ዘሎ ግብሪ ናብ ዝነበሮ ክምለስ ንዝቐረበ ሕቶ ኣይተቐበሎን። "እዚ ዘዳኽመና'ዩ፤ ዕድላት ስራሕ ክንፈጥር ይግባእ" ኢሉ።

ሰራሕተኛታት ንመደረ ፕረዚደንት ማክሮን ንምስማዕ ኣብ ቅድሚ ተለቪዥን ተኣኻኺቦም

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ሰራሕተኛታት ንመደረ ፕረዚደንት ማክሮን ንምስማዕ ተኣኻኺቦም

እቲ ዝተሓተ መሃያ ብ 7 ሚኢታዊት ክዓቢ ዝግበር ኮይኑ፡ ነቲ ወሰኽ ዝወፅእ ድማ ብኣስራሕቲ ዘይኮነስ ብመንግስቲ'ዩ ክሽፈን።

በዚ ውሳነ ንዝውሰድ ስጉምቲ ዝወፅእ ወፃኢ ካብ 8 ክሳብ 10 ቢልዮን ዩሮ ከም ዝበፅሕ ይዝረብ።