ኢማኑኤል ማክሮን፡ ብፈተነ ቅትለት ፕረዚደንት ፈረንሳ ዝተጠርጠሩ ሹድሽተ ሰባት ተኣሲሮም

ፕሬዚደንት ኢማኑኤል ማክሮን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

ሓሙሽተ ኣወዳትን ሓንቲ ጓልንስተይቲ ትርከቦም ሽዱሽተ ፈረንሳውያን፡ ፕረዚደንት ማክሮን ንምቕታል መደብ ኣውጺኦም ተባሂሎም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘለው ናይ ፈረንሳ ኣባላት ጸጥታ ገሊጾም።

እንተኾነ ኣስማት ናይቶም ጥርጡራትን መደባቶምን ዛጊት ብዝርዝር ንህዝቢ ኣይተገልጸን ዘሎ።

ኣብ ልዕሊ ሂወት ፕረዚደንት ፈረንሳ ኤማኑኤል ማክሮን መጥቃዕቲ ንምክያድ ዝመደቡ ሽዱሽተ ሰባት ከምዝተታሕዙ ገለ ሰበ-ስልጣናት ፈረንሳ ገሊጾም።

ከምቲ እቲ መግለጺ ዝሕብሮ፡ ሓሙሽተ ደቂተባዕትዮን ሓንቲ ጓል ኣንስተይትን ብኣባላት ጸጥታ ፈረንሳ ኣብ ከተማ ብሪታኒ ከምዝተታሕዙ እዩ።

ድሮ ኣብ ልዕሊ ገበናዊ ግብረ-ሽበራር ማሕበር መርመራ ከምዝተጀመረ፡ ምንጭታት ካብ ቤት ፍርዲ ሓቢሮም።

እንተኾነ፡ ዝርዝር ናይቶም ጥርጡራትን እቲ ዝተወጠነ ናይ ቅትለት መደባትን ጌና ኣይተገልጸን ዘሎ።

እቲ ዝካየድ ዘሎ መርመራ ኣብ ልዕሊ'ቲ ቅትለት ንምክያድ ዝተወጠነ ውዲት ዝዓለመ'ዩ። እንተኾነ እቲ ጉዳይ ስጋብ ሕጂ ጌና ኣይተነጸረን ዘሎ ኢሉ ዓቃብ ሕጊ ፈረንሳ።

ዳይረክተር ውሽጣዊ ጉዳያት ፈረንሳ'ውን እቶም ጥርጡራት ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ክትትል ትካል ጸጥታ ፈረንሳ ከምዝነበሩ ገሊጹ።

ብተወሳኺ፡ እቶም ጥርጡራት ኣብ ዞባታት ሞዜል፡ ኢዜርን ሰሜናዊ ዞባ ኢልቬሌን ከም ዝተታሕዙ ተፈሊጡ።

ምትሐዝ እዞም ጥርጡራት፡ ፕሬዚደንት ማክሮን ዝኽሪ ሚኢቲ ዓመት ቀዳማይ ኲናት ዓለም ንምብዓል ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ፈረንሳ ዑደት ኣብዝፍጽመሉ እዋን'ዩ ኣጋጢሙ።

ዝሓለፈ ዓመት፡ ብ14 ሓምለ ፈረንሳ ሃገራዊ በዓል ባዝቲል ኣብትጽምብለለኡ ዝነበረት እዋን፡ ሓደ ወዲ 23 ዓመት ፈረንሳዊ ንፕረዚደንት ማክሮን ክቐትል መዲቡ ተባሂሉ ከምዝተኣስረ ይዝከር።