ወናኒ ክለብ ቸልሲ ኣብራሞቪች ቪዛ ዓባይ ብርጣንያ ከሐድስ ኣይኽኣለን

ምንጪ ስእሊ, EPA
Published
ወናኒ ክለብ ኩዕሶ እግሪ ቸልሲ፡ ሮማን ኣብራሞቪች ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ዘእትዎ ቪዛ ኣብ ምሕዳስ ከምዝተዳናጎየ ቢቢሲ ኣረጋጊጹ።
እዚ ቢልዮነር ሩስያዊ፡ ቀዳም ዝተካየደ ግጥም ኤፍ ኤ ካፕ ብዓወት ቸልሲ 1-0 ኣብ ልዕሊ ማንቸስተር ዩናይትድ ዝተዛዝመ ፡ ኣብ ሜዳ ተሳቲፉ ዓውት ዝውና ጋንታ ክጽንብል ኣይካለን።
ቪዙኡ ኣብ መስርሕ ምሕዳስ ከምዘሎን፡ ካብቲ ልሙድ ግዜ ንላዕሊ ከምዝወሰደን ድማ ናይ ቀረባ ምንጭታት ይሕብሩ።
ሚኒስተር ጸጥታ በን ዋለስ ብዛዕባ'ዚ ጉዳይ ኣብ ዝተሓተተሉ፡ ኣብ ኣሰራርሐ ወልቃዊ ጉዳይ ርእይቶ ከምዘይህብ ኣረዲኡ።
ኣብራሞቪች ቪዛ ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ከምዝወደቀ ጸብጻባት የመልክቱ።
ኣብራሞቪች ሃብቱ፡ 1990 ካብ ምዕዳን ዘይትን ጋዝን ከምዝደለበ፡ ኣብ 2003 ወናኒ ክለብ ቸልሲ ክኽውን ከምዝኸኣለን ይሕበር።
ብመሰረት ሳንደይ ታይምስ፡ ወናኒ ክለብ ቸልሲ ሮማን ኣብራሞቪች ፡ ኣብ ተርታ ሰብ ርእሰማል ዓባይ ብሪጣንይ ብኣስታት 9.3 ቢልዮን ኣብ መበል 13 ከምዝስራዕ ኣስፊርዎ'ሎ።
ሮማን ኣብራሞቪች ንክለብ ቸልሲ ካብ ዝውንን ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ብቐጻሊ ዝመላለስ ኮይኑ፡ ንዝበዝሐ ቸልሲ ኣብ ሜዳኣ እተካይዶ ጸወታታት ብኣካል ከምዝዕዘብ ይፍለጥ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሮማን ኣብራሞቪች መን'ዩ?
- ዕድሚኡ 51 ኮይኑ፡ ሓደ ካብቶም ዝሃፍተሙ ሩስያዊ ቢልዮነር እዩ።
- ቅድሚ ሃብቲ ምጥራዩ ሸቃጣይ ባምቡላታት ነይሩ።
- ኣብራሞቪች ከም ኣመሓዳሪ ናይ ሓንቲ ከተማ ሩስያ ኮይኑ ሰሪሑ።
- ቀረባ ዓርኪ ፕረስደንት ሩስያ ቪላድሚር ፑቲን ከምዝኮነ ይንገረሉ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
