እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
እቲ ኤጀንሲ ብእዋኑ 'መጠንቀቕታ ክህብ ኣይከኣለን' ተባሂሉ
ተቓወምቲ ፖለቲካ ጓቲማላ፡ ሓላፊ ኤጀንሲ ምክልኻል ሓደጋ እታ ሃገር ካብ መዝነቱ ክለዓል ሓቲቶም።
ነዚ ሕቲ ዘቕረቡሉ ምኽንያት እቲ ኤጀንሲ ብዛዕባ እቲ ኣብታ ሃገር ዘጋጠመ ቅልጡፍ ቅድመ መጠንቀቕታ ክህብ ኣይካኣለን ዝብል'ዩ።
ማርዮ ታራሲና ዝተባሃሉ ነባር ተቓዋሚ፡ ብሽለልተኝነት ዝተፈፀመ ገበን ከይህሉ መንግስቲ ምርመራ ገበን ክጅምር ፀዊዖም።
ካብ ዝሓለፈ ሰንበት ጀሚሩ ክሳብ ሕዚ 99 ሰባት ከምዝሞቱ ተፈሊጡ'ሎ። ካልኦት ብዙሓት ድማ ደሃዮም ተሳኢኑ።
ኣብ ፀዳፍ ቦታታት ዝነብሩ ሰባት በቲ ሓሙኽሽቲን ጭቃን ተዓቢጦም ከምዘለው ይግለፅ።
የጋጥሙ ዘለው ኣናኣሽቱ ነትጒታትን ዋዒ ናይቲ ኣኻውሕን ኩምሪ ጭቃን ኣብ ስራሕቲ ኣለሻ ምጉታት ፈጢሩ።
ልዕሊ 1.7 ሚልዮን ሰባት ግዳይ እቲ ብሰንበት ዘጋጠመ እሳተ ጎመራ ክኾኑ ከለው፡ ልዕሊ 3,000 ሰባት ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም።
እቲ ኤጀንሲ ክሰርሖ ዘይካኣለ እንታይ እዩ?
ኪኢላታት መፅናዕቲ እሳተ ጎመራ፡ ሰባት ናብ ካልእ ቦታ ክላዓሉ ቅድሚ እቲ ናይ ሰንበት እሳተ ጎመራ፡ ንሰብመዚ መጠንቀቕታ ከምዝሃቡ ይዛረቡ።
ይኹን ዳኣ'ምበር እቲ ኤጀንሲ ነዚ ቅልጡፍ ግብረ-መልሲ ክህብ ኣይከኣለን።
ክሳብ ክንድዚ ዝኣክል ምፍንቓል ዘድልዮ ስግኣት ከምዘየለ ብምግላፅ'ውን ንመጠንቀቕታ እቶም ኪኢላታት ቆላሕታ ኣይሃቡን።