እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዘመትቲ ከብቲ፡ ልዕሊ 20 ናይጀሪያውያን ቀቲሎም
ኣብ ሰሜናዊ ግዝኣት ዛምፋራ ናይ ናይጀሪያ ዘመትቲ ከብቲ 20 ሰባት ከምዝቐተሉ ሰበ-ስልጣን`ታ ሃገር ኣፍሊጦም።
እቶም ዘመትቲ ኣብ ሞተር ብሽግለታታት ተወጢሖም ናብታ ዓዲ ድሕሪ ምእታው ናብ ሰባት ክትኩሱን ኣባይቶም ብሓዊ ከቃጽሉን ጀሚሮም።
ኣብ መንጎ ኣባላት ጉጅለታት ነብሰ-ምክልኻል (ቪጂላንተ) ናይ ዛምፋራን ዘመትቲ ከብትን ዝካየዱ ግጭታት ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ኣዋርሕ እናዛየዱ ክመጹ ጸኒሖም ኣለዉ።
ኣብ ናይጀርያ፡ ምስ ምዝማት ከብቲ ዝተተሓሓዙ ግጭታት ካብቲ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ናይ`ታ ሃገር ዘሎ እስላማዊ ምንቅስቓስ ይኹን ኣብ ደቡባዊ ክፋል ዘሎ ዝምታ ነዳዲ ንላዕሊ ንዓመታት ዝኣክል ክካየዱ ጸኒሖም`ዮም። ቁጽሪ ናይቶም ኣብ እዋን ምዝማት ከብቲ ዝቕተሉ ሰባት ድማ ካብቶም ኣብ እዋን ግጭት ቦኮ ሓራም ዝቕተሉ ንላዕሊ`ዩ ድማ ይበሃል፡ ዋላ`ኳ ወግዓዊ ሓበሬታ ንምርካብ ኣሸጋሪ እንተኾነ።
ነበርቲ ናይታ ዓዲ፡ `ነቶም ሸፋቱ ንምብዳህ ዝፈተኑ ኣባላት ነብሰ-ምክልኻል ሓዊስካ ኣብቲ መጥቃዕቲ ዝተቐትሉ 23 ሰባት ከምዝቐበሩ` ኣቦ መንበር ዞባዊ መንግስቲ ዛኖካ ሙስጣፋ መሓመድ ንማዕከን ዜና ኤ ኤፍ ፒ ሓቢሩ።
ብመሰረት ሓበሬታ ምምሕዳር ግዝኣት ዛምፋራ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሸውዓተ ዓመታት ልዕሊ 10,000 ከብቲ ተዘሚተን ኣለዋ።
ዝበዝሑ ምስ ዝምታ ከብቲ ዝተተሓሓዙ ግጭታት ዝካየዱ ኣብ መንጎ`ቶም ኣብቲ ዋሕዲ ተፈጥሮኣዊ ጸጋታት ዘለዉ ከባቢታት ናይ ማእከላይ ማዕጥቖ ተባሂሉ ዝፍለጥ ቦታ ዝነብሩ ጓሶትን ሰፋሮ ሓረስቶትን`ዩ ኢላ ልእኽቲ ናይ ቢቢሲ ሜሪ ሃርፐር።
ገለ ተንተንቲ ድማ እቲ ግጭት ኣብ መንጎ ሰበኽ-ሳግም ኣስላምን ክርስቲያን ሓረስቶትን`ዩ ዝካየድ ይብሉ። እንተኾነ ግን እቲ ጉዳይ ገበነኛታትን ፖለቲከኛታትን ዝሳተፍዎ ዝተሓላለኸ ከምዝኾነ ልኡኽና ሓቢራ።
ሕማቕ ምሕደራ መበቆል ናይ`ቲ ግጭት ከምዝኾነ ብዙሓት ሰባት ይዛረቡ፡ ሓይልታት ጸጥታ ድማ ብልሽዋትን ብቕዓት ኣልቦን ምዃኖም ይንገረሎም ኢላ ንሳ ብምውሳኽ።
ገንዘብ ንምርካብ ተባሂሎም ዝካየዱ ጭውያ ሰባት`ውን እናዛየዱ ክመጹ ጸኒሖም ኣለዉ። ኣብ ፈለማ ወርሒ ግንቦት፡ ኣብ ሓደ ኣብ ጥቓ ዶብ ናይ ግዝኣታት ካዱናን ዛምፋራን ዝርከብ መንገዲ ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓታት ጥራይ ኣስታት 100 ሰባት ተጨውዮም።