ፍልስጤማዊ ጋዜጠኛ ምስ 42 ኣዝማዱ ብደብዳብ ተቐቲሉ

ምንጪ ስእሊ, Wafa news agency
ሓደ ፍልስጤማዊ ጋዜጠኛ ምስ 42 ኣባላት ስድራቤቱ ብመጥቃዕቲ ኣየር እስራኤል ከምዝተቐትለ ዝሰርሓሉ ዝነበረ ትካል ዜና ሓቢሩ።
ኣገልግሎት ዜና ፍልስጤም ‘ዋፋ’ ከምዝበሎ፡ መሓመድ ኣቡ ሓሲራ ኣብ ምዕራባዊ ከባቢታት ከተማ ቓዛ እዩ ተቐቲሉ።
እቲ ብ7 ጥቅምቲ ብመጥቃዕቲ ሓማስ ዝተወልዐ ኲናት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ 37 ጋዜጠኛታት ከምዝተቐትሉ ንድሕነት ጋዜጠኛታት ዝሕለቕ ማሕበር ሲ-ፒ-ጀይ የመልክት።
ኣብቲ ዝቕጽል ዘሎ ደብዳባት እስራኤል ልዕሊ 10 ሽሕ ሰባት ተቐቲሎም ከምዘለዉ ሰብመዚ ጥዕና ቓዛ ይሕብሩ።
ብወገን እስራኤል ድማ፡ ኣብቲ ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ ዘካየዶ መጥቃዕቲ 1400 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ኣስታት 240 ካልኦት ኣብ ቓዛ ብሓማስ ጅሆ ተታሒዞም ይርከቡ።
ኣብቲ መጥቃዕትን ኣብ ዝቐጸለ ውግእን ሓያለ ወተሃደራት እስራኤል’ውን ተቐቲሎም ኣለዉ።
ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰራሕተኛታት ሕቡራት ሃገራት ዝርከቦም ትካላት ሰብኣዊ ረዲኤት ከምዝተቐትሉ’ውን ይፍለጥ።







