
ምንጪ ስእሊ, ISRAEL DEFENSE FORCES
ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ድሕሪ ምዝዛም እቲ ኲናት፡ እስራኤል ኣብ ቓዛ ክትቅጽል ከምዘይብላ ኣጠንቂቑ።
ሓማስ ነቲ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ዘካየዶ መጥቃዕቲ ክደግሞ ይኽእል እዩ ብዝብል ስግኣት ንቓዛ ምቍጽጻር ክቕጽል ከምዘይብሉ እቲ በዓል ስልጣን ኣስሚሩሉ።
እንተዀነ፡ እስራኤል ዘይኰነትስ እቲ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ዝርከብ በዓል መዚ ፍልስጤም ንቓዛ ከመሓድር ኣለዎ ኢሉ።
እስራኤል ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ቓዛ ብግዴታ ናይ ምውጻእ፡ ከበባ ወይ ምዕጋት ክትገብር የብላን፡ መሬት ቓዛ እውን ክትመቓቕል የብላን ኢሉ።
ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ነታንያሁ፡ እስራኤል ንዘይተወሰነ እዋን ኣብ ቓዛ ሓፈሻዊ ሓለፍነት ጸጥታ ክትቈጻጸር እያ ኢሉ ነይሩ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነቲ መገለጺኡ ኣየብርሀን፤ እንተዀነ ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን እስራኤል ንቓዛ ዳግማይ ክትሕዛ ወይ "ንነዊሕ እዋን ኣብ ትሕቲ ቍጽጽራ ክትጸንሕ" ድሌት ከምዘይብላ ገሊጹ።
እስራኤል ንሓማስ ከጥፍእ እየ ብምባል ኣብ ልዕሊ ቓዛ ዘይሕለል መጥቃዕቲ ነፈርቲ ካብ እትፍጽም ወርሒ ኣቝጺራ ኣላ።
ኣብታ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ከበባ ዘእተወታ ቓዛ ሓይሊ ኤሌክትሪክ፡ ማይን ነዳድን ቈሪጻ፡ ኣጋር ሰራዊት ብምውፋር ዝተዋደደ መጥቃዕቲ ተካይድ ኣላ።
ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ፡ በዚ መጥቃዕትታት ልዕሊ 10,500 ሰባት ከምዝሞቱ፡ ብዙሓት ካብኣቶም ድማ ህጻናት ከምዝዀኑ ኣፍሊጡ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ቓዛ ናብ መቓብር ህጻናት ትቕየር ከምዘላ ብምግላጽ፡ ነቲ ዘሕዝን ፍጻመ ብምጥቃስ፡ ብቕልጡፍ ተዅሲ ደው ክብል ጸዊዑ።
ኣብቲ ብሓማስ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ልዕሊ 1400 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ 240 ሰባት ድማ ጅሆ ከምዝተትሓዙ ይንገር።