ፕረዚደንት ባይደን ሆስፒታል ኣል-ሺፋ ውሕስነት ክወሃቦ ይግባእ ኢሉ

ምንጪ ስእሊ, Al Drago/POOL/EPA-EFE/REX/Shutterstock
ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን፡ እስራኤል ኣብ ቓዛ ንዝርከብ ሆስፒታል ኣል-ሺፋ ውሕስነት ክትህብ ተማህጺኑ።
ንሱ ብሰኑይ ካብ ቤት-ጽሕፈቱ ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ ኣሜሪካ ምስ እስራኤል ክትዘራረብ ምጽንሓን “ምስቲ ሆስፒታል ብዝዛመድ ዝወሓደ ረባሺ ተግባራት ክህሉ” ከምዝትስፎን ዝጽበይን ሓቢሩ።
ኣብቲ ንጋዜጠኛታት ዝሃቦ መብርሂ “እቲ ሆስፒታል ክሕሎ ይግባእ፡” ኢሉ።
ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት እስራኤል ብኣጋር ኣብ ልዕሊ ሓማስ እትገብሮ መጥቃዕቲ ኣብ ዝቐጸለትሉ ኩነታት ኣብ ከባቢ ሆስፒታል ከተማ ቓዛ ኲናት በርቲዑ ኣሎ።
ብዙሓት ሃገራት ረድኤት ኮነ ሰባት ናብ ቓዛ ክኣትውን ክወጹን ምእንቲ ክኽእሉ ንሰብኣዊ ደውታ ተዅሲ ክጽውዓ እንከለዋ ካልኦት ከኣ ምሉእ ምቁራጽ ተዅሲ ይጠልባ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ እስራኤል ኣብ ገለ ክፋላት ሰሜናዊ ቓዛ መጥቃዕታ ክትቅጽል እንከላ፡ መዓልታዊ ንኣርባዕተ ሰዓታት ዝጸንሕ ወተሃደራዊ ደውታ ክትገብር ክትጅምር ምዃና ኣሜሪካ ገሊጻ ኔራ።
ብሰኑይ ሰራዊት እስራኤል ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ካብ ዝሓለፈ ረቡዕ ጀሚሩ ደውታ ተኵሲ ዝግበረለን ምዃኑ ዝገለጸን ሸሞንተ ቦታታት ኣፍሊጡ።
መብዛሕትኦም ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ከተማ ቓዛ እኳ እንተነበሩ፡ እቲ ናይ ሰኑይ ግና ኣብ ደቡባዊት ከተማ ራፋሕ ኮይኑ ንኣርባዕተ ሰዓታት ጸኒሑ።
















