ጆ ባይደን፡ ‘ኣመሪካ ኢዳ እንተእትያ፡ ሳልሳይ ኲናት ዓለም ክለዓል እዩ’
ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝኸፈተቶ ወራር ክልተ ሰሙን መሊእዎ ኣሎ። ሚኒስተር ጕዳያት ወጻኢ ሰርገይ ላቭሮቭን ናይ ዩክረይን መዘናኡ ድሚትሮ ኩሌባን ኣብ ቱርኪ ዘካድዎ ዘተ ብዘይ ፍረ ተበቲኑ። ጆ ባይደን፡ ‘ኣመሪካ ኣብ ዩክረይን ኢዳ እንተእትያ፡ ሳልሳይ ኲናት ዓለም ክለዓል እዩ’ ክብል ኣጠንቂቑ ኣሎ። እቲ ኲናት ዝምልከት ዝህልዉ ሓደሽቲ ምዕባለታት ኣብዚ ክነቕርበልኩም ኢና ተኸታተሉና።
ቀጥታዊ ሸፈነ
ሓድሽ ዜና, ብውሑዱ 70 ወተሃደራት ዩክሬይን ተቐቲሎም

ምንጪ ስእሊ, Dmytro Zhyvytskyi/ Telegram
መግለጺ ስእሊ, ከቢድ ብረት ሩስያ ኣብ ኦካትሪካ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ደብዲቡ፤ ብውሑዱ 70 ወተሃደራት ዩክሬን ቀቲሉ ሰብመዚ ዩክሬን፡ ሩስያ ንወተሃደራዊ መዓስከር ብከቢድ ብረት ምድብዳባ ስዒቡ ብውሑዱ 70 ወተሃደራት ዩክሬን ከምዝተቐተሉ ኣረጋጊፆም።
እታ ትማሊ ሰንበት ዒላማ ደብዳብ ከቢድ ብረት ዝኾነት ሰሜናዊ ምብራቕ ኦኮትሪካ፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ትሕቲ ዕፅዋ ሓይልታት ሩስያ ኣብ ትርከብ ክልል ሳሚ እያ ትርከብ።
ትማሊ ሰኑይ ሰራሕተኛት ሂወት ኣድሕን፡ ካብ ፍርስራስ ህንፃታት ብሂወት ዝተረፉ ሰባት ንምርካብ ኣለሻ የካይዱ ኔሮም።
ባይቶ ዩክሬን ነቶም ብመጥቃዕቲ ሩስያ ዝተቐተሉ ወተሃደራት ዩክሬን፡ “ ዘልኣለማዊ ክብሪ ንጀጋኑ ዩክሬን” ብምባል፡ ብመገዲ ትዊተር ነቶም ወተሃደራት ምስጋና ኣቕሪቡ። ቤት ምኽሪ ዩክሬን፡ እቶም ወተሃደራት ብሚሳይላት ሩስያ ከምዝተቐተሉ ገሊፁ።
ንንኡሽቶ ደሴት እናተኸላኸሉ ሞይቶም ዝተባህሉ ዩክሬናውያን ብህይወት ተረኺቦም
ኣብ ዩክሬይን ዛጊድ ዘለዉ ሓደሽቲ ምዕባለታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ርእሰከተማ ዩክሬይን ከተማ ኪዬቭ ብኣቆፃፅራ ሰዓት እታ ሃገር ሽድሽተ ሰዓት ናይ ንጉሆ ሓሊፉ ኣሎ፤ ብዛዕባ እቲ ኵናት ዘለዉ ሓደሽቲ ምዕባለታት እነሆ።
* ሰራዊት ሩስያ ዋና ከተማ ኪዬቭ ንምቁፅፃር የካይዶ ዘሎ ገስጋስ ይቕፅል ኣሎ፤ ምስልታት ሳትላይት 65 ኪ.ሜ ንውሓት ዘለወን ዝተዓጠቓ ድሩዓት (ወታደራዊ መኻይን) ክጓዓዛ የርእይ።
* መሰኻኽር ዓይኒ፡ ወተሃደራት ሩስያ ኣብ ደቡባዊ ከተማ ኬርሶን ናይ ምድሪ መጥቃዕቲ ከምዝጀመሩ ገሊፆም።
* ኣብ መላእ ከተማታት ዩክሬን፡ ትማሊ ለይቲ ተወሰኽቲ ነትጕታት ዝተሰምዑ እንትኾኑ፡ ሰብመዚ ድማ ብዙሓት ሲቪላት ከምዝሞቱ ኣፍሊጦም።
·ትማሊ ኣብ ዶብ ቤላሩስ ዝተዛተዩ ልኡኻት ሩስያን ዩክሬንን፡ ኣብ ዝቕፅሉ መዓልታት ንምርኻብ ቆፀሮ ካብ ምሓዝ ብዝዘለለ ኣብ ስምምዕ ኣይበፅሑን።
* ፕረዝደንት ዩክሬን ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ ዘተ ሰላም ኣብ ዝካየደሉ ግዘ’ውን ሩስያውያን ንከተማታት ካርኪቭ፣ ኪዬቭን ቼርኒሂቭን ምጥቃዕ ቀፂሎም ኢሉ።
* ካብዚ ብተወሳኺ እቲ ፕረዝደንት፡ ኣብ ሃገሩ በረራታት ክእገድን ሩስያ ካብ ቀዋሚ ኣባልነት ባይቶ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት ክትእለን ሓቲቱ።
* ዩክሬይን ናብ ሕብረት ኣውሮጳ ንምፅንባር ወግዓዊ ሕቶ ዘቕረበት ኮይና፡ ብውሑዱ ሸሞንተ ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ድጋፈን ኣርእየን።
ድሩዓት ወተሃደራዊ መካይን ሩስያ ናብ ርእሰ ከተማ ዩክሬይን ኬይቭ ይተማ ከምዘለዋ ተሓቢሩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣዝዩ ገዚፍ ቃፍላይ ድሩዓት ወተሃደራዊ መካይን ሩስያ፡ ናብ ርእሰ ከተማ ዩክሬይን ኬየቭ ይተምም ከምዘሎ ምስልታት ሳተላይት ኣመለኪቱ።
ማክሳር ቴክኖሎጂ ዝተብሃለ ምስልታት ሳተላይት ዘቕርብ ትካል ዘወጸኦ ምስልታት፡ ድሩዓት ወተሃደራዊ መኻይን ሩሰያ ልዕሊ 50 ኪሎ ሜትር ዝሽፍን ተርታ ሒዘን፡ ናብ ኪዬቭ ይግስግሳ ከምዘለዋ የርኢ።
እቲ ትካል ሳተላይት ወሲኹ ከምዝበሎ፡ ነፈርቲ ውግእ ሩስያ ኣብ ደቡባዊ ቤላሩስ ኣብ ጥቓ ዶባት ዩክሬይን ዓስኪረን ከምዝርከባ ኣፍሊጡ።
እዚ ኣዝዩ ገዚፍ ዝተብሃለ ቃፍላይ ወተሃደራዊ መኻይን ካብ ርእሰ ከተማ ኬይቭ ብሰሜን ገጽ ኣብ እትርከብ ኢቫንኪቭ ዝተብሃለት ከተማ ዩክሬየን እየን ዝርከባ።
ዩክሬይንን ሩሲያን እቲ ኲናት ንኸብቅዕ ልዝብ ከምዝጀመሩ እንተተሓበረ'ኳ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ግዝኣታት ዩክሬይን ውግእ ቀጺሉ ከምዘሎ ጸብጻባት የመልክቱ።
ኒዩክሌራዊ ሓደጋታት እንታይ እዩ?
ኣብ ዶነስክ ዘጋጠመ ዕንወት

ምንጪ ስእሊ, Reuters
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ጥቓ ዝተቓፀለ መንበሪ ገዝኣ ደው ዝበለት ሰበይቲ ኣብ ምብራቓዊ ዩክሬን ተነጸልቲ ካብ ዝቆፃፀርዋ ግዝኣት ዶነስክ ዝወፅኡ ምስልታት ዕንወት ከምዝወረደ የርእዩ።
ሰብመዚ እቲ ከባቢ እቲ ዕንወት ብዩክሬን ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ከቢድ ብረት ዝወረደ እዩ ኢሎም ይኣምኑ።
ኣብታ መንበሪ ተዛረብቲ ቋንቋ ሩስያ ዝኾነት ግዝኣት ዝዓነዉ መንበሪ ኣባይትን ኣብ ጎደነታት ዝተቓፀሉ ናይ መኪና ጎማታትን ይረኣዩ።
ካብዚ ብተወሳኺ ነበርቲ ከተማታት ሆርሊቭካ፣ ዶነስክን ብመጥቃዕቲ ከቢድ ብረት ንዝሞቱ ክልተ መማህራን ስነ ስርዓት ቀብሪ ኣካይዶም።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
መግለጺ ስእሊ, ደጋፊ ሩስያ ዝኾነ ምልሻ ብደብዳብ ዝዓነወ ገዛ እናፈተሸ 
ምንጪ ስእሊ, Reuters

ምንጪ ስእሊ, Reuters
መግለጺ ስእሊ, ብዩክሬን ብዝተኻየደ ደብዳብ ዝሞታ የለና ኢቫኖቫን የለና ኩድሪክን 
ምንጪ ስእሊ, Reuters
ጥዕና ይሃበልና!, ከመይ ሓዲርኩም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ዝኸፈተቶ ወራር እነሆ ሻድሻይ መዓልቲ ኣቑፂሩ።
ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ትሕቲ ሶቭየት ሕብረት ናይ ዝነበራ ጎንፂ ክልቲአን ሃገራት ንከይገድድን ናብ ካልኦት ሃገራት ከይላባዕን ስግኣት ተፈጢሩ ኣሎ።
ብዙሓት ምዕራባውያን ሃገራት፡ ብመሳርሒ ኵናት ኮነ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ጎኒ ዩክሬን ከምዝኾና የርእያ ኣለዋ። ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ማዕቐባት ዓለምለኸ ናይ ክፍሊት ስርዓት፣ እገዳታት ስዊፍትን ብዙሓት ማዕቐባት ተነቢሩ ኣሎ።
ዩክሬንን ሩስያን ነቲ ኵናት ንምግታእ ትማሊ ኣብ ዶብ ቤላሩስ ዝተላዘባ እንትኾና፡ ዩክሬን ቅድሚ እቲ ልዝብ ተኹሲ ደው ክብል ምጥላባ ይዝከር።
ትማሊ፡ ሕቡራት ሃገራት ብሰንኪ እዚ ኵናት ኣስታት ፍርቂ ሚልየን ዩክሬናውያን ከምዝተመዛበሉ ኣፍሊጡ ብዝብል ኢና ተፈሊናኩም ነይርና። እቲ ወጥሪ ድማ ቀጺሉ ሓዲሩ ኣሎ።
ሎሚ'ውን፡ ቢቢሲ ትግርኛ ብዛዕባ እዚ ቀልቢ ዓለም ዝገዝአ ኵናት ዘለዉ እዋናዊ ሓበሬታት ናባኹም ክብል እዩ፤ ተኸታተሉና።
ክለባትን ሃገራዊት ጋንታን ሩስያ ካብ ኩሉ ጸወታታት ኩዕሶ እግሪ ዓለም ተኣጊደን

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ፈደረሽን ኲዕሶ እግሪ ዓለም (ፊፋ)ን ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣውሮጳ (ዩዌፋ)ን ምስ ኲናት ዩክሬን ብዝተሓሓዝ ንክለባትን ሃገራዊት ጋንታን ሩስያ ካብ ኩሉ ጸወታታት ኣጊዶም።
እቲ እገዳ “ንዘይተወሰነ ግዜ” ጸኒዑ ከምዝቕጽል ክልቲኦም ፈደረሽናት ኣፍሊጦም ኣለዉ።
ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት ኣብ ዝተኻየዱ ጸወታታት ኣውሮጳ፡ ደገፍትን ተጻወትን ንዩክሬን ዘለዎም ደገፍን ምሕዝነትን ክገልጹ ተራእዮም ነይሮም።
እቲ ስጉምቲ፡ ነቲ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ዝግበር ግጥማት ሃገራዊት ጋንታ ደቂ-ተባዕትዮን ደቂ-ኣንስትዮን ክጸልዎም’ዩ ተባሂሉ።
ክለብ ስፓርታክ ሞስኮ’ውን፡ ካብቲ ምስ ጀርመናዊት ክለብ ላይፕዚግ ዝነበራ ግጥም ተሰጒጋ’ላ።
ብዘይካ’ዚ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣውሮጳ ምስ ትካል ጋዝ ሩስያ፡ ‘ጋዝፕሮም’፡ ንዝነበሮ ናይ ምወላ ስምምዕ ሰሪዝዎ’ሎ።
ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ሰባት ካብ ዩክሬን ከምዝሃደሙ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ሰባት ካብ ኲናት ዩክሬን ሃዲሞም ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ከምዝወጹ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።
ሓይልታት ሩስያ ኣብ ልዕሊ ርእሰከተማ ኪየቭ፡ ካራኪቭን ቸርኒቭን ዝርከብአን ቀንዲ ከተማታት መጥቃዕትታቶም ቀጺሎም ኣለዉ።
ሰብመዚ ዩክሬን ከምዝበልዎ፡ ኣብ ከተማ ካራኪቭ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሲቪላውያን ሰባት ተቐቲሎም።
እቲ ኣብ መንጎ ልኡኻት ሩስያን ዩክሬንን ኣብ ቤላሩስ ዝካየድ ዘሎ ዝርርብ፡ “ኲናት ደው ንኽብል ንእሽቶ ዕድል” ከምዝፈጠረ ፕረዚደንት ዩክሬን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ’ሎ።
ሚኒስትሪ ምክልኻል ብሪጣንያ ኣብ ዘውጽኦ ስለያዊ ሓበሬታ፡ እቲ ዝገዘፈ ሓይሊ ሩስያ ካብ ርእሰከተማ ኪየቭ 30 ኪሜ ርሒቑ ከምዘሎን፡ ካብ ሓይልታት ዩክሬን ሓያል ተቛውሞ ከምዝገጠሞን ጠቒሱ።
ሓይልታት ሩስያ ኣብተን ከተማታት ደብዳብ የካይዱ ከምዘለዉ ጸብጻባት ይገልጹ።
ብደቡባዊ ኣንፈት’ውን፡ ሰራዊት ሩስያ ንኣገዳሲት ከተማ ማሪዩፖል ንምቁጽጻር ይዋጋእ ከምዘሎ ተፈሊጡ።
ነቲ ኣብ ዛፖሪዝዚያ ዝርከብ ኣብ ኣውሮጳ ዝዓበየ ኑክሌራዊ መደበር ጸዓት ከምዝተቖጻጸርዎ ዝገልጽ ጸብጻባት ግን ሓቂ ከምዘይኮነ ዩክሬን ሓቢራ’ላ።
ካብ ኲናት ዩክሬን ዝሃደሙ ኣፍሪቃውያን ተመሃሮ ዝበጽሖም ዘሎ ኣድልዎ ቁጠዐ ፈጢሩ

ምንጪ ስእሊ, AFP
መግለጺ ስእሊ, ካብ ኲናት ዩክሬን ዝሃደሙ ኣፍሪቃውያን ተመሃሮ ኣብ ዩክሬን ክመሃሩ ዝጸንሑ ኣፍሪቃውያንን ህንዳውያንን ተመሃሮ፡ ብሰንኪ እዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ኲናት ካብታ ሃገር ንምህዳም ኣብ ዝግበር ዘሎ ድፍእ፡ ንዝተፈላለየ ሽግራትን ዓሌታዊ ኣድልዎን ተቓሊዖም ከም ዘለው፡ ካብታ ሃገር ዝወጹ ዘለው ጸብጻባት የመልክቱ።
ቢቢሲ ካብዞም ተመሃሮ ዝረኸቦ ሓበሬታ ከም ዘረጋገጾ፡ ማዕረ ዩክሬናውያን ኣብ ባቡር ከይስቀሉ ይኽልከሉን፡ ኣብ ዶባት'ውን ይከላበቱን ይተሓዙን ኣለው፡፡
መብዛእትኦም እዞም ኣብ ዩክሬን ዝጸንሑ ኣፍሪቃውያንን ህንዳውያንን ተመሃሮ፡ ብዙሕ ጸገማት ሰጊሮም ካብታ ሃገር ክወጹ'ኳ እንተኸኣሉ፡ ብዙሓት ግን ኣብኡ ተዓጽዮም ከም ዘለው ክፍለጥ ተኻኢሉ'ሎ።
ኣብ ነፍስ ወከፍ ዓመት፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ተመሃሮ፡ ብፍላይ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃን ህንድን ኣብ ዩኒቨርሲቲታት ዩክሬን ከምዝኣትዉ ይፍለጥ።
ብተዛማዲ ክፍሊት ትምህርቲ ኣብ ሃገራት ምብራቕ ኤውሮጳ ስለዝሓስር፡ ካብ ኣፍሪቃን ህንድን ሓያለ ተመሃሮ፡ ብፍላይ ዓውድታት ሕክምናን ምህንድስናን ንኸጽንዑ ናብኣተን ይመርጹ።
ካልኦት ጸብጻባት'ውን ከምዘመልክትዎ፡ እቶም ካብ ዩክሬን ንፖላንድ ክሰግሩ ዝፍትኑ ዘለው ኣፍሪቃውያን ኣብ ዶብ ፖላንድ ቡዙሕ ምክልባትን ኣድልዎን ይገጥሞም ኣሎ። ክወጽኡ ፍቓድ ኣለዎምን የብሎምን ንምጽራይ ድማ ኣብቲ ዶብ ብዛሕሊ ይሳቐዩ ኣለው።
ነዚ ኣመልኪቱ ሚኒስተር ጕዳያት ወጻኢ ዩክሬን፡ "እዚ ኣብ ዶብ ንወጻእተኛታት ዘጋጥም ዘሎ ሽግር፡ ሳዕቤን ናይቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ሕንፍሽፍሽ ምዃኑ ብምእማን፡ ኵሎም ወጻእተኛታት ክወጽኡ ፍቝድ እዩ፡" ክብል ተዛሪቡ'ሎ።
ፕረዚደንት ናይጀሪያ፡ መሓመዱ ቡሃሪ፡ "ፖሊስን ኣባላት ጸጥታን ዩክሬን፡ ናይጀርያውያን ኣብ ኣውቶቡስ ይዅን ባቡር ንኸይስቀሉ ይኽልክሉ ምህላዎም ዘሕዝኑ ጸብጻባት ይወጽኡ ኣለው፡" ብምባል እዚ ጕዳይ ከም ዝተሓሳሰቦ ገሊጹ።
ኣብዚ እዋን ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ብብዝሒ ዝዝርጋሕ ዘሎ፡ ሓንቲ ናይጀርያዊት ኣደ ምስ ንእሽቶ ወዳ፡ ካብቲ ኮፍ ኢላቶ ዝነበረት መንበር ንኽትስእን፡ ቦታኣ ንኻልእ ሰብ ክትህብን ምእንቲ ብሓይሊ ክትጋፋዕ እንከላ ዘርኢ ቪድዮ ዘጒሂ ምዃኑ ፕረዚደንት ቡሃሪ ብመገዲ ኣፈኛኡ ገሊጹ'ሎ።
መርበብ ሓበሬታ "News-24" ብወገኑ፡ ኣብ ዶብ ፖላንድ፡ ዩክሬናውያንን ኣፍሪቃውያንን ክፍለዩ፣ እቶም ኣፍሪቃውያን ከኣ ናብ ፖላንድ ንኸይኣትው ክኽልከሉ ዘርኢ ቪድዮ ዘርጊሑ'ሎ።
ዩክሬን ቅድሚ ልዝብ ተኹሲ ደው ክብል ጠሊባ, ዩክሬንን ሩስያን ኣብ ቤላሩስ ዘተ ሰላም ንምክያድ ይዳለዉ'ለዉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሰብመዚ ዩክሬይን፡ ቅድሚ እቲ ሩስያን ዩክሬንን ንምክያድ ተሊመንኦ ዘለዋ ዘተ ሰላም ተኹሲ ደው ክብል ሓቲቶም።
ሞስኮ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ወራር ካብ ትኸፍት ሎሚ ሓምሻይ መዓልቲ ኣብ ዘቑፀረሉ እዋን፡ ዩክሬንን ሩስያን ኣብ ቤላሩስ ዘተ ሰላም ንምክያድ ይዳለዉ እዮም ዘለዉ።
ሰብመዚ ዩክሬን፡ ኣብቲ ልዝብ ዝሳተፉ ልኡኻት ሃገሮም፡ ዩክሬን ምስ ቤላሩስ ኣብ ትዳወበሉ ዶብ ከምዝበፅሑ ኣፍሊጦም።
እቶም ልኡኻት፡ ተኹሲ ደው ክብልን ወተሃደራት ሩስያ ካብ ግዝኣት ዩክሬን ንክወፅኡን ኣብቲ ዘተ ቀንዲ ዛዕባ ክገብርዎ’ዮም።
ቅድም ክብል እቲ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ክካየድ ዝተወጠነ ዘተ ሰላም ብሰንኪ ስግኣት ድሕንነትን ካልኦት ምኽንያታትን ክናዋሕ’ዩ ፀኒሑ።
ፕረዝደንት ዩክሬን ዘለንስኪ፡ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝካየድ ልዝብ ርኡይ ለውጢ ከምፅእ’ዩ ኢሉ ከምዘይኣምን ገሊፁ ኔሩ።
እንተኾነ፡ ሃገሩ እቲ ኵናት ንምግታእ ኣይፀዓረትን ካብ ዝብል ወቐሳ ክንድሕን ኢና ኢሉ።
ቤላሩስ ብወገና፡ “ሩስያን ዩክሬንን ዘተ ሰላም ዘካይዳሉ መአከቢ ኣዳራሽ ኣዳልየ ኣለኹ” ኢላ።
ወሃቢቃል ኣናቶለይ ግላዝ፡ “ኣባላት እቲ ልኡኽ ጉጅለ ኣብቲ ቦታ ምስበፅሑ ዘተ ሰላም ክጅመር’ዩ” ኢሉ።
ዩክሬን ኣብዚ ልዝብ ንሩስያ ዋላ ሓደ ክፋል ግዝኣታ ንምሃብ ከምዘይትሰማማዕ ቀዲማ ኣፍሊጣ ኣላ።
ፖሊስ ሩስያ ነቲ ወራር ዝተቓወሙ ብዙሓት ሰባት ኣሲሩ, ኣብ 44 ከተማታት ሩስያ ነቲ ወራር ብምቅዋም ሰልፈኛታት ናብ አደባባይ ወጺኦም

ምንጪ ስእሊ, AFP
ፖሊስ ኣብ መላእ እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ዝተፈጸመ ወራር ብምቅዋም ናብ ኣደባባይ ዝወጽኡ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ሰባት ከምዝኣሰረ ሓደ እሙን ጸብጻብ ኣመልኪቱ።
ዘይሻራዊ ከምዝኾነ ዝእመነሉ ኦቪዲ-ኢንፎ ተባሂሉ ዝፍለጥ ጉጅለ፡ ኣብ 44 ከተማታት ሩስያ ነቲ ወራር ብምቅዋም ሰባት ናብ ኣደባባይ ወጺኦም ኢሉ።
ነዚ ስዒቡ፡ ፖሊስ እታ ሃገር ልዕሊ 4 ሺሕ ሰባት ከምዝኣሰረ ኣብ'ቲ ዘውጸኦ ጸብጻብ ገሊጹ።
ቢቢሲ ናይዞም ኣሃዛት ሓቃውነት ኣየረጋገፀን።
ፖሊስ፡ ትማሊ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ሞስኮ ንተቓውሞ ዝወጽኡ ሰልፈኛታት ኣብ ቀይዲ ኣእትዩ ኣሎ።
እቲ ዝበዝሐ ሰብ ዝተረኽቦ ተቓውሞ ዘተአናገደት ከተማ ቅዱስ ፒተርስበርግ ኰይና፤ ፖሊስ ኣብ ማእከል እታ ከተማ ዝተረኽቡ ሰባት ኣብ ቀይዲ እንተውዕል ዘርእዩ ምስልታት ብስፍሓት ተቓሊሖም።
ቤላሩስ፡ ልዝብ ሰላም ዝካየደሉ ቦታ ድሉው ምዃኑ ኣፍሊጣ

ምንጪ ስእሊ, Belarus Foreign Ministry
ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ወራር ካብ ትኸፍት ሎሚ ሓምሻይ መዓልቲ ዘቑፀረ ዀይኑ፡ ቤላሩስ፡ ዩክሬንን ሩስያን ዘተ ሰላም ዘካይዳሉ ቦታ ኣዳልየ ኣለኹ ኢላ።
መራሒ ቤላሩስ ውልቀ መላኺ ኣሌክሳንደር ሉካሸንኮ፡ ኣብቲ ወራር ንምፅንባር ወተሃደራት ዝለኣኸ ኾይኑ ፡ ዩክሬን ምስ ሩስያ ንምልዛብ ምስ ቤላሩስ ናብ ትዳወበሉ ዶብ ዲፕሎማሰኛታት ልኢኻ።
ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ቤላሩስ ፡ “ እቲ ሩስያን ዩክሬንን ዘተ ሰላም ዘካይዳሉ መአከቢ ቦታ ተዳልዩ ኣሎ” ብምባል ስእሊ ብባንዴራ ዩክሬንን ሩስያን ዝደመቐ ነዊሕ ጠረጴዛ ወግዓዊ ገይሩ።
ወሃቢቃል ኣናቶለይ ግላዝ፡ “ኣባላት እቲ ልኡኽ ጉጅለ ኣብቲ ቦታ ምስበፅሑ ዘተ ሰላም ክጅመር’ዩ” ኢሉ።
ዩክሬን ኣብዚ ልዝብ ንሩስያ ዋላ ሓደ ክፋል ግዝኣታ ንምሃብ ከምዘይትሰማማዕ ዝገለፀት ኮይና፡ ፕረዝደንት ዩክሬን ቮሎድሚር ዘለንስኪ’ውን፡“ካብዚ ልዝብ ውፅኢት ክርከብ እዩ ኢለ ኣይኣምንን፤ ግና ንፈትኖ” ኢሉ።
ሰራዊት ሩስያ ንከተማ በርድያንስክ ተቖፃፂሩ, ኣብ ደቡባዊ ዩክሬን ትርከብ ወደባዊት ከተማ በርድያንስክ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሩስያ ከምዝወዓለት ከንቲባ እታ ከተማ ኣፍሊጡ።
ኣብ ደቡባዊ ዩክሬን ትርከብ ወደባዊት ከተማ በርድያንስክ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሩስያ ከምዝወዓለት ከንቲባ እታ ከተማ ኣፍሊጡ።
ከንቲባ ከተማ በረድያንስክ ኣሌክሳንደር ስቪድሎ፡ ብኣቆፃፅራ ሰዓት እታ ሃገር ትማሊ ሰንበት ናይ ድሕሪ ሰዓት ወተሃደራት ሩስያ ናብታ ከተማ ከምዝኣተዉ ብፌስቡክ ኣብ ዝለቐቖ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ሓቢሩ።
ኣብ ሰዓታት ናይ ምሸት ሰዓት 2፡00 እቶም ወተሃደራት ናብታ ከተማ ብምእታው ንኩሎም ህንፃታት ምምሕዳር ከምዝተቖፃፀሩን፡ ንህንፃ ኮሚቴ ስራሕ ፈፃሚ’ውን ከምዝቆፃፀርዎ ኣፍሊጦምና’ዮም ኢሉ።
". . . ስለዚ ኩላትና ኣባላት ስራሕ ፈፃሚ ለቒቕና ወፂና ኣለና” ኢሉ።
ኣብ ፀሊም ባሕሪ ትርከብ ከተማ በረድያንስክ፡ ማእኸል ሓይሊ ባሕሪ ዝሓዘት እንትትኾን፡ መንበሪ ኣስታት 100 ሽሕ ዩክሬናውያን እያ።
ሕብረት ኣውሮጳ ነፈርቲ ሩስያ ክሊ ኣየር እቲ ሕብረት ከይጥቀማ ከልኪሉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሕብረት ኣውሮጳ ነፈርቲ ሩስያ ክሊ ኣየር ሕብረት ኣውሮጳ ከይጥቀማ ከምዝኸልከለ ኣፍሊጡ።
ፕረዝደንት እቲ ሕብረት ኡርሱላ ቮን ዲር ሌይን “ዋንነተን ናይ ሩስያ ዝኾና፣ ብስም ሩስያ ዝተመዝገባ ወይከኣ ብሩስያ ቁፅፅር ዝግበረለን ነፈርቲ ናህትና ክሊ ኣየር ከይጥቀማ ዓፂና ኣለና” ኢላ።
ብመሰረት እዚ ነፈርቲ ሩስያ ኣብ ክሊ ኣየር ኣባላት ሕብረት ኣውሮጳ ክበራ፣ ክዓርፋን ክብገሳን ኣይኽእላን።
ካብ ሕብረት ኣውሮጳ ብተወሳኺ፡ ዓባይ ብሪጣንያ’ውን ነፈርቲ ሩስያ ክሊ ኣየራ ከይጥቀማ ከልኪላ።
እቲ ዝዓበየ መገዲ ኣየር ሩስያ ኤሮፍሎት ናብ ዝተወሰና ሃገራት ኣውሮጳ ዝነበሮ በረራ ንዘይተወሰነ ግዘ ከምዘቋረፀ ትማሊ ኣፍሊጡ’ዩ።
ሩሲያ ክሳብ ክንደይ ክትኸይድ ትኽእል?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መግለጺ ስእሊ, ሩሲያ ክሳብ ክንደይ ክትኸይድ ትኽእል? ሩሲያ እቲ ብዴሞክራሲያዊ መገዲ ዝተመርጸ መንግስቲ ዩክሬይን ክተውድቕ ዕላማ ኣለዋ ድዩ ዝብል ዝተፈልጠ ነገር የለን።
ግን ዩክሬይን ካብ ጭቆናን “ብናዛውያን ዝፍጸም ምጽናትን” ናጻ ከውጽኣ እየ ትብል።
ፕሬዝደንት ዩክሬይን ዜለንስኪ “እቲ ጸላኢ ንዓይ ቐዳማይ፣ ስድራይ ድማ ካልኣይ ዒላማ ገይሩ ኣሎ” ኢሉ።
ኣብ 2014’ውን ፕሬዝደንት ፑቲን ንክሬሚልን ክቆጻጸር እንከሎ “እቶም ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ብዙሕ በደል ዝፈጸሙ” ናብ ቤት ፍርዲ ከቕርቦም’የ ብዝብል ናይ ሓሶት ተረኽ እዩ ጀሚሩዎ።
ስለ ዝኾነ ድማ፡ ሩሲያ ካብ ዩክሬይን እንታይ እያ ትደሊ ዝብል ኣይፍለጥን።
ኣብ ወርሒ ጥሪ ሩሲያ ደጋፊኣ ዝኾነ መንግስቲ ኣብ ዩክሬይን ክትትክእ ድልየት ኣለዋ ዝብል ወረ ነይሩ።
ሽዑ ሩሲያ ዘይረብሕ ዘረባ ክትብል ነጺጋቶ ነይራ።
ሓደ ዘይተረጋገጸ ጸብጻብ ስለያ ግን ሩሲያ እታ ሃገር ኣብ ክልተ ክትኸፍላ እያ ይብል።
ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ወራር ቅድሚ ምጅማራ ኣስታት 200 ሽሕ ወተሃደራት ናብ ዶባር እታ ሃገር ኣጸጊዓ ነይራ፤ ሽዑ ኣብተን ብተገንጸልቲ ሓይልታት ተታሒዘን ዘለዋ ክልላት ሉሃንስክን ዶኔትስክን ትኹረት ገይራ ነይራ።
ነዘን ክልላት ኣፍልጦ ብምሃብ ፑቲን ድሕሪ ሕጂ እዘን ክልላት ኣካል ዩክሬይን ኣይኮነናን ኢሉ።
ፑቲን ነታ ቓታ ኒዩክለር ክፀቕጣ ይኽእል'ዶ?, " 'ብፍፁም ኣይውዕሎን' ዝብል ሓረግ ኣብ ቭላድሚር ፑቲን ኣይሰርሕን"

ምንጪ ስእሊ, ANADOLU AGENCY VIA GETTY IMAGES
መግለጺ ስእሊ, ፑቲን ነታ ቓታ ኒዩክለር ክፀቕጣ ይኽእል'ዶ? ብንስሃ ክጅምር እሞ፤ ንብዙሕ እዋን፡ "ፑቲን እዚ ክገብር ኣይኽእልን ኢለ እሓስብ ኔረ፡ ንሱ ግና ኬይዱ ጌርዎ።
"ንክሬምያ ብፍፁም ኣይጎብጣን፡ ብሓቂ?" ኢለ ነይረ፡ ገይርዎ፡ ጎቢጥዋ።
"ኣብ ዶንባስ (ደቡብባዊ ምብራቕ ዩክሬን) ኵናት ኣይኸፍትን" ነዚ'ውን ውዒልዎ።
"ንሱ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ሙሉእ ወራር ኣይክኸፍትን" ግና ሕዚ ንዩክሬን ወሪርዋ ኣሎ።
ስለዚ " 'ብፍፁም ኣይውዕሎን' ዝብል ሓረግ ኣብ ቭላድሚር ፑቲን ኣይሰርሕን" ኢለ ወዲአ ኣለኹ።
እዚ ድማ ምቾት ዘይብሉ ሕቶ ኣስዒቡ ኣሎ።
"ፍፁም ንቓታ ኒዩክለር ቀዲሙ ክፀቅጥ ኣይኽእልን። ፑቲን ንቓታ ኒዩክለር ክፀቅጥ'ዶ ይኾን?"
እዚ ሱቕ ኢሉ ክልሰ ሓሳባዊ ሕቶ ኣይኮነን። መራሕቲ ኔቶ ኣብ ልዕሊ ሩስያ "ተጻባኢ መግለፂ" የውፅኣ ኣለዋ ዝበለ መራሒ ሩስያ ፑቲን፡ ኣስዒቡ ሓይሊ ኑክለር ሃገሩ ብፍሉይ ኣብ ተጠንቀቕ ክቖሙ ኣዚዙ።
ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ ተሌቪዥን ቀሪቡ "ፍሉይ ወተሃደራዊ ስርሒት" (ኣብ ባይታ ግና ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ሙሉእ ወራር'ዩ ፈፂሙ) ከምዝጀመረ ከፍልጥ እንከሎ፡ ተስፋ ዘቑርፅ መጠንቀቕታ'ዩ ኣሕሊፉ።
"ካብ ደገ ኢድ ንምእታው እትሓስቡ፡ እንተድኣ ጦብሎቕ ኢልኩም ኣብ ታሪኽኩም ርኢኹሞ ዘይትፈልጡ መዘዝ ከጋጥኩም'ዩ" ኢሉ።
ተሸላሚ ኖቤል ሰላም ኤዲተር ጋዜጣ ኖቫያ ዲምትሪ ሙራቶቭ፡ "ቃላት ፑቲን ኵናት ኒኩሌር ከምዝስዕብ ብቐጥታ'ዩ ዘጠንቅቕ ኔሩ" ኢሉ'ዩ ዝኣምን።
ኣብቲ ሻቡ ብተለቬዥን ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ ፑቲን ከም መራሒ ክሬምሊን ዘይኮነስ ኣርሓ ናይዛ ፕላኔት ከምዝኾነ'ዩ ዝዛረብ ኔሩ፡ ከምቲ እኳ ሓደ ወናኒ ክባር መኪና ቁልፊ መኪንኡ ንምርኣይ ኣብ ኣፃብዕቲ ሒዙ ዘሽከርክሮ።
ፑቲን'ውን ቓታ ኒኩሌሩ'ዩ ዘሽከርክር ኔሩ። ብዙሕ ግዘ ኢልዎ'ዩ፡ "ሩስያ እንድሕር ዘይሃልያ፡ ፕላነት ንምንታይ ተድልየና?" ዋላ ሓደ ግና ኣቓልቦ ኣይገበረሉን።
እዚ ዘረብኡ ግና መጠንቀቕታ'ዩ፡ "እንሕር ሩስያ ከምቲ ንሱ ዝደልዮ ዘይተራእያ፡ ኩሉ ነገር ከምዝዓኑ" ይብል ዲምትሪ ሙራቶቭ።
ኣብ 2018 ኣብ ሓደ ሰነዳዊ ምድላው ፕረዝደንት ፑቲን "… እንተድኣ ዝኾነ ሰብ ንሩስያ ንምፅናት ወሲኑ ግብረ መልሲ ናይ ምሃብ ሕጋዊ መሰል ኣለና። እወ፡ ንወድሰብን ዓለምን መቕሰፍቲ'ዩ ክኾን። ግና ኣነ ዜጋን ፕረዝደንትን ሩስያ እየ። ሩስያ ዘይብላ ዓለም ንምንታይ ንደልያ" ክብል ርኢቶ ሂቡ ኔሩ።
ዓመተ 2022 በፂሕና። ፑቲን ኣንፃር ዩክሬን ምሉእ ወራር ከፊቱ፤ ሓይልታት ዩክሬን ግና ንወራር ሩስያ ንምምካት ብርቱዕ ተጋድሎ ይገብሩ ኣለዉ፤ ሃገራት ምዕራብ'ውን ንክሬምሊን ኣስደሚመንኣ እየን፡ ንቑጠባን ፋይናንስን ሞስኮ ዘልምስ ማዕቐብ ንምንባር ኩለን ሓቢረን።
እዚ ማዕቐብ ንህላወ ስርዓት ፑቲን ኣብ ሕቶ ከእትዎ ይኽእል'ዩ።
ሩስያ ተበፃሕነት ማሕበራዊ ሚድያታት ኣጊዳ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መግለጺ ስእሊ, ሩስያ ተበጻሕነት ማሕበራዊ ሚድያ ኣጊዳ ሩስያ ተበፃሕነት ማሕበራዊ ሚድያታት ኣጊዳ
ሩስያ ኣብ ሓደሓደ ከባብታት እታ ሃገር ተበፃሕነት ትዊተር ከምዝነከየት እቲ ትካል ኣፍሊጡ።
እቲ ትካልእ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ሩስያ ተበፃሕነት ትዊተር ከምዝነከየትን “ንሓደሓደ ሰባት ትዊተር ከምዝኣገደትን” ኣረጋጊፁ።
ሩስያ ብሰንኪ ምመያ ምስ ፌስቡክ ብዝተፈጠረ ዘይምርድዳእ፡ ኣብ ተበፃሕነት ፌስቡክ’ውን እገዳ ኣንቢራ።
ተቖፃፃሪ ሚድያ ሩስያ ሮስኮምናድዞር፡ “ፌስቡክ መሰልን ነፃነትን ሩስያ ጥሒሱ” ክብል ከሲሱ። ኔትብሎክስ፡ ኣብ ሩስያ ትዊተር ሙሉእ ብምሉእ ወይ ድማ ብኽፋል ገደብ ከምዝተገበረ ኣፍሊጡ።
ጆ ባይደን፡ ‘ኣመሪካ ኢዳ እንተእትያ፡ ሳልሳይ ኲናት ዓለም ክለዓል እዩ’
