ብሪጣንያ ኣምባሳደራ ካብ ዩክረይን ኣውጺኣ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣምባሳደር ብሪጣንያ ኣብ ዩክሬን፡ ብሰንኪ “ከቢድ ጸጥታዊ ኩነታት” ካብታ ሃገር ከምዝወጸት ጸሓፊት ጉዳያት ወጻኢ ሊዝ ትራስ ገሊጻ።
ወራር ሩስያ ኣብ ዩክረይን ድሕሪ ምጅማሩ፡ ኣምባሳደር መሊንዳ ሲሞንስን ዝተረፉ ውሑዳት መሳርሕታን ካብ ርእሰከተማ ብምውጻእ ናብ ምዕራባዊት ከተማ ልቪቭ ግዒዞም’ዮም ጸኒሑ።
እቲ ስጉምቲ ኤምባሲ ብሪጣንያ ኣብ ዩክሬን ምሉእ ብምሉእ ከምዝዕጾ ዝገበረ ምዃኑ እታ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣረጋጊጻ።
ምስዚ ኣብ ዝተኣሳሰር ዜና፡ ብሪጣንያ ተወሳኺ 175 ሚልዮን ፓውንድ ንዩክሬን ከምእትህብ ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሰን ኣፍሊጡ። ነዚ ሓዊሱ፡ ዛጊት ብድምር 400 ሚልዮን ፓውንድ ደገፍ ክትህብ’ያ።
ጆንሰን፡ ምስ መራሕቲ ካናዳን ሆላንድ ኣብ ለንደን ድሕሪ ዝገበሮ ርክብ’ዩ ነቲ መግለጺ ሂቡ። ሰለስቲኦም መራሕቲ ኣንጻር ወራር ሩስያ ኣብ ዩክረይን ደው ከምዝብሉን፡ ንዩክሬናውያን ዝክኣሎም ደገፍ ክገብርሎም ምዃኖምን ቃል ኣትዮም ኣለዉ።












