ሙዚቀኛታት ኪቭ፡ 'ኮንሰርት ንሰላም' ኣካይዶም
ኣብ ርእሰ ከተማ ዩክረይን፡ ኪቭ፡ ስነጥበባውያን ሙዚቃ እታ ሃገር 'ኮንሰርት ንሰላም' ወዲቦም።
ኣብ'ዚ እዋን ጭንቅን ጓህን፡ ከምዚ ዓይነት ተበግሶ ንነበርቲ እታ ከተማ ንእሽቶ ሩፍታ ዝህብ እዩ ተባሂሉ።
እቲ ኮንሰርት ሙዚቃ፡ 'ኣደባበይ ናጽነት' ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ማእከል እታ ርእሰ ከተማ፡ ኣብ ክፉት ኣየር እዩ ተኻይዱ ተባሂሉ።
እቶም ሙዚቀኛታት፡ ኣብ'ቲ ኣዝዩ ቀዝሒ ኩነታት ኣየር ኮይኖም፡ ቆቢዕን ጃኬትን ገይሮም፡ መዝሙር ሕብረት ኣውሮጳ ክዝምሩን ተራእዮም ተባሂሉ።
ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተቓልሑ ተንቀሳቓሲ ምስልታት ድማ፡ ብዙሓት ዕዱማት እቲ ኮንሰርት፡ ባንዴራታት ዩክረይን ከውለብልቡን ድጋፎም ክገልጹን ተራእዮም።
ዋና ኣሰናዳኢ እቲ ሙዚቃ፡ እቲ ኮንሰርት፡ ክሊ ኣየር እታ ሃገር 'ካብ በረራ ነጻ ይኹን' ዝብል ጻውዒት መንግስቲ ዩክረይን ንምድጋፍን እቲ ኲናት ንከብቅዕን ንምጉስጓስ ዝዓለመ ምዃኑ ተዛሪቡ።














