እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

ጆ ባይደን፡ ‘ኣመሪካ ኢዳ እንተእትያ፡ ሳልሳይ ኲናት ዓለም ክለዓል እዩ’

ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝኸፈተቶ ወራር ክልተ ሰሙን መሊእዎ ኣሎ። ሚኒስተር ጕዳያት ወጻኢ ሰርገይ ላቭሮቭን ናይ ዩክረይን መዘናኡ ድሚትሮ ኩሌባን ኣብ ቱርኪ ዘካድዎ ዘተ ብዘይ ፍረ ተበቲኑ። ጆ ባይደን፡ ‘ኣመሪካ ኣብ ዩክረይን ኢዳ እንተእትያ፡ ሳልሳይ ኲናት ዓለም ክለዓል እዩ’ ክብል ኣጠንቂቑ ኣሎ። እቲ ኲናት ዝምልከት ዝህልዉ ሓደሽቲ ምዕባለታት ኣብዚ ክነቕርበልኩም ኢና ተኸታተሉና።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ሩስያዊ ስበርባንክ ካብ ዕዳጋታት ኣውሮጳ ይወጽእ

    ዓቢይ ሩስያዊ ኣለቃሓይ ባንክ፡ ስበርባንክ፡ ኣብ ኣውሮጳ ካብ ዝርከቡ ንኡሳን ጨናፍሩ ጥረ ገንዘብ ብብዝሒ ይወጽእ ኣብ ዘለወሉ እዋን ካብ ዕዳጋታት ኣውሮጳ ይወጽእ ምህላው ኣፍሊጡ።

    እቲ ባንክ ነተን ኣብ ኣውሮጳ ዝርከባ ጨናፍሩ እኹል ፍሰት ገንዘብ ከቕርብ ከምዘይከኣለ እኳ እንተገለጸ ንኹሎም ኣብቲ ባንክ ገንዘብ ዘቐመጡ ዓማዊሉ ንምኽፋል ዘኽእሎ እኹል ርእሰማል ከም ዘለዎ ገሊጹ።

    ማእከላይ ባንክ ኣውሮጳ ብሰሉስ፡ ኣውሮጳዊ ጨንፈር ስበርባንክ ጸገማት ኣጋጢምዎ ከምዘሎ ብምግላጽ ክዓጽው ትእዛዛ ከምዘመሓላለፈ ተገሊጹ ነይሩ።

  2. "ናፅነት ኣብ ልዕሊ ምልኪ ክዕወት እዩ" ፕረዝደንት ጆ ባይደን

  3. ሩስያ ክንደይ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ኣለዋ?

  4. ኣብ ዩክረይን 13 ቆልዑ ዝርከብዎም ብውሕዱ 136 ሰባት ተቐቲሎም - ሕቡራት ሃገራት

    ወራር ሩስያ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ካብ ዝጅምር ንደሓር ብውሕዱ 136 ሲቪላውያን ከምዝተቐትሉ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።

    ካብ መንጎኦም እቶም 13 ቆልዑ እዮም።

    እንተኾነ ግና እቲ ሓቀኛ ቁጽሪ ካብዚ ንላዕሊ ክኸውን ከምዝኽእል ኣፈኛ ኮምሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ሊዝ ትሮሰል ሓቢራ።

    ዝበዝሐ ካብቲ መጉዳእቲ ብሰንኪ ደብዳብ ከቢድ ብረት፣ መጥቃዕቲ ኣየርን ካልእ ከቢድ ምፍንጃርን ዝሰዓበ ምዃኑ’ውን ገሊጻ።

    ዛጊት በቲ ኲናት ከባቢ 400 ሰባት ከምዝቖሰሉ ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት የርኢ።

    ብመንግስቲ ዩክረይን ዝተዘርግሐ ኣሃዛት ግና 352 ሲቪላውያን ከምዝተቐትሉን 1,684 ከምዝቖሰሉን ይገልጽ።

  5. ወግእ ዝካየደሎም ዘሎ ቀንዲ ቦታታት ዩክረይን

  6. ቦይንግ ምስ ሩስያ ዝነበሮ ርክብ ኣቋሪጹ

    ኣብ ዓለም ካብ ዝርከቡ ኩባንያታት መፍረ ነፈርቲ ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ ቦይንግ ምስ ሩስያ ዝነበሮ ርክብ ከምዘቋረጸ ኣፍሊጡ።

    እቲ ኩባንያ ኣብ ሞስኮ ዝርከቡ ንጥፈታቱ ደው ከምዘበለ ትማሊ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ እዩ ሓቢሩ።

    ኣመሪካዊ ኩባንያ ቦይንግ፡ ድሕሪ ሕዚ ንነፈርቲ ሩስያ ዝህቦ ዝነበረ ቴክኒካዊ ድጋፍ፣ ጽገና ኾነ መለዋወጢ ኣቑሑት ምቕራብ ደው ኣቢሉ ከምዘሎ ኣፍሊጡ ኣሎ።

    ኣብ ፈለማ ናይዚ ሰሙን ሰሙን፡ እቲ ኩባንያ ኣብ ኪቭ ዝርከብ ቤት ጽሕፈቱ ዝዓጸወ ኾይኑ፡ ኣብ ሞስኮ ክህቦ ዝጸንሐ ናይ ኣብራሪነት ስልጠና'ውን ጠጠው ኣቢሉ ይርከብ፥።

    ወሃቢ ቃል ቦይንግ፡ እቲ ከባንያ “ድሕነት ናይ'ቶም ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ሰራሕተኛታቱ ውሕስ ኣብ ምግባር ከምዘትኮረ" ተዛሪቡ።

  7. ጥዕና ይሃበልና!, ናብ ሎሚ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ኣብ ዩክረይን ዘሎ ምዕባለታት እንታይ ይመስል?

    ሓይልታት ሩስያ ናብ ክልተ ዓበይቲ ከተማታት ዩክረይን ማለት ናብ ካርኪቭን ኪቭን ይግስግሱ ኣለው።

    ብኻልእ ወገን ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ንኩነታት ሃገሩ ኣመልኪቱ ኣብ ዝህቦ ዓመታዊ መደረ፡ ዝበዝሐ ግዚኡ ብዛዕባ ኩነታት ዩክረይን እዩ ተዛሪቡ።

    • ቅድሚ ሒደት ሰዓታት ወተሃደራት ሩስያ ናብታ ትማሊ ሰሉስ ብዝተኻየደ ደብዳብ ብዙሓት ንፁሃት ዝተቐተሉላ ካልአይቲ ዝዓበየት ከተማ ካርኪቭ ብጋንጽላ ወሪዶም።
    • እታ ዝነኣሰት ደቡባዊት ከተማ ኬርሶን’ውን ኣብ ኢድ ሓይልታት ሩስያ ከምዝወደቐት ሰብመዚ ዩክሬን ገሊፆም።
    • ፕረዝደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ነፈርቲ ሩስያ፡ ክሊ ኣየር ኣሜሪካ ከይጥቀማ ኣጊዱ።
    • ፕረዝደንት ባይደን ኣብ ጉዳይ ዩክረይን ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ “ፑቲን ንኪቭ ብታንክታት ክኸብብ ይኽእል ይኸውን፡ ልብን መንፈስን ህዝቢ ዩክረይን ግና ብፍፁም ኣይረክብን” ኢሉ።
    • ወተሃደራዊ ማልያ ተኸዲኑ ንኣባላት ባይቶ ኣውሮጳ መደረ ዘስመዐ ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ ሃገሩ ኣባል ሕብረት ኣውሮጳ ክትከውን ክፍቀደላ ተማሕፂኑ፤ ካብ ኣባላት እቲ ባይቶ ድማ ነዊሕ ናይ ድጋፍ ጣቕዒት ረኺቡ።
    • ብሰንኪ እቲ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝፈፀመቶ ወራር፡ ልዕሊ 600 ሽሕ ሰባት ካብ ዩክረይን ሃዲሞም።
    • ምዕራባውያን ትካላት ቦይንግን ኤግዞንሞቢልን ድማ ምስ ሩስያ ዝነበሮም ርክብ በቲኾም።
    • እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ መሻርኽቲ ሩስያ ዝኾነት ቤላሩስ፡ ቁፅሪ ኣብ ዶብ ሰሜን ዩክረይን ዘስፈረቶ ወተሃደራታ ብዕፅፊ ክትውስኽ'ያ።
    • ሩስያ ኣብ ማእኸል ርእሰከተማ ኪቭ ብዘካየደቶ ደብዳብ ሓሙሽተ ሰባት ተቐቲሎም።
  8. ፕረዚደንት ዘለንስኪ ምስ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ተዘራሪቡ

    ኣቓልቦ ኣለም ስሒቡ ዘሎ ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ምስ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ሎሚ ብቴለፎን ተዘራሪቡ።

    ክልቲኦም መራሕቲ ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዝተነብረ እገዳታትን ንዩክረይን ዝግበር ሓገዝን ከምዝተላዘቡ ዘለንስኪ ብትዊተር ሓቢሩ።

    “ነቲ ወራሪ ብቕልጡ ደው ከነብሎ ኣለና” ክብል’ውን ጽሒፉ።

    ኣቐዲሙ ንፓርላማ ኣውሮጳ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ሃገሩ ደገፍ ምዕራባውያን ሃገራት ከምዘድልያ ተዛሪቡ ነይሩ።

    መራሕቲ ኣውሮጳ ብወገኖም፡ ንወራር ሩስያ ብምኹናን፡ ንዩክረይን ዘለዎም ምሕዝነት ይገልጹ ኣለዉ።

  9. ሩስያ ኣብ ማእከል ርእሰከተማ ኪቭ ዘካየደቶ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 5 ሰባት ቀቲሉ

    ሓይልታት ሩስያ ኣብ ልዕሊ ኣብ ርእሰከተማ ኪቭ ዝርከብ ናይ ተለቪዢን ታወር ብዘካየድዎ ደብዳብ 5 ሰባት ተቐቲሎም።

    ዒላማ ናይቲ መጥቃዕቲ እቲ ታወር እንተኾይኑ ኣይተረጋገጸን። እንተኾነ ግን በቲ መጥቃዕቲ ገለ መደበራት ተለቪዢን ካብ ስራሕ ወጻኢ ከምዝኾና ተፈሊጡ።

    ቢቢሲ ሞኒተሪንግ ከምዝበሎ፡ ካልኦት ሓሙሽተ ሰባት ኣብቲ መጥቃዕቲ ቆሲሎም ኣለዉ።

    ድሕሪ’ቲ ደብዳብ ነቲ ከባቢ ዝዓብሎኸ ትኪ ንሰማይ ክዓርግ ተራእዩ።

    እንተኾነ ግን፡ እቲ 380 ዝቑመቱ ታወር፡ ክሳብ ሕጂ ደው ኢሉ ከምዘሎ ጸብጻባት ካብታ ከተማ ሓቢሮም።

  10. ወዱ ንፕረዚደንት ዩጋንዳ፡ ሩስያ ኣብ ዩክረይን ትፍጽሞ ንዘላ ወራር ደገፉ ገሊጹ

    ወዱ ንፕረዚደንት ዩጋንዳ ዮወሪ ሙሰቨኒ፡ ንወራር ሩስያ ኣብ ዩክረይን ዘለዎ ደገፍ ገሊጹ።

    ኣዛዚ ሓይልታት ምድሪ ዩጋንዳ ዝኾነ ሌ/ጀነራል ሙሁዚ ካይነሩጋባ፡ ካብ ጸዓዱ ወጻኢ ዘሎ ዝበዝሐ ሰብ ንሩስያ ይድግፍ’ዩ ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።

    “ፑቲን ምሉእ ብምሉእ ቅኑዕ’ዩ ዘሎ” ድማ ኢሉ።

    “ኣብ 1962 ሶቬት ሕብረት ኣብ ኩባ ኑክሌር ዝለጎሙ ሚሳይላት ምስ ኣጻወደት፡ ምዕራባውያን ብሰንኩ ንዓለም ከባርዕዋ ተቐሪቦም ነይሮም። ሕጂ ድማ ኔቶ [ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ] ተመሳሳሊ ነገር ምስገበረ ሩስያ ካልእ ክትገብር ይጽበዩዋ” ብምባል ጀነራል ሙሁዚ ሩስያ ንዝወሰደቶ ስጉምቲ ደጊፉ።

    ኣብ ሞስኮ ምብጻሕ ዘካይድ ዘሎ ሓደ ካብ ላዕለዎት ወተሃደራውያን መራሕቲ ሱዳን ዝኾነ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጎሎ (ሒመቲ) ብወገኑ፡ ንወራር ሩስያ ኣብ ዩክረይን ደገፉ ዝገለጸ ካልኣይ ኣፍሪቃዊ ወተሃደራዊ መራሒ ምዃኑ ይግለጽ።

    እንተኾነ ግን፡ እታ ካብ ምዕራባውያን ሃገራት ጸቕጢ ዘጋጥማ ዘሎ ሱዳን፡ እቲ ኲናት ብዲፕሎማስያዊ ኣገባብ ክፍታሕ ከምእትድግፍ ገሊጻ’ላ።

    ዞባዊ ውድብ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ፡ ኢኮዋስ፡ ነቲ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝወሰደቶ ስጉምቲ ኮኒኑ’ሎ።

    ደቡብ ኣፍሪቃ ብወገና፡ ሰራዊት ሩስያ ካብ ዩክረይን ክወጽእ ጸዊዓ።

  11. ወግእ ዝካየደሎም ዘሎ ቀንዲ ቦታታት ዩክረይን

    ብዛዕባ’ቲ ሎሚ ሓሙስ ክካየድ ዝወዓለ ምዕባለታት ናይቲ ኲናት እዚ ዝስዕብ ክጥቀስ ይክኣል፤

    • ገለ ሓይልታት ሩስያ ናብ ደቡባዊት ከተማ ከርሰን ክኣትዉ ኪኢሎም ኣለዉ። ኣብ ውሽጢ እታ ከተማ ድማ ምስ ወተሃደራት ዩክረይን ኣብ ናይ ጎደናታት ውግእ ተጸሚዶም ይርከቡ። ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ናይታ ከተማ ነትጒ ከምዝነበረ ዝገልጽ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ዝተዘርግሐ ቪድዮ ሓቂ ምዃኑ ቢቢሲ ከረጋግጽ ኪኢሉ ኣሎ።
    • ኣብ ምብራቕ ድማ፡ ኣብታ ኣብ ዩክረይን ብዕብየታ ኣብ ካልኣይ ደረጃ እትስራዕ ከተማ ካርኪቭ፡ ብፍላጥ ኣብ ሲቪላውያን ዝነብሩሉ ከባቢ ብዝተኻየደ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 10 ከምዝተቐትሉ ሰበስልጣን እታ ሃገር ሓቢሮም። ፕረዚደንት ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ዘካየደቶ መጥቃዕቲ ምስ ገበናት ኲናት ዝዳረግ’ዩ ክብል ከሲሱ’ሎ።
    • ኣብታ ኣብ ደቡባዊ-ምብራቕ እትርከብ ወደባዊት ከተማ ማሪዩፖል መብራህቲ ክቋረጽ እንከሎ፤ ክቆጻጸርዋ ዝህቅኑ ዘለዉ ሓይልታት ሩስያ ብዘይምቁራጽ ይድብድቡዋ ኣለዉ። ምሉእ ብምሉእ እንተ ተቖጻጺሮማ፡ ኣብቲ ተገንጸልቲ ሓይልታት ዝቆጻጸርዎ ምብራቓዊ ዞባታት ዝርከብ ክፋል ሰራዊት ሩስያ ምስቲ ኣብ ክሪምያ ዘሎ ሓይሊ ብመሬት ክራኸብ ዕድል ዝፈጥር’ዩ።
    • ብኻእል ወገን፡ ገዚፍ ወተሃደራዊ ቃፍላይ ድሩዓት መካይን ናብ ርእሰከተማ ኪቭ ይግስግስ ኣሎ። ዛጊት ኣብ ጥቓ እታ ከተማ በጺሑ ዘሎ ሓይሊ ሩስያ፡ ብዝገጠሞ ተቓውሞ ካብ ማእከል ከተማ 30 ኪሜ ኣብ ዘሎ ቦታ ከምዝተዓግተ ይግለጽ።
    • ሩስያ ብሰሉስ ንጉሆ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ኣብ ቀንዲ መዓስከራት ሓይልታት ጸጥታን፡ ማእከል ስነኣእምሮኣዊ ኲናት ዩክረይንን መጥቃዕትታት ከተካይድ ምዃና ብምሕባር፡ ነበርቲ ክግዕዙ ከምዘለዎም ኣጠንቂቓ ነይራ።
    • ኣብ ሰሜናዊ-ምብራቕ ኣብ እትርከብ ከተማ ኦክትሪካ ድማ፡ ኣስታት 70 ወተሃደራት ዩክረይን ብደብዳብ ሓይልታት ሩስያ ከምዝተቐትሉ ጸብጻባት ሓቢሮም።
  12. ሓደ ካብ ቢልየነራት ሩስያ ኲናት ዩክረይን ደው ክብል ጸዊዑ

    ሓደ ካብ ሃብታማት ሩስያ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ኲናት “ዘሕዝን’ዩ” ክብል ድሕሪ ምግላጽ፡ ብህጹጽ ደው ክብል ኣለዎ ኢሉ።

    እቲ ኣብ ዩክረይን ዝተወልደ ሚካኤል ፍሪድማን፡ ንውልቁ፡ ብጾቱን ሰራሕተኛታቱን ብምስጋእ ብቐጥታ ብዛዕባ’ቲ ኩነታት ርእይቶ ክህብ ከምዘይክእል ተዛሪቡ።

    ንሱ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዝግበር ዘሎ ኣልማማ ቁጠባዊ እገዳታት ርትዓዊ ኣይኮነን ኢሉ።

    ፍሪድማን፡ ካብ ቦርድ ናይ ሓደ ቪዮን ዝተባህለ ኩባንያ ተንቀሳቓሲ ተሌፎን ከምዝወረደ ኣፍሊጡ’ሎ።

    ኣብቲ ኣብ ኣምስተርዳም (ሆላንድ) ዝመደበሩ ኩባንያ ዝበዝሐ ብርኪ (ሼር) ከምዘለዎ ይግለጽ። እቲ ትካል ኣብ ሩስያ፡ ዩክረይን፡ ኣልጀርያ፡ ካዛኪስታንን ፓኪስታንን ኣገልግሎት ዝህብ’ዩ።

    ኣቐዲሙ’ውን፡ ሓደ ካብ ሃብታማት ሩስያ ዝኾነ ወናኒ እንግሊዛዊት ክለብ ቸልሲ፡ ሮማን ኣብራሞቪች፡ ኣብ ምምሕዳር ናይታ ጋንታ ዝነበሮ ሓላፍነት ከምዘረከበ ሓቢሩ ነይሩ።

  13. ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ንፓርላማ ኣውሮጳ ብማንዛ መግለጺ ሂቡ

    ወተሃደራዊ ማልያ ዝተኸድነ ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ንኣባላት ፓርላማ ኣውሮጳ ብማንዛ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ሃገሩ ኣባል ሕብረት ኣውሮጳ ክትከውን ክፍቀደላ ተማሕጺኑ።

    ኣባላት ሓጋጊ ኣካል ናይ'ቲ ሕብረት ብወገኖም ንዕኡን ሃገሩን ዘለዎም ምሕዝነት ንምግላጽ፡ ካብ መናብሮም ተሲኦም ንደቓይቕ ከጣቕዕሉ ተራእዮም።

    ሃገሩ ኣንጻር ወራር ሩስያ ዘርኣየቶ ተሪር ተቓውሞ፡ ነቲ ሕብረት ዘሐይል’ዩ ክብል ዘለንስኪ ኣብ መግለጺኡ መጒቱ።

    ገለ ካብቶም ዝበሎም ነገራት ነቕርበልኩም፤

    “ኣብዘን ቀረባ መዓልታት በኸመይ ንሰባት ሰላምታ ከምዘቕርብ ጠፊኡኒ’ሎ። ሰናይ መዓልቲ ወይ ብሩኽ ለይቲ ይግበረልኩም ክብል ምኽኣል ተሳኢኑኒ ኣሎ፡ ምኽንያቱ ናይ መወዳእታ መዓልቶም ክትከውን ስለ ትኽእል”

    “ንዝኸፍአ ክውንነት ክንገጥም ተገዲድና ኣለና፡ መዓልታዊ ሰባት ይሞቱ ኣለዉ። ሎሚ ሰባት ንክብሪ፡ መሰል፡ ናጽነትን ማዕረነትን ሂወቶም ይስውኡ ኣለዉ”

    “ምርጫ ዩክረይን ኣውሮጳዊ ስለዝኾነ ኢና ተራኺብና ዘለና። ተመሳሳሊ መልእኽቲ ካባኹም ክሰምዕ እደሊ። ዩክረይን ምርጫኹም ምዃና ክሰምዕ’ውን እደሊ”

    “ንዓና ዝሓወሰ ሕብረት ኣውሮጳ ኣዝዩ ዝሓየለ ክኸውን’ዩ። ጽንዓትናን ማዕረ ሰብና ምዃንናን ኣርኢና ኢና። ብኣኹም ወገን ድማ ኣብ ጎንና ምዃንኩም ከተርእዩና ትኽእሉ ኢኹም።”

  14. ኣብ እዋን ዝሑል ኲናት ኣብ ትሕቲ መሬት ዝተሃንጸ ገለርያ ንብዙሓት መዕቆቢ ኮይኑ’ሎ

    ትማሊ ምሸት ኣብ ምብራቓዊት ከተማ ኒፕሮ ናይ መጠንቀቕታ ጡሩምባ ምስተነፍሐ፡ ናብቲ ካብ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ክከላኸል ኣብ እዋን ዝሑል ኲናት ዝተሃንጸ ገለርያ (ባንከር) ኣምሪሕና ክትብል ጋዜጠኛ ቢቢሲ ሳራ ሬንፈርድ ትገልጽ።

    እቲ ገለርያ ሰላሳ ዓመታት ድሕሪ ምህዳእ ዝሑል ኲናት፡ ኣማኢት ሰባት ካብቲ ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ኣዊጅዎ ዘሎ ኲናት ንምድሓን ይጥቀምሉ ኣለዉ።

    ድሕሪ ምዝዛም ካልኣይ ኲናት ዓለም ኣብ መንጎ ኣመሪካን መሻርኽታን ብሓደ ወገን፡ በቲ ካልእ ድማ ሩስያ ዝማእከሉ ሶቬት ሕብረትን መሻርኽታን ዝነበረ ኑክሌራዊ ምትፍናን ዝሑል ኲናት” ተባሂሉ ይፍለጥ።

    ፈለማ እቲ ገለርያ ክስራሕ ከሎ፡ ንሰራሕተኛታት ፋብሪካ ከዕቁብ ተባሂሉ ተሃኒጹ። እንተኾነ ግን፡ እቲ ፋብሪካ ካብ ስራሕ ወጻኢ ኮይኑ፡ ዓንዩ ዝጸንሐ’ዩ።

    ሓያለ ደረጃታት ወሪድካ፡ ረጒድ ናይ ሓጺን ማዕጾ ምስ ሓለፍካ ድማ፡ ካብ ቀመማዊ ጋዝ ዝከላኸል መሸፈኒ ብኸመይ ትገብር ዝነግር ሓበሬታ ተለጢፉ ይርአ።

    ኣብ ሓደ “ተመክሮ ቸርኖቢል” ዝብል ምልክት ዘለዎ ጣውላ ድማ፡ ብወለንተኛታት ዝተኣከበ ብሽኩቲ፡ ቀጠፍን ካልእ ቀረባትን ኣብ ጥቓ ሓንቲ ናይ ግዜ ሶቬት ተለቪዥን ተቐሚጡ ይርአ።

    እቲ ናይ ባዓቲ ቅርጺ ዘለዎ ክፍልታት፡ ብሓጺን ዝተሰርሐ ድርብ ዓራት ዘለዎም ኮይኖም፡ ክሳብ 700 ሰባት ክሕዝ ዝኽእል’ዩ።

  15. ፑቲን ኣንፃር ሲቪላት ኣረመናዊ ስልቲ ይጥቀም ኣሎ፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ዓባይ ብሪጣንያ

    ቀዳማይ ሚኒስትር ዓባይ ብሪጣንያ ቦሪስ ጆንሰን፡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ፖላንድ ማቴዎስ ሞራዊኪ ኣብ ዋርሶ ሓባራዊ መግለፂ ሂቡ።

    ቦሪስ ጆንሰን፡ ዓባይ ብሪጣንያን ካልኦትን ዝተንበይዎ “ዘሕዝን ፍፃመ” ብቭላድሚር ፑቲን ንዩክሬን ብምውራር ተፈፂሙ፤ ትፅቢት ካብ ዝተገበሮ ንላዕሊ ድማ ዝኸፍአ ኮይኑ ኢሉ።

    ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ተኸፊቱ ንዘሎ ኵናት ከኣ፡ ኣብ ኣውሮጳ ይረአ ዘሎ ዕንወት ክብል ገሊፅዎ።

    ቀዳማይ ሚኒስትር ጆንሰን፡ “ፑቲን ኣብ ልዕሊ ንፁሃት ዜጋታት ኣረመናዊን ዘይመርፅን ስልቲ ብምጥቃም፡ ኣብ ህንፃታት ንዝነበሩ ሰለማውያን ዜጋታት የጥቅዕ ኣሎ፤ ከምኡ’ውን ናብ ህንፃታት ሚሳይላት ብምትኳስ ህፃናት ንምቕታል ከምዝተዳለወ ግልፂ’ዩ” ኢሉ።

    ቦሪስ ጆንሰን ኣብ ፖላንድ ኣብ ዝነበሮ ፃንሒት፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ብዛዕባ ዝፈፀመቶ ወራር ምስ ኣውሮጳውያን ቀንዲ መሻርኽቱ ተዘራሪቡ።

  16. ሩስያ ንማእኸል ከተማ ካርኪቭ ብሚሳይል ደብዲባ

    እታ ዝዓበየት ካልአይቲ ከተማ ዩክሬይን ዝኾነት ማእኸል ከተማ ካርኪቭ፡ ብሚሳይል ሩስያ ተደብዲባ።

    ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ዩክሬይን ማእኸል ከተማ ካርኪቭ ብሚሳይል ከምዝተወቕዐት ብመገዲ ትዊተር ሓቢሩ።

    ኣብ ኣደባባይ ፍሪደም ዝበፅሐ ምፍንጃር ዘርእይ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ኣብ ትዊተር ዝዘርገሐ እቲ ሚኒስር ጉዳይ ወፃኢ፡ ሲቪላት ከምዝተቐተሉ ብምሕባር፡ ንመራሒ ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ብገበን ኵናት ከሲሱ።

    ዓለም ንሩስያ ሙሉእ ብሙሉእ ከግልላ ድማ ፀዊዑ።

    ቢቢሲ ብዛዕባ እቲ ኣብ ከተማ ካርኪቭ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ዝተረጋገፀ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ዝረኸበ እንትኾን፡ ምንጪ እቲ ቪድዮ ግና ኣይተፈለጠን።

  17. ልዕሊ 5,700 ወተሃደራት ሩስያ ተቐቲሎም፡ ዩክሬይን

    ሰብመዚ ሰራዊት ዩክሬይን፡ ኣብቶም ዝሓለፉ ሓሙሽተ መዓልታት ኣብ ዝተኻየዱ ከበድቲ ውግኣት 5 ሽሕን 710 ወተሃደራት ሩስያ ከምዝተቐተሉ ኣፍሊጦም።

    ወሃቢቃል ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ዩክሬይን ብመገዲ ፌስቡክ ኣብ ዘሕለፎ ናይ ቪድዮ መልእኽቲ፡ ልዕሊ 200 ሩስያውያን ወተሃደራት ከምዝተማረኹ’ውን ወሲኹ ገሊፁ።

    እቲ በዓልመዚ፡ 198 ታንክታት ሩስያ፣ 29 ነፈርቲ፣ 846 ድሩዓት መኻይንን 29 ሄሊኮፕተራትን ከምዝዓነዋ ኣፍሊጡ።

    ቢቢሲ ነዚ ብሰራዊት ዩክሬን ቀሪቡ ዘሎ ጸብጻብ ኣየረጋገፆን።

    እንተኾነ ሚኒስትር ምክልኻል ዓባይ ብሪጣንያ፡ ንዩክሬይን ዝወረሩ ሓይልታት ሞስኮ ከቢድ ኪሳራ ከምዝተጎልበቡ እዩ ዝኣምን።

    'ወተሃደራት ኣይተቐተሉናን' ክብሉ ዝፀንሑ ሰብመዚ ሩስያ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰንበት ገለ ሓይልታቶም ከምዝተጎድኡ ክኣምኑ ተገዲዶም’ዮም።

  18. ኣብ ዩክሬይን ገበናት ኵናት ዝፈፀሙ ናብ ሕጊ ክቐርቡ’ዮም-ብሪጣንያ

    ዓባይ ብሪጣንያ፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ትፍፅሞ ዘላ ወራር ካብዚ ንላዕሊ ኣጠናኺራ ከምትቕፅል ብምግላፅ፡ ገበናት ኵናት ዝፈፀሙ ናብ ፍርዲ ከምዝቐርቡ ኣፍሊጣ።

    ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ዶሚኒክ ራብ፡ “ንወስዶም ካብ ዘለና ስጉምትታት ብተወሳኺ መረዳእታት ገበን ኵናት ንምዕቃብ ዝግበር ፃዕሪ ንድግፍ ኣለና” ኢሉ።

    ዶምኒክ ራብ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕተት፡ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ዩክሬን በረራታት ንምኽልካል ፍቓደኛ ኣይኮነን፤ እዚ ማለት ምውቃዕ ነፈርቲ ሩስያ ስለዘካትት እዩ ብምባል፡ ምትሕልላኽ እቲ ኩነታት ኣረዲኡ።

    እዚ ድማ ዝኸውን ኣይኮነን፡ “ነቲ ኩነታት ዘጋድድ” እዩ ኢሉ።

    ዓባይ ብሪጣንያ ፃዕራ ናይ ፑቲን መሳርሒ ኵናት ዝኾነ ፋይናንሳዊ ዓቕሚ ምድኻም ስለዝኾነ፡ ኣብ ቁጠባዊ ማዕቐብ ኣድሂባ ኣላ ኢሉ።

    ምዕራባውያን ሃገራት ኣብ ቀረብ ነዳዲ ካብዚ ዝዛየደ ስጉምቲ ክወስዳ ኣለወን’ዶ ዝብል ሕቶ ዝቐረበሉ ራብ፡ “እወ፡ ብትኹረት እንርእዮ እመስለኒ፡ ዓቕሚ መሳርሒ ኵናት ሩስያ ንምልማስ ንገድፎ ነገር የለን” ዝብል መልሲ ሂቡ።

  19. ዩክሬይን ሰራዊታ ንምድጋፍ ‘ቦንድ’ ክትሸይጥ እያ

    መንግስቲ ዩክሬይን ንወራር ሩስያ ንዝምክቱ ሰራዊት እታ ሃገር ንምድጋፍ ዘኽእል ‘ቦንድ’ ንምሻጥ ከምዝተለመ ኣፍሊጡ።

    እዚ መሸጣ ቦንድ ኵናት ካብ ሎሚመዓልቲ ዝጅምር እዩ።

    ሚኒስትር ገንዘብ ዩክሬን፡ ዋጋ ሓደ ቦንድ ሓደ ሽሕ ሂሪቪንያ ዩክሬን ማለት’ውን 33.7 ዳላር ዋጋ ከምዝህልዎ ብመገዲ ትዊተር ኣፍሊጡ።

    ንሰብሃፍቲ ዝቐርብ መጠን ወለድ ድማ ብጨረታ ከምዝውሰን ሓቢሩ።

    እቲ ሚኒስተር፡ “ካብቲ ቦንድ ዝርከብ ኣታዊ ንጠለብ ሰራዊት ዩክሬይን ንምምላእ ክውዕል” እዩ ኢሉ።

  20. ኔቶ እንታይ እዩ? ሩስያ'ኸ ስለምንታይ እያ ዘይትኣምኖ?