እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

ጆ ባይደን፡ ‘ኣመሪካ ኢዳ እንተእትያ፡ ሳልሳይ ኲናት ዓለም ክለዓል እዩ’

ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝኸፈተቶ ወራር ክልተ ሰሙን መሊእዎ ኣሎ። ሚኒስተር ጕዳያት ወጻኢ ሰርገይ ላቭሮቭን ናይ ዩክረይን መዘናኡ ድሚትሮ ኩሌባን ኣብ ቱርኪ ዘካድዎ ዘተ ብዘይ ፍረ ተበቲኑ። ጆ ባይደን፡ ‘ኣመሪካ ኣብ ዩክረይን ኢዳ እንተእትያ፡ ሳልሳይ ኲናት ዓለም ክለዓል እዩ’ ክብል ኣጠንቂቑ ኣሎ። እቲ ኲናት ዝምልከት ዝህልዉ ሓደሽቲ ምዕባለታት ኣብዚ ክነቕርበልኩም ኢና ተኸታተሉና።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ኣስታት ሓደ ሚልዮን ዩክሬናውያን ካብ ሃገሮም ወጺኦም

    ብሰንኪ’ቲ ሩስያ ኣብ ዩክሬን ተካይዶ ዘላ ወራር፡ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ዩክሬናውያን ስደተኛታት ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ይውሕዙ ኣለዉ።

    ዛጊት 575,000 ካብኦም ናብ ፖላንድ ክኣትዉ እንከለዉ፡ ብዙሓት ካልኦት’ውን ብኹሉ ኣንፈት ይወጹ ኣለዉ።

    መዳውቲ ሃገራት ሞልዶቫ፡ ሮማንያ፡ ሃንጋሪን ስሎቫክያን’ውን ኣሽሓት ተቐቢለን ኣለዋ።

    ካብ ምብራቓዊ ከባቢታት ሃዲሞም ናብ ሩስያ ዝኣተዉ’ውን ኣይተሳእኑን።

    ሓያሎ ከተማታት ብሓይልታት ሩስያ ኣብ ዝኽርደናሉ ዘለዋ እዋን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ውግእ እናጻዕጸዐ ይመጽእ ኣሎ።

    ብሰንኩ፡ ቁጽሪ ስደተኛታት ብዝተዓጻጸፈ መጠን ክውስኽ ከምዝኽእል ይግመት።

  2. ኣብ ኢትዮጵያ ንዝተፈፀሙ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝምርምሩ ኣባላት ተመሪጾም

  3. ኣብ ጎኒ ሰራዊት ዩክረይን ክዋጋእ 8ሽሕ ኪሎ ሜትር ዝተጉዓዘ ኮሜዲያን

  4. ቅልውላው ዩክረይን፡ ዝዓበየ ብድሆ ቻይና

  5. ሰራዊት ሩስያ ናብ ኪቭ ዝገብሮ ገስጋስ ዛሕቲሉ ምህላው ስለያ ብሪጣንያ ገሊጹ

    ናብ ርእሰ ከተማ ዩክረይን፡ ኪቭ፡ ክግስግስ ዝጸንሐ ወተሃደራዊ ቃፍላይ ሩስያ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ መዓልትታት ብዙሕ ከምዘይተንቀሳቐሰ ምንጭታት ወተሃደራዊ ስለያ ብሪጣንያ ሓቢሩ።

    እቲ ብሸነኽ ሰሜን ኣቢሉ ናብታ ከተማ ዝጓዓዝ ዝዓበየ ኣካል እቲ ወተሃደራዊ ቃፍላይ ካብ ማእከል ኪቭ ኣስታት 30 ኪሜ ርሒቑ ዝርከብ ኮይኑ፡ “ካብ ዩክረይን ብዝገጥሞ ዘሎ ተቓውሞ፣ መካኒካዊ ጸገማትን ምጽቕቓጥን ከምዝተደናጎየ” እቲ ሓበሬታ ይገልጽ።

    ከተማታት ካርኪቭ፣ ቸርኒሂቭን ማርዩፖልን ኣብ ትሕቲ ዩክረይን ከምዘለዋ’ውን እቲ ካብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ዝወጸ መግለጺ ይሕብር።

    ሩስያ ካብ ወተሃደራታ 498 ከምዝተቐትሉን 1597 ከምዝቖሰሉን ምግላጻ ዝፍለጥ ኮይኑ እቲ ሓቐኛ ኣሃዝ “ዝለዓለ” ክኸውን ከምዝኽእል ብሪጣንያ ትገልጽ።

  6. ሩስያን ቤላሩስን ኣብቲ ጽባሕ ዝጅመር ውድድራት ፓራ-ኦሎምፒክ ከይሳተፋ ተኸልኪለን

    ኣትሌታት ሩስያን ቤላሩስን ኣብቲ ጽባሕ ኣብ በይጂንግ ዝጅመር ውድድራት ፓራ-ኦሎምፒክ ሓጋይ ከይሳተፉ ተኸልኪሎም።

    ዓለምኻዊ ኮሚተ ፓራ-ኦሎምፒክ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብቲ ኩሎም ኣትሌታት ዝነብርሉ ዘለዉ ቦታ ኩነታት እናኸፈአ ይምጽእ ብምህላዉ፡ ንድሕነት ኣትሌታት ብምባል ነቲ ውሳነ ከምዝወሰዶ ገሊጹ።

    ኣብ መጀመርታ፡ ዓለምለኻዊ ኮሚተ ፓራ-ኦሎምፒክ እቶም 71 ሩስያውያንን 12 ቤላሩሳውያንን ንሃገሮም ከይወከሉ ኣብቲ ውድድር ክሳተፉ ዘሕለፎ ውሳነ ብርቱዕ ነቐፌታ ኣስዒብሉ’ዩ።

    ፕረዚደንት ዓለምለኻዊ ኮሚተ ፓራ-ኦሎምፒክ ኣንድሪው ፓርሶን ኣብ ናይ ሎሚ መግለጺኡ “ስፖርትን ፖሎቲካን ክተሓናፈጽ የብሉን ኢልና ብጽኑዕ ኢና ንኣምን” ኢሉ።

    ብምስዓብ “እንተኾነ፡ እቲ ኵናት ብዘይፍታውና ናብዚ ውድድር ኣትዩ ኣሎ፡ ብድሕሪ መጋረጃ ኮይነን ብዙሓት መንግስታት ኣብ ልዕሊ እቲ ፍቱው ጸወታ ጽልዋ ይገብራ ኣለዋ” ኢሉ።

  7. ሕብረት ኣውሮጳ ነቲ ንሩስያ ደገፉ ዝገለጸ ወዲ ፕረዚደንት ዩጋንዳ ነቒፉ

  8. ቅልውላው ዩክረይን፡ ክለብ ቸልሲ ክትሽየጥ እያ

  9. ሩስያ ኣብ ዩክረይን ገበናት ኵናት ትፍጽም ከይትህሉ ዝምርምር ጉጅለ ቆይሙ

    ሩስያ ኣብ ዩክረይን ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት መጥቃዕቲ ከቢድ ብረት ፈጺማ ዝብል ክሲ ምስ ቀረበላ፡ እታ ሃገር ገበናት ኵናት ትፍጽም ከይትህሉ ዘጻሪ ጉጅለ ቆይሙ።

    ኣኽባሪ ሕጊ ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት፡ ገበናት ኵናት፡ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነትን ምጥፋእ ዓሌትን ከምዝተፈጸመ ዘመላኽት መርትዖታት ክእከብ ከምዝጸንሐ ገሊጹ።

    39 ሃገራት ኣብ ዩክረይን ገበናት ኵናት ይፍጸም ከይህሉ ክጻረ ሕቶ ድሕሪ ምቕራበን’ዩ እቲ ኣጻራዩ ጉጅለ ቆይሙ።

    ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ከተማታት ኪቭ፡ ካርኪቭን ኬርሶን ዝርከበአን ከተማታት ዩክረይን ብርቱዕ ደብዳብ ከቢድ ብረት ክፍጸም ጸኒሑ እዩ።

    ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ ሩስያ ኣብ ከተማ ካርቪክ ደብዳብ ነፈርቲ ብምፍጻም ሰለማውያን ሰባት ምስ ቐተለት፡ ሩስያ ገበናት ኵናት ትፍጽም ምህላዋ ክኸስስ ጸኒሑ’ዩ።

    ትማሊ ረቡዕ ከንቲባ ከተማ ኬርሶን ሰራዊት ሩስያ ነታ ከተማ ከምዝተቖጻጸርዋ ገሊጹ።

    ኣኽባሪ ሕጊ ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ካሪም ክሃን፡ እቲ ምጽራይ ብቅልጡፍ ከምዝጅምር ገሊጹ።

    እቲ ብሪጣንያ፡ ፈረንሳን ጀርመንን ዝርከብአን 39 ሃገራት ዘቕረብኦ ሕቶ፡ እቲ ምጽራይ ብዘይፍቓድ ፍርዳዊ ኣካል ክቐውም ዘፍቅድ’ዩ።

    እቲ ምጽራይ ብጀካ እዚ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ክሳብ ናብ 2013 ብምምላስ ምጽራያቱ ከምዘካይድ’ውን ተገሊጹ።

    መንግስቲ ዩክረይን ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ልዕሊ 2,000 ሰለማውያን ሰባት ብሩስያ ከምዝተቐተሉ’ዩ ዝገልጽ፡ እንተኾነ እቲ ብመንግስቲ ዩክረይን ዝተገለጸ ኣሃዝ ብዘይሻራዊ ኣካል ኣይተረጋገጸን ዘሎ።

    ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ኣስታት ሓደ ሚልዮን ሰባት ካብ ዩክረይን ተሰዲዶም ምህላዎም ገሊጹ።

  10. ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ዶብ ዩክረይን ተፈፂሙ ንዝበሃል ኣድልዎ ነፂጉ

  11. ኤርትራ ንሩስያ ዝኹንን ውሳነ ሕቡራት ሃገራት ተቓዊማ

  12. ህልው ምዕባለታት እንታይ ይመስል?

    ወራር ሩስያ ኣብ ዩክረይን ናብ መበል ሻምናይ መዓልቱ ኣብ ዘምርሓሉ ለይቲ ዘሎ ምዕባለታት ብሓጺሩ ነዚ ዝስዕብ ይመስል።

    • ሓይልታት ሩስያ ንደቡባዊት ከተማ ኬረሶን ከምዝተቖጻጸርዋ ሰብ መዚ እቲ ከባቢ ገሊጾም። ኬርሶን እቲ ወራር ካብ ዝጅምር ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሩስያ ዝኣተወት ናይ ፈለማ ኣገዳሲት ከተማ እያ።
    • ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ሰዓታት፡ ከቢድ ነትጕታት ንኪቭን ካልኦት ከተማታትን ከናውጽ እንከሎ፤ ኣብ ርእሰ ከተማ ኪቭ ብርቱዕ ሃልሃልታ ዘርእይ ቪድዮ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተዘርጊሑ።
    • ሓደ በዓልስልጣን ምክልኻል ኣሜሪካ ግና ናብ ኪቭ ተቓሪቡ ዝነበረ ዓቢይ ቃፍላይ ወተሃደራውያን መካይን ሩስያ ብሰንኪ ሕጽረት ነዳድን መግብን “ደው ኢሎም” ኣለው ኢሉ።
    • ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ኣማስይኡ ብቪድዮ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ዜጋታታቱ ንሃገሮም ኣብ ምክልኻል ዘርኣይዎ ትብዓት ሞጊሱ።
    • ዓለምለኻዊ ቤትፍርዲ ገበነኛታት ዘ ሄግ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዩክረይን ተፈጺሙ ዝበሃል ገበናት ኲናት መርመራ ጀሚሩ።
    • ወራር ሩስያ ኣብ ዩክረይን ካብ ዝጅምር ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሰባት ካብታ ሃገር ከምዝሃደሙን እቲ ኣሃዝ ብቕልጡፍ ይውስኽ ከምዘሎን ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።
    • ሩስያ ኣብ ዩክረይን እተካይዶ ኣብ ዘላ መጥቃዕቲ ከቢድ ወተሃደራዊ ክሳራ ከምዘጋጠማ ንፈለማ እዋንተኣሚና። ብመሰረት እቲ ጸብጻብ 498 ወተሃደራታ ከምዝተቐትሉን 1597 ከምዝቖሰሉን ኣፍሊጣ።
  13. ሩስያ ሰራዊታ ካብ ዩክረይን ከተውጽእ ሕቡራት ሃገራት ጸዊዑ

    ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘሕለፎ ውሳነ፡ ንወራር ሩስያ ብምኹናን፡ ሓይልታታ ብህጹጽ ካብ ዩክረይን ከተውጽእ ጸዊዑ።

    እቲ ኣብ ብህጹጽ ኣኼባ ናይቲ ባይቶ ዝሓለፈ ውሳነ፡ ካብ 194 ኣባል ሃገራት እተን 141 ብዝሃበኦ ደገፍ’ዩ ክጸድቕ ኪኢሉ።

    ኣብቲ ብቤትምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ዝተጸውዐ ኣኼባ፡ ኣምባሳደር ዩክሬን ኣብቲ ውድብ ሰርጊ ኪስሊስያ፡ ሩስያ “ዩክሬን ክትህሉ ዘለዋ መሰል ክትነፍግ መጺኣትና” ክብል ከሲሱ።

    ኣምባሳደር ሩስያ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ቫሲሊ ነበንዚያ ብወገኑ፡ ሃገሩ ነቲ ኣብ ምብራቕ ዩክሬን ዘሎ ናይ ተገንጸልቲ ግጭት ደው ንምባል ከምዝኣተወት ብምምጓት፡ ሃገራት ምዕራብ፡ እቲ ውሳነ ንክሓልፍ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሃገራት ቅሉዕ ጸቕጢ ገይረን ክብል ነቒፉ።

    ሓፈሻዊ ባይቶ ናይቲ ውድብ ድሕሪ 1997 ንፈለማ እዋን’ዩ ህጹጽ ኣኼባ ዘካይድ ዘሎ።

  14. ኣፍሪቃውያን ተመሃሮ ‘ርድኡና’ ይብሉ

    ኣብታ ሓያል ወግእ ዝካየደላ ዘሎ ከተማ ከርሰን ዝርከቡ ኣፍሪቃውያን ተመሃሮ ማይን መብራህትን ተሓሪምዎም ከምዘሎን ንቢቢሲ ገሊጾም።

    እታ ከተማ ኣብ ትሕቲ ጽዑቕ ደብዳብ ከምእትርከብ ዝሓበሩ እቶም ተመሃሮ፡ ህጹጽ ረዲኤት ከምዘድልዮም ተዛሪቦም።

    ክሪስቶፍ ዝተባህለ ወዲ 22 ዓመት ካሜሩናዊ ተመሃራይ ከምዝበሎ፡ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ናይቲ ዝነብሩሉ ዘለዉ ህንጻ ተዓቚቦም ከምዘለዉ ሓቢሩ።

    “ደብዳብ ምስ ጀመረ ናብ ውሽጢ ንኣቱ። ንእሽቶ ጉድጓድ’ዩ” ከኣ ይብል።

    መብራህቲ ምሉእ ብምሉእ ከምዘይብሎም ዝጠቐሰ ክሪስቶፍ፡ ዘለዎም ቀረብ ማይ ይውዳእ ከምዘሎ ተዛሪቡ።

    ማማዲ ዶምቦያ ዝተባህለ ጒኒያዊ ተመሃራይ ብወገኑ፡ ምስ ካልኦት ካብ ጋቦን፡ ሰኔጋልን ካሜሩንን ዝመጹ ብጾቱ ኣብ ካልእ ህንጻ ኣብ ዝርከብ መዕቆቢ ተሓቢኦም ከምዘለዉ ገሊጹ።

    “ማይ ይኹን መብራህቲ የብልናን” ድማ ኢሉ።

    ዛጊት ልዕሊ 7000 ኣፍሪቃውያን፡ ምስቶም ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ካብታ ሃገር ዝወጹ ዩክሬናውያን ናብ ፖላንድ ኣትዮም ኣለዉ።

  15. ሓይልታት ሩስያ ንከተማ ከርሰን ከምዝተቖጻጸሩዋ ገሊጾም

    ወራር ሩስያ ኣብ ዩክረይን እናጻዕጸዐ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ከቢድ ሃስያ ኣስዒቡ’ሎ።

    ሰራዊት ሩስያ ኣብ ደቡብ ንእትርከብ ስትራተጂካዊት ከተማ ከርሰን ብምቁጽጻር ንሓያለ ካልኦት ከተማታት ኣብ ከበባ የእትወን ከምዘሎ ገሊጹ።

    ሰብመዚ ዩክረይን ግን፡ ከርሰን ኣብ ኢድ ሓይልታቶም ከምዘላ’ዮም ክገልጹ ጸኒሖም።

    ሓይልታት ሩስያ ንከተማ ካርኪቭን ኣገዳሲት ከተማ ማሪዮፖልን ንምቁጽጻር ዝፈነውዎ መጥቃዕቲ ከምዘሐየልዎ ጸብጻባት ሓቢሮም።

    ብፍላይ እታ ኣብ ደቡባዊ-ምብራቕ እትርከብ ወደባዊት ከተማ ማርዮፖል ኣብ ትሕቲ ጽዑቕ ደብዳብ ከምእትርከብ ምክትል ከንቲባ ናይታ ከተማ ሰርጊ ኦርሎቭ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

    ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ልዕሊ 2000 ሲቪላውያን ከምዝተቐትሉ ትካላት ህጹጽ ረዲኤት ዩክረይን ሓቢሮም። ቢቢሲ ነቲ ሓበሬታ ብናጻ ኣካል ከረጋግጸጾ ኣይክኣለን።

  16. ሕብረት ኣውሮጳ ነቲ ንሩስያ ደገፉ ዝገለጸ ወዲ ፕረዚደንት ዩጋንዳ ነቒፉ

    ዲፕሎማሰኛታት ሕብረት ኣውሮጳ፡ ወዱ ንፕረዚደንት ዩጋንዳ ዮወሪ ሙሰቨኒ ዝኾነ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ሓላፊ ንወራር ሩስያ ኣብ ዩክረይን ምድጋፉ ኮኒኖም።

    ኣዛዚ ሓይልታት ምድሪ ዩጋንዳ ሌ/ጀነራል ሙሁዚ ካይነሩጋባ፡ ብሰሉስ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ካብ ጸዓዱ ወጻኢ ዘሎ ዝበዝሐ ሰብ ንሩስያ ይድግፍ’ዩ ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።

    “ፑቲን ምሉእ ብምሉእ ቅኑዕ’ዩ ዘሎ” ድማ ኢሉ ነይሩ።

    ምክትል ሓላፊ ልኡኽ ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ፡ መግለጺ ናይቲ ጀነራል “ዘይቅቡል’ዩ” ክብል ተቓውሞኡ ገሊጹ።

    ዩጋንዳ ብወግዒ ንሩስያ ዘለዋ ደገፍ እንተገሊጻ፡ ብንጹር ዘይጠቐሶ ሳዕቤን ክገጥማ ምዃኑ እቲ ኣውሮጳዊ ዲፕሎማት ዲዮንዝ ሆቸል ኣሚቱ።

    “ነዚ መግለጺ ንኹንኖ። [እቲ ኩነታት] ተኣፋፊ ምዃኑ ክርድእዎ ንጽበ። ሃገራት ናይዚ ዞባ ምስ ሕብረት ኣውሮጳን መሻርኽቲ ሃገራትን ብምውጋን፡ ሩስያ ኣብ ዩክረይን ዝኸፈተቶ መጥቃዕቲ ንዝኹንን እማመ ሕቡራት ክድግፋ ትጽቢት ንገብር” ድማ ኢሉ።

  17. ኣመሪካ፡ ነፈርቲ ሩስያ ኣብ ክሊ ኣየራ ከይንቀሳቐሳ ኣጊዳ

    ፕረዝደንት ጆ ባይደን፡ ኣመሪካ ነፈርቲ ሩስያ ኣብ ክሊ ኣየራ ከይንቀሳቐሳ ከምዝኸልከለት ኣፍሊጡ።

    ብዚ መሰረት፡ ነፈርቲ ሩስያ ይኹና ብስም ሩስያውያን ዝተመዝገባ ናይ ውልቂ ነፈርቲ፡ ክሊ ኣየር ኣመሪካ ክጥቀማ ኣይኽእላን።

    ሕብረት ኣውሮጳ፣ ዩናይትድ ኪንግደምን ካናዳን ድማ ተመሳሳሊ ስጉምቲ ምውሳዶም ዝዝከር እዩ።

    ነፈርቲ ሩስያ ናይተን ዘተጠቐሳ ሃገራት ክሊ ኣየር ምጥቃም ዘይምኽኣለን፡ ብዙሓት በረራታት ክስረዙ፣ ክቋረጹን ኣንፈት በረራታት ክቕይሩን ምኽንያት ኮይኑ ይርከብ።

    ጆ ባይደን፡ እዚ ውሳነ፡ ኣብ ልዕሊ ቁጠባ ሩሲያ ከቢድ ሃሰያ ከምዘስዕብን ሞስኮ ካብ ዓለም ክትግለል ዘኽእል ምዃኑን ገሊጹ።

    “ፑቲን ንርእሰ ከተማ ኪቭ ብታንክታት ክኸባ ይኽእል ይኸውን። ልቢ ዩክሬናውያን ግን ክረክብ ኣይኽእልን” ኢሉ ባይደን።

  18. ቭላድሚር ፑቲን መን እዩ?

  19. ዩክረይን 5,840 ወተሃደራት ሩስያ ከም ዝቐተለት ትገልጽ

    ሓይልታት ዩክረይን ከም ዝገለጽዎ፡ እዚ ዝቐርብ ዘሎ ጸብጻብ ነቲ ካብ ምጅማር ወራር ኣትሒዙ ኣብ ልዕሊ ሓይሊ ሩስያ ዘውረድዎ ክሳራ ዘርኢ ፈላሚ ጸብጻብ ምዃኑ ኣመልኪቶም።

    ቢቢሲ፡ ነዚ ብዩክረይን ዝቐረበ ጸብጻብ ብናጻ ወገን ከረጋግጾ ኣይከኣለን ዘሎ። እንተዀነ፡ ምኒስትሪ ምክልኻል ብሪጣንያ፡ ሩስያ ኣብ ዩክረይን ዓቢይ ክሳራ ይወርዳ ከም ዘሎ ይኣምን።

    ኣብ ልዕሊ ሩስያ ክሳዕ ሕጂ ወሪዱ ዘሎ ክሳራታት፡

    • 5,840 ወተሃደራት
    • 30 ነፈርቲ
    • 31 ሄሊኮፕተራት
    • 211 ታንክታት
    • 862 ድሩዓት መካይን
    • 85 ከበድቲ ኣጽዋር
    • 9 ጸረ-ነፈርቲ
    • 60 ታንከራት ነዳዲ
    • 355 መካይን
    • 40 ወንጨፍቲ ሮኬታት [ዝተማረኸ]
  20. ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ 'ፑቲን እንታይ ክወርዶ ከምዝኽእል ኣይፈለጠን'

    ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ንኮንግረስ ሃገሩ ኣብ ዝሃቦ መልእኽቲ፡ “ቭላድሚር ፑቲን፡ ብሰንኪ’ቲ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝፈጽሞ ዘሎ ወራር፡ ምዕራባዊ ዓለም ክህቦ ብዛዕባ ዝኽእል ግብረ መልሲ ‘ዝንቡዕ ቅማረ’ እዩ ዘለዎ” ኢሉ።

    ባይደን ኣብ ዘረባኡ፡ “ናጽነት ኣብ ልዕሊ ዓመጽ ክዕወት ዘይናወጽ መፍትሒ እዩ፡” ክብል ቃል ኣትዩ።

    ኣባላት ዲሞክራትን ሪፑብሊክን ኣመሪካ፡ ነቲ “ንዩክረይን ደገፍና ነርኢ” ዝብል ብባይደን ዝቐረበ ምሕጽንታ፡ ናይ ሓባር ደው ብምባል ብውሁድ ጣቕዒት መሊሶምሉ።

    ፕረዚደንት ባይደን፡ ኣብቲ ሓደ ሰዓት ዝወሰደ ናይ ሰሉስ ምሸት ዘረባኡ፡ “እዚ ፑቲን ዘካይዶ ዘሎ ኲናት ፍሉጥ እዩ ነይሩ፣ ብተደጋጋሚ ንዝቐረበ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ነጺግዎ እዩ። 'ምዕራባዊ ዓለም ይዅን ኔቶ ኣይክምልስን እዩ፡'' ኢሉ እዩ ሓሲቡ ዘሎ፣ ክመቓቕለና ከም ዝኽእል እዩ’ውን ገሚቱ ዘሎ” ክብል ተዛሪቡ