እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

ጆ ባይደን፡ ‘ኣመሪካ ኢዳ እንተእትያ፡ ሳልሳይ ኲናት ዓለም ክለዓል እዩ’

ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝኸፈተቶ ወራር ክልተ ሰሙን መሊእዎ ኣሎ። ሚኒስተር ጕዳያት ወጻኢ ሰርገይ ላቭሮቭን ናይ ዩክረይን መዘናኡ ድሚትሮ ኩሌባን ኣብ ቱርኪ ዘካድዎ ዘተ ብዘይ ፍረ ተበቲኑ። ጆ ባይደን፡ ‘ኣመሪካ ኣብ ዩክረይን ኢዳ እንተእትያ፡ ሳልሳይ ኲናት ዓለም ክለዓል እዩ’ ክብል ኣጠንቂቑ ኣሎ። እቲ ኲናት ዝምልከት ዝህልዉ ሓደሽቲ ምዕባለታት ኣብዚ ክነቕርበልኩም ኢና ተኸታተሉና።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ብሪጣንያ ኣምባሳደራ ካብ ዩክረይን ኣውጺኣ

    ኣምባሳደር ብሪጣንያ ኣብ ዩክሬን፡ ብሰንኪ “ከቢድ ጸጥታዊ ኩነታት” ካብታ ሃገር ከምዝወጸት ጸሓፊት ጉዳያት ወጻኢ ሊዝ ትራስ ገሊጻ።

    ወራር ሩስያ ኣብ ዩክረይን ድሕሪ ምጅማሩ፡ ኣምባሳደር መሊንዳ ሲሞንስን ዝተረፉ ውሑዳት መሳርሕታን ካብ ርእሰከተማ ብምውጻእ ናብ ምዕራባዊት ከተማ ልቪቭ ግዒዞም’ዮም ጸኒሑ።

    እቲ ስጉምቲ ኤምባሲ ብሪጣንያ ኣብ ዩክሬን ምሉእ ብምሉእ ከምዝዕጾ ዝገበረ ምዃኑ እታ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣረጋጊጻ።

    ምስዚ ኣብ ዝተኣሳሰር ዜና፡ ብሪጣንያ ተወሳኺ 175 ሚልዮን ፓውንድ ንዩክሬን ከምእትህብ ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሰን ኣፍሊጡ። ነዚ ሓዊሱ፡ ዛጊት ብድምር 400 ሚልዮን ፓውንድ ደገፍ ክትህብ’ያ።

    ጆንሰን፡ ምስ መራሕቲ ካናዳን ሆላንድ ኣብ ለንደን ድሕሪ ዝገበሮ ርክብ’ዩ ነቲ መግለጺ ሂቡ። ሰለስቲኦም መራሕቲ ኣንጻር ወራር ሩስያ ኣብ ዩክረይን ደው ከምዝብሉን፡ ንዩክሬናውያን ዝክኣሎም ደገፍ ክገብርሎም ምዃኖምን ቃል ኣትዮም ኣለዉ።

  2. ዞባ ክሪሚያ ኣካል ሩስያ ምዃኑ ዩክረይን ኣፍልጦ ክትህብ ኣለዋ-ክረምሊን

    ዩክረይን ንጠለባታ እንተ ተቐቢላ፡ ወተሃደራዊ ስርሒታታ “ኣብ ዝኾነ እዋን” ደው ከተብል ከምእትኽእል ሩስያ ኣፍሊጣ።

    ኣፈኛ ቤተ-መንግስቲ ክረምሊን ዲሚትሪ ፐስኮቭ፡ ኲናት ደው ክብል እንተኾይኑ፡ ክሪሚያ ኣካል ሩስያ ምዃኑ፡ ከምኡ’ውን ምብራቓዊ ዞባታት ዶነስክን ሉሃንስክን ናጻ ሃገራት ምዃነን ዩክረይን ክትቅበል ኣለዋ ክብል ተዛሪቡ።

    ብዘይካ’ዚ፡ ዩክረይን ንዘለዋ ሃገራዊ ቅዋም ክትቅይሮን፡ ምስ ዝኾነ ከም ኔቶ ዝበለ ኪዳን ካብ ምጽንባር ክትሕሰምን ኣለዋ ኢሉ።

    እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ቀንዲ ቅድመ-ኩነታት ተቐባልነት እንተ ረኺቦም፡ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ሩስያ “ብቕጽበት ደው” ክብል’ዩ ይብል እቲ ኣፈኛ።

    ሩስያ ነዚ ክሳብ ተረጋግጽ ግን ንዩክረይን “ዕጥቂ ንምፍታሕ” እተካይዶ ዘላ ስርሒታት ክቕጽል ምዃኑ ኣጠንቂቑ።

    ዝኾነ ካልእ ተወሳኺ መሬት ዩክረይን ናይ ምግባት ውጥን ከዘምይብላ ግን ፐስኮቭ ተዛሪቡ።

    ሩስያ፡ ኣብ 2014 ንዞባ ክሪሚያ ብምጉባጥ ኣካላ ከምዝገበረቶ ይዝከር።

    ብድሕሪኡ’ውን ንተገጸንልቲ ዞባታት ዶነስክን ሉሃንስክን ክትድግፍ ምጽንሓ ይፍለጥ።

  3. መራሒ ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ዙማ ንፕረዝደንት ፑቲን ከምዝድግፍ ኣፍሊጡ, ፕረዝደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ጃኮብ ዙማ ግን ነዚ ውሳነታት “ዘይፍትሓዊ” ክብል ተቓዊምዎ’ሎ።

    ፕረዝደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ጃኮብ ዙማ ኣብቲ ዝካየደ ዘሎ ኲናት ንፕረዝደንት ፑቲን ከምዝድግፍ ሓቢሩ።

    ንሱ ምስቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ብዝተሓሓዝ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ንፑቲን “ናይ ሰላም ሰብ” ክብል ገሊጽዎ’ሎ።

    ምዕራባውያን ሃገራት ኣብ ልዕሊ ሩስያ ማዕቐባት ዘንበራ ኮይነን፤ ኣብ ደገ ዝርከብ ሃብቲ ፑቲን እውን ከይንቀሳቐስ ኣጊደን ኣለዋ።

    ፕረዝደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ጃኮብ ዙማ ግና፡ ነዚ ውሳነታት “ዘይፍትሓዊ” ክብል ተቓዊምዎ’ሎ።

    ንሱ ነዚ ዘፍለጠ በቲ ዝውንኖ ፋውንዴሽን ኣቢሉ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ’ዩ።

    “ኩላህና ኣብ ዓለም ሰላም ክህልው ንደልይ ኢና። ስለዝኾነ ህይወት ሰባት ንምድሓን እቶም ኣብቲ ኲናት ዝሳተፉ ዘለዉ ኣካላት ብቕልጡፍ ናብ ሰላም ክመጽኡ ንጽውዕ” ኢሉ ኣብ መግለጺኡ።

    ጃኮብ ዙማ ብናይ ብዓሉ ሰልፊ (ውድብ) ኣፍሪካን ናሽናል ኮንግረስ [ኤ ኤን ሲ] ኣብ 2018 ካብ ስልጣኑ ክእለ ከምዝተገበረ ይዝከር።

    ካብ ስልጣኑ ዝተኣለየሉ ምኽንያት ድማ፡ ኣብ ልዕሊኡ ዝቐረቡ ክስታት ብልሸውና ክኸውን ከሎ፤ ንሱ ግና ነቶም ክስታት ይነጽጎም።

  4. ሓድሽ ዜና, ሩስያ ሲቪላት ሰባት ንክሃድሙ ተኹሲ ደው ከብል እየ ኢላ

    ንፁሃት ሰባት ብምቕታል ክትኽሰስ ዝፀንሐት ሩስያ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ዩክረይን ዝርከቡ ሲቪላት ንክሃድሙ ተኹሲ ደው ከምእተብል ኣፍሊጣ።

    ሰራዊት ምክልኻል ሩስያ እቲ ተኹሲ ደው ምባል ካብ ረፋድ ሰዓት 4፡00 ከምዝጅምር ኣፍሊጡ።

    ከም ፀብፃብ መራኸብቲ ሓፋሽ እታ ሃገር፡ ሩስያ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ዩክረይን ሰብኣዊ ኮረድዮ ክትኸፍት እያ።

    ኣብ ርእሰ ከተማ ኪቭ ሓዊሱ፡ ኣብ ካርኪቭ፣ ማሪዮፖልን ሱሚን ተኹሲ ደው ከምዝብል’ዩ ተገሊፁ ዘሎ።

    እዘን ከተማታት ኣብዚ እዋን ኣብ ከቢድ መጥቃዕቲ ሩስያ እየን ዝርከባ።

    እንተኾነ ኣብዚ ጉዳይ ካብ ሰብመዚ ዩክረይን መረጋገፂ ኣይተረኸበን።

    ኣብ መወዳእታ እዚ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ማሪዮፖል ሲቪላት ንክወፅኡ ክልተ ግዘ ዝተገበረ ፈተነ ኣይሰመረን።

    ሰብመዚ ዩክረይን፡ ሩስያ ኣብ ግዘ ተኹሲ ደው ምባል ንከተማ ማሪዮፖል ምድብዳብ ብምቕፃላ፡ እቲ ፈተነ ከምዘይተሳኽዐ ገሊፆም።

  5. ኣሰናዳኢት ቢቢሲ ዩክረይን፡ 'ኣደይ ባኒ ክትገዝእ ከምዝኸኣለት ክትነግረኒ ደዊላ'

  6. ሩስያ ዜጋታት ሶሪያ ዝኾኑ ወተሃደራት ብኽፍሊት ትምልምል ኣላ

    ሞስኮ ዜጋታት ሶሪያ ዝኾኑን ኣብ ናይ ከተማ ውግእ ብቑዓት ዝኾኑን ዕስኩራት ወተሃደራት ትምልምለ ምህላዋ ሰበስልጣን ኣሜሪካ ኣፍሊጦም።

    እቶም ሰበስልጣን ንዎልስትሪት ጆርናል ከምዝሓበርዎ፡ ሩስያ ንዓበይቲ ከተማታት ዩክረይን ክትቆጻጸር ኣብ እትገብሮ ምድላው፡ ብናይ ከተማ ውግእ ብቑዓት ዝኾኑ ሩስያውያን ወተሃደራት ትምልምል ኣላ።

    ብዝሒ ናይቶም ወተሃደራት እንተዘይተገለጸ'ኳ፡ ተኸፊልዎም ኣብቲ ኲናት ክሳተፉ ድልዋት ዝኾኑ ወተሃደራት ናብ ሞስኮ ከምዝበጽሑን ናብ ዩክረይን ጉዕዞ ንምግባር ኣብ ምድላው ከምዝርከቡን ተገሊጹ'ሎ።

    ኣብ ሶሪያ ዝርከብ ምንጪ ዜና ዴርዝዞር 24 ፡ ሩስያ ንሶርያውያን ወለንተኛታት "ካብ 200 ክሳብ 300 ዶላር ኣሜሪካ መሃያ እናተኸፈሎም" ብሓለዋ ክሳተፉ ጻውዒት ከምዘቕረበት ጸብጺቡ።

    ብኻልእ ገጽ ድማ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ነበር ኣብ ጎኒ ዩክረይን ተሰሊፎም ንምውጋእ ናብታ ሃገር ከምዝኣተዉ ጸብጻባት የመልክቱ።

  7. ስለምንታይ'ያ ኣመሪካ ወተሃደራታ ናብ ዩክረይን ዘይትልእኽ?

  8. ሩስያ ኣብ ልዕሊ ከተማ ኪቭ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ንምፍጻም ትዳሎ ኣላ - ዩክረይን

    ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዋና ከተማ ኪቭ ሰፊሕን ኩለመዳያውን መጥቃዕቲ ንምፍጻም ወተሃደራዊ ምድላው ከምዝገበረት ሰበስልጣን ምክልኻል ዩክረይን ኣጠንቂቖም።

    ሰራዊት ምክልኻል ዩክረይን እዋናዊ ምዕባለታት ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ እታ ከተማ ክትፍጽሞ ንዝሓሰበት መጥቃዕቲ ሰፊሕ ናይ ሓይሊ ምትእኽኻብ ትገብር ምህላዋ ጠቒሶም።

    ነዚ ዘፈጽም ገዚፍ ኣጋር ሰራዊት እታ ሃገር ድማ ብታንክታትን ካልኦት ኣጽዋራትን ተዓጂቡ ኣብ ቀረባ ርሕቐት ናብ እትርከብ ኢርፒን እተበሃለት ከተማ ይግስግሱ ምህላዎም ሓቢሮም።

    ኣዘዝቲ ሰራዊት ሩስያ ካብ ቤላሩስ ብቼርኖቤል ገጽ ንገዚፍ ሰራዊቶም ዝኸውን ነዳዲ ይጽዕኑ ምንባሮም’ውን ኣመልኪቶም።

    ብኻልእ ኣንፈት ድማ ሰራዊት ሩስያ ብከተማታት ካርኪቭ፣ ቼርኒሂቭ፣ ሱሚን ደቡባዊ ሚኮላይቪቭን ኣቢሉ ናይ ምኽባብ ንጥፈታት ይፍጽም ምህላዉ ሰበስልጣን ሰራዊት ዩክረይን ኣረዲኦም።

  9. ኣብ ዩክረይን መውጽኢ ዝሰኣኑ ኣፍሪቃውያን ውርጪ እናምከኹ ክሰትዩ ተገዲዶም

  10. ኣብ ኣፍሪቃ ዘጋጥሙ ኲናታት ስለምንታይ ብዝተፈለየ መገዲ ይረኣዩ?

    ኣልጀሪያዊ-ካናዳዊ ጋዜጠኛ ማሄር መዛሂ እቶም ኣብ ኣውሮጳን ኣፍሪቃን ዝካየዱ ኲናታት ዝረኣዩሉ መገዲ ብዝምልከት ትዕዝብቱ ኣቐሚጡ’ሎ።

    ኩላህና ማዕረ ኢና፤ ግን ከኣ ገሊኦም ካብ ካልኦት ብዝያዳ ማዕረ እዮም።

    እዚ ናይ ጆርጅ ኦርዌል [እንግሊዛዊ ጸሓፊ፣ ጋዜጠኛን ነቓፍን] ብሂል ብፍላይ ኣብ ኣፍደገ ሕብረት ኣውሮጳ ኲናት ከጋጥም ከሎ ብተግባር ዝረኣይ ጉዳይ’ዩ።

    ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝፈጸመቶ ወራር ብስፍሓት ክኹነን ምርኣይ ግቡእ እንተኾነ’ኳ፡ ሓያላን መንግስታት እቲ ኲናት ደው ንኽብል ዝገብርኦ ዘለዋ ሓበራዊ ምርብራብ ብገምጋም ኣፍረካ ክረኣይ ከሎ ግን፡ ዘገርምን ዘተሓሳስብን ይኸውን።

  11. ዋጋ ነዳዲ ዓለም ድሕሪ 13 ዓመታት ዝለዓለ ወሰኽ ኣርእዩ, ኲናት ሩስያ ዩክረይን ኣብ ዋጋ ነዳዲ ዝለዓ ወሰኽ ከጋጥም ምኽንያት ኮይኑ

    ዋጋ ነዳዲ ዓለም ካብ 2008 ንደሓር ኣዝዩ ዝለዓለ ወሰኽ ከምዝተረኣዮ ይግለጽ ኣሎ።

    እዚ ወሰኽ ድማ ኣሜሪካ ኣብቲ ሩስያ ናብ ካልኦት ሃገራት እተቕርቦ ነዳዲ ገደብ ንምንባር ዝርርብ ከምዘካየደት ምግላጻ ስዒቡ ከምዘጋጠመ ተፈሊጡ።

    ዋጋ ድፍድፍ ነዳዲ ቅድሚኡ ካብ ዝነበረ 130 ዶላር ናብ ልዕሊ 139 ዶላር ደይቡ'ሎ።

    ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ምፍጻማ ስዒቡ ኣብ ዕዳጋ ጸዓት (ኢነርጂ) ዝለዓለ ወሰኽ ከጋጥም ከምዝኽእል ክስጋእ ጸኒሑ'ዩ።

    ኣብ ዋጋ ነዳዲን ዜጋታት ንዝጥቀምዎ ጸዓት ዝኸፍልዎ መጠን ገንዘብን ንዝተረኣየ ወሰኽ ዋጋ ስዒቡ'ውን እቲ ስግኣት ብተግባር ክረኣይ ጀሚሩ ይርከብ።

    ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ዋጋ ጋዝ ኣብ ኣውሮጳን ብሪጣኒያን ብዝለዓለ መጠን ዝወሰኸ ኮይኑ፡ ኣብ ብሪጣንያ ሓንቲ ስድራ እትጥቀሞ ጸዓት ዓመታዊ ክሳብ 3000 ፓውንድ ከኽፍላ ከምዝኽእል ይግለጽ ኣሎ።

  12. ኲናት ዩክረይን: ዕንወት ንዓለማዊ ውሕስነት መግቢ

  13. ብሰንኪ ዩክረይን እተነብረልና ማዕቀብ፡ ውግእ ከም ምእዋጅ ኢና ንርእዮ፡ ቭላድሚር ፑቲን

  14. ፕረዝደንት ዘለንስኪ ዩክሬናውያን ንጸላኢ ክዋግኡ ተማሕጺኑ

  15. ቢቢሲ ኣብ ሩስያ ንዝሰርሑ ጋዜጠኛታቱ ብግዝያውነት ኣጊዱ

  16. ኣብ ሩስያ፡ ሃገሮም ተካይዶ ዘላ ኵናት ዝተቓወሙ ኣማኢት ሰልፈኛታት ተኣሲሮም

    ነቲ ክሬምሊን ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝኸፈተቶ ኵናት ብምኹናን ሰልፊ ተቓውሞ ዘካየዱ ልዕሊ 600 ሰልፈኛታት ተኣሲሮም።

    ኣብ 21 ከተማታት ሩስያ ነቲ ኵናት ዝኹንን ሰልፍታት ከምዝተኻየደዝሓበረ ኦቪዲ-ኢንፎዝተብሃለ ጉጅለ ክትትል፡ ልዕሊ 600 ሰልፈኛታት ኣብ ቀይዲ ከምዝወዓሉ ገሊፁ።

    ብመንግስቲ ክሬምሊን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከብ ኣሌክሲ ናቫልኒ፡ ሩስያውያን ነቲ ኣብ ዩክረይን ይካየድ ዘሎ ኵናት ብምቅዋም ሰልፊ ከካይዱ ምፅውዑ ስዒቡ’ዩ፡ ብዙሓት ተቓውመኦም ከምስምዑ ናብ ጎደናታት ሩስያ ወፂኦም።

    ከም ሓበሬታ እዚ ጉጅለ፡ ኣብ ከተማ ኖቮሲቢርስክ ልዕሊ 200 ተቓወምቲ ኣብ ቀይዲ ውዒሎም።

    ኣብ ቀንዲ ጎደናታት ሩስያ ሰልፊ ተቓውሞ ክካየድ ዝፀውዐ ናቫልኒ፡ ኣብ ከተማ ሞስኮ ሰዓት 8፡00 ኣብ ሴንት ፒተርስበርግ ድማ ሰዓት 5፡00 ሰልፍታት ተቓውሞ ተኻይዶም።

    ኣብ ሩስያ ንመንግስቲ እታ ሃገር ዝቃወሙ ሰልፍታት ምክያዶም ስዒቡ፡ ጃምላዊ ማእሰርቲ ልሙድ ኮይኑ ኣሎ።

    ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ኵናት ካብ ትኸፍት ንነዘ፡ ኣብ ሩስያ ኣስታት ሸሞንተ ሽሕ ተቓወምቲ ኣብ ቀይዲ ውዒሎም ወይ ተኣሲሮም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ኦቪዲ-ኢንፎ ሓቢሩ።

    ትማሊ ቀዳም ኣብ መላእ ዓለም ነቲ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ትገብሮ ዘላ ወራር ዝኹንኑ ሰልፍታት ተቓውሞ ምክያዶም ስዒቡ’ዩ፡ ሎሚ ሰንበት ድማ ኣብ ሩስያ ሰልፍታት ተቓውሞ ተኻይዶም ዘለዉ።

  17. ሓድሽ ዜና, ልዕሊ 1 ነጥቢ 5 ሚልየን ሰባት ካብ ዩክረይን ሃዲሞም– ሕቡራት ሃገራት

    ሕቡራት ሃገራት፡ ልዕሊ 1 ነጥቢ 5 ሚልየን ሰባት ካብ ዩክረይን ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ከምዝሃደሙ ኣፍሊጡ።

    ላዕለዋይ ኮምሽነር ኮምሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ፍሊፖ ግራንዲ ኣብቶም ዝሓለፉ ዓሰርተ መዓልታት ልዕሊ 1 ነጥቢ 5 ሚልየን ሰባት ካብ ዩክረይን ሃዲሞም ኢሉ።

    ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ካብ ትኸፍት ሎሚመዓልቲ 11 መዓልታት ተቖፂሮም።

    እዚ ኣሃዝ ካብ ካልኣይ ኵናት ዓለም ንነዘ ኣብ ኣውሮጳ እቲ ዝዓበየ ቅልውላው ስደተኛታት ኮይኑ ኣሎ።

  18. ኵናት ካብ ዝጅመር 88 ነፈርቲ ሩስያ ተሓምሺሸን- ዩክረይን

    ሚኒስትር ሓይልታት ምክልኻል ዩክረይን ኣብቲ ምስ ሩስያ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ኣድሂቡ መዓልታዊ ጸብጻብ ዕላዊ ገይሩ’ሎ። እቶም ቀንዲ ምዕባለታት እነሆ።

     ሩስያ ምስ ዩክረይን ኵናት ካብ እትጅምር ንድሓር ዛጊድ 88 ነፈርቲ ውግእን ሄሊኮፕተራት ንተሓምሺሽዋ።

     ቁጽሮም ብንጹር ዘይተፈልጡ ፓይለታት ኣብ ቁጽጽር ኣትዮም።

     ሓይልታት ዩክረይን ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ እትርከብ ስትራቴጅካዊት ንወደባዊት ንከተማ ማርዮፖልን ምውሓስ ቃልሶም የቐጽሉ።

     ኣጽዋራት ሩስያ ኣብ ክልል ማይኮለይቭ ተታሒዞም።

     ወተሃደራት ሩስያ በቲ ሓይልታት ምክልኻል ዩክረይን ዝገብርዎ ዘለዉ ናይ ምክልኻል ስራሕቲ “ተዳሂሎም”።

    ቢቢሲ እቶም ብሓይልታት ምክልኻል ዩክረይን ዝቐረቡ ሓበሬታታት ብናይ ባዕሉ መገዲ ከረጋግጾም ኣይከኣለን።

    ሩስያ ብዛዕባ ኣብ ዩክረይን ዘጋጠማ ክሳራታት ብውሕዱ’ኳ እንተቕረበት፡ሰብሞያ ውትህድርና ግና ሓይልታት ምክልኻል ዩክረይን ብዘርኣይዎ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ከምዝተደመሙ ገሊጾም።

  19. ኵናት ዩክረይን ኣዋርሕ እንተዘይኮይኑ ድማ ዓመታት ክወስድ’ዩ- ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ

    እቲ ኣብ ዩክረይን ቅድሚ ዓሰርተ ሓደ መዓልታት ዝተጀመረ ኵናት ኣዋርሕ እንተዘይ ኮይኑ ድማ ዓመታት ክወስድ ከምዝኽእል ዓባይ ብሪጣንያ ገሊፃ።

    ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ዓባይ ብሪጣንያ ዶሙኒክ ራብ፡ እቲ ብሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝተኸፈተ ኵናት ኣዋርሕ እንተዘይኮይኑ ድማ ዓመታት ክወስድ ከምዝኽእል ንስካይኒውስ ተዛሪቡ።

    መሓዙት ሃገራት ውድቀት ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ጋህዲ ንምግባር ስትራቴጂካዊ ሽርክና ክገብራ ከምዘለወን ድማ ኣስሚርሉ።

  20. ኣብ ዩክረይን ዘለዉ ሓደሽቲ ምዕባለታት

    ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝኸፈተቶ ኵናት ሎሚመዓልቲ 11 መዓልቲ ኣቑፂሩ ኣሎ። ሎሚመዓልቲ ንጉሆ ኣብ ርእሰከተማ ዩክረይን ኪቭን ካርኪቭን ኣብ ትርከብ ማእኸል ፖልታቫ ደብዳብ ኣየር ከምዝተሰምዐ ፀብፃባት ይሕብሩ።ንምዃኑ ኣብ ዩክረይን ዘሎ ዓብይ ምዕባለ እንታይ እዩ?

    · ፕረዝደንት ዩክረይን ዘለንስኪ ትማሊ ቀዳም ምስ ልዕሊ 300 ኣሜሪካውያን ኣርቀቕቲ ሕጊ ዝገበሮ ብቪድዮ ዝተሰነየ ፃውዒት፡ ሃገራት ምዕራብ፡ ንዩክረይን ካብ በረራ ናፃ ክገብርኣ ፀዊዑ። ትማሊ ቀዳም ምሸት ድማ ምስ ፕረዝደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ብስልኪ ተዘራሪቡ።

    · ኔቶ፡ ክሊ ኣየር ዩክረይን ካብ በረራ ናፃ ክገብር ንዝቐረበሉ ፃውዒት ነፂግዎ።

    · ቭላድሚር ፑቲን፡ ኣብ ሰማያት ዩክረይን በረራ ምኽልካል፡ ብቐጥታ ኣብቲ ኵናት ከም ምስታፍ ገይሩ ከምዝወስዶ ኣጠንቂቑ።

    · ሩስያ ንስትራተጂካዊት ደቡባዊ ከተማ ማሪፖል ምድብዳባ ቀፂላ ኣላ። ሰብመዚ ዩክረይን ካብታ ከተማ ንሲቪላት ንምውፃእ ተነቢሩ ዝነበረ ስምምዕ ተኹሲ ደው ምባል ከምዝፈረሰ ገሊፆም።

    · ሰብመዚ ዩክረይን፡ ኣብ ግዝኣታት ሱሚስን ማሪዮፖልንዘሎ ኩነታት ሰብኣዊ ጥፍኣት ከምዝኾነ ገሊፆም።

    · ኣብ ክልል ሱሚ ኣብ ዘለዋ ክልተ ከተማታት ቀረብ ማይን ሓይሊ ኤሌክትሪክን ከምዝተቛረፀ ኣማኻሪ መንግስቲ ሓቢሩ።

    · ዝዓበዩ ትካላት ክፍሊት ኣሜሪካቪዛን ማስተርካርድን ኣብ ሩስያ ዝነበሮም ስራሕ ኣቋሪፆም።

    · ተወከልቲ ሩስያን ዩክረይንን ንካልኣይ ዙር ልዝብ ፅባሕ ሰኑይ ክራኸቡ’ዮም።