እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

ጆ ባይደን፡ ‘ኣመሪካ ኢዳ እንተእትያ፡ ሳልሳይ ኲናት ዓለም ክለዓል እዩ’

ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝኸፈተቶ ወራር ክልተ ሰሙን መሊእዎ ኣሎ። ሚኒስተር ጕዳያት ወጻኢ ሰርገይ ላቭሮቭን ናይ ዩክረይን መዘናኡ ድሚትሮ ኩሌባን ኣብ ቱርኪ ዘካድዎ ዘተ ብዘይ ፍረ ተበቲኑ። ጆ ባይደን፡ ‘ኣመሪካ ኣብ ዩክረይን ኢዳ እንተእትያ፡ ሳልሳይ ኲናት ዓለም ክለዓል እዩ’ ክብል ኣጠንቂቑ ኣሎ። እቲ ኲናት ዝምልከት ዝህልዉ ሓደሽቲ ምዕባለታት ኣብዚ ክነቕርበልኩም ኢና ተኸታተሉና።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ዩክረይን፡ ኣፍሪቃውያንን ህንዳውያንን ተማሃሮ ስለምንታይ ብብዝሒ ይመርጽዋ?

  2. "ዩክረይን ኣብ ልዕሊ ሩስያ ምዕዋታ ዘይተርፍ እዩ" - ኣንቶኒ ብሊንከን

  3. ሩስያ ኣብ ክልተ ዝተኸርደና ከተማታት ዩክረይን ግዚያዊ ምቁራጽ ተኹሲ ኣዊጃ

    ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ዩክረይን ንዝርከባ ከተማታት ማሪዩፖልን ቮልኖቫካን ካብ ቀዳም ሰዓት 7 ኣቆጻጽራ ጂኤምቲ ዝጅምር ግዝያዊ ምቁራጽ ተኹሲ ከምዝገበረ ኣፍሊጡ።

    እቲ ምቁራጽ ተኹሲ ሰብኣዊ ሓገዛት ንሲቪላውያን ንምብጻሕ መገዲ ንምኽፋት ምዃኑ’ውን ገሊጹ።

    እቲ ናብተን ከተማታት ዘእቱ መስመራት ብዝምልከት ምስ ዩክረይን ስምምዕ ከም እተገበረ’ኳ ሩስያ እንተገለጸት ዛጊት ብወገን ዩክረይን ዝተወሃበ ሓበሬታ የሎን።

    ማርዩፖል ኣገዳሲት ወደባዊት ከተማ ኮይና ብሓይልታት ሩስያ ንመዓልታት ተኸርዲና እያ ጸኒሓ። ኣብ ቮልኖቫካ’ውን ከቢድ ኲናት ክካየድ ቀንዩ።

    ከንቲባ ከተማ ማርዩፖል፡ ሓይልታት ሩስያ ንሲቪላውያን ክወጽኡ ከፍቅዱሎም ክጽውዕ ጸኒሑ ኣሎ።

    ኣብ ካልእ ከባቢታት ዩክረይን ኲናት ክቕጽል እንከሎ፤ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ኣብ እትርከብ ከተማ ካርኪቭ ተደጋጋሚ ነትጒ ተሰሚዑ።

    ብወተሃደራት ሩስያ ተኸቢባ ኣብ ዘላ ምብራቓዊት ከተማ ሳሚይ ካብ ሰዓት 5፡00 (ኣቆጻጽራ እቲ ከባቢ) ደብዳብ ከም ዝጀመረ መራኸቢ ብዙሓን ዩክረይን ጸብጺበን።

  4. ጋዜጠኛታት ‘ስካይ ኒውስ’ ብወተሃደራት ሩስያ ድብያዊ መጥቃዕቲ ተፈጺምዎም, ጋዜጠኛ ስቱዋርት ራምሳይ ነቲ ተጓንፎ ብኸምዚ የዘንትዎ፡-

    ጋዜጠኛ መደበር ቴለቪዥን ስካይ ኒውስ፡ ስቱዋርት ራምሳይ ብሰኑይ ምስ ኣርባዕተ መሳርሕቱ ብመኪና ናብ ርእሰ ከተማ ኪቭ ገጾም እናተንቀሳቐሱ እንከለው ብሓይልታት ሩስያ ድብያ ተፈጺምዎም።

    ሕጂ ኣብ ብሪጣንያ ዝርከብ እቲ ጋዜጠኛ ነቲ ተጓንፎ ብኸምዚ የዘንትዎ፡-

    “ኣማውታይ ቃንዛ ዘለዎ ዶ ይኸውን ኢለ ይሓስብ ነይረ። ሽዑ ኣብ ታሕተዋይ ክፋል ናይ ሕቖይ ተሃሪመ።

    “ተሃሪመ! ኢለ ጨዲረ። እቲ ዝገረመኒ ግና ብዙሕ ኣይሃሰየንን። ብጉስጢ ከም ዝተሃረምኩ እዩ ተሰሚዑኒ።

    “ዘደንጹ እዩ፤ ግና ህድእ ኢለ።

    “ነቲ ናይ ርእሰይ ቁራዕ ወድየ፡ ክሃድም እናተዳለኹ እንከለኹ፡ ቴለፎነይን ናይ ፕረስ ካርደይን ጠርኒፈ፤ ክትኣምኖ ዘጸግም እዩ።

    “ሪቺ [መሳርሕተይ] ከምእትብሎ፡ ካብታ መኪና ወጺአ ናብቲ ጸድፊ ዘብዘብ ቅድሚ ምባለይ ደው እየ ኢለ ጸኒሐ ክጎዪ ጀሚረ።

    “ሚዛነይ ምሕላው ስኢነ ራዕ ኢለ ወዲቐ፡ ገጸይ ተሃሪመ። ሳላ እቲ ቁራዕን መከላኸልን እየ ድሒነ።

    “ብጣዕሚ ዕድለኛታት ኢና። ኣሽሓት ዩክረይናውያን ግና ይሞቱ ኣለው፤ ብመኪና ዝንቀሳቐሱ ስድራቤታት ልክእ ከምቲ ንኣና ዝገጠመና ዕላማ ሓይልታት ሩስያ ይኾኑ ኣለው።

    “እዚ ኲናት ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ይገድድ ኣሎ።”

  5. ኣባል ባይቶ ኣመሪካ፡ 'ፑቲን ንክቕንጸል' ጻውዒት ብምቕራቡ ቊጥዓ ሩስያውያን ንሂሩ

  6. ወራር ዩክረይን ዓስራይ መዓልቱ ዓቑጺሩ, ዛጊድ ዝተኸስቱ ዓበይቲ ፍጻመታት እዋጆም

    ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ካብ እትኸፍት ዓስራይ መዓልቲ ዘቑጸረ ኮይኑ፤ ካብቶም ዓበይቲ ፍጻመታት ገለ፦

    • ከተማታት ዩክረይን ካብ ሰራዊት ሩስያ ብዝትኮስ ከቢድ ኣጽዋር ኲናት ዝተጠቕዓ ኮይነን፡ ሰላማውያን ሰባት ግዳይ ይኾኑ ኣለዉ ተባሂሉ።
    • ኣብ ጸሊም ባሕሪ ዝርከባ ከተመታት ደቡባዊ ዩክረይን ካብ ሰሜናዊ ኣንፈት ይደፍኡ ብዘለዉ ሰራዊት ሩስያ ጽዕንቶ ይሓድረን ኣሎ።
    • ፕሬዝዳንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ መጥቃዕቲ ሩስያ ንምክልኻል ምዕራባውያን ሃገራት ኣብታ ሃገር ካብ በረራ-ነጻ ግዝኣት ብዘይምእዋጆም ነቒፉ። 'ሰባት ዝሞቱ ዘለዉ ብሰንክኹም እዩ' ድማ ኢሉ።
    • ዓለምለኸ ዓበይቲ ኩባንያታት ንሩሲያ ራሕሪሖም ምውጻእ ቀጺሎምሉ። ኣብዚ ሰሙን ሳምሰንግን ማይክሮሶፍትን ዝኣመሰሉ ኩባንያታት ኣብ ሩሲያ መሸጣ ኣቋሪጾም።
    • ሞስኮ ኣብ ውሽጢ ዩክረይን ይካየድ ዘሎ ኲናት ዝምልከት ዝቐርቡ ጸብጻባት ንምቁጽጻር ሓድሽ ሕጊ ዘጽደቐት ኮይና፡ ንቢቢሲ ሓዊሱ ዓለምለኸ ሚድያታት ስራሕቶም ጠጠው ኣቢሎም።
    • ከንቲባ ከተማ ማሪዩፖል [ዩክረይን] ነታ ኣብ ከበባ ሰራዊት ሩስያ ዝኣተወት ከተምኡ መተሓላለፊ ሰብኣዊ ሓገዝ ክኽፈት ሓቲቱ።
  7. ስለምንታይ'ያ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ዩክሬን ምስ ሩስያ ወጊና?

  8. ሰለስተ ኣዘዝቲ ሰራዊት ሩስያ ኣብ ዩክሬን ከምዝተቐትሉ ጸብጻባት ሓቢሮም

    ብውሕዱ ሰለስተ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ሩስያ ኣብቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ከምዝሞቱ፡ ሰበስልጣን ምዕራባውያን ሃገራት ገሊጾም።

    ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፡ ምክትል ኣዛዚ ናይቲ ብመበል 41 ጥሙር ሰራዊት ዝፍለጥ ኣሃዱ ብ’ቀጭ-ሕርሙ’ (ስናይፐር) ተቐቲሉ’ሎ።

    ብዘይካ’ዚ፡ ሓደ ኣዛዚ ክፍለ-ሰራዊት፡ ከምኡ’ውን ሓደ ኣዛዚ ብርጌድ ኣብ ዓውደ-ውግእ ከምዝሞቱ እቶም ምንጭታት ጠቒሶም።

    ኣዘዝቲ ሓይልታት ሩስያ፡ ነቲ ኩነታት ካብ ቀረባ ንምቁጽጻር ናብቲ ውግእ ዝካየደሎም ዘሎ ቦታታት እናቐረቡ ምምጽኦም ይግለጽ።

    ገለ ተዓዘብቲ ከምዝብልዎ፡ እቶም ኣዘዝቲ ንሞራል ሰራዊቶም ንምሕያል ክቐርቡ ኣብ ዝግደድሉ እዋን ንሓደጋ ይቃልዑ ኣለዉ።

    ቅድሚ ሒደት መዓልታት፡ ዛጊት ኣስታት 500 ወተሃደራት ሩስያ ኣብቲ ኲናት ከምዝተቐትሉ ሰበስልጣን ሩስያ ገሊጾም ነይሮም።

    ሰብመዚ ዩክሬን ግን ልዕሊ 5000 ወተሃደራት ሩስያ ከምዝቐተሉ’ዮም ክገልጹ ቀንዮም። ቢቢሲ ነቲ ሓበሬታታት ብናጻ ኣካል ከረጋግጾ ኣይክኣለን።

  9. ሩስያ ንምንቅስቓስ ኣገልግሎት ቢቢሲ ቋንቋ ሩስያ ደሪታ

    ሰብመዚ ሩስያ ንምንቅስቓስ ቢቢሲ ኣገልግሎት ቋንቋ ሩስያ ከምዝደረቱ ተገሊጹ።

    ዶቸ-ቨለ፡ ሜዱዛን ራድዮ ሓርነትን (ራድዮ ሊበርቲ) ዝርከብአን ካልኦት ማዕከናት ዜና’ውን ደረት ከምዝተገብረለን መንግስታዊ ትካል ኣገልግሎት ዜና ሩስያ ኣር-ኣይ-ኤ ሓቢሩ።

    ፓርላማ ሩስያ ብዛዕባ ሰራዊት እታ ሃገር “ስኑዕ ዜና” ምዝርጋሕ ገበን ምዃኑ ዝድንግግ ሓድሽ ሕጊ ኣጽዲቑ’ሎ።

    ክረምሊን፡ እቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ግጭት “ኲናት” ተባሂሉ ክግለጽ የብሉን ብምባል ኣብ ክንድኡ “ፍሉይ ወተሃደራዊ ስርሒት” ምዃኑ ይምጉት።

    ኣፈኛ ቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ግረብመልሲ፡ “ቅኑዕን ናጻን ሓበሬታ ምርካብ ንህዝቢ ሩስያ ክንፈጎ ዘይብሉ ሰባዊ መሰል እዩ። ሚልዮናት ድማ ናይ ቢቢሲ ዜና ዝከታተሉ’ዮም” ኢሉ።

    “ኣገልግሎት ዜና ቢቢሲ ኣብ ሩስያን ካልእ ክፋል ዓለምን ንምብጻሕ ጻዕርታትና ክንቅጽል ኢና” ድማ ይብል እቲ ኣፈኛ።

    ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ብዘይፈልጥ፡ ብዙሓት ሩስያውያን ብዛዕባ’ቲ ኲናት ንምፍላጥ ንቢቢሲ ይከታተሉ ኣለዉ።

    ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን’ው ሓንቲ ‘ቲቪ ረይን’ ዝተባህለት ናይ ብሕቲ መደበር ተለቪዢን ሩስያ ብዛዕባ’ቲ ኲናት ብምጽብጻባ ጸቕጢ ስለዘጋጠማ ፈነውኣ ከተቋርጽ ተገዲዳ እያ።

  10. መራሕቲ ዓለም ነቲ ኣብ ልዕሊ መደበር ኑክሌራዊ ጸዓት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኮኒኖም

    ሓያሎ መራሕቲ ዓለም፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ’ቲ ኣብ ኣውሮጳ ዝዓበየ ምዃኑ ዝንገረሉ መደበር ኑክሌራዊ ጸዓት ዩክረይን ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ኮኒኖም።

    ኣብቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ሓይልታት ሩስያ ኣትዩ ዘሎ መደበር ዛፖርጅጃ ድሕሪ’ቲ መጥቃዕቲ ባርዕ ሓዊ ምርኣዩ ከቢድ ሻቕሎት ፈጢሩ ነይሩ’ዩ።

    እንተኾነ ግን፡ እቲ ባርዕ ኣብ ቀንዲ ገንእታት ኑክሌር ዘይኮነ፡ ኣብ ሓደ ቤተፈተነ ዝርከቦ ህንጻ ምዃኑ ነቲ ዝኸፍአ ስግኣት ኣወጊድዎ’ሎ።

    ሰብስልጣን ዩክሬን እቲ መጥቃዕቲ “ናይ ብሓቂ ኑክሌራዊ ሽበራ’ዩ” ክብሉ ገሊጾሞ ኣለዉ።

    ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ቦሪስ ጆንሰን “ሃንዳፍ ተግባራት ፕረዚደንት ፑቲን ሕጂ ንውሕስነት ምሉእ ኣውሮጳ ኣብ ሓደጋ ኣውዲቕዎ’ሎ” ክብል ነቲ መጥቃዕቲ ኮኒኑ።

    ሚኒስተር ምክልኻል ብሪጣንያ በን ዋለስ ብወገኑ፡ “ንዩክሬንን ሩስያን ጥራይ ኣይኮነን ሓደገኛ፡ ንኣውሮጳ’ውን ሓደገኛ’ዩ። ካብ ስነሞጎት ዝወጸ ብሓዊ ምጽዋት’ዩ” ክብል ገሊጽዎ’ሎ።

    ቀዳማይ ሚኒስተር ካናዳ ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ ድማ እቲ “ዘሰንብድ” ዝበሎ መጥቃዕቲ “ብህጹጽ ከብቅዕ ኣለዎ” ኢሉ።

    ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን’ውን፡ ሩስያ ኣብ ከባቢ’ቲ መደበር ኑክሌር እትገብሮ ወተሃደራዊ ንጥፈታት ደው ከተብሎ ተማሕጺኑ’ሎ።

    ዋና-ጸሓፊ ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) ጀንስ ስቶልተንበርግ፡ እቲ መጥቃዕቲ ንኣዕናውነት ናይቲ ኩናት ዘርእን “ደው ክብል ኣገዳሲ ምዃኑን ዘርኢ’ዩ” ክብል ገሊጽዎ።

    መራሒ ኢጣልያ ቀዳማይ ሚኒስተር ማሪኦ ድራጊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ድማ፡ “እቲ ኣሰቃቒ መጥቃቲ፡ ኣብ ልዕሊ ኩሉ ዝወረደ መጥቃዕቲ’ዩ” ክብል ነቒፉ። “ሕብረት ኣውሮጳ ብሓድነትን ዝለዓለ ቆራጽነትን ግብረመልሲ ክህብ” ድማ ጸዊዑ።

    ቀዳማይ ሚኒስተር ኖርወይ’ውን፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ’ቲ መደበር ኑክሌር ዝተወስደ መጥቃዕቲ ከምዝኹንን ኣፍሊጡ’ሎ።

  11. ሓንቲ ናይ ጽዕነት መርከብ ኣብ ገማግም ዩክረይን ጥሒላ

    ዋንነታ ናይ ኢስቶንያ ዝኾነት ናይ ጽዕነት መርከብ፡ ድሕሪ ሓያል ነቶጒ ኣብ ገማግም ባሕሪ ዩክረይን ምጥሓላ ተገሊጹ።

    ኣብ መጀመርታ ክልተ ባሕረኛታት እታ መርከብ ኣብ ናይታ መርከብ ናይ ድሕነት ተንሳፋፊት ጃልባ ክርከቡ እንከለዉ እቶም ኣርባዕተ ድሃዮም ኣይተረኸበን ነይሩ ድሒሮም ግን ኩሎም ብህይወት ኣድሕን ናይ ዩክረይን ክድሕኑ ክኢሎም።

    እታ ዝጠሓለት መርከብ ኣብ ፓናማ ተመዝጊባ ብናይ ፖናማ ባንዴራ ኣብ ኢስቶንያ ዝመደበሩ ቪስታ ሺፒንግ ኣጁንሲ ትውነን መርከብ’ያ።

    ኢስቶንያ ኣባል ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ ኮይን ብምዕራብ ምስ ሩስያ ዶባ ኣለዋ።

  12. ኣብ እዋን ዝሑል-ኵናት ተራ ሶቬየት ሕብረት ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ከመይ ይመስል ነበረ?

  13. ወራር ሩስያ ደው ክብለሉ ዝኽእል ሓሙሽተ ተኽእሎታት

    ንዅሉ ኣብ ግምት ብምእታው'ምበኣር እዚ ኲናት ደው ክብለሉ ዝኽእል ተኽእሎታት ክንድህስስ ክንፍትን ኢና። እዚ ኸኣ ነቲ ፖሎቲከኛታትን ክኢላታት ውግእን ክውጥንዎ ዝኽእሉ ነገራት ኣብ ግምት ዘእተወ እዩ። ገለኡ ዘይመስል ክመስል ይኽእል'ዩ፣ ገለኡ ግን ግብራዊ ዝመስል እዩ።

    ኣብዚ ዓለም ብዓብላዂ ዜና ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ተጐቢኣትሉ ዘላ እዋን፡ እንታዩ ክስዕብ ከም ዝኽእል ንኽትንበ ኣጸጋሚ ኰይኑ'ሎ። ካብቲ ኲናት ዝካየደሉ ዘሎ ቦታታት ዝመጽእ ዜናታት፡ ታህዲድ ዲፕሎማሰኛታት ኣውያት ተፈናቐልትን ስደተኛታትን ተደማሚሩ ቅኑዕ ገምጋም ክግበር ኣጸጋሚ ይገብሮ።

    Link https://bbc.com.im/tigrinya/news-60614460

  14. ወራር ሩስያ ደው ክብለሉ ዝኽእል ሓሙሽተ ተኽእሎታት

  15. ወራር ዩክረይን፡ ምሕዳስ ዝሑል ኲናት'ዶ ይኸውን?

  16. መራሕቲ ሃገራት ዓለም ሩስያ ኣብ ልዕሊ መመንጨዊ ሊክሎራዊ ጸዓት መጥቃዕቲ ምፍጻማ ኮኒኖም

    ሓያለ መራሕቲ ሃገራት ዓለም፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ እቲ ካብ ኣውሮጳ ዝዓበየ መመንጨዊ ኒክሎራዊ ጸዓት ዩክረይን ደብዳብ ምፍጻማ ንድሕነት መላእ ዓለም ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእቱ’ዩ ብምባል ኮኒኖም።

    ናይ ዩክረይን መጥፋእቲ ሓዊ ነቲ ኣብቲ መመንጨዊ ኒክሎራዊ ጸዓት ዝተወለዐ ባርዕ ከጥፍእዎ’ኳ እንተኸኣሉ ሰራዊት ሩስያ ነቲ መመንጨዊ ጸዓት ተቖጻጺረምዎ ምህላዎም ሰብ መዚ ዩክረይን ገሊጾም።

    ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሰን፡ ነቲ ሩስያ ኣብ ልዕሊ መመንጨዊ ጸዓት ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ “ዘይሓላፍነታዊ” ብምባል “እቲ ተግባር ንመላእ ሃገራት ኣውሮጳ ዓቢ ስግኣት’ዩ” ኢሉ።

    ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ሩስያ ኣብ ከባቢ እቲ መመንጨዊ ጸዓት ተካይዶ ወተሃደራዊ ስርሒታት ደው ከተብሎ ክምሕጸን እንከሎ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ካናዳ ጀስቲን ትራድዋ ብወገኑ “ዘሰንብድ መጥቃዕቲ” ብምባል “ሩስያ ብቅልጡፍ ቶኵሲ ደው ከተብል ኣለዋ” ኢሉ።

  17. ወራር ዩክረይን፡ ምሕዳስ ዝሑል ኲናት'ዶ ይኸውን?

    እዚ እዋን፡ ልክዕ ከም መወዳእታ ምዕራፍ ሓደ ዘመን እዩ ዝመስል ዘሎ። መንደቕ በርሊን፡ ሕዳር 1989 ኣብ ዝወደቐሉ እዋን ዝነበረ፡ 'ምዕራብን ምብራቕን' ዝብል ዝኣረገ ፍልልይ፡ ታሪኽ ኰይኑ ክተርፍ እዩ ዝብል እምነት እዩ ነይሩና።

    ምኽንያቱ፡ ማሕበርነትን ርእሰማልነትን ዝብል ብሉይ ስነሓሳባዊ በኒኑ ክርፍስ፡ ዳርጋ ኵሉ ኣብ ሓደ ገጽ ኰይኑ'ሎ ዝብል እምነት ነይሩ።

    እቲ ሽግር ግን፡ ነቲ ሓደ እዋን ኣብ ምብራቕ ጀርመን ኣባል ትካል ስለያ ሕብረት ሶቭየት ነበር 'ኬጂቢ' ዝነበረ፡ ቭላድሚር ፑቲን፡ እቲ ኵነታት ብሓፈሻ፡ ውድቀት ሶቭየት ከኣ ብፍሉይ ናብ ሓደ ቂመኛ ሰብ ክሰርሖ ምኽኣሉ እዩ።

    እዚ ዓይነት ስብእና ፑቲን ምስ ግዜ እናዓሞቐ ክመጽእ ተራእዩ። እታ ሓደ እዋን ኣካል ሕብረት ሶቭየት ዝነበረት ዩክረይን፡ ካብ ቍጽጽር ሩስያ እንተሞሊቓ፡ 'ንሩስያ ዓቢይ ውርደት እዩ' ኢሉ ይኣምን - ፑቲን።

    ንዝያዳ ንባብ ኣብዚ መላግቦ ጠውቑ፡ https://bbc.com.im/tigrinya/news-60611866%3C/p%3E%3C/div%3E%3C/div%3E%3C/article%3E%3C/li%3E%3Cli class="css-xxlek1">

    ሰራዊት ሩስያ መመንጨዊ ኑክሌራዊ ጸዓት ከምዝተቆጻጸርዎ ዩክረይን ገሊጻ

    ሰብ መዚ ዩክረይን፡ ሰራዊት ሩስያ ንመመንጨዊ ኒክሌራዊ ጸዓት ዛፖሪዘዘሃ ከምዝተቖጸጸዎ ገሊጾም።

    ሓደ ብዓል መዚ ዩክረይን “ሰራሕተኛታት ናይቲ መመንጨዊ ጸዓት ንኹነታት እቲ ትካል ይከታተልዎ ኣለዉ”ኢሉ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ምጽሓፉ ሮይተርስ ገሊጹ።

    እቶም ሰራሕተኛታት መመንጨዊ ኑክሌራዊ ጸዓት ስርሖም ይቅጽሉ ምህላዎም’ውን ተገሊጹ።

    ኣብ መጀመርታ ሩስያ ደብዳብ ድሕሪ ምክያዳ ኣብቲ ካብ ኣውሮጳ ዝዓበየ መመንጨዊ ኑክሌራዊ ጸዓት ዝኾነ ትካል ባርዕ ተራእዩ ነይሩ።

  18. ስለምንታይ'ዩ ቃፍላይ ኣጽዋር ሩስያ ንኪየቭ ክስጉም ዘይከኣለ?

  19. ዩክረይን፡ መተሓላለፊ ሰብኣዊ ረዲኤት ክፍጠር ጠሊባ, ካልኣይ ዙርያ ዝርርብ ልኡኻት ሩስያን ዩክሬንን ኣብ ቤላሩስ ይቕጽል ኣሎ።

    ዩክረይን ምስ ሩስያ ኣብ ትገብሮ ዘላ ዝርርብ መተሓላለፊ ሰብኣዊ ረዲኤት ክፍጠር ጠሊባ።

    ካልኣይ ዙርያ ዝርርብ ልኡኻት ሩስያን ዩክሬንን ኣብ ቤላሩስ ይቕጽል ኣሎ።

    ወከልቲ ዩክሬን፡ ካብቲ ዝርርብ እንተወሓደ፡ መተሓላለፊ መስመር ሰብኣዊ ረዲኤት ክፍጠር (‘ሂዩማኒታርያን ኮሪደር’) እማመ ከቕርቡ ትጽቢት ይግበር።

    እቲ መስመር ነቶም ካብቲ ኲናት ዝሃድሙ ዘለዉ ስደተኛታት ናብ ውሑስ ቦታ ክወጹ ዘኽእል’ዩ።

    መራሒ ልኡኽ ሩስያ ዳቪድ ኣርካሚያ ምስ ብጻዪ፡ ኣብ ቅድሚ ሓንቲ ወተሃደራዊት ሄሊኮፕተር ዝተሳእልዎ ስእሊ ኣብ ፈይስቡክ ዘርጊሑ።

    ወከልቲ ዩክሬን ብወተሃደራዊ ሄሊኮፕተር’ዮም ናብ ቦታ ዝርርብ ክኸዱ ቀንዮም።

    ብሰንኪ’ቲ ሩስያ ኣብ ዩክሬን ተካይዶ ዘላ ወራር፡ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ዩክሬናውያን ስደተኛታት ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ይውሕዙ ኣለዉ።

    ሓይልታት ሩስያ ንሓያሎ ከተማታት ከርዲኖመን ከምዘለዉ ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን’ዩ እቲ ዝርርብ ዝቕጽል ዘሎ።

    ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ከምዝበሎ፡ ልኡኽ ሩስያ ብወገኑ ነዞም ዝስዕቡ ጠለባት ከቕርብ’ዩ፤

    • ዩክሬን ‘ዕጥቃ ከተውርድ’ን ካብ “ናዚነት ናጻ ክትከውንን”
    • ሩስያ ኣብ 2014 ጎቢጣ ናብ ግዝኣታ ዝሓወሰቶ ዞባ ክሪሚያ ኣካል ሩስያ ምዃኑ ዩክሬን ኣፍልጦ ክትህብ
    • ባዕለን ናጽነተን ዝኣወጃ ብሩስያ ዝድገፋ ክልተ ተነጸልቲ ዞባታት (ህዝባዊት ሪፓብሊክ ዶነስክ ከምኡ’ውን ህዝባዊት ሪፓብሊክ ሉሃንስ) ካብ ዩክሬን ወግዓዊ ኣፍልጦ ክረኽባ።