
ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ብዝተገበረ
ምርመራ 100 ተወሰኽቲ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ተረኺቦም።
እዚ ድማ፡ ኣብ ኢትዮጵያ፡ መዓልታዊ ክግለጹ ካብ
ዝጸንሑ መልከፍትታት፡ እቲ ዝለዓለ እዩ።
ካብቶም ተወሰኽቲ በቲ ቫይረስ ከምዝተትሓዙ
ዝተረጋገጸ ሰባት፡ መብዛሕተኦም፡ ማለት’ውን እቶም 94፡
ካብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ እዮም።
ኣብታ ሃገር፡ ዛጊት በቲ ሕማም ናይ ዝተለኸፉ ሰባት ብዝሒ፡
831 በጺሑ'ሎ።
ብተወሳኺ፡ ሓንቲ ጓል 70 ዓመት ብሕማም ኮቪድ-19
ከምዝሞታ ሚኒስትሪ ጥዕና ኣፍሊጡ።
Skip X postንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።
Warning: ቢቢሲ ኣብ ካልእ ገጻት ንዘሎ ሓበሬታ ሓላፍነት ኣይወስድን። ክሳብ ሕዚ ኣብታ ሃገር፡ 7 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ሞይቶም ኣለዉ።
ኣብ’ዚ እዋን፡ ኣብ ኢትዮጵያ 631 ሰባት በቲ ቫይረስ ተታሒዞም ኣብ ሕክምና ኣለዉ።
ካብኦም ድማ፡ ሓደ ሰብ ኣብ ክፍሊ ጽኑዕ ክትትል ሕክምና እዩ ዘሎ።
ኢትዮጵያ፡ ትማሊ 4950 ምርመራታት እያ ኣካይዳ።
ካብ ቀረባ መዓልታት ጀሚሩ፡ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ቁጽሪ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ።
እቶም ሓደሽቲ ብኮሮናቫይረስ ከምዝተትሓዙ ዝግለጹ ሰባት ድማ፡ መብዛሕተኦም ናብ ካልእ ሃገር ተጓዒዞም ዘይፈልጡ፡ ምስዝሓመሙ ሰባት ዝነበሮም ምትንኻፋት ድማ ቀዲሙ ዘይፍለጥ ብምንባሩ፡ እቲ ለበዳ ከይተፈለጠ ኣብ ሕብረተሰብ ይዝርጋሕ ከይህሉ ስግኣት ፈጢሩ’ሎ።