ኣብ ኢትዮጵያ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ተወሰኽቲ 100 ሰባት ተረኺቦም

ኣብ ኣሜሪካ፡ ኣርባዕተ ወርሒ ኣብ ዘይመልእ ግዜ፡ ልዕሊ 100 ሽሕ ሰባት ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ሞይቶም። 1.69 ሚሊዮን ሰባት እታ ሃገር በዚ ቫይረስ ክሓሙ ከለው፡ ኣስታት 30 ሚኢታዊት ሕሙማት ኮሮናቫይረስ ዓለም ኣብ ኣሜሪካ ይርከቡ። ብደረጃ ዓለም መልከፍቲ 5.6 ሚሊዮን ሰባት ተመዝጊቡ ኣሎ። ብዛዕባ እዚ ቫይረስ ዘለው ዓለምለኻውን ኣህጉራውን ምዕባለታት ንክትረኽቡ ቢቢሲ ትግርኛ ተኸታተሉ።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ኣብ ዓለምና ብሉጽ ስርዓት ጥዕና ዘለወን ሃገራት መነ መን'የን?

    ብዙሓት ሃገራት ዓለም፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻርን፡ ነዚ ቫይረስ ዝኸውን ክታበት ንምርካብን ኣብ ቓልሲ እየን ዘለዋ።

    እቲ ቫይረስ ኣብ ልዕሊ ሰባት ዘብጽሖ ጉድኣት ንምንካይ ኮነ ዝርግሕኡ ንምቁጽጻር፡ ሃገራት ኣቐዲመን ዝዘርግሕኦ ስርዓት ጥዕና ወሳኒ ተራ ከም ዘለዎ ብርክት ዝበሉ ሰብ ሞያ ይሰማምዑ።

    'ዘ ሌጋተም ፕሮስፐሪቲ ኢንዴክስ' ዝተብሃለ ትካል ኣብ 12 መሰረታዊ ጉዳያት ተደሪኹ ኣብ 167 ሃገራት ብ2019 ብዘካየዶ መጽናዕቲ፡ ቑጠባዊ ሃብቲ፣ ፖሊሲታት ልምዓትን ጭቡጥ ኩነታት እተን ሃገራትን ተንቲኑ ደረጃ ኣውጺኡ።

    እዚ፡ ስርዓት ጥዕና እተን ሃገራት ሰባት ክንደይ ዝኣክል ጥዕናዊ ኩነታቶም ክሕሎ ገይሩ ብዝብል ዝተኻየደ መጽናዕቲ እዩ።

    በዚ መሰረት፡ ጃፓን፣ ደቡብ ኮርያ እስራኤልን ዝርከብአን ሓሙሽተ ሃገራት ኣብ ቅድሚት ተሰሪዐን ኣለዋ።

    መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ዝገበረት ጓል ኣንስተይቲ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

  2. ኣብ ኢትዮጵያ ቑጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ልዕሊ 700 በጺሑ

    መርመራ ኮሮናቫይረስ ዝግበረሉ ዘሎ ሰብ

    ምንጪ ስእሊ, EPA

    ሚኒስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ናይ 3401 ቅምሶታት መርመራ ብምክያድ፡ 46 ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ከም ዝተረኸቡ ሓቢሩ።

    እዚ ቁጽሪ፡ ሓፈሻዊ ኣብታ ሃገር በዚ ቫይረስ ዝሓመሙ ሰባት ናብ 701 ሓፍ ኣቢሉዎ ኣሎ።

    ካብዚኦም እቶም 29 ደቂ ተባዕትዮ ኮይኖም፡ እተን 17 ደቂ ኣንስትዮ እየን።

    እዞም ሰባት፡ ካብ ክሊ ዕድመ 12 ክሳብ 79 ዓመት ዝርከቡ ኮይኖም፡ እታ ሓንቲ እስራኤላዊት እያ።

    ኮሮናቫይረስ ዝተረኸባን ብጎናዊ ሕማም ኣብ ሆስፒታል ክትትል ሕክምና ክግበረላ ዝጸንሐትን ተሓካሚት፡ ከም ዝሞተት’ውን ተገሊጹ።

    በዚ ምኽንያት፡ ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝሞቱ ሰባት ሽዱሽተ በጺሑ ኣሎ።

    ብኻልእ ወገን፡ ሸሞንተ ሰባት ካብዚ ቫይረስ ክሓውዩ እንከለው፡ ብሓፈሻ 167 በዚ ቫይረስ ተታሒዞም ዝነበሩ ሰባት ከም ዝሓወዩ መግለጺ ሚኒስትሪ ጥዕናን ኢንስቲትዩት ሕብረተሰብ ጥዕና ኢትዮጵያን የመልክት።

  3. ኣብ ክልል ትግራይ፡ ኣብ መወሸቢ ማእከል ዝሰርሑ ሰብሞያ ጥዕና፡ ብኮሮናቫይረስ ተታሒዝና ኢሎም

    ማይ ካድራ

    ምንጪ ስእሊ, ASSOW

    ኣብ ትግራይ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ኣብ ዝርከብ መወሸቢ ማእኸል ማይካድራ፡ 2 ሰብ ሞያ ጥዕና ብኮሮናቫይረስ ከምዝተለኸፉ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ሰብሞያ ጥዕና ገሊፆም።

    ኣብ ማይ ካድራ ኣብ ዘሎ መወሸቢማእኸል፡ ሰብ ሞያ ጥዕና ንርእሶም ካብቲ ቫይረስ ክሕልዉ ዘኽእሎም እኹል ናውቲ ብዘይምህላዉ፡ ብሰንኪ ጽበት ቦታ ብዘጋጥም ምትሕውዋሳትን፡ ኣፀጋሚ ኩነታት ከምዝተፈጠረ እቶም ሰብሞያ ጥዕና ገሊፆም።

    በዓል ሞያ ጥዕና ኣይተ ሓድጉ፡ ሓደ ካብቶም ብሰንኪ ሕፅረት መከላኸሊ ናውቲ፡ ብኮቪድ-19 ከምዝተለኸፉ ዝተገልጹ ሰብሞያ ጥዕና እዩ።

    "ኣብ ሓደ ክፍሊ ክሳብ ሽድሽተ ተወሸብቲ ኢና ነቐምጥ ነይርና። መወሸቢ ክፍሊ ስኢኖም፡ ኣብ ደገ ኮፍ ዝብሉ ሰባት እውን ነይሮም። ኣብ ተወሸብቲ እውን ምትንኻፋት ነይሩ እዩ" ይብል።

    ሰብ ሞያ ሕክምና፡ ምስ ተወሸብቲ እንትተናኸፉ፡ ሕፅረት ናውቲ መከላኸሊ ኮሮናቫይረስ ከምዝነበረን፡ በቲ ቫይረስ ንክልከፉ ምኽንያት ክኸውን ከምዝኽእልን ገሊፁ።

  4. ላቲን ኣሜሪካ ሓዳሽ ማእከል ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኮይና'ላ

    መርመራ ኮሮናቫይረስ ክግበረሎም ሪጋ ዝሓዙ ሰባት

    ምንጪ ስእሊ, EPA

    እዚ ዞባ፡ መዓልታዊ ካብ ኤውሮጳን ኣመሪካን ንላዕሊ ዝለዓለ ቑጽሪ መልከፍቲ የመዝግብ ኣሎ።

    ኣብዚ ማእከላይ ኣመሪካ ዝበሃል ዞባ፡ ካብ ሜክሲኮ ክሳብ ኮሎምቢያ ሸውዓተ ሃገራት ኣለዋ፡ ፓናማ ድማ እታ ሃብታም ሃገር ናይ'ቲ ዞባ እያ።

    ካብ ኩለን ብለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣዝያ ተሃስያ ዘላ’ውን ንሳ እያ።

    ዝለዓለ ብዝሒ መልከፍቲን ዝለዓለ ብዝሒ መወትቲን ዘለውዋ ሃገር እያ። ብዝሒ መወትቲ ምስ 1 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ኣነጻጺርካ ዘሎ መጠን ክረኣይ እንከሎ’ውን፡ ዝያዳ ተሃስያ ዘላ ፓናማ እያ።

    1. ፓናማ፡ [ካብ ሓደ ሚሊዮን ሰብ 73 ሞት]

    2. ሆንዱራስ፡ 19

    3. ኢል ሳቫዶር 6

    4. ብሊዜ 5

    5. ኒካራጓ 5

    6. ጓቲማላ 4

    7. ኮስታ ሪካ 2

    ኣብ መብዛሕቲኤን ሃገራት ዝርኣይ መጠን ሞት ዝተሓተ እንተመሰለ’ውን፡ ሳዕቤኑ ግን ከቢድ እዩ ዘሎ።

    ኣብ ኩለን ሃገራት ኣዋጃት ዕጽዋን እቶ እቶን ተነቢሮም ስለ ዘለው፡ ካብ ወጻኢ ሃገር ዝርከብ ዝነበረ ገንዘብ [ረሚታንስ] ነክዩ እዩ።

  5. ቬነዙወላ ‘ነዚ ለበዳ ድልዊ ኣይኮነትን’

    ስርዓት ጥዕና ቬነዝወላ ኣብ ሓደጋ ከም ዘሎ ይግለጽ

    ምንጪ ስእሊ, AFP

    ስርዓት ጥዕና ቬነዝወላ፡ ንለበዳ ኮቪድ-19 ድልዊ ኣይኮነን ብምባል፡ ንዜጋታት እታ ሃገርን እዚ ከባብን ሓደጋ ከም ዝኾነ ተሓላቒ መሰላት ሂዩማን ራይትስ ዎች ገሊጹ።

    ቬነዝወላ 1211 ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ኣለውዋ። ካልኦት 11 ሰባት ድማ በዚ ምኽንያት ሞይቶም።

    ይኹን’ምበር፡ ብምኽንያት ሕጽረት መርመራን ግሉጽነት ሓበሬታ መንግስትን እቲ ቑጽሪ “ካብዚ ንዓቐብ ክኸውን ይኽእል እዩ” ኢሉ።

    ኣብታ ሃገር ዘሎ ኩነታት፡ “ሰባት ካብታ ሃገር ክወጽኡ ክደፍኦም ስለ ዝኽእል፡ ንከባብያዊ ጥዕና ጎረባብታ ዝጸሉ ክኸውን ይኽእል’ዩ” ክብል ኣጠንቂቑ።

    ፕሬዝደንት ኮሎምቢያ ኢቫን ዱኴ’ውን፡ ኣብ ቬነዝወላ ንዘሎ ኩነታት “ዝተጻወደ ቦንባ” ኢሉዎ ነይሩ።

  6. ስዑዲ ዓረብ በረራታት ውሽጢ ዓዲ ክትጅምር እያ

    ናይ ቕድሚት ምስሊ ነፋሪት

    ምንጪ ስእሊ, AFP

    ኣብ ውሽጢ ስዑዲ ዓረብ ዝግበር በረራታት፡ ሰንበት ክጅምር ምዃኑ በዓል መዚ ኣቭየሽን ናይታ ሃገር ኣፍሊጡ።

    ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ካብ 21 መጋቢት ጀሚሩ፡ ኣብታ ሃገር በረራታት ተኣጊዱ እዩ ጸኒሑ።

    ስዑዲ ዓረብ፡ ንምክልኸል ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣንቢራቶም ዝጸንሐት እገዳታት፡ ኣብዚ ሰሙን ቀስ ብቐስ ክተልዕሎም ክትጅምር እያ።

    21 ሰነ ድማ፡ ነቲ ተኣዊጁ ዝጸንሐ ሰዓት እቶ እቶ፡ ምሉእ ንምሉእ ክተልዕሎ ትጽቢት ይግበር።

    ኣብ ቅድስቲ ከተማ መካ ግን፡ እቲ ናይ ምንቅስቓስ እገዳ፡ ካብኡ ንውሕ ንዝበለ እዋን ክጸንሕ እዩ።