ኢራን-ኣመሪካ ቀዳም፡ እስራኤል-ሊባኖስ ሰሉስ
ኣብዚ እዋን ተዛተይቲ ኣመሪካን ኢራንን ኣብ ኢስላማባድ ፓኪስታን ተረኺቦም ነቲ ሎሚ ድሒሩ ክካየድ ትጽቢት ዝግበረሉ ዝርርብ ሰላም ይዳለዉ ኣለዉ። ሰሉስ ድማ እስራኤልን ሊባኖስን ዘተ ከካይዳ ትጽቢት ይግበር።
ኣብ መንጎ እቲ ብዙሕ ዝርርባትን ተበጺሑ ዘሎ ተኹሲ ደው ምባልን ዘሎ ፍልልይ ንምግላጽ ሓደ ሓደ ነጥቢታት ንርአ፤
ዘተ
ኣመሪካ-ኢራን፡ ኣብ መንጎ ልኡኻት ኣመሪካን ኢራንን ሎሚ ኣብ ፓኪስታን ዝርርብ ሰላም ክካየድ መደብ ተታሒዙሉ ኣሎ። ምክትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ጀይዲ ቫንስን ጕጅልኡን፡ ኢራናውያን መዛኑኦም ኣብታ ሃገር ድሕሪ ምእታዎም፡ ሰዓታት ጸኒሖም ኣብ ሓይሊ ኣየር ክልተ ዓሊቦም።
ሊባኖስ-እስራኤል፡ ሰበስልጣን እስራኤልን ሊባኖስን ሰሉስ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ተራኺቦም ዝርርብ ክጅምሩ ምዃኖም ተፈሊጡ’ሎ። እስራኤል፡ ሕዝቦላህ ምስ ሊባኖስ ኣብ ዝግበር ዘተ ተዅሲ ደው ምባል ከምዘይሳተፍ ገሊጻ።
ተዅሲ ደው ምባል
ሰሉስ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ቅድመ ኵነት ዘለዎ ስምምዕ ተዅሲ ደው ምባል ተበጺሑ፤ እዚ ድማ ንኽልተ ሰሙን ክጸንሕ ስምምዕ ዝተበጽሓሉ እዩ።
እዚ ስምምዕ ፈለማ ብትራምፕ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተገልጸ ኰይኑ፡ ቴህራን ድሒራ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ስምምዕ ከም ዝበጽሓ ኣረጋጊጻ፤ እዚ ድማ ኣብ ምኽፋት መጻብቦ ሆርሙዝን ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝግበር መጥቃዕቲታት ደው ኣብ ምባልን ዝተመርኮሰ እዩ።
ይዅን እምበር ኣብቲ እዋን ዝተሰማምዑሉ ነገራት ምሉእ ዝርዝር ኣይተዘርግሐን። ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ተዅሲ ደው ምባል ብልክዕ ብኸመይ ከም ዝብጻሕ ዛጊት ንጹር ኣይኮነን።
ሊባኖስ ኣብ መንቀራቕሮ እቲ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ኣትያ ዘላ እያ፣ እቲ ውግእ ቀጺሉ ኣሎ። ኣመሪካን እስራኤልን ሊባኖስ ኣካል ናይቲ ስምምዕ ከም ዘይትኸውን ከመልክታ እንከለዋ፡ እታ ቀንዲ መንጐና ዝዀነት ፓኪስታን ግን እቲ ውዕል ንሊባኖስ’ውን ከምዘጠቓልል ገሊጻ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters







