ትራምፕ ምቍራጽ ተዅሲ ኢራንን እስራኤልን ግብራዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ

ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሙ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ "እቲ ተኹሲ ደው ምባል ሕጂ ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ። በጃኹም ኣይትጥሓሱዎ!” ኢሉ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ኢራን ነቲ ብመንጐኝነት ትራምፕን ቐጠርን ዝተበጽሐ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ከምዝጠሓሰት ትኸስስ።
  • እቲ ምኒስተር፡ ኣብ ልዕሊ ሕምብርቲ ቴህራን ተሪር ግብረመልሲ ክወሃብ ምዃኑ ገሊጹ።
  • ኢራን ንክሲ እስራኤል ነጺጋቶ ኣላ።
  • ኢራን ኣቐዲማ፡ኢራን በቲ ስምምዕ ትቕየድ እንተዀይና ንሳ'ውን ከም እተኽብሮ ገሊጻ ነይራ።
  • ዝሓለፈ ለይቲ፡ እዚ ግጭት ካብ ዝጅምር ኢራን እቲ ዝኸበደ ዝበሃል ደብዳብ ከምዘሕለፈት ክግለጽ እንከሎ፤ ኣብ እስራኤል ድማ 4 ሰባት ብደብዳብ ኢራን ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
  • ኢራን ብሰኑይ ምሸት ኣብ ቐጠር ንዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ኣመሪካ ብሚሳይላት ከምዝደብደበት ይዝከር።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. መጻብቦ ሆርሙዝ፡ ሓይልታት ኣመሪካ ስልታዊን ቴክኒካዊን ምምሕያሽ የካይዱ ኣለዉ ተባሂሉ

    ጸሓፊ ክፍሊ ኲናት ፒት ሄግሰት (ጸጋም) ምስ ኣዛዚ ማእከላይ እዚ ሰራዊት ኣመሪካ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    መግለጺ ስእሊ, ጸሓፊ ክፍሊ ኲናት ፒት ሄግሰት (ጸጋም) ምስ ኣዛዚ ማእከላይ እዚ ሰራዊት ኣመሪካ

    ሰበስልጣን ክፍሊ (ሚኒስትሪ) ኲናት ኣመሪካ ብዛዕባ እዋናዊ ኩነታት ማእከላይ ምብራቕ ጋዜጣዊ መብርሂ ሂቦም።

    ኣብቲ ሎሚ ኣብ ዋሽንግተን ዝተኻየደ መብርሂ፡ ጸሓፊ ኲናት ፒት ሄሰትን፡ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ተረኺቦም ነይሮም።

    ኣቦመንበር ጠቕላሊ ሓለቓታት ስታፍ ዝኾነ ጀነራል ዳን ኬን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ነቲ ኣመሪካ ኣዊጃቶ ዘላ ዕጽዋ መጻብቦ ሆርሙዝ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ሓይልታቱ ኣብ ሰማይ፡ ምድርን ባሕርን ኣዋፊሩ ምህላዉ ሓቢሩ።

    ክሓልፋ ዝፈተና 13 መራኽብ ንግዲ ብሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ብዝተዋህበን ትእዛዝ መሰረት ከምዝተመልሳ'ውን ጀነራል ኬን ጠቒሱ።

    ኣብቲ ብካርታ ኣሰንዩ ዝሃቦ መብርሂ፡ ሓያሎ መራኽብ ኲናት ኣመሪካ ኣብ ከባቢ ወሽመጥ ዖማን ተዋፊረን ነቲ ዕማም የሳልጣ ከምዘለዋ ኣመልኪቱ።

    ኢራን "ለባም ምርጫ" ክትወስድ ዝተማሕጸነ ጸሓፊ ክፍሊ ኲናት ሄግሰት ብወገኑ፡ ሓይልታት ኣመሪካ ንዝቕጽል ትእዛዝ ጥይቶም መሊኦም ድሉዋት ከምዘለዉ ኣጠንቂቑ።

    "ትእዛዝ ፕረዚደንትና ኣብ ዝረኸብናሉ ክንከይድ ድሉዋት ኢና፡ ልጓም ምኽፋት ጥራይ'ዩ ዝተርፈና" ይብል ሄግሰት።

    ኣቦመንበር ሓለቓታት ስታፍ ጀነራል ዳን ኬን የማናይ ኢዱ እናወጣወጠ ጋዜጣ መብርሂ እናሃበ፡ ፐንታጐን፤ 16 ሚያዝያ 2026

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    መግለጺ ስእሊ, ኣቦመንበር ሓለቓታት ስታፍ ጀነራል ዳን ኬን

    ኣብቲ ኣብ ፐንታጐን (ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ክፍሊ ኲናት ምክልኻል) ዝተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝተሳተፈ ኣዛዚ ማእከላይ እዚ ሰራዊት ኣመሪካ'ውን ሓይልታቱ ንዝቕጽል ትእዛዝ ቅሩባት ምዃኖም ኣፍሊጡ።

    ኣድሚራል ብራድ ኩፐር፡ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙን ናብቲ ዞባ ክልተ ግዜ ከምዝበጽሐ ብምግላጽ፡ ሰራዊቱ ናይ "ስልቲ፡ ቴክኒክን ኣገባባትን" ምምሕያሽ ኣብ ምክያድ ከምዝርከብ ገሊጹ። ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ናይቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝተዋፈረ ማእከላይ እዚ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ክፍለሃገር ፍሎሪዳ፡ ከባቢ ከተማ ታምፓ ኣብ ዘሎ መዓስከር ሓይሊ ኣየር ማክዲል ከምዝርከብ ይፍለጥ።

    ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ላዕለዎት ሓለፍቲ ናይቲ እዚ ናብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክበጽሑ ተራእዮም ነይሮም እዮም።

  2. ሊባኖስ፡ ምስልታት ዘየቋርጽ መጥቃዕታት እስራኤል

    ድሕሪ መጥቃዕቲ ዝርአ ቅጽበታዊ ጽዑቕ ትኪ ኣብ ከባቢ መንበሪ ገዛውቲ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ሓይልታት እስራኤል ኣብ ሊባኖስ ከካይድዎ ዝጸንሑ መጥቃዕትታት ሎሚ ኣሐይሎሞ ኣለዉ።

    በዚ ብቐንዱ ንዕጡቓት ሕዝቦላህ ዒላማ ዝገበረ ተባሂሉ ዝግለጽ መጥቃዕቲ ልዕሊ 2100 ሰባት ከምዝተቐትሉ ሰብመዚ ጥዕና ሊባኖስ ሓቢሮም።

    ክልቲን ሃገራት ድሕሪ 1993 ንፈለማ እዋን ቀጥታዊ ዝርርብ ኣካይደን ከምዘለዋ'ውን ይግለጽ ኣሎ።

    እንተኾነ፡ ንትሕተቅርጽታትን ህንጻታትን ዘይነሓፈ መጥቃዕቲ እስራኤል ሎሚ'ውን ዘፍ ኣይበለን። ኣብቲ ኣብቲ ሓድሽ ደብዳባት ከተማታት ናባቲህን ቃስሚየህን ዒላማ ኮይነን ኣለዋ።

    እቲ እንኮ ተሪፉ ዝጸንሐ ንደቡብን ሰሜን ሊባኖስ ዘራኽብ ኣብ ፈለግ ሊታኒ ዝርከብ ድለድል'ውን ግዳይ መጥቃዕቲ እስራኤል ከምዝኾነ ሰብመዚ እታ ሃገር ኣፍሊጦም ኣለዉ።

    ካብቲ ቦታ ዝመጸና ስእልታት እነሆ፡

    ድሕሪ መጥቃዕቲ ዝርአ ቅጽበታዊ ጽዑቕ ትኪን ሃልሃልታ ሓዊን ኣብ ከባቢ መንበሪ ገዛውቲ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ሓደ ቀጠልያ መለለዪ ሰራሕተኛታት ህጹጽ ሓደጋ ዝለበሰ ሰብ ኣብ ልዕሊ ዝፈረሰ ትሕተቅርጺ ደው ኢሉ ብቴለፎን እናተዛረበ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ጸሊም ትኪ ካብ ውሽጢ ከተማ ናባቴህ ናብ ሰማይ ክዓርግ ይርአ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    መግለጺ ስእሊ, ዒላማ ደብዳብ እስራኤል ዝኾነት ከተማ ናባቴህ
    ጸረ-ሚሳይላት እስራኤል ብለይቲ ንተወንጨፍቲ ሕዝቦላህ ኣብ ምክልኻል

    ምንጪ ስእሊ, EPA

    መግለጺ ስእሊ, ሕዝቦላህ'ውን ብዓቕሙ ተወንጨፍቲ ካብ ምስዳድ ዓዲ ኣይወዓለን፣ ከምዚ ኣብ ስእሊ ዝርአ ጸረ-ሚሳይላት እስራኤል ኣብ ምክልኻል ተጸሚዱ ይርከብ
  3. ኣመሪካ ንመጻብቦ ሆርሙዝ ብዘንበረቶ ዕጽዋ፡ 10 መራኽብ ከም ዝመለሰት ገሊጻ

    ሓንቲ ናይ ጽዕነት መርከብ ኣብ ባሕሪ እናኣንሳፈፈት ትርአ

    ምንጪ ስእሊ, Centcom

    መግለጺ ስእሊ, ብረቡዕ፡ ሓንቲ ካብ ወደብ ባንደር ዓባስ ተበጊሳ ነቲ ዕጽዋ ክትሰግር ዝፈተነት ናይ ኢራን መርከብ፡ ክትምለስ ከም ዝተገብረት ሰራዊት ኣመሪካ ገሊጹ

    ሰራዊት ኣመሪካ፡ ካብ ዝሓለፈ ሰኑይ ጀሚሩ ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ተግባራዊ ድሕሪ ዝገበሮ ዕጽዋ፡ ዛጊት ዝዀነት መርከብ ጥሒሳ ከም ዘይሓለፈት ገሊጹ።

    ሓይልታት ኣመሪካ፡ ናብ ገማግም ባሕሪ ኢራን ዝጓዓዛ ወይ ካብኡ ዝወጽኣ መራኽብ ክዓግቱ ወይ ክመልሱ ምዃኖም ይገልጹ ኣለዉ።

    ካብ ካልእ ቦታታት ዝሓልፋ ወይ ናብ ካልእ ዝኸዳ መራኽብ ግን በቲ መጻብቦ ክሓልፋ ክፍቀደለን እዩ ይብል።

    ማእከላይ እዚ ኣመሪካ ትማሊ ምሸት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ካብቲ ዕጽዋ ዝጀመረሉ ሰኑይ ኣትሒዙ፡ ዛጊት ዓሰርተ መራኽብ ተመሊሰን ኣለዋ፣ ሓንቲ መርከብ እኳ ዝሰገረት የላን፡" ኢሉ።

    ዶናልድ ትራምፕ፡ ኢራን መራኽብ በቲ መጻብቦ ንኽሓልፋ ትሓቶ ዝነበረት ክፍሊት ብምውጋድን ሰደድ ነዳዲኣ ብምንካይን፡ ኣብ ልዕሊ ኢራን ጸቕጢ ክገብር ተስፋ ይገብር።

    ኢራን ነዚዕጽዋ "ቅርሰና [ሽፍትነት ባሕሪ]" ኢላ ክትጽውዖ እንከላ፡ ኣብ ወሽመጥ ፋርስ፡ ወሽመጥ ዖማንን ቀይሕ ባሕሪን ዘለዋ መራኽብ ዒላማ ብምግባር ሕነ ከም እትፈዲ ኣጠንቂቓ ኣላ።

  4. ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል ምስ ፕረዚደንት ሊባኖስ ክዘራረብ ምዃኑ ተገሊጹ

    በንያሚን ናታንያሁ እናተዛረበ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ ሎሚ ምስ ፕረዚደንት ሊባኖስ ጆሴፍ ዓውን ክዘራረብ ምዃኑ፡ ኣባል ካቢነ ጸጥታ እስራኤል ጋልያ ጋምሊኤል ንራድዮ ሰራዊት እስራኤል ሓቢራ።

    እዚ ሓበሬታእዚ ዝወጽአ፡ ፕረዚደንትዶናልድ ትራምፕ ብረቡዕ ምሸት (ብኣቈጻጽራ ኣመሪካ) ኣብ ትሩዝ ሶሻል፡ "ጽባሕ መራሕቲ እስራኤልን ሊባኖስን ክዘራረቡ እዮም፡” ዝብል ጽሑፍ ድሕሪ ምስፋሩ እዩ።

    ብወገን ሊባኖስ ግን፡ ሓደ ኣብ ቤትጽሕፈት ፕረዚደንት ሊባኖስ ዝሰርሕ በዓል ስልጣን ብሓሙስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ምስ እስራኤል ክግበር ብዛዕባ ዝተሓሰበ ርክብ ዝፈልጡዎ ነገር ከም ዘየሎ ገሊጹ ነይሩ።

    ሕጂ ግን እቲ ዘተ ክካየድ ዝኽእል ይመስል ኣሎ።

  5. ኣብ ግጭት ኣመሪካን ኢራንን እንታይ'ዩ ክስዕብ? ኣርባዕተ ክህልዉ ዝኽእሉ ተኽእሎታት

  6. ኣይኤምኤፍ፡ ዓለማዊ ቍጠባ ብሰንኪ ኲናት ኢራን ኣብ ሓደጋ ኣሎ

  7. ትራምፕ፡ መራሕቲ ሊባኖስን እስራኤልን ክዘራረቡ'ዮም ኢሉ

    ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ መራሕቲ ሊባኖስን እስራኤልን "ጽባሕ" - ምናልባት ሓሙስ - ድሕሪ ዓሰርተታት ዓመታት ንፈለማ እዋን ዝርርብ ከካይዱ ምዃኖም ገሊጹ።

    ንሱ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ቅድሚ ፍርቂ ለይቲ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ነዚ ዝስዕብ መግለጺ ኣስፊሩ ነይሩ፤

    "ኣብ መንጎ እስራኤልን ሊባኖስን ንእሽቶ መስተርሆ ንምርካብ ንጽዕር ኣለና። ክልቲኦም መራሕቲ ካብ ዝዘራረቡ ነዊሕ ኰይኑ ኣሎ፡ 34 ዓመት። ጽባሕ ክዘራረቡ'ዮም። ጽቡቕ! ፕረዚደንት ዲ.ጀይ.ቲ።"

    እዚ፡ ኣብ መጀመርታ እዚ ሰሙን እስራኤልን ሊባኖስን ድሕሪ 1993 ንፈለማ እዋን ቀጥታዊ ዘተ ከም ዘካየዳ ድሕሪ ምግላጹ ዝመጽአ ምዕባለ እዩ።

    እዚ ሳሕቲ ዝርአ ፍጻመ'ዚ፡ ነቲ ኣብ መንጎ እስራኤልን ብኢራን ዝድገፍ ጕጅለ ሕዝቦላህን ዝካየድ ዘሎ ደማዊ ግጭት ንምዕራፍ ዝዓለመ ታሪኻዊ ስጕምቲ እዩ።

  8. ቻይና፡ ኢራን ንመጻብቦ ሆርሙዝ ክትከፍቶ ትላቦ

    ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ዋንግ ዪ፡ ኢራናዊ መዘንኡ ዓባስ ኣራግቺ፡ ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ምንቅስቓስ መራኽብ ናብ ንቡር ንምምላስ ጻዕርታት ክገብር ኣተሓሳሲቡ።

    ዋንግ፡ ልኡላውነትን ድሕነትን ኢራን ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ክኽበርን ክሕሎን ዝግበኦ እኳ እንተዀነ፡ ብመስመር ማይ ኣቢሉ ናይ ምጓዓዝ ናጽነትን ድሕነትን እውን ክረጋገጽ ይግባእ ኢሉ።

    እቲ መጻብቦ ንምኽፋት ምሉእ ተገዳስነት ከም ዘሎ ሓቢሩ።

    ቻይና፡ ነቲ ተዅሲ ደው ምባል ንምዕቃብን ዳግማይ ዘተ ንምጅማርን ከም እትድግፍ ዋንግ ወሲኹ ገሊጹ።

  9. ኣብ ሊባኖስ ሓደ ሚልዮን ሰባት ተመዛቢሎም

    እዚ ካብ ማዕከን ዜና ሮይተርስ ዝተረኽበ ስእሊ፡ ዋኤል ሳባግ - ኣዲኡ ኣፋፍ ሲዳውይን ሓዉ ሓሰንን ብ8 ሚያዝያ ኣብ ልዕሊ ሓደ ህንጻ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ እስራኤል ዝተቐትሉ - ኣብ ቤይሩት ኣብቲ ቦታ ደው ኢሉ ዘርኢ ስእሊ'ዩ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    መግለጺ ስእሊ, እዚ ካብ ማዕከን ዜና ሮይተርስ ዝተረኽበ ስእሊ፡ ዋኤል ሳባግ - ኣዲኡ ኣፋፍ ሲዳውይን ሓዉ ሓሰንን ብ8 ሚያዝያ ኣብ ልዕሊ ሓደ ህንጻ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ እስራኤል ዝተቐትሉ - ኣብ ቤይሩት ኣብቲ ቦታ ደው ኢሉ ዘርኢ ስእሊ'ዩ

    ሓደ ሚልዮን ኣብ ሊባኖስ ተመዛቢሎም ኣብ ዘለዉሉ እዋን፡ ሓላፊ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት 'ህጹጽ' ደገፍ ክግበረሉ ይጽውዕ።

    ሓላፊ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ባርሃም ሳልሕ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ንሊባኖስ "ህጹጽ ደገፍን ረድኤትን" ክገብረላ ጸዊዑ።

    ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ህዝቢ - ሓሙሽተ ክፋል ህዝቢ ሊባኖስ - በቲ ሳልሕ "ተራእዩ ዘይፈልጥ" ዝብሎ ግጭት ተመዛቢሎም ኣለዉ።

    ሳሊሕ፡ ምስ ቀዳማይ ምኒስተር ሊባኖስ ናዋፍ ሳላም ድሕሪ ምርኻቡ፡ "ሊባኖስ ኣብ ተደጋጋሚ ዑደት ግጭት ክትጽመድ ኣይግብኣን'ዩ፣ ደገፍን ምርግጋእን የድልያ፡" ክብል ማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ሓቢሩ።

    ካብ 2 መጋቢት ጀሚሩ ልዕሊ 2,100 ሰባት ብመጥቃዕቲ እስራኤል ከም ዝተቐትሉ ምኒስትሪ ጥዕና ሊባኖስ ሓቢሩ።

    እስራኤል ኣብ ሊባኖስ እትገብሮ ስርሒታት ነቲ ብኢራን ዝድገፍ ሕዝቦላህ ንምድኻምን ዜጋታታ ካብ ስግረ-ዶባዊ ምትኳስ ሮኬት ሓዊሱ ካብ መጥቃዕቲ ንምክልኻልን ዝዓለመ ምዃኑ ገሊጻ።

  10. ክቡራት ጻጸ ካብ ኬንያ ከውጽእ ዝተትሓዘ ቻይናዊ ፍርዲ ተቐቢሉ

  11. ኣብ መንጎ ስግኣት ኲናትን ተስፋ ዲፕሎማስን ዝተቐርቀሩ ኢራናውያን

  12. ኣዛዚ ሰራዊት ፓኪስታን ናብ ኢራን ኣትዩ

    ፊልድ ማርሻል ኣሲም ሙኒር ኣብ ቴህራን ኣብ ዝኣተወሉ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ዓባስ ኣራግቺ ተቐቢሉዎ

    ምንጪ ስእሊ, Government of Iran

    መግለጺ ስእሊ, ፊልድ ማርሻል ኣሲም ሙኒር ኣብ ቴህራን ኣብ ዝኣተወሉ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ዓባስ ኣራግቺ ተቐቢሉዎ

    ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ፓኪስታን ብዛዕባ ስምምዕ ሰላም ኣመሪካን ኢራንን ንምዝርራብ ናብ ርእሰከተማ ቴህራን ኣትዩ።

    ፊልድ ማርሻል ኣሲም ሙኒር መልእኽቲ ዋሽንግተን ናብ ሰበስልጣን ኢራን ከብጽሕን ካልኣይ ዙር ዘተ ሰላም ንምስላጥን ጻዕርታት ክገብር ትጽቢት ይግበረሉ። ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር'ውን ምስኡ ተጓዒዚ ኣሎ።

    እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ከም መንጐኛ ብምዃን ነቲ ዘተ ንምዕዋት ትንቀሳቐስ ዘላ ፓኪስታን ሸህባዝ ሻሪፍ'ውን ብዛዕባ "ዞባዊ ኩነታት" ምስ መራሕቲ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ንምዝርራብ ናብ ጂዳ ኣትዩ ከምዘሎ ተፈሊጡ።

    ፊልድ ማርሻል ሙኒር፡ ኣብ ዓይኒ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ሞገስ ዝረኸበ ፓኪስታዊ መራሒ ምዃኑ ይፍለጥ። "ዝፈትዎ ፊልድ ማርሻል" ክብል ትራምፕ ብዛዕባኡ ደጋጊሙ ክዛረብ'ዩ ዝስማዕ።

  13. መጻብቦ ሆርሙዝ ይኽፈት ስለዘሎ መራኽብ ይመጻ ኣለዋ - ትራምፕ

    ፕረዚደንት ኣመሪካ፡ እቲ ኣገዳሲ ማሕንቖ ቀረብ ነዳዲን ፍርያት ነዳዲን ዝኾነ መጻብቦ ሆርሙዝ ክኽፈት ምዃኑ ተዛሪቡ።

    ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ መጻብቦ "ይኽፈት" ስለዘሎ "መራኽብ ይመጻ ኣለዋ።"

    ኢራን፡ ዕግታ ኣመሪካ ደው እንተዘይሉ መራኽብ ብወሽመጥ ዓረብ ብዓቢኡ፡ ከምኡ'ውን ብወሽመጥ ዖማንን ቀይሕ ባሕርን ከይሓልፋ ክትዓግት ከምእትኽል ኣጠንቂቓ ምህላዋ ይፍለጥ።

    እቲ ምስ መደብ ንግዲ ፎክስ ኒውዝ ዝገበሮ ቃለመሕትት ቅድሚ'ቲ ብወገን ቴህራን ዝተዋህበ መጠንቀቕታ ከምዝተኻየደ ተፈሊጡ'ሎ።

    እንተኾነ፡ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ኣብ ልዕሊ ኢራን መጥቃዕትታት ክካየድ ከምዝኽእል ምግላጹ፡ ኣብ ክንዲ ነቲ ዘሎ ሻቕሎት ዘህድእ ስግኣት ከምዘሎ ኣሚቱ።

    "ነቲ ኩነታት ከምዝዓርግ እንተጌረዮ፡ ነታ ሃገር ዳግም ንምህናጽ 20 ዓመታት ክወስደሎም ይኽል'ዩ" ይብል ትራምፕ።

    ሓደ ኣመሪካዊ ብዓልስልጣን'ውን ነቲ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ዝተበጽሐ ስምምዕ ምቁራጽ ተዂሲ ንምሕዳስ ምርድዳእ ከምዘይተበጽሐ ንቢቢሲ ሓቢሩ'ሎ።

    መጻብቦ ሆርሙዝ ፈለማ ብሰራዊት ኢራን ዳርጋ ምሉእ ብምሉ ድሕሪ ምዕጻዉ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሳልስቲ ሓይልታት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ቴህራን ጸቕጢ ንምፍጣር ተመሳሳሊ ስጉምቲ ከምዝወሰዱ ይፍለጥ።

    ብኻልእ ወገን፡ ቴህራንን ዋሽንግተንን መልእኽትታት ምልውዋጥ ቀጺለን ከምዘለዋ ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ኢስማዒል ባጋኢ ሓቢሩ'ሎ።

    ሓደ ጉጅለ ልኡኽ ናይታ ከም መንጐኛ ተገልግል ዘላ ፓኪስታን ሎሚ ናብ ቴህራን ክኣቱ ትጽቢት ከምዝገብር'ውን እቲ ኣፈኛ ጠቒሱ።

    ኢራን ኑክሌራዊ ኣጽዋር ክትሃንጽ ትደሊ'ያ ንዝብል ክሲ ኣመሪካ ዝነጸገ እቲ ኣፈኛ፡ ፕሮግራም ኑክሌር ኢራን "ሰላማዊ" ምዃኑ መጒቱ።

  14. ኢራን፡ ዕግታ ኣመሪካ እንተቐጺሉ ኣብ ወሽመጥ፡ ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ዖማንን መራኽብ ንዝኣትዋ መራኽብ ኣጠንቂቓ

    ካርታ

    ዓሊ ዓብደላሂ፡ ኣዛዚ ናይቲ ንዕጡቓት ሓይልታት ኢራን ዘወሃህድ ዝለዓለ ስርሒታዊ እዚ እታ ሃገር ዝዀነ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ኢራን ኻታም ኣል-ኣንቢያእ - ኣመሪካ ዕግታ መራኽብ እንተቐጺላን "ንንግዳዊ መራኽብን ታንከራት ነዳዲን ኢራን ውሕስነት እንተዘይፈጢራ"፡ ጠንቂ ምጥሓስ ተዅሲ ምቍራጽ መበገሲ ክኸውን'ዩ ክብል ኣጠንቂቁ።

    ዓብደላሂ ወሲኹ፡ እዚ ኣብ ዝዀነሉ ኵነታት ድማ ዕጡቓት ሓይልታት ኢራን "ዝዀነ ሰደድ ወይ ኣእትዎት ኣብ ወሽመጥ ፋርስ፡ ባሕሪ ዖማንን ቀይሕ ባሕርን ብውሕስነት ክቕጽል" ከምዘይፈቅድ ኣተሓሳሲቡ።

    እዚ ብኣዛዚ ኻትም ኣል-ኣንቢኣያእ ዝተጠቕሰ ማያዊ ኣካላት ኣዝዩ ሰፊሕ ጂኦግራፊያዊ ከባቢታት ዝሽፍኑ'ኳ እንተዀኑ፡ ኣየኖት ሃገራት ሃገራት ክጽለዋ ከም ዝኽእላ ግን ኣይገለጸን።

    ኣመሪካ፡ ካብ ዝሓለፈ ሰኑይ ኣትሒዛ እያ ንወደባት ኢራን እገዳ ጀሚራ ዘላ። ሰራዊት ኣመሪካ ሎሚ ረቡዕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብተን ቀዳሞት 24 ሰዓታት "ዝኾነት መራኽብ ኣይሓለፈትን" ብምባል፡ ሽዱሽተ ንግዳዊ መራኽብ ከኣ ናብ ወሽመጥ ዖማን ክጥወያ ተገዲደን ኢሉ።

    እቲ ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ብመንጐኝነት ፓኪስታን ጸኒዑ ዘሎ ውዕል ተኹሲ ደው ምባል፡ ድሕሪ'ቲ ንኣስታት ሽዱሽተ ሰሙን ዝጸንሐ ግጭት ብ8 ምያዝያ ዝተኣወጀ እዩ።

    ኣብ ኢስላማባድ ዝተኻየደ ቀዳማይ ዙርያ ዘተ ኢራንን ኣመሪካን ኣይተዓወተን፤ ዶናልድ ትራምፕ ድማ ካልኣይ ዙር እቲ ዘተ ኣብ ዝቕጽሉ ክልተ መዓልታት ዳግማይ ክጅምር ከምዝኽእል ኣተንቢሁ'ሎ። መዓስን ኣበይን ግን ኣየነጸረን፤ ኢራን ብወገና ብዛዕባ'ዚ ዛጊት ኣየረጋገጸትን።

  15. ዋጋ ነዳዲ ብቕጽበት ክወርድ እዩ

    tramp

    ምንጪ ስእሊ, EPA/Shutterstock

    ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ፎክስ ቢዝነስ ኔትወርክ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ካብ ዝበሎ ተወሳኺ መግለጺታት። ትራምፕ ኣብቲ ምሉእ ቃለ መሕትት "ንኢራን ኒዩክለሳዊ ኣጽዋር እንተሂብካያ ዓለም ክትፍንጀር እያ" እዩ ዝብል። ንሱ ወሲኹ፡ እቲ ምስ ኢራን ዝነበረ ኲናት ምስተፈትሐ፡ ዋጋታት ነዳዲን ጋዝን "ኣዝዩ ኣዝዩ ክወርድ'ዩ" ይብል።

    ዋጋታት ጸዓት'ውን ክጎድል ምዃኑ ብምትእምማን ይዛረብ። ትራምፕ ነቲ ኣብ 2015 ዝተኸተመ ስምምዕ ኑክሌር ኢራን "እቲ ዝኸፍአ ስምምዕ" ክብል ዝዅንን ኰይኑ፣ እዚ ድማ እታ ሃገር ናብ ኒዩክለሳዊ ኣጽዋር ንኽትበጽሕ ኣቋራጭ መንገዲ ዝፈጥረላ እዩ ይብል።

    ወሲኹ፡ ኣመሪካ ኣብ ዝሓለፈ ሰነ ንመሳለጥያታት ኑክሌር ኢራን እንተዘይትድብድብ ነይራ፡ እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ እስራኤልን ጎረባብታ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕን ብዓቢኡ ድማ ንኣመሪካ ኒዩክለሳዊ ኣጽዋር ተጠቒማ መጥቅዓተን ነይራ፡ ይብል።

    ትራምፕ፡ ቻይና ንኢራን ኣጽዋር ትህብ ከምዘላ ዝገልጽ ጸብጻባት ምስ ሰምዐ፡ ንፕረዚደንት ሺ ደብደበ ጽሒፉ ከምኡ ንኸይገብር ከም ዝሓተቶ ብምግላጽ፡ ሺ ድማ፡ "ብመሰረቱ" ቻይና ከምኡ ኣይትገብርን እያ ክብል ምላሽ ከም ዝሃቦ እዩ ዝዛረብ።

  16. እስራኤልን ሊባኖስን ድሕሪ 1993 ንፈለማ እዋን ቀጥታዊ ዘተ ኣካይደን

    ተዛተይቲ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ሊባኖስን እስራኤልን ድሕሪ 30 ዓመታት ንፈለማ እዋን ዝለዓለ ደረጃ ዲፕሎማስያዊ ዘተ ኣካይደን። እዚ ሳሕቲ ዝርአ ፍጻመ'ዚ፡ ነቲ ኣብ መንጎ እስራኤልን ብኢራን ዝድገፍ ጕጅለ ሕዝቦላህን ዝካየድ ዘሎ ደማዊ ግጭት ንምዕራፍ ዝዓለመ ታሪኻዊ ስጕምቲ እዩ። ካብ ኣመሪካ ዝወጽአ ወግዓዊ መግለጺ ከም ዘመልክቶ፡ ብኽልተኦም ወገናት ኣብ ዝውሰን ግዜን ቦታን ቀጥታዊ ዘተ ንምቕጻል ተሰማሚዖም ኣለዉ።

    እስራኤል ኣብቲ ዘተ፡ ኵሎም መንግስታውያን ዘይኰኑ ዕጥቃውያን ጕጅለታት - ብፍላይ ድማ ሕዝቦላህ - ዕጥቆም ክፈትሑ ከም እትደሊ ገሊጻ ኣላ። ሊባኖስ ብወገና፡ ተዅሲ ብህጹጽ ደው ክብልን ሰብኣዊ ቅልውላው መፍትሒ ክግበረሉን ጸዊዓ።

  17. እስራኤልን ሊባኖስን ድሕሪ 1993 ንፈለማ እዋን ቀጥታዊ ዘተ ኣካይደን

    ሊባኖስን እስራኤልን ድሕሪ 30 ዓመታት ንፈለማ እዋን ዝለዓለ ደረጃ ዲፕሎማስያዊ ዘተ ኣካይደን። እዚ ሳሕቲ ዝርአ ፍጻመ'ዚ፡ ነቲ ኣብ መንጎ እስራኤልን ብኢራን ዝድገፍ ጕጅለ ሕዝቦላህን ዝካየድ ዘሎ ደማዊ ግጭት ንምዕራፍ ዝዓለመ ታሪኻዊ ስጕምቲ እዩ። ካብ ኣመሪካ ዝወጽአ ወግዓዊ መግለጺ ከም ዘመልክቶ፡ ብኽልተኦም ወገናት ኣብ ዝውሰን ግዜን ቦታን ቀጥታዊ ዘተ ንምቕጻል ተሰማሚዖም ኣለዉ።

    እስራኤል ኣብቲ ዘተ፡ ኵሎም መንግስታውያን ዘይኰኑ ዕጥቃውያን ጕጅለታት - ብፍላይ ድማ ሕዝቦላህ - ዕጥቆም ክፈትሑ ከም እትደሊ ገሊጻ ኣላ። ሊባኖስ ብወገና፡ ተዅሲ ብህጹጽ ደው ክብልን ሰብኣዊ ቅልውላው መፍትሒ ክግበረሉን ጸዊዓ።እስራኤልን ሊባኖስን ድሕሪ 1993 ንፈለማ እዋን ቀጥታዊ ዘተ ኣካይደን

    ዘተ እስራኤል ሊባኖስን

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

  18. ትራምፕ ዘተ ብቕልጡፍ ክቕጽል ከም ዝኽእል ገሊጹ

    ትራምፕ ክልተ ሳንጣ ናይ ማክዶናል እናተቐበለ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    መግለጺ ስእሊ, ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ልዕሊ መቝሽሽ ኣገልግሎት (tips) ዝንበር ቀረጽ ንምንካይ ንዘመሓላለፎ ውሳነ ንምስፋሕ፡ ሰኑይ ናይ ማክዶናልድስ መግቢ ናብ ኦቫል ኦፊስ ከም ዝመጽኣሉ ገይሩ።

    ዶናልድ ትራምፕ ምስ ኢራን ዝካየድ ካልኣይ ዙር ዘተ ኣብ መወዳእታ ናይዚ ሰሙን ክካየድ ከም ዝኽእል ኣሚቱ።

    እዚ ዝግለጽ ዘሎ፡ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ፓኪስታን ዝተኻየደ ዘተ ድሕሪ ምፍሻሉ እዩ። ኣብቲ እዋን ዋሽንግተንን ቴህራንን ብዛዕባ መጻብቦ ሆርሙዝን መጻኢ ንዩክለሳዊ መደብ ኢራንን ስምምዕ ክበጽሓ ኣይከኣላን።

    ምክትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ጀይዲ ቫንስ፡ እቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝጸንሐ ናይ ዘይምትእምማን መንፈስ ኣብ ሓደ ለይቲ ክውገድ ከም ዘይክእል ተኣሚኑ። ይዅን እምበር፡ እቶም ኢራናውያን ተዛተይቲ ስምምዕ ንምግባር ድሌት ከም ዘለዎም ከም ዝኣምን ገሊጹ።

    ቫንስ፡ ኢራን ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ክህልዋ የብሉን ዝብል ፖሊሲ ትራምፕ ኣብ ቦታኡ ጸኒዑ ከም ዘሎ ኣስሚሩሉ፤ ነዚ ንምጭባጥ ድማ ዘተ ይካየድ ኣሎ።

    ትራምፕ ትማሊ ንኒውዮርክ ፖስት ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ናይ ሰላም ዘተ “ኣብ ውሽጢ ዝመጽኡ ክልተ መዓልታት ክካየድ ይኽእል እዩ፡” ኢሉ።

    ኒውዮርክ ፖስት ከም ዝሓበሮ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ኣብ ዝገበሮ ናይ መጀመሪታ ናይ ተለፎን ቃለመሕትት፡ እቲ ዘተ “ይካየድ ኣሎ፣ ግን ከም እትፈልጥዎ ቍሩብ ዝሑል እዩ፡” ኢሉ። ቀጺሉ ድማ ተወሳኺ ዘተ ኣብ ኤውሮጳ ክካየድ ከም ዝኽእል ኣሚቱ።

    ድሕሪ ፍርቂ ሰዓት ኣቢሉ፡ ትራምፕ ናብቲ ጋዜጠኛ ደዊሉ መብርሂ ሂቡ።

    “ብሓቂ ኣብኡ [ኣብቲ ዘተ ተኻይድሉ ዝነበረ ኢስላማባድ] ክትጸንሕ ኣለካ፣ ምኽንያቱ ኣብ ውሽጢ ዝመጽኡ ክልተ መዓልታት ገለ ነገር ክፍጠር ይኽእል እዩ። ንሕና’ውን ብዝያዳ ናብኡ ከነብል ኣለና፡” ኢሉዎ።

    ቀጺሉ ድማ፡ “ናብኡ ምኻድ ዝያዳ ተኽእሎ ዘለዎ ንምንታይ ምዃኑ ትፈልጥ ዲኻ? ምኽንያቱ፡ እቲ ፊልድ ማርሻል ብሉጽ ስራሕ ይሰርሕ ስለ ዘሎ እዩ፡” ኢሉ።

    ትራምፕ ‘ፊልድ ማርሻል’ ክብል ዝጸውዖ፡ ነቲ ቀዲሙ “ፍቱወይ” ኢሉ ዝጸውዖ ናይ ፓኪስታን ፊልድ ማርሻል ጀነራል ኣሲም ሙኒር ንምምልካት እዩ።

  19. ድሕሪ ምእዋጅ ዕጽዋ ኣመሪካ፡ መራኽብ ብመጻብቦ ሆርሙዝ ይሓልፋ ኣለዋ

    መጻብቦ ሆርሙዝ ዘርኢ ካርታ

    ምንጪ ስእሊ, MARINETRAFFIC

    መግለጺ ስእሊ, ገለ መራኽብ ብመሰረት ዕጽዋ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ክምለሳ ተራእየን

    እቲ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ዝኣወጆ ዕጽዋ መጻብቦ ሆርሙዝ ካብ ቀዳማይ መዓልቱ ንጹር ኣይነበረን።

    ተዓዛቢ ጸጥታዊ ጉዳያት ፍራንክ ጋርድነር፡ እቲ ዕጽዋ ንጹር ዘይኰነሉ ምኽንያት እኹል ምድላዋት ስለ ዘይተገብረሉን ናይ መራኽብ መለለዪ ምልክታት ምትእስሳር ስለ ዝተዛብዐን ክኸውን ከም ዝኽእል ገሊጹ።

    ቢቢሲ ቨሪፋይ ዝተዓዘቦ ምንቅስቓስ መራኽብ ከም ዘመልክቶ፡ ምስ ኢራን ምትእስሳር ዘለወን እንተ ወሓደ ኣርባዕተ መራኽብ ትማሊ ሰሉስ ንመጻብቦ ሆርሙዝ ተሳጊረን እየን።

    ካብዚኣተን እተን ክልተ ናብ ወደባት ኢራን ዝበጽሓ እየን። ብተወሳኺ፡ ምስ ኢራን ምትእስሳር ዘይብለን ካልኦት ሰለስተ መራኽብ ድማ እቲ ዕጽዋ ሰኑይ ካብ ዝእውጅ ንደሓር ነቲ መጻብቦ ክሰግራ ተራእየን።

    ኣዛዚ ማእከላይ እዚ ኣመሪካ ኣድሚራል ብራድ ኩፐር ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ “ኣብ ልዕሊ ወደባት ኢራን ዝተገብረ ዕጽዋ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ግብሪ ውዒሉ ኣሎ፡” ኢሉ።

    እቲ ዕጽዋ ካብ ዝጅመር ኣብ ውሽጢ 36 ሰዓታት፡ ሓይልታት ኣመሪካ ነቲ ብባሕሪ ናብ ኢራን ዝኣቱን ዝወጽእን ንግዳዊ ምንቅስቓስ ምሉእ ብምሉእ ደው ከም ዘበሉዎ እውን ገሊጹ።

    ማእከላይ እዚ ኣመሪካ ኣቐዲሙ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሽዱሽተ ናይ ንግዲ መራኽብ ካብ ሓይልታት ኣመሪካ ንዝመጽአን መምርሒ ተቐቢለን ንድሕሪት ብምምላስ ናብ ወደብ ኢራን ከም ዝኣተዋ ሓቢሩ።

    ቢቢሲ ቨሪፋይ ዝገበሮ ምክትታል እውን፡ ክልተ ምስ ኢራን ምትእስሳር ዘለወን መራኽብ ድሕሪ ምእዋጅ እቲ ዕጽዋ ንመጻብቦ ሆርሙዝ ተሳጊረን ክኸዳ ከለዋ ኣንፈተን ከም ዝቐየራ ኣረጋጊጹ ኣሎ።

  20. ትራምፕ፡ ንርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ልዮ ምንቃፍ ቀጺሉ

    ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ልዮ ከምኡ'ውን ትራምፕ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ዘለዎ ተሪር ነቐፌታ ብምቕጻል፡ ትማሊ ምሸት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ከምዚ ኢሉ፤

    “ኢራን ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ እንተ ወሓደ 42,000 ንጹሃንን ፍጹም ዕጥቂ ዘይብሎምን ተቓወምቲ ከም ዝቐተለት፣ ስለዝዀነ፡ ኢራን ንዩክለሳዊ ቦምብ ክህልዋ ፍጹም ተቐባልነት ከም ዘይብሉ ንርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ሊዮ ክነግሮ ዝኽእል ሰብ ኣሎዶ? ነዚጉዳይ’ዚ ቈላሕታ ስለ ዝሃብካዮ አመስግን። ኣመሪካ ተመሊሳ ኣላ!!!”

    ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ሊዮ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኢራን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ርእይቶ ምሃቦም ስዒቡ፡ ትራምፕ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ናይቲ ኣመሪካዊ ጳጳስ “ምሱጥ ደጋፊ” ከም ዘይኰነ ገሊጹ ነይሩ።

    ትራምፕ ወሲኹ፡ እቶም ጳጳስ “ኣብ ልዕሊ ገበን ድኹም፡ ኣብ ፖሊሲ ወጻኢ ድማ ኣዝዮም ሕማቕ” ምዃኖም ብምጥቃስ ከሲሱዎም።

    ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ሊዮ ብወገኖም፡ ኣብ ምምሕዳር ትራምፕ ዝዀነ ይዅን “ፍርሒ” ከም ዘይብሎምን ርእይቶ ምሃብ ከም ዝቕጽሉን ሓቢሮም።

    ትራምፕ ብተወሳኺ፡ብዛዕባ ኔቶ ኣብ ዝጸሓፎ ጽሑፍ፡ “ኔቶ ንዓና ኣይነበረን፣ ኣብ መጻኢ እውን ንዓና ኣይክኸውንን እዩ!” ክብል ንተራ እቲ ኪዳን ኣናሽዩዎ።