ግዝያዊ ምቍራጽ ተዅሲ ኣብ ኢራን ከመይ ይርአ፡ ዝስዕብከ እንታይ ክኸውን እዩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቅድሚ ሓደ መዓልቲ፡ እቶም ንቴህራን ዝመርሑ ኣኽረርቲ ኣባላት እላማዊ ሪፖብሊክ ኣብቲ ጻዕቂ ህዝቢ ዘለዎ መስቀላዊ መንገዲ ዓቢይ ጽሑፍ ሰቒሎም ነይሮም።
እቲ ጽሑፍ፡ "መጻብቦ ሆርሙዝ ዕጽው ኰይኑ ክቕጽል እዩ፡" ይብል።
እዚ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መራሒ ኰይኑ ዝተመዘዘ ግና ክሳዕ ሕጂ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ካብ ዘይተራእየ ዘሎ ሓድሽ ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ሞጅታባ ኻመኒ ዝወጽአ ኣዋጅ ምዃኑ ንምምልካት ዝዓለመ እዩ።
እዚ ጽሑፍ፡ ኢራን ንኽልተ ሰሙን ዝጸንሕ ምቍራስ ተዅስ ድሕሪ ምስምማዓን መንጎኛ ኰይና ክትሽምግል ዝጸንሐት ፓኪስታን መጻብቦ ሆርሙዝ ዳግማይ ክኽፈት ብዝሓተተቶ መሰረትን ክወርድ ይኽእል እዩ።
ኢራን ግዝያዊ ምቍራጽ ተዅሲ ከም ዘይትሰማማዕን ብኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊኣ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ብቐዋምነት ከብቅዕ ከም እትደልን ብተደጋጋሚ ክትገልጽ ጸኒሓ እያ።
እቶም ተሪር መርገጺ ዘለዎም ወገናት፡ በዚ ሓድሽ ስምምዕ ሕጕሳት ኣይኰኑን። ካብ ቴህራን ዝወጽኡ ጸብጻባት ከም ዝሕብሩዎ፡ ድሕሪ ኣዋጅ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ሰልፈኛታት ባንዴራታት ኣመሪካን እስራኤልን ብሓዊ ከም ዘቃጸሉ ይሕብሩ።
ጕጅለ ወለንተኛታት ምልሻታት ባሲጅ ነቲ ውሳነ ንምቅዋም ፍርቂ ለይቲ ናብ ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ብምኻድ ሰልፊ ኣካይዶም።
ድሕሪ ሒደት ሰዓታት፡ ኣሰናዳኢ ጋዜጣ ካይሃን፡ ንምቝራጽ ተዅሲ ምስምማዕ "ንጸላኢ ህያብ" ምዃኑ ጽሒፉ። እዚ ድማ ንኣመሪካን እስራኤልን ዳግማይ ክወዳደባን ኲናት ከቐጽላን ከም ዘኽእለን ገሊጹ።












