ትራምፕ ምቍራጽ ተዅሲ ኢራንን እስራኤልን ግብራዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ
ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሙ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ "እቲ ተኹሲ ደው ምባል ሕጂ ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ። በጃኹም ኣይትጥሓሱዎ!” ኢሉ።
ጽማቝ ሓበሬታ
- ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ኢራን ነቲ ብመንጐኝነት ትራምፕን ቐጠርን ዝተበጽሐ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ከምዝጠሓሰት ትኸስስ።
- እቲ ምኒስተር፡ ኣብ ልዕሊ ሕምብርቲ ቴህራን ተሪር ግብረመልሲ ክወሃብ ምዃኑ ገሊጹ።
- ኢራን ንክሲ እስራኤል ነጺጋቶ ኣላ።
- ኢራን ኣቐዲማ፡ኢራን በቲ ስምምዕ ትቕየድ እንተዀይና ንሳ'ውን ከም እተኽብሮ ገሊጻ ነይራ።
- ዝሓለፈ ለይቲ፡ እዚ ግጭት ካብ ዝጅምር ኢራን እቲ ዝኸበደ ዝበሃል ደብዳብ ከምዘሕለፈት ክግለጽ እንከሎ፤ ኣብ እስራኤል ድማ 4 ሰባት ብደብዳብ ኢራን ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
- ኢራን ብሰኑይ ምሸት ኣብ ቐጠር ንዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ኣመሪካ ብሚሳይላት ከምዝደብደበት ይዝከር።
ቀጥታዊ ሸፈነ
ኢቶሪካ፡ ቴዲ ኣፍሮ ንምንታይ ኵሉ ሳዕ ኣዘራራቢ ይኸውን፡ ፍልዩነት ስርሓቱኸ እንታይ እዩ?
ኢትዮጵያ፡ ስለምንታይ ክሳብ ሕጂ ብሃብቲ ኣዛብኣ ዘይተጠቕመት?
ናይ ቅድሚ 50 ዓመት ኣፍቃሪኣ ንምርካብ ናብ ኣመሪካ ዝተጓዕዘት ፈረንሳዊት ንምንታይ ተኣሲራ?
ራፐር ካንየ ዌስት ኣብ ፖላንድ ከካይዶ ዝወጠነ ምርኢት ንምንታይ ተሰሪዙ?
ኤርትራ፡ ንሓራምዝ ዘስግእ ዘሎ ሓድሽ ናይ ዘርኢ ጸገም
መጻብቦ ሆርሙዝ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ከምዝተኸፍተ ኢራን ኣፍሊጣ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ዓባስ ኣራግቺ ብትዊተር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ማሕንቖ ቀረብ ነዳዲ ኮይኑ ዝቐነየ መጻብቦ 'ምሉእ ብምሉእ ተኸፊቱ ኣሎ" ክብል ሓቢሩ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕን ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝን ዝርከብዎም መራሕቲ ዓለም ሓጎሶም ይግልጹ ኣለዉ።
እንተኾነ ግን፡ ትራምፕ'ውን ኣመሪካ ዝኣወጀቶ ዕጽዋ ናይቲ መጻብቦ ክቕጽል ምዃኑ ምግላጹ ኣብ ምልክት ሕቶ ኣእትይዎ ይርከብ።
ኣብ ፈረንሳ ክዘራረቡ ዝወዓሉ መራሕቲ ኣውሮጳ ብወገኖም፡ ነቲ ሓድሽ ዜና ብምንኣድ፡ እቲ መጻብቦ ብዘይ ገደብን ክፍሊት ንሓዋሩ ክኽፈት ጸዊዖም ኣለዉ።
ትካላት መጓዓዝያ ባሕሪ'ውን መግለጺ ቴህራን ኣብ ግብሪ ክሳብ ዝርአ ምጽባይ ከምዘድሊ የጠንቅቑ ኣለዉ።
ምላሽ ኤርትራ ንመግለጺታት ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይን ጀነራል ጻድቃንን
ብዛዕባ ምቁራጽ ተኹሲ ሊባኖስን እስራኤልን እንታይ ንፈልጥ?

ምንጪ ስእሊ, Reuters
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ኣብ እትርከብ ሲዶን፡ ሰባት ናብ ገዝኦም ኣብ ዝምለሱሉ ዘለዉ እዋን፡ ብዙሓት ሓጐሶም ይገልፁ ኣለዉ መራሕቲ እስራኤልን ሊባኖስን ክልቲኦም ነቲ ተበግሶ ዕርቂ ብሓጎስ ከምዝተቐበልዎ ይግለፅ ኣሎ።
ቀዳማይ ምኒስተር ነታንያሁ ድማ "ታሪኻዊ ስምምዕ ሰላም ንምግባር ዓብዪ ዕድል" ክብል ተዛሪቡ።
ውዕል ስምምዕ እቲ ተኹሲ ደው ምባል፡ ን10 መዓልታት ዝጸንሕ ዀይኑ፡ እቲ ልዝብ እናተመሓየሸ እንተኸይዱ ድማ፡ "ብሓባራዊ ስምምዕ ክናዋሕ" ከምዝኽእል ይገልጽ።
ብመሰረት ካብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ዝተረኽበ ሓበሬታ፡
- እስራኤል "ኣብ ዝኾነ እዋን፡ ኣንጻር ዝዀነ ዝተወጠነ መጥቃዕቲ፡ መሰል ዓርሰ-ምክልኻል” ዝተሓለወ ከምዝዀነ፤
- ሊባኖስ፡ ንሕዝቦላህ ሓዊሱ ካልኦት ኩሎም "ዕጡቓት ጉጅለታት" ኣብ ልዕሊ እስራኤል መጥቃዕቲ ከይፍጽሙ "ትርጉም ዘለዎ ስጉምትታት" ክትወስድ፤
- እቶም ኣብዚ ልዝብ ዝሳተፉ ኣካላት፡ ጸጥታ ሊባኖስ ኣብ ምሕላው ሙሉእ ሓላፍነት ዘለዎም ሓይልታት ጸጥታ ሊባኖስ ከምዝዀነ ይግንዘቡ፤
- እስራኤልን ሊባኖስን፡ ኣመሪካ “ካልኦት ዝተረፉ ጉዳያት ንምፍታሕ" ዝያዳ ቀጥታዊ ዝርርብ ምምችቻው ክትቅጽል ሓቲተን።

ምንጪ ስእሊ, REU
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ቤሩት ፅምብል ስምመዕ ሰላም እቲ መግለጺ ወሲኹ፡ እቲ ዕርቂ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት "ናብ ቀዋሚ ስምምዕ ጸጥታን ሰላምን ዝወስድ" ልዝብ ንምክያድ ዝዓለመ፡ ኣብ ሰናይ ድሌት እስራኤል ዝተመርኰሰ ምዃኑ ኣመልኪቱ።
እቲ ብኢራን ዝድገፍ ዕጡቕ ጉጅለ ሕዝቦላህ ብወገኑ፡ ኣብቲ ሰምምዕ ሰላም ንምስታፍ ድሌት ከምዘለዎ'ኳ እንተ'መልከተ፡ ኣብ መላእ ሊባኖስ "ዝዀነ መጥቃዕቲ ከይፍፀምን፡ ቀይዲ በተኽ ምንቅስቓስ ሓይልታት እስራኤል" ምግታእን ዘጠቓልል ክኸውን ጠሊቡ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
መግለጺ ስእሊ, ሰባት ናብ ዓዶም ሲዶን እንትምለሱ ዝተወሰነ ምፅቕቓድ ነይሩ ማላካ፡ "መትኒ" ንግዲ ዓለም ዝዀነ ካልእ መጻብቦ ባሕሪ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ኣብቲ ንዓለምና ወሳኒ መስመር ማይ መጻብቦ ሆርሙዝ ዝካየድ ዘሎ ዕጽዋ ከይኣክል፡ "መትኒ" ንግዲ ዓለም ዝዀነ ካልእ መስመር መጓዕዝያ ባሕሪ ቈላሕታ ክረክብ ጀሚሩ ኣሎ።
ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ግዝኣት ኢንዶነዥያ ወተሃደራዊ በረራታት ንምክያድ ዘቕረበቶ ሕቶ፡ ነቲ ኣብ ደቡብ ምብራቕ እስያ ዝርከብ መጻብቦ ማላካ ዓለምለኻዊ ቈላሕታ ክረክብ ገይሩዎ ኣሎ።
ንምዃኑ መጻብቦ ማላካ ኣበይ እዩ? ስለምንታይ እዩኸ ኣገዳሲ ዝኸውን?
ኒዩክሌር ዘለወን ሃገራት በዓል መን'የን፤ ብኸመይ ከ ወኒነንኦ?
ሓላፊ ኣህጉራዊ ኤጀንሲ ኣቶማዊ ጸዓት ራፋኤል ግሮሲ ብረቡዕ ኣብ ሴኡል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ዮንግብዮን ኣብ ዝርከብ ህንጻር ኒዩክሌር፡ ሰሜን ኮርያ "ቅልጡፍ ወሰኽ" ምንቅስቓስ ኒዩክሌር ከም ዝተራእየ ብምግላጽ፡ ነቲ ኣብ ዓቕሚ ኒዩክለሳዊ ኣጽዋር "ኣዝዩ ከቢድ ወሰኽ" ክብል ዝገለጾ ኣመልኪቱ።
ዛጊት ትሽዓተ ሃገራት ኒዩክሌሳዊ ኣጽዋር ከም ዘለወን ይፍለጣ፤ ከመይ ጌረን እየን ኣጥሪየንኦ፣ ሕጂ ድማ ካልኦት ክስዕባኦ ይደልያ'ዶ? ዝብል ሕቶ ድማ እዚ ትንታነ ዳህሲስዎ ኣሎ፤

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኢራን ነቲ ዝሃብተመ ዩራንየም ንኣመሪካ ከተረክብ ተሰማሚዓ- ትራምፕ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ኢራን ነቲ ዝተሃብተመ ዩራንየም ከተረክቦ ከም ዝተሰማምዐት ገሊፁ።
እዚ ጠለብ፡ ሓደ ካብቶም ኲናት ኢራን ንኸብቅዕ ክፍተኑ ዝቐነዩ ልዝባት ቀንዲ ማሕንቘ ኰይኑ ዝጸንሐ ነጥብታት እዩ ነይሩ።
ትራምፕ ግን፡ ሓድሽ ዝርርብ ኣብዚ ሰሙን መወዳእታ ክጅምር ከም ዝኽእልን፡ ዋሽንግተንን ቴህራንን ኣብ ስምምዕ ክበጽሓ "ኣዝየን ቀሪበን" ከምዘለዋን ገሊጹ።
እዚ ድማ ትራምፕ፡ እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ካብ ዝተዛረቦም፡ ኣዝዩ ተስፋ ዝህብ ገምጋም እዩ ተባሂሉ።
እቲ ኲናት "እናዓሞቐ" ይኸይድ ከምዘሎን ናይ ግድን ኣብ ቀረባ እዋን ክውዳእ ከምዘለዎን ገሊጹ።
ኣቐዲሙ ኣብ ዋይት ሃውስ ኢራን ኒዩክለሳዊ ኣጽዋር ከይትረክብ ከም ዝተሰማምዐት ገሊፁ ነይሩ።
እቲ ዝሃብተመ ዩራንየም፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣመሪካን እስራኤልን፡ ብመጥቃዕቲ ነፈርቲ ናብ ሓመድ ከም ዝቐየረኦ፡ ኣብ ትሕቲ መሬት ከም ዝተቐብረን እዩ ዝእመን ።
ኢራን ብዛዕባ’ቲ ፕረዚደንት ትራምፕ ዝሃቦ መግለጺ ዝኾነ ርእይቶ ኣይሃበትን ኣላ።
ሓድሽ ዙርያ ‘ፊትንፊት’ ዝርርብ ከምዝቐረበ ርግጸኛ ዝዀነ ትራምፕ፡ ድሕሪ ሓሙሽተ መዓልታት ዘብቅዕ ምስ ኢራን ዝተገብረ ተኹሲ ደው ምባል ምንዋሕ ከምዘድሊ ርግጸኛ ከምዘይኮነ ገሊጹ።
ኒዩክሌር ዘለወን ሃገራት በዓል መን'የን፤ ብኸመይ ከ ወኒነንኦ?
ሕጽረት ነዳዲ ነፈርቲ ኣብ ኤውሮጳ፡ በረራታት ክስረዙ ይኽእሉ ድዮም?
ካብ ሆርሙዝ ናብ ማላካ፡ እቲ ሓድሽ ጂኦ-ፖለቲካዊ ወጥሪ
እስራኤልን ሊባኖስን ምቊራጽ ተዂሲ ክግበር ተሰማሚዐን

ምንጪ ስእሊ, a
መግለጺ ስእሊ, ብደብዳብ ክትሕመስ ዝጸንሐት ርእሰከተማ በይሩት እስራኤልን ሊባኖስን ን10 መዓልቲ ዝጸንሕ ምቊራጽ ተዂሲ ክግበር ከምዝተሰማምዓ ፕረዚደንት ኣመሪካ ኣፍሊጡ።
ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ምስ መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ከምዝተዘራረበን "ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ሰላም ንምስፋን" ነቲ ስምምዕ ከምዝበጽሓ ጠቒሱ።
"ምስቲ ኣዝዩ ዝተኸበረ ፕረዚደንት ሊባኖስ ጆሰፍ ዓውን፡ ከምኡ'ውን ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቢቢ [በንጃሚን] ነታንያሁ ጨለ ዝኾነ ልዝብ ጌረ ነይረ።"
"እዞም ክልተ መራሕቲ፡ ኣብ መንጐ ሃገራቶም ሰላም ንምውሓስ ን10 መዓልቲ ዝጸንሕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ተሰማሚዖም ኣለዉ" ክብል'ዩ ትራምፕ ገሊጹ።
"ብሰሉስ፡ ክልቲአን ድሕሪ 34 ዓመት ንፈለማ እዋን ኣብዚ ኣብ ዋሽንግተን ተራኺበን ነይረን፡ ሳላ ዓቢይ ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳያት፡ ማርኮ ሩብዮ።"
ንምክትል ፕረዚደንት ጀይዲ ቫንስ፡ ሩብዮን ኣዛዚ ሰራዊት ኣመሪካ ጀነራል ዳን ኬንን ምስ ነባሪ ሰላም ንምርግጋጽ ምስ ክልቲአን ሃገራት ብምስራሕ ክከታተልዎ መምርሒ ከምዝሃቦም ትራምፕ ገሊጹ'ሎ።
እቶም እስራኤል ዒላማ ክትገብሮም ዝጸንሐት ዕጡቓት ሕዝቡላህ ግን ኣብቲ መግለጺታት ኣይተጠቕሱን።
እቲ ጉጅለ ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ፡ ኣብ ደቡብ ሊባኖስ ዝርከቡ ሓይልታት እስራኤል ናይ ምንቅስቓስ ናጽነት ከይህልዎም ጸዊዑ'ሎ።
እዚ ስምምዕ፡ ነቲ ምስ ኢራን ዝግበር ዘሎ ዘይቀጥታዊ ዝርርብ'ውን ድርኺት ዝፈጥር ክኸውን ትጽቢት ይግበር።
ሕብረት ኣውሮጳ ዝርከቦም ወገናት ድሮ ነቲ ውሳነ ዘለዎም ናእዳ ብምግላጽ፡ እፎይታ ዝፈጥር ምዃኑ ይእምቱ ኣለዉ።
'ዓለም በቶም ቢልዮናት ኣብ ኲናት ዘጥፍኡ ውሑዳት መለኽቲ'ያ ትበርስ ዘላ' - ኣቡነ ሊዮ
ቴህራን፡ ምቁራጽ ተዂሲ ንምጽናዕን ሰላም ንምውሓስን ዝካየድ ዘሎ ጻዕርታት

ምንጪ ስእሊ, EPA/Shutterstock
መግለጺ ስእሊ, ብትራምፕ ልዑል ተቐባልነት ዝረኸበ ኣዛዚ ሰራዊት ፓኪስታን ሰላም ንምውሓስ ይንቀሳቐስ ከምዘሎ ይንገር ሰላማዊ ፍታሕ ንምርካብ ኔው-ነጀው ትብል ዘላ ፓኪስታን ምስ መራሕቲ ኢራን ትላዘብ ኣላ።
ትማሊ ናብ ርእሰከተማ ቴህራን ዝኣተወ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ፓኪስታን ምስቲ ዓቢ ጽልዋ ከምዘለዎ ዝንገረሉ ኣፈኛ ባይቶ ኢራን ተራኺቡ።
ፊልድ ማርሻል ኣሲም ሙኒር ምስ መሓመድ-ባገር ጋሊባፍ ድሕሪ ዘካየዶ ርክብ፡ እቲ ኣፈኛ ምስ ሊባኖሳዊ መዘናኡ ናቢሕ በሪ ብቴለፎን ከምዝተዘራረበ ማዕከናት ዜና ኢራን ሓቢረን።
"ኣብ ሊባኖስ ዝካየድ ምቁራጽ ተጻብኦታት" ምስቲ "ኣብ ኢራን ዝግበር ምቁራጽ ተዂሲ" ብማዕረ ከምዝሰርዕዎ ጋሊባፍ ኣነጺሩ'ሎ።
ኣብቲ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣብ ኢስላማባድ ምስ ወከልቲ ኣመሪካ ዝተኻየደ ዘተን ድሕሪኡን፡ ኢራን "ቀዋሚ ምቁራጽ ተጻብኦታት" ክፍጠር ትጸቅጥ ከምዘላ እቲ ኣፈኛ ተዛሪቡ።
ምቁራጽ ተዂሲ ምስተገብረ፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሊባኖስ መጥቃዕትታት ብምቕጻላ፡ ቴህራን ንመጻብቦ ሆርሙዝ ምሉእ ብምሉእ ከምዘይትኸፍቶ ኣፍሊጣ ምንባራ ይዝከር።
ኣፈኛ ባይቶ ጋሊባፍ፡ ሓደ ካብ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሓይልታት ሓለዋ እስላማዊ ሰውራ ኢራን ዝነበረ ኮይኑ፡ መራሒ ናይቲ ንዘተ ናብ ፓኪስታን ዝኸደ ጉጅለ ልኡኽ ኢራን'ዩ።
ብትራም ልዑል ተቐባልነት ዘለዎ ፊልድ ማርሻል ሙኒር፡ ነቲ ክሳብ ሕጂ ጸኒዑ ዝርከብ ኣብ መንጐ ቴህራንን ዋሽንግተንን ዝተበጽሐ ምቁራጽ ተጻብኦታት ከይፈርስን፡ ቀዋሚ ሰላም ንምውሓስን ዓቢ ሓላፍነት ዝተዋህቦ'ዩ ዝመስል።
መጻብቦ ሆርሙዝ፡ ሓይልታት ኣመሪካ ስልታዊን ቴክኒካዊን ምምሕያሽ የካይዱ ኣለዉ ተባሂሉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መግለጺ ስእሊ, ጸሓፊ ክፍሊ ኲናት ፒት ሄግሰት (ጸጋም) ምስ ኣዛዚ ማእከላይ እዚ ሰራዊት ኣመሪካ ሰበስልጣን ክፍሊ (ሚኒስትሪ) ኲናት ኣመሪካ ብዛዕባ እዋናዊ ኩነታት ማእከላይ ምብራቕ ጋዜጣዊ መብርሂ ሂቦም።
ኣብቲ ሎሚ ኣብ ዋሽንግተን ዝተኻየደ መብርሂ፡ ጸሓፊ ኲናት ፒት ሄሰትን፡ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ተረኺቦም ነይሮም።
ኣቦመንበር ጠቕላሊ ሓለቓታት ስታፍ ዝኾነ ጀነራል ዳን ኬን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ነቲ ኣመሪካ ኣዊጃቶ ዘላ ዕጽዋ መጻብቦ ሆርሙዝ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ሓይልታቱ ኣብ ሰማይ፡ ምድርን ባሕርን ኣዋፊሩ ምህላዉ ሓቢሩ።
ክሓልፋ ዝፈተና 13 መራኽብ ንግዲ ብሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ብዝተዋህበን ትእዛዝ መሰረት ከምዝተመልሳ'ውን ጀነራል ኬን ጠቒሱ።
ኣብቲ ብካርታ ኣሰንዩ ዝሃቦ መብርሂ፡ ሓያሎ መራኽብ ኲናት ኣመሪካ ኣብ ከባቢ ወሽመጥ ዖማን ተዋፊረን ነቲ ዕማም የሳልጣ ከምዘለዋ ኣመልኪቱ።
ኢራን "ለባም ምርጫ" ክትወስድ ዝተማሕጸነ ጸሓፊ ክፍሊ ኲናት ሄግሰት ብወገኑ፡ ሓይልታት ኣመሪካ ንዝቕጽል ትእዛዝ ጥይቶም መሊኦም ድሉዋት ከምዘለዉ ኣጠንቂቑ።
"ትእዛዝ ፕረዚደንትና ኣብ ዝረኸብናሉ ክንከይድ ድሉዋት ኢና፡ ልጓም ምኽፋት ጥራይ'ዩ ዝተርፈና" ይብል ሄግሰት።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
መግለጺ ስእሊ, ኣቦመንበር ሓለቓታት ስታፍ ጀነራል ዳን ኬን ኣብቲ ኣብ ፐንታጐን (ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ክፍሊ ኲናት ምክልኻል) ዝተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝተሳተፈ ኣዛዚ ማእከላይ እዚ ሰራዊት ኣመሪካ'ውን ሓይልታቱ ንዝቕጽል ትእዛዝ ቅሩባት ምዃኖም ኣፍሊጡ።
ኣድሚራል ብራድ ኩፐር፡ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙን ናብቲ ዞባ ክልተ ግዜ ከምዝበጽሐ ብምግላጽ፡ ሰራዊቱ ናይ "ስልቲ፡ ቴክኒክን ኣገባባትን" ምምሕያሽ ኣብ ምክያድ ከምዝርከብ ገሊጹ። ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ናይቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝተዋፈረ ማእከላይ እዚ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ክፍለሃገር ፍሎሪዳ፡ ከባቢ ከተማ ታምፓ ኣብ ዘሎ መዓስከር ሓይሊ ኣየር ማክዲል ከምዝርከብ ይፍለጥ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ላዕለዎት ሓለፍቲ ናይቲ እዚ ናብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክበጽሑ ተራእዮም ነይሮም እዮም።
ሊባኖስ፡ ምስልታት ዘየቋርጽ መጥቃዕታት እስራኤል

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሓይልታት እስራኤል ኣብ ሊባኖስ ከካይድዎ ዝጸንሑ መጥቃዕትታት ሎሚ ኣሐይሎሞ ኣለዉ።
በዚ ብቐንዱ ንዕጡቓት ሕዝቦላህ ዒላማ ዝገበረ ተባሂሉ ዝግለጽ መጥቃዕቲ ልዕሊ 2100 ሰባት ከምዝተቐትሉ ሰብመዚ ጥዕና ሊባኖስ ሓቢሮም።
ክልቲን ሃገራት ድሕሪ 1993 ንፈለማ እዋን ቀጥታዊ ዝርርብ ኣካይደን ከምዘለዋ'ውን ይግለጽ ኣሎ።
እንተኾነ፡ ንትሕተቅርጽታትን ህንጻታትን ዘይነሓፈ መጥቃዕቲ እስራኤል ሎሚ'ውን ዘፍ ኣይበለን። ኣብቲ ኣብቲ ሓድሽ ደብዳባት ከተማታት ናባቲህን ቃስሚየህን ዒላማ ኮይነን ኣለዋ።
እቲ እንኮ ተሪፉ ዝጸንሐ ንደቡብን ሰሜን ሊባኖስ ዘራኽብ ኣብ ፈለግ ሊታኒ ዝርከብ ድለድል'ውን ግዳይ መጥቃዕቲ እስራኤል ከምዝኾነ ሰብመዚ እታ ሃገር ኣፍሊጦም ኣለዉ።
ካብቲ ቦታ ዝመጸና ስእልታት እነሆ፡

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ምንጪ ስእሊ, Reuters
መግለጺ ስእሊ, ዒላማ ደብዳብ እስራኤል ዝኾነት ከተማ ናባቴህ 
ምንጪ ስእሊ, EPA
መግለጺ ስእሊ, ሕዝቦላህ'ውን ብዓቕሙ ተወንጨፍቲ ካብ ምስዳድ ዓዲ ኣይወዓለን፣ ከምዚ ኣብ ስእሊ ዝርአ ጸረ-ሚሳይላት እስራኤል ኣብ ምክልኻል ተጸሚዱ ይርከብ
