እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

መጥቃዕቲ ኢራን ይገድድ፡ መጻረዪ ነዳዲ እስራኤል ይነድድ፡ ትራምፕ ተስፋን መጠንቀቕታን ይሰድድ

ትራመፕ፡ ኢራን ንመፃብቦ ሆርሙዝ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት እንተዘይከፊታቶ፡ ን መመንጨዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ'ታ ሃገር ክድምስስ ምዃኑ ኣጠንቂቑ። ኣመሪካ ተወሰኽቲ ወተሃደራት፡ ነፈርቲ ውግእን መራኽብ ኲናትን ናብቲ ዞባ ተበግስ ከምዘላ እዩ ዝንገር። ኢራን ብወገና መጥቃዕትታታ ቀጺላቶ'ላ፡ መጻረዪ ነዳዲ እስራኤል ግዳይ ከምዝኾነ ይንገር ኣሎ። ብዛዕባ ኲናት ማእከላይ ምብራቕ ሓደሽቲ ምዕባለታት ክነቕርበልኩም ኢና ተኸታተሉና፤

ጽማቝ ሓበሬታ

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ሓለዋ ስደተኛታት ዝቐንጠጠ ሓድሽ መምርሒ ምምሕዳር ትራምፕ

    ኣመሪካ፡ ሶማላውያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ከይጥረዙ ዝገብር ውሕስነት ክለዓል ወሲና።

    እቲ ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ ዘውጽኦ ሓድሽ መምርሒ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሶማላውያን ስደተኛታት ብቐሊሉ ካብ ኣመሪካ ክስጐጉ ኣፍደገ ዝኸፈት’ዩ።

    ጸሓፊት ክፍሊ ውሽጣዊ ጸጥታ ዝኾነት ክሪስቲ ኖም ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ፡ “ናይ ሶማልያ ኩነታት ሃገር ተመሓይሹ ስለዝኾነ፡ ንቅጥዕታት ናይቲ ሕጊ [ሓለዋ] ዘማልእ ኣይኮነን” ብምባል ሞጒታ።

    “ጐሓፍ ናብ ሃገርና ምቕባል እንተቐጺልና ኣመሪካ ናብ ግጉይ መንገዲ ክትከይድ'ያ” ክብል ዝተዛረበ ትራምፕ፡ ሶማላውያን ካብ ሃገሩ ክወጹ ከምዝደሊ ክዛረብ ጸኒሑ’ዩ።

    እቲ 1990 ዝወጸ "ፍቓድ ግዝያዊ ሓለዋ" (TPS) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሕጊ ስደተኛታት ናብ ዘይውሑሳት ሃገራት ከይስደዱ ዝእግድ እዩ።

    ብመሰረት እዚ ሓድሽ መምርሒ፡ ካብ 17 መጋቢት ጀሚሩ ኣስታት 2,500 ኣብቲ ትሕቲ ሓለዋ ናይቲ ሕጊ ክነብሩ ዝጸንሑ ሶማላውያን ናይ ስራሕን ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድን ተሓዲጎም ንምጥራዝ ክቃልዑ እዮም።

    ናብታ ብዙሓት ሶማላውያን ከምዝነብሩላ እትፍለጥ ርእሰከተማ ክፍለሃገር ሚኒሶታ ዝኾነት ከተማ ሚኒያፖሊስ ተወሰኽቲ ተቖጻጸርቲ ኢሚግሬሽን ፈደራል ከዋፍር ምዃኑ ምምሕዳር ትራምፕ ኣፍሊጡ ነይሩ'ዩ።

    ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ረኔ ኒኮል ጉድ ዝተብሃለት ተሓላቒት፡ በቶም ኣባላት ኢሚግሬሽን ብጥይት ምቕታላ ኣብታ ከተማን ካልኦት ክፍለሃገራትን ተቓውሞታት ኣስዒቡ ጸኒሑ'ዩ።

  2. ማይክል ካሪክ ኣሰልጣኒ ማን ዩናይትድ ክኸውን ተሓርዩ

    እግሊዛዊት ክለብማንቸስተር ዩናይትድ፡ ማይክል ካሪክ ግዝያዊ ኣሰልጣኒ እታ ጋንታ ክኸውን ተሰማሚዓ።

    እቲ ወዲ 44 ዓመት ነቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ነቲ ተሓሊሉ ዝተሰናበተ ፖርቱጋላዊ ሩበን ኣሞሪም ብምትካእ’ዩ ነታ ጋንታ ክሕዛ ተሓርዩ ዘሎ።

    ምስታ ጋንታ ንልዕሊ 10 ዓመት ዝተጻወተ ካሪክ፡ ኣብ ትሕቲ ፍሉጥ ኣሰልጣኒ ኣለክስ ፈርጉሰን ሓሙሽተ ዋንጫ ፕሪምየር ሊግን ሓንቲ ዋንጫ ቻምፕዮንስ ሊግ ኣውሮጳን ዝርከቦ ዓወታት ዝሓፈሰ’ዩ።

    ድሕሪ ፈርጉሰን ዓወት ዝተሓረማ ዩናይትድ፡ ኣብ ዝሓለፈ 13 ዓመታት ልዕሊ 10 ቀወምትን ግዝያውያንን ኣሰልጠንቲ ቆጺራ ከምዘሰናበተት ይፍለጥ።

    ሓደ ካብቶም ውሩያት ኣጥቃዕቲ ናይታ ጋንታ ዝነበረ ዋይን ሩኒ ብዛዕባ'ዚ ሓድሽ ውሳነ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ነታ ጋንታ ናብ ናይ ቀደም ዝናኣ ዝመልስ ዕድል ምዃኑ ይዛረብ።

    "እታ ክለብ መንነታ ኣጥፊኣ እያ፡ እቲ ስድራቤታዊ ስምዒት ኣጥፊኣቶ'ያ፡ እንተደሊኻ። ኦለ [ጋነር ሶልሻየር] ይኹን ማይክል፡ ንዕኡ ዝመለስ፡ ንመንፈስ ማንቸስተር ዩናይትድ ናብታ ክለብ ዝመልስ ዕድል'ዩ" ብምባል ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ።

    ማይክል ካሪክ ዕዉት መንፈስ ፈርጉሰን ድዩ ወይ መናፍስቲ ስዕረት ዝሓለፉ ብዙሓት ኣሰልጠንቲ ክገጥሞ ግን ዝመጽእ ግጥማት ናይዚ ዓመተ-ውድድር ዘብርሆ'ዩ ክኸውን።

  3. ሓላፊ ጸጥታ ኢትዮጵያ ኣብ ሶማልያ ምብጻሕ የካይድ ኣሎ

    ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት ኢትዮጵያ ሬድዋን ሑሴን ምስ መራሕቲ ሶማልያ ንምዝርራብ ናብ ሞቓድሾ ኣትዩ።

    እቲ ካብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ መልእኽቲ ከምዘብጽሐ ዝንገረሉ ዘሎ ሬድዋን፡ ምስ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ዕጹው ኣኼባ ከምዘካየደ ሪፖርተር ቢቢሲ ቋንቋ ሶማል ካብታ ከተማ ሓቢሩ።

    ዝርዝር ናይቲ ልዝብን መልእኽትን ብንጹር'ኳ እንተዘይተፈልጠ፡ ኣብቲ ዞባ ተኸሲቱ ዘሎ ሓደስቲ ምዕባለታት ማእከል ዝገበረ ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት።

    ዋና ዳይረክተር ሃገራዊ መረዳእታን ድሕንነትን ኢትዮጵያ ዝኾነ ሬድዋን ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ናብ ጂቡቲ ተጓዒዙ ነይሩ'ዩ።

    ብሰንበት ናብ ጂቡቲ ዝኣተወ ኣቢይ፡ ምስ ፕረዚደንት እታ ሃገር ኢስማዒል ዑመር ገለህ ብምርኻብ "ብዛዕባ ጆኦፖለቲካዊ ኩነታት፡ ዞባዊ ሰላምን ጸጥታን" ከምዝተዘራረቡ ብመገዲ ኤክስ ሓቢሩ ነይሩ።

    ክልቲኦም ወገናት ዘለዎም ቁጠባዊን ንግዳዊን ምትሕግጋዝን ርክብን ንምሕያል ምልዛቦም'ውን እቲ ኢትዮጵያዊ መራሒ የመልክት።

    ወደባት ጂቡቲ ቀንዲ ኣፍደገ ባሕሪ ናይታ ኣብቲ ዞባ ብብዝሒ ህዝብን ቁጠባን ዝዓበየት ሃገር ምዃነን ይፍለጥ።

    ኣማኻሪ ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝኾነ ጌታቸው ረዳ'ውን ምስቲ ልኡኽ ኣብ ጂቡቲ ተራእዩ ነይሩ።

    ብወገን ሞቓድሾ ይኹን ኣዲስ ኣበባ ብዛዕባ ምብጻሕ ሬድዋን ሑሴን ኣብ ሞቓድሾ ብወግዒ ዝተባህለ የለን።

  4. ሶማሊላንድን ፑንትላንድን፡ መንግስቲ ሶማል ስምምዓት ኢማራት ዓረብ ንምቁራጽ ዝወሰዶ ውሳነ ነጺገን

    ንርእሳ ከም ናጻ ሃገር እትቘጽር ሶማሊላንድን ፍርቂ ርእሰ-ምምሕዳር ዘለዋ ዞባ ጁባላንድን፡ ፌደራላዊ መንግስቲ ሶማልያ ምስ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝገበሮ ስምምዓት ወደባት ንምቁራጽ ዝወሰዶ ውሳነ ነጺገን።

    ሶማሊላንድ፡ መንግስቲ ፌደራል ኣብ ልዕሊ ግዝኣታ “ሕጋውን ምምሕዳራውን ስልጣን” ከም ዘይብሉ ክትገልጽ ከላ፡ ፑንትላንድ ውሳነ ሞቃድሾ “ተግባራዊ ዘኰነን ባዶን” እዩ ኢላ።

    ፈደራላዊ መንግስቲ ካቢነ ሚኒስተራት ሶማልያ፡ ምስ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝተገብረ ኩሉ ክልተኣዊ ስምምዓት ክቋረጽ ከም ዝወሰነ ብሰኑይ 12 ጥሪ 2026 ኣፍሊጡ እዩ።

    እቲ ውሳነ “ስርሒታት ወደባት፡ ትካላት መንግስቲ፡ ከምኡ’ውን ምስ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ንዝግበር ምትሕብባር ጸጥታን ምክልኻልን” ዝምልከት ምዃኑ ይንገር።

    ብፍላይ ኣብ ጉዳይ ወደብ ዘተኰረ መግለጺ መንግስቲ ፌደራል፡ እቲ ውሳነ ኣብ ሶማሊላንድ ዝርከብ ወደብ በርበራ፡ ኣብ ፑንትላንድ ዝርከብ ወደብ ቦሳሶ፡ ኣብ ጁባላንድ ዝርከብ ወደብ ኪስማዮ’ውን ዝምልከት ምዃኑ ገሊጹ።

    ወሲኹ ድማ “ፌደራላዊ ትካላት”ን ኣካል ፌደራላዊ ስርዓት እታ ሃገር ዝዀና ክልላትን ዝምልከት ምዃኑ ሓቢሩ።

    መንግስቲ ፌደራል እቲ ውሳነ “ልኡላውነት ሶማልያ፣ ግዝኣታዊ ሓድነት፣ ሃገራዊ ሓድነት ሶማልያ ንምሕላው ኣድላዪ እዩ” ኢሉ።

    ብተወሳኺ ኢማራት ዓረብ “ንናጽነትን ፖለቲካዊ ምርግጋእን ሶማልያ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ዕጡቕን ንሰላም ኣብ ሓደጋ ዘእቱን ተግባራት” ፈጺማ እያ ክብል ከሲሱ።

  5. ፕረዚደንት ኢሳይያስ ክምልሶም ትጽቢት ዝተገብረሎም ዘቤታዊ ጉዳያት

    ኣብዚ ቀረባ ዓመታት፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊን ማሕበራውን ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ቀዳምነት ኣይህቦምን’ ተባሂሉ ክንቀፍ ጸኒሑ’ዩ።

    ብዙሕ ሰብ ኣብ ዘቤታዊ ጉዳይ እንታይ ኮን ይብል ይኸውን ለውጢዶ ይገብር ይኸውን ክብል መልሲ ንዝደልየሉ ሕቶታት መልሲ ንክረክብ ይጽበ ከምዘሎ ይእመን።

    ኤርትራውያን ዝደልይዎ ለውጥታት፡

    • ለውጥታት ኣብ ቁጠባዊ ፖሊሲታት

    ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ቁጠባ ኤርትራ በቲ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ኣብ ስደት ዝነብሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ንስድራ ቤቶም ንምሕጋዝ ብዝሰዱዎ ገንዘብ (‘ረሚታንስ)’ እዩ ዝድገፍ ዘሎ።

    ካብቶም ቀንዲ ሓለኽቲ ዝኾኑ ረቛሒታት፡ ስሩዕ ባጀታዊ ስርዓትን ፊስካላዊ ፖሊሲታት መንግስቲ ዘይምህላውን፡ ኣፍራዪ ዓቕሚ ሰብ እታ ሃገር ኣብ ቀጻሊ ውትህድርና ተጸሚዱ ብዓይኒ ቁጠባ ዓዲ-ውዒል ኮይኑ ብምህላዉን ምዃኑ’ዮም ክኢላታት ቁጠባ ዝገልጹ።

    ኤርትራ ንውትህድርናን ጸጥታን እተውጽኦ ዓቢ ባጀት’ውን ተወሳኺ ጸቕጢ ከም ዝገብረላ እዩ ዝንገር።

    ብዘይካ’ዚ፡ ኣውፈርቲ ረጊኦም ርእሰ ማሎም ዘፍስስሉ ንጹርን ውሕስነት ዘለዎን ፖሊሲ ብዘይምህላዉ፡ ገንዘብ ዜጋታታ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ከምዝሃድም ምግባሩ እውን ይንገር እዩ።

    ሰበ ስልጣን ኤርትራ ግን፡ ጠንቂ ቁጠባዊ ቅልውላው ኤርትራ ካብቲ ብምዕራባውያን ሃገራት ዝምንጩ ኣንጻሮም ዝቐንዐ ዝብልዎ “ተጻብኦታት” ምዃኑ’ዮም ዝገልጹ።

    2. ምምሕያሽ መሰረታዊ ኣገልግሎታት

    ህጹጽን እዋናውን ፍታሓት ክናደየሎም ዘለዎ ሓያሎ ማሕበራውን ትሕተ ቅርጻውን ኣገልግሎታት’ውን ኣለዉ ይብሉ እቶም ንቢቢሲ ርእይተኦም ዝሃቡ ሰባት።

    ሓደ ካብኦም፡ እቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ክሳብ ሎሚ መሊኡ ዘይተፈትሐ ቅልውላው ጸዓት’ዩ።

    እቲ ፕረዚደንት ዓመት መጽአ ዝኣተዎም መብጽዓታት ምብራኽን ምስፋሕን ምንጪ ጸዓት ክሳብ ሎሚ ኣይተተግበሩን።

    እዚ ድማ ንመዓልታዊ መነባብሮ ህዝቢ ጥራይ ዘይኮነ ንቁጠባዊ ልምዓት እታ ሃገር ዝሓለኸ ምዃኑ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝተኣመነሉ ጉዳይ’ዩ።

    3. ፖለቲካዊ ለውጥታት

    ካብቶም ንዓሰርተታት ዓመታት ብሰንኪ “ተጻቦታት” ዝተወንዘፉ ቀንዲ ኣጀንታታት ኤርትራ ምህናጽ ደሞክራሲያዊ ፖለቲካዊ ስርዓት’ዩ።

    ፕረዚደንት ኢሳይያስ ካብ 1991 ጀሚሩ ነታ ሃገር ብዘይቅዋምን ሃገራዊ ደሞክራሲያዊ ምርጫን ይመርሓ ምህላዉ ይፍለጥ።

    ምስ ሰብኣዊ መሰላት ብዝተኣሳሰር’ውን፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ነቶም ንዓመታት ተቐይዶም ዝተሰወሩ ናይ ሕልና እሱራት፡ እንተወሓደ ብምሕረት ክፈትሕ ብዙሓት ስድራ ቤታት ሃንቀው ዝብልዎ’ዩ።

  6. ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብዛዕባ ውሽጣዊ ጉዳያት እንታይ ኢሉ?

    ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ፡ ንውሽጣዊ ጉዳያት ዝምልከት ተስፋ ዝህቡ ሓደስቲ ፖሊሲታት ዝተጸበዩ ብዙሓት ኤርትራውን ትጽቢቶም ከም ዘይተማልአ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ግብረመልሲ ይህቡ ኣለዉ።

    ብዛዕባ ውሽጣዊ ጉዳያት እንታይ ኢሉ?

    • ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብቲ ዝቐረበሉ "ዘቤታዊ ጉዳያት"፡ ንሕተ ቅርጺ፡ ማይ፡ ትምህርቲን ሱታፌ ድያስፖራን እዩ ኣልዒሉ
    • ኣብ 2026 "ቀዳምነትና ህንጸት ትሕተ ቅርጺ'ዩ ክኸውን ኣለዎ፡" ብምባል "ናይ ጽርግያታት ነገራት ከሊስና፡ ቅድሚ ሕጂ ወጢናን ዘይሰራሕናዮም ንምንታይ? ኣብ 2026 ግን ክንሰርሖም ዘለና ሓደ ክልተ ኢልና ከነቐምጦም ኣለና፣ ምስ ጐረባብትና ዘራኽበና መስመራት'ውን ክስርሓሉ ኣለዎ፡" ኢሉ
    • ንትሕተ-ቅርጺ ማይ ምዃኑ ድሕሪ ምጥቃስ፡ "ነዚ ዝስዕብ ከኣ ጽዓት'ዩ፡ በዳምንተ 360 ሜጋ ጸዓት ምምንጫው'ዩ፡" ክብል እንከሎ ኣብ ጉዳይ ጸዓት "ኑክሊየር ክንጥቀም ኣለና ኢለና እንሓስበሉ'ውን ርሑቕ'ዩ ክንብል የብልናን፡" ክብል ኣተንቢሁ
    • ኣብ ጉዳይ ትምህርቲ'ውን እቲ ዝዓበየ ብድሆ "ጸጋታት ሰብና እዩ፡" ብምባል፡ "ካብ 2026 ክሳብ 2030 ዝኸይድ ዝዓበየ መደብና ንስርዓተ ትምህርትና ምቕያር እዩ፣ ናይ ትምህርቲ መደብ ቀዳምነት ናይ ቀዳምነንታትና እዩ፡" ኢሉ።

    ጕዳይ ዲያስፖራ

    • "ሱታፌ ድያስፖራ ኣድማዒ ዝዀነሉ መንገዲ ክግበር ኣለዎ፡" ድሕሪ ምባል፡ ኣብ ዝሓለፈ 3 ዓመታት ዝወጸ መደብ ክንገብሮ ዘይምኽኣልና ስንፍናና ኣይኰነን፡" ኢሉ

    በዚ ድማ ኣብ ጉዳይ መኸተ፡ "ምሕዝነታቶምን ምስ ዝተፈላለየ ህዝብታት ዘለዎም ርክባት ብምስፋሕ ፖለቲካዊ መኸተ ከሐይሉ፣ ምስዚ ሕጂ ዘሎ ናይ ሜድያ ሓይሊ ዜናዊ መኸተ ንምግጣም'ውን ውዳበ የድሊ፡" ክብል ተዛሪቡ።

  7. ሓድሽ ስትራተጂ ሃገራዊ ድሕነት ኣመሪካ ብዛዕባ ወጥሪ ኢትዮ-ኤርትራ እንታይ ይብል?

    ሕቶ ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ ማእከል ዝገበረ ፖለቲካ፡ ነቲ ኣብዚ እዋን'ዚ ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ኲናት ከይኣትዋ ስግኣት ፈጢሩ ዘሎ ጕዳይ እዩ።

    ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ንምርካብ ትገብሮ ዘላ ዲፕሎማስያዊን ፕሮፖጋንዳዊን ምንቅስቓስ "ንመዳመቒ ዝቐርብ'ዩ" ክብል እዩ ኣነኣኢስዎ።

    "ኣዋጅ ኲናት ኣንጻር ህዝቢ ኢትዮጵያ እዩ። ናይ ማያት ናይ ካልእ ዝብሃል መዳመቒ ዝቐርብ'ዩ፡" ኢሉ።

    እንተዀነ፡ ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ (ድሮናትን) ኣጽዋራትን ካብ ደገ ናብ ኢትዮጵያ ይኣቱ ከም ዘሎ'ውን ተዛሪቡ'ሎ። ቢቢሲ ነዚ ብናጻ ኣካል ኣየረጋገጾን።

    እቲ ፕረዚደንት ግን፡ ኲናት እንተተኣዊጁልና ናብ ምክልኻል መሰልና ንማንም እንሓተሉ ኣይኰነን ብምባል፡ "ኣብ ናታቶም ናይ ሓሶት መአዲ ክንዕደም የብልናን። ብናይ ስድታት ጠልቀፍቀፍ ኣብ ኲናት ኣይንዕደምን ኢና። ኣብዚ ዝተወደበ ፕሮፖጋንዳታት ዘጓዪ የብልካን፡" ኢሉ።

    ኣብ መጀመርታ ወርሒ ነሓሰ 2025፡ ብምምሕዳር ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝወጽአ ሓድሽ ስትራተጂ ሃገራዊ ድሕነት፡ ኣመሪካ ምስ ኣፍሪቃ ኣብ እተካይዶ ሽርክነት፡ ተኽእሎ ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ ዝምልከት ዝሓዞ መደብ ገሊጹ ነይሩ።

    እዚ እንታይ ይብል?ተወሳኺ ንባብ

  8. መንግስቲ ሶማልያ ምስ ኢማራት ዓረብ ዝነበሮ ርክብ ኣቋሪጹ

    መንግስቲ ሶማልያ ምስ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝነበሮ ርክብ ከም ዝቘረጸን ኩሎም ክልተኣዊ ስምምዓት ከም ዝተሰናኸሉን ኣፍሊጡ።

    ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት እታ ሃገር ድሕሪ ዘካየዶ ዘተ፡ ምስ ኢማራት ዓረብ ዝነበሮ ስምምዓት ከም ዘቋረጾ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

    እዚኦም ምስ ወደባት፣ ጸጥታን ምክልኻልን ዝተኣሳሰሩ ስምምዓት ይርከብዎም።

    በዚ መሰረት፡ ምስ ወደባት በርበራ፡ ቦሳሶን ኪስማዮን ዝተኣሳሰሩ ስምምዓት፡ ከምኡ’ውን ምስ ፌደራላውን ዞባውን ትካላት ሶማልያ ዝተገብረ ስምምዓት ተሰሪዙ።

    ኣብ 2016 ብምምሕዳር ሶማሊላንድ ምስ ዲፒ ዎርልድ ዝተገበረ ስምምዕ ወደብ በርበራ፡ ብዘይ ፍቓድ መንግስቲ ፌደራል ዝተፈረመ እዩ ብምባል ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዛ ክትቃወሞ ጸኒሓ እያ።

    መንግስቲ ሶማልያ እቲ ውሳነ ልኡላውነት እታ ሃገር፣ ግዝኣታዊ ሓድነትን ቅዋምን ንምሕላው ዝተወሰደ ምዃኑ ሓቢሩ።

    ብተወሳኺ፡ ነዚ ስጉምቲ ዝወሰደሉ ምኽንያት፣ መርትዖ ንናጽነት እታ ሃገር፣ ሃገራዊ ሓድነትን ፖለቲካዊ ልኡላውነት እታ ሃገር ዘዳኽም ተግባራት ምስ በጽሖ’ዩ ምዃኑ ገሊጹ።

    መንግስቲ ሶማል ከምዚ ዓይነት ተግባራት ኣህጉራዊ ሕግን ልኡላውነትን ዝጥሕስ፡ ከምኡ’ውን ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ውድብ እስላማዊ ምትሕግጋዝን ሊግ ዓረብን ኣብ ዘይምትእትታው ዝተበጽሐ ስምምዓት ዝጥሕስ ምዃኑ ገሊጹ።

    እቲ ውሳነ ነቶም ንሓድነትን ናጽነትን ሶማልያ ዘዳኽም ተግባራት ዝቃወሙ ዜጋታት ሶማልያ እውን ዝምልከት ምዃኑ ኣመልኪቱ።

    ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ብዛዕባ እቲ ውሳነ ንሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ሕብረት ኣፍሪካን ንውድብ እስላማዊ ምትሕግጋዝ ሕቡራት መንግስታትን ከም ዘፍልጥ ገሊጹ።

  9. ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ 'ኲናት ናይ ማያት ኢልካ ምእዋጅ፡ ንመን?'

    ኢትዮጵያ ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ብፍላይ፡ ካብ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣትሒዝካ፡ ዝተፈላለዩ ምኒስተራት፡ ወተሃደራውያን ኣዘዝቲ፡ ኣምባሳደራትን ፖለቲከኛታትን ንዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ ዝምልከት ብዝተፈላለየ ግን ከኣ ናብ ሓደ ዕላማ ዝቐንዐ መግለጺታት ከስምዑ ከም ዝጸንሑ ዝፍለጥ እዩ።

    እዚ ድማ "ኤርትራ ናጽነታ ኣብ ዝረኸበትሉ እዋን ኣብ ምቍጽጻር ወደባት ጌጋ ፈጺማ እያ" ብምባል፡ ነቲ ኣብ 1993 ብወግዒ ዝተኣወጀ ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ኣብ ሕቶ ምልክት ክሳብ ምእታው ከም ዝበጽሑ ይፍለጥ።

    ኣዲስ ኣበባ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ንምርካብ ትገብሮ ዘላ ዲፕሎማስያዊን ፕሮፖጋንዳዊን ምንቅስቓስ ኣብ ልዕሊ ልዑላውነት ኤርትራ ክህልዎ ዝኽእል ጽልዋ እንታይ ምዃኑ ዝተሓተተ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ "ንመዳመቒ ዝቐርብ'ዩ" ክብል ኣነኣኢስዎ።

    ኤርትራ ግን እንታይ እያ ክገብር? ምላሽ እቲ ፕረዚደንት እንታይ ነይሩ?

  10. ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ጽምዶ ኤርትራን ኣመሪካን 'ድብያን ጭውያን' ገጢምዎ

    ዝምድና ኤርትራን ኣመሪካን ንምምሕያሽ ዝተወስደ ተበግሶ ጽምዶ "ዕንቅፋት" ከም ዝገጠሞ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ተዛሪቡ።

    ብፍላይ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዘውጽኦ "ኣብ ኤርትራ ወፍሪ ኣይክኣልን'ዩ" ዝብል መግለጺ ከምዘቖጥዖ እቲ ፕረዚደንት ኣይሓብአን።

    "መደወኒ ወይ ድማ መሰይጠኒ ዓይነት መልእኽቲ እዩ። ብኸመይ መገዲ ከምዚ ተጋራጫዊ መልእኽቲ ክመጽእ ይኽእል?።

    "በቲ ሓደ ወገን ኮፍ ኢልና ክንዛረብ ንደሊና ብዛዕባ ወፍሪ ብዛዕባ ቁጠባዊ ምትሕግጋዝ እንድሕር ተባሂሉ፡ ኣብ ኤርትራ ኣይክኣልን'ዩ እንድር ዝብሃል ኰይኑ ንምንታይ'ዩ እቲ ዕላማ? ጸቕጢ ክትገብር፡ ወፍሪ ብናትካ ኩነት ከተገድድ ምእንቲ? ዶስ ነቲ ጽምዶ ንገዛእ ርእሱ ከትብትኖ ምእንቲ'ዩ ዝግበር ዘሎ?

    "ኣነ ሕጂ እንታይ'የ ዝብሎ፡ ድብያን ጭውያን'ዩ፡ ከም ስልቲ እንተሪኢኻዮ ድብያን ጭውያን። ከትሪ፡ ትኸትር ኣብ መንገዲ፡ ነቲ ጉዳይ ከይከደ እንከሎ፡ ድሕሪኡ ናትካ ዝመስለካ ኣርእስቲ [ተምጽእ]፡" ኢሉ።

    ኣስመራ በቲ ገጢሙዋ ዘሎ ብድሆታት ተስፋ ከይቆረጸት ምስ ምምሕዳር ትራምፕ ዝግበር ጽምዶ ከትቅጽሎ ድያ?

  11. ቃለ መጠይቕ ፕረዚደንት ኤርትራን ትጽቢት ዜጋታትን

    ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ፡ ትማሊ ምስ ቴለቪዥንን ኤርትራ ብቐጥታ ኣብ ዝተመሓላለፈ ቃለ-መሕትት ኣብ ዞባዊ፡ ዓለምለኻውን ውሽጣውን ጉዳያት ኣመልኪቱ መብርሂ ሂቡ።

    ንውሽጣዊ ጉዳያት ሃገሮም ዝምልከት ተስፋ ዝህቡ ሓደስቲ ፖሊሲታት ዝተጸበዩ ብዙሓት ኤርትራውን ግን ትጽቢቶም ከም ዘይተማልአ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ግብረመልሲ ይህቡ ኣለዉ።

    ብዙሓት ዜጋታት እታ ሃገር ግን፡ በቲ ዓመት መጽአ ዝወሃብ ግን ከኣ ዘይትግበር መብጽዓታት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ከምዝሰልከዩ እዮም ዝዛረቡ።

    እቲ ፕረዚደንት ግን ብዛዕባ ውሽጣዊ ጉዳያት እንታይ ኢሉ?

  12. ተቓውሞታት ኢራን - ካብ ናህሪ ዋጋታት ክሳብ ጻውዒት ንስርዓታዊ ለውጢ

    ማዕበል ናዕቢ ዘበገሰ ቍጠባዊ ቅልውላው ኢራን፡ ምስ ምውሳኽ ዋጋታት ሃለኽትን ምጕዳል ዋጋ ባጤራን ዝተኣሳሰር እዩ።

    ኣብ ታሕሳስ 28 - 2025 ሪያል ኢራን ምስ ዶላር ኣመሪካ ምስ ተነጻጸረ ክብረወሰን ዝሓዘ ትሑት ደረጃ በጺሑ፤ ኣብ ግራንድ ባዛር ቴህራን ዝርከቡ ወነንቲ ድኳናት ኣድማ ኣካይዶም።

    ካብ ሽዑ ጀሚሩ ተቓውሞን ሰልፍታትን እናገደደን ናብ ልዕሊ 100 ከተማታትን ሓውሲ ከተማታትን ኵለን 31 ኣውራጃታት ኢራን ከምዝተዘርግሐ ጕጅለታት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይሕብሩ።

    ቍጠባዊ ተቓውሞታት እውን ቀልጢፉ ፖለቲካዊ ብምዃን፡ ብዙሓት ሰልፈኛታት ድሕሪ ናይ ኣስታት 50 ዓመታት ምሕደራ ስርዓተ ኣያቶላህ ክቕየር ጸዊዖም።

    ንሰሙናት ኣብ ዝቐጸለ ሰልፊ ኣብ ሓያሎ ቦታታት ዓመጽ ዝመልኦ ግጭት ከምዝተራእየ ይግለጽ።

    ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብ መላእ ሃገር 495 ሰልፈኛታት 48 ኣባላት ጸጥታ ከምዝሞቱ ከምዘረጋገጸ ገሊጹ።

    ካልኦት 10,600 ሰባት ኣብ ውሽጢ ሰሙናት ዝጸንሐ ናዕቢ ከምዝተኣስሩ እቲ ትካል ይሕብር።

    ላዕለዋይ መራሒ ኣያቶላህ ዓሊ ኻሜኒ ነቶም ጸረ መንግስቲ ዝዀኑ ሰልፈኛታት "ንፕረዚደንት ኣመሪካ ከሐጕሱ ዝጽዕሩ ፈጠርቲ ሽግር" ክብል ገሊጽዎም።

    ይዅን'ምበር ትራምፕ ኣብ ሓደ ለይቲ፡ ኣመሪካ "ቅድሚ ዝርርብ ስጕምቲ ክትወስድ ክትግደድ ትኽእል እያ" ክብል ኣጠንቂቑ።

  13. ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ኢራን 'ኣዝዮም ሓያላት ኣማራጺታት' ይጥምቱ ኣለው - ትራምፕ

    ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ኢራን ኣማኢት ሰልፈኛታት ኣብ ዝቕትሉሉ ዘለው እዋን ወተሃደራዊ ስጕምቲ ክወስድ ምዃኑ ድሕሪ ምፍርርሑ መሪሕነት ኢራን "ክዘራረብ" ጸዊዑ'ሎ ክብል ተዛሪቡ።

    ፕረዚደንት ኣመሪካ ኣብ ኣየር ፎርስ ዋን ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ መንጎ ሰበስልጣን ኢራንን ኣመሪካን ኣኼባ ይዳሎ ከምዘሎ ሓቢሩ።

    እንተዀነ፡ ቅድሚ ዝዀነ ኣኼባ ስጕምቲ ክወስድ ክግደድ ከምዝኽእል ወሲኹ ተዛሪቡ።

    ትራምፕ፡ ኢራን ነቲ ሰልፈኛታት ዝቕተሉሉ "ቀይሕ መስመር" ሰጊራ ድያ ተባሂሉ ምስ ተሓተተ “ዝሰገርዎ ይመስሉ” ክብል ተዛሪቡ።

    "ብዕቱብ ኢና ንርእዮ ዘለና። ወተሃደራዊ ሓይሊ ይርእዮ ኣሎ፣ ገለ ኣዝዮም ሓያላት ኣማራጺታት ድማ ንርኢ ኣለና፤ ውሳነ ክንገብር ኢና።" ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ትራምፕ ሰልፈኛታት ኢራን እንተ ተቐቲሎም ጣልቃ ከምዝኣቱ ኣጠንቂቑ ነይሩ።

  14. ኤርትራውያን ካብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝጠልብዎን ዝጽበይዎን ነገራት እንታይ'ዩ?

    ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ሎሚ 12 ጥሪ ምስ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና፡ ኣብ ህሉው ዓለማውን ዞባውን ምዕባለታት ከምኡ'ውን ዘቤታዊ ጉዳያት ቃለመሕትት ከካይድ ምዃኑ ተሓቢሩ'ሎ።

    ኢሳይያስ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ 2025 ተመሳሳሊ ቃለመሕትት ኣካይዱ ምንባሩ ኣይርሳዕን።

    ሕጂ'ውን ሕቶታት ናይቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ብዝተፈላለየ ጸገማት ዝሳቐ ዘሎ ይዅን ኣብ ደገ ኣብ ስደት ኰይኑ፡ ለውጥታት ክርኢ ዝብህግ ህዝቢ ኤርትራ ግቡእ መልሲ ይረከብ ዶ ይኸውን? ዋላ እቶም ቀንዲ ሃገራዊ ውሽጣዊ ጉዳያት ተጐስዮም ይሕለፉ ይዀኑ? ኤርትራውያን እንታይ እዮም ካብቲ ንልዕሊ 33 ዓመት ዝመርሖም ፕረዚደንት ዝጽበዩ?ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ መላግቦ ኣንብቡ

  15. ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ምስ ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ጉለ ተዘራሪቡ

    ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድን ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ጉለን ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ዝምድናን ከምኡ’ውን ኣብ ጂኦፖለቲካዊ ጉዳያትን ምትሕብባሮም ዘሕይሉሉ መንገድታትን ዘትዮም።

    ኣቢይ ኣሕመድ ብርክት ዝበሉ ሰበስልጣን ሃገሩ ኣኸቲሉ ብሰንበት ናብ ጅቡቲ ኣብ ዝኣተወሉ እስማዒል ዑመር ጉለ ተቐቢልዎ።

    ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ዘተኦም ዞባዊ ሰላምን ጸጥታን፡ ከምኡ’ውን ክልተኣዊ ምትሕብባር ንምጥንኻር ዝሕግዙ መንገድታት ብፍላይ ድማ ኣብ ንግዲ፡ ሎጂስቲክስን ልምዓትን ዘተኮረ ዝርርብ ከም ዘካየዱ ተሓቢሩ።

    እዚ ዑደት ድሕሪ እቲ ኣብ መንጎ ጅቡቲን ግብጽን ዝተገብረ ስምምዕ ልምዓትን ጸዓትን ወደብ ዶራለ ዝካየድ ዘሎ ኰይኑ፡ ኣብ መንጎ ካይሮን ኣዲስ ኣበባን ኣብ ሩባ ኣባይ ብዘሎ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ወጥሪ ኣብ ግምት ብምእታው ኣቓልቦ ስሒቡ ይርከብ።

    ልዕሊ 95% ንግዳዊ ንጥፈታታ ኣብ ጅቡቲ እትምርኮስ ኢትዮጵያ፡ ካብ 2023 ጀሚራ ኣፍደገ ባሕሪ ንምውናን ብዝተፈላለየ መንገዲ ትሰርሓሉ ብምህላዋ፡ ዞባዊ ወጥሪ ፍጢሩ ይርከብ።

    ጅቡቲ ኣብ ጥቅምቲ 2025 ምስ ተርሚናል ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ስዑዲ ዓረብ (RSGT) ን30 ዓመታት ዝጸንሕ ስምምዕ ብምፍራም ነቲ ወደብ ንምንቅስቓስን ንምምዕባልን ውዕል ኣትያ እያ።

  16. ኢራን፡ ልዕሊ 60 ሰባት ከምዝተቐትሉ ተሓለቕቲ ገሊጾም

    ኣብቲ ኣብ መላእ ኢራን ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞታት ብዙሓት ሰባት ከምዝተቐትሉ ተሓለቕቲ ሰባዊ መሰላት ይገልጹ።

    ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ 'ሃራና' ተባሂሉ ዝፍለጥ ትካል ከምዝበሎ፡ ዛጊት 48 ናዕበኛታት ተቐቲሎም ኣለዉ።

    ብወገን ሓይልታት ጸጥታ'ውን 14 ኣባላት ከምዝተቐትሉ እቲ ትካል ይጠቅስ።

    ሓደ ኣብ ኖርወይ ዝርከብ ካልእ ማሕበር ሰባዊ መሰላት ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ግን፡ 9 ቆልዑ ዝርከብዎም 51 ናዕበኛታት ተቐቲሎም ኢሉ ኣሎ።

    ቢቢሲ ዝርከብዎም ዓለምለኻውያን ማዕከናት ዜና ናብታ ሃገር ክኣትዉ ስለዘይክኣሉ፡ ካብታ ሃገር ብማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝወጽእ ሓበሬታ'ዮም ክምርኮሱ ጸኒሖም።

    እንተኾነ፡ ኢንተርነት ካብ ትማሊ ሓሙስ ጀሚሩ ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ተቛሪጹ ይርከብ። መንግስቲ ነቲ ኩነታት ንምርግጋእ ኢንርነት ክቋረጽ ከምዝወሰነ ብዓርቢ ኣፍሊጡ።

    ቢቢሲ ቋንቋ ፋርሲ ግን ዛጊት 22 ካብ ናዕበኛታት ከምዝተቐትሉ'ዩ ኣረጋጊጹ ዘሎ።

    ሰብመዚ ኢራን ብወገኖም፡ ሽዱሽተ ኣባላት ጸጥታ ከምዝተቐትሉ ሓቢሮም ኣለዉ።

  17. ኢራን፡ ደገፍ ተቓወምቲ ዝረክብ ዘሎ ወዲ ንጉስ መን'ዩ?

    ረዛ ፓህላቪ፡ ብ31 ጥቅምቲ 1960 ዝተወልደ፡ ቦኽሪ ወዲ ናይቲ ኣብ 1979 ብእስላማዊ ሰውራ ካብ ስልጣኑ ዝተኣልየ ናይ መወዳእታ ሻህ (ንጉስ) ኢራን እዩ።

    ስድራቤቱ ካብ መንበረ ንግስነቶም ድሕሪ ምውራዶ ኣብ ኣመሪካ ዝነብር ዘሎ ኮይኑ ኣብዚ ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞታት ዓቢ ኣቓልቦ ረኺቡ ኣሎ።

    ብዛዕባ'ቲ ዝቕጽል ዘሎ ህዝባዊ ናዕቢ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ሚልዮናት ኢራናውያን ናጽነቶም ይሓቱ ኣለው ክብል ተዛሪቡ።

    ይኹን'ምበር፡ ብቐጥታ ንግስነት ኢራን ምምላስ ከም ዘይደሊ ብምግላጽ፡ ኣብ ክንድኡ ኣብ መጻኢ ስርዓት ኢራን ህዝበ-ውሳነ (ረፈረንደም) ክካየድ ይጽውዕ።

    ብዙሓት ካብቶም ናዕበኛታት እቲ ወዲ 65 ዓመት ረዛ ፓህላቪ ካብ ስደት ክምለስ'ዮም ዝጽውዑ ዘለዉ።

    ቅድሚ ሕጂ ካብታ ዝነብረላ ከተማ ዋሽንግተን ኮይኑ፡ ህዝቢ ኢራን ኣንጻር እቲ ብኣያቶላህ ኻመኒ ዝምራሕ እስላማዊ ስርዓት ክለዓል ክጽውዕ ጸኒሑ'ዩ።

    ኣብ ሓደ እዋን'ውን፡ ድሕሪ ለውጢ ክህሉ ንዝኽእል መሰጋገሪ መንግስቲ ክመርሕ ቅሩብ ምዃኑ ተዛሪቡ ነይሩ።

    ሕጂ'ውን፡ ን100 መዓልታት ዝጸንሕ መሰጋገሪ ምምሕዳር ዘኽእል ውጥን ኣቕሪቡ ኣሎ።

    "እዚ ነቲ ዝሓለፈ [ንግስነት] ንምምላስ ዘይኮነ. . .ንኹሎም ኢራናውያን ዘገልግል ደሞክራስያዊ መጻኢ ምውሓስ እዩ" ይብል።

    ቅድሚ ሕጂ ሓያል ልፍንቲ ተቓወምቲ ንክህሉ ዝገበሮ ፈተነታት ብሰንኪ ምርኻሻትን ምፍንጫላትን ክሰልጦ ኣይክኣለን።

    እዞም ስሙ እናጨርሑ ኣንጻር ስርዓት ኣያቶላህ ገጢሞም ዘለዉ ዜጋታት ኢራን ግን፡ እቲ ወዲ ሻህ ዝሓሸ መራሒ ክኾኖም ከምዝኽእል'ዮም ዝኣምኑ።

    ገለ ግን ምስ ምዕራባውያን ሃገራት ጥቡቕ ዝምድና ስለዘለዎ ንክኣምንዎን ክድግፍዎን ይዝጽገሙ እዮም።

    ናይ መወዳእታ ሻህ ኢራን ዝነበረ መሓመድ ረዛ ፓህላቪ ካብ 1941 ክሳብ 1979 ንጉስ እታ ሃገር ዝነበረ'ዩ።

    ብመሪሕነት ኣያቶላህ ሩሖላህ ኾመይኒ ተደፊኡ ካብታ ሃገር ድሕሪ ምውጽኡ፡ እቲ ንጉስ፡ ኣብ ፓናማ፡ ግብጺ፡ ሞሮኮ፡ ባሃማስን ሜክሲኮን ብስደት ክነብር ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ 1980 ኣብ መበል 60 ዓመቱ ኣብ ካይሮ ግብጺ ዓሪፉ።

  18. ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ዝሃቦ መጠንቀቕታ

    ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ ኣብ ልዕሊ'ቶም ተቓውሞታቶም ዘስምዑ ዘለዉ ዜጋታት ተሪር ስጉምቲ ከምዝውሰድ ኣጠንቂቑ።

    ሎሚ ንግሆ ንደገፍቲ መንግስቲ ኢራን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቶም ተቓወምቲ፡ ንፕረዚደንት ኣመሪካ ንምሕጓስ ጥራይ ኣብ ቴህራንን ካልእ ቦታታትን ወጺኦም ህንጻታት ናይ ገዛእ ርእሶም ሃገር የዕንው ኣለው ክብል ነቒፉ።

    "እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ድማ ንናዕበኛታትን ንሃገር ዝጎድኡ ሰባትን ይድግፈኩም’የ ዝብል ዘረባ ዕሽነት ስለ ዘቕረበ’ዩ። ዓቕሚ እንተሃልይዎ ንሃገሩ ይምራሕ” ኢሉ።

    እቲ ካብ 1989 ጀሚሩ ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ መራሒ ኢራን፡ ኣእዳው ትራምፕ "ብደም ኣብቲ ን12 መዓልታት ዝቐጸለ ምስ እስራኤል ዝተኻየደ ረጽሚ ዝተሰውኡ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ኢራናውያን ዝረስሐ እዩ፡” ንመግለጺታት እቲ ኣመሪካዊ ፕረዚደንት ኮኒኑ።

    ኣብ ዝሓለፈ ቐዳም ዶናልድ ትራምፕ፡ ሰበስልጣን ኢራን ሰላማዊ ሰልፈኛታት ከይቅተሉ ኣጠንቂቑ ምንባሩ ይዝከር። ዋሽንግተን "ከተድሕኖም ክትመጽእ እያ፡" ዝበለ ትራምፕ፡ "ስጕምቲ ንምውሳድ ድሉዋት ኢና፡" ኢሉ ነይሩ።

    ቀዳማይ ሚኒስትር ብሪጣኒያ ኪር ስታርመር ብወገኑ፡ “ሰበስልጣን ኢራን ልጓም ክገብሩን መሰረታዊ ናጽነታት ከኽብሩን ኣለዎም፡” ብምባል ሓሳብካ ናይ ምግላጽ፣ ናይ ምእካብን ሓበሬታ ናይ ምርካብን ሓርነታት ከይግድቡ ኣተሓሳሲቡ።

    ብመርመራ ቢቢሲ ቨሪፋይን ቢቢሲ ፋርስን ዝተረጋገጸ ቪድዮ፡ ኣብ ምዕራባዊ ግዝኣት ሎረስታን ኣብ እትርከብ ከተማ ኮራማባድ፡ ሰልፈኛታት ነታ ቅድሚ እስላማዊ ሰውራ 1979 ዝነበረት ወግዓዊት ባንዴራ ኢራን ሒዞም ተራእዮም።

    ብኻልእ ወገን፡ እቲ ብ31 ጥቅምቲ 1960 ዝተወልደ፡ ቦኽሪ ወዲ ናይቲ ኣብ 1979 ኣብ እስላማዊ ሰውራ ካብ ስልጣኑ ዝተኣልየ ናይ መወዳእታ ሻህ (ንጉስ) ኢራን መሓመድ ረዛ ፓህላቪ፡ ሚልዮናት ኢራናውያን ናጽነቶም ይሓቱ ኣለው ክብል ተዛሪቡ።

    እቲ ወዲ ሻህ፡ ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኣብ ኣመሪካ ኣብ ስደት ዝነብር ዘሎ ኰይኑ፡ ብቐጥታ ንግስነት ኢራን ምምላስ ከም ዘይደሊ ብምግላጽ፡ ኣብ ክንድኡ ኣብ መጻኢ ስርዓት ኢራን ህዝበ-ውሳነ (ረፈረንደም) ክካየድ ይጽውዕ።

    ኣብ ኢራን ብቁጠባዊ ጸገማት ዝተበገሰ ናዕቢ እናዓበየ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ሃንበት ዝያዳ ትኹረት ረኺቡ ምህላዉ ይግለጽ ኣሎ።

  19. ትራምፕ፡ "ሰልፈኛታት ክቐትል እንተጀሚሩ" ክንሃርሞ ኢና

    ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ መንግስቲ ኢራን "ሰልፈኛታት ክቐትል እንተጀሚሩ" ክንሃርሞ ኢና ክብል ኣፈራሪሑ።

    ትራምፕ ሎሚ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ ብዛዕባ እቲ ኵነታት ምስ ተሓተተ " ብቐረባ ንከታተሎ ኣለና" ክብል ተዛሪቡ።

    "ንሳቶም ይፈልጡ እዮም፡ ካብቲ ኣብዚ ሕጂ እዋን ዝዛረበኩም ዘለኹ ንላዕሊ ተነጊርዎም፣ ከምኡ እንተገይሮም ሲኦል ክወርዱ እዮም።"

    ዝሓለፈ ሰንበት’ውን ተመሳሳሊ መግለጺ ሂቡ ምንባሩ ይፍለጥ።

  20. ኣብ መላእ ኢራን ሰፊሕ ተቓውሞ ጸረ-መንግስቲ ይቕጽል

    መበል 12 መዓልቱ ዝሓዘ ሰልፊ ጸረ-መንግስቲ ኣብ ርእሰ ከተማ ቴህራንን ካልኦት ከተማታት ኢራንን ብሓያል ናህሪ ይቕጽል ኣሎ።

    ኣብቲ ናዕቢ ብውሕዱ 34 ሰልፈኛታትን ኣርባዕተ ኣባላት ጸጥታን ክሞቱ እንከለዉ፡ 2200 ሰልፈኛታት ድማ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ ማዕከን ዜና ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ሓቢሩ።

    ኣብ ስደት ዝነብር ወዲ ሻህ ኢራን ረዛ ፓህላቪ፡ ዓርቢ ምሸት ብኣቆጻጽራ እታ ሃገር ሰዓት 20፡00 (16፡30 GMT) እቲ ተቓውሞ ብናህሪ ክቕጽል ጸዊዑ።

    ኣብ ኤክስ፡ "ሎሚ ምሸት ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ኢራናውያን ናጽነቶም ሓቲቶም" ክብል ጽሒፉ።

    ኣብታ ሃገር "ብደረጃ ሃገር ኢንተርነት" ተዓጽዩ ከምዘሎ ጸብጻባት ሓቢሮም።

    ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ሓይልታት መንግስቲ ነቶም ብሰንኪ ቁጠባዊ ቅልውላው እታ ሃገር ሰልፊ ዘካይዱ ዘለዉ ሰልፈኛታት እንተቐቲሎም፡ "ንኢራን ኣበርቲዕና ክሃርማ ኢና" ዝብል ምፍርራሕ ደጊሙ ገሊጹ’ሎ።

    ቢቢሲ ዘረጋገጾ ቪድዮታት ኣብ ገለ ከተማታት ብዙሕ ህዝቢ ከምዝተኣከበ ዘርኢ ኰይኑ፡ መንግስታዊ መራኸቢ ብዙሃን ኢራን ግን ነቲ ተቓውሞ ኣቃሊለንኦ ኣለዋ።