እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

መጥቃዕቲ ኢራን ይገድድ፡ መጻረዪ ነዳዲ እስራኤል ይነድድ፡ ትራምፕ ተስፋን መጠንቀቕታን ይሰድድ

ትራመፕ፡ ኢራን ንመፃብቦ ሆርሙዝ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት እንተዘይከፊታቶ፡ ን መመንጨዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ'ታ ሃገር ክድምስስ ምዃኑ ኣጠንቂቑ። ኣመሪካ ተወሰኽቲ ወተሃደራት፡ ነፈርቲ ውግእን መራኽብ ኲናትን ናብቲ ዞባ ተበግስ ከምዘላ እዩ ዝንገር። ኢራን ብወገና መጥቃዕትታታ ቀጺላቶ'ላ፡ መጻረዪ ነዳዲ እስራኤል ግዳይ ከምዝኾነ ይንገር ኣሎ። ብዛዕባ ኲናት ማእከላይ ምብራቕ ሓደሽቲ ምዕባለታት ክነቕርበልኩም ኢና ተኸታተሉና፤

ጽማቝ ሓበሬታ

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ሕቡራት ሃገራት ስኣን ገንዘብ ናይ 'ምፍራስ' ሓደጋ ኣጋጢምዎ

    ሕቡራት ሃገራት ፋይናንሳዊ ቅልውላው ኣጋጢምዎ ከምዘሎ ዋና ጸሓፊ ኣንቶንዮ ጉተረዝ ኣጠንቂቑ።

    ንኹለን 193 ኣባል ሃገራት ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ እቲ ኩነታት ንፕሮግራማት እቲ ውድብ "ኣብ ሓደጋ" ኣእትይዎ ከምዘሎ ገሊጹ።

    ኩለን ኣባላት ሃገራት፡ ዝግብአን ክፍሊት ክህባ ወይ ዝኸፍአ ምፍራስ ከየስዕብ ንፋይናንሳዊ ቅጥዒ እቲ ውድብ ክልውጣ ጸዊዑ'ሎ።

    እታ ንምዕቃብ ሰላምን ስሩዕ ባጀትን እቲ ውድብ ዝዓበየ ኣበርክቶ እትገብር ኣመሪካ ምኽፋል ብምእባያን ካብ ገለ ትካላት እቲ ውድብ ድሕሪ ምስሓባን'ዩ እቲ ኩነታት ተፈጢሩ ዘሎ።

    ብዙሓት ካልኦት ሃገራት'ውን ክፍሊተን ተደናጒዩ ወይ ምኽፋል ኣብየን ኣለዋ።

    "ህጹጽነት ናይቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ኩነታት ካብዚ ንላዕሊ ክገልጾ ኣይክእልን እየ። ብዘይኣከብናዮ ገንዘብ ባጀት ክንምድብ ይኹን ክንመልስ ኣይንኽእልን ኢና" ዝበለ ጉተረዝ፡ ብመሰረት ዝስራሓሉ ዘሎ ሕጊ ኣብ ጥቕሚ ዘይውዓለ ገንዘብ ክምለስ ዘገድድ ምዃኑ ኣብሪሁ።

    ብፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝምራሕ ምምሕዳር ኣመሪካ፡ ሕቡራት ሃገራት ዝተገብረሉ ትጽቢታት ዘፍሸለ ብምዃኑ፡ ገንዘብ ምሃቡ "ምብኻን ገንዘብ ከፈልቲ ግብሪ እዩ" ብምባል'ዩ ዝምጉት።

    ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ ኣመሪካ፡ ንሰብኣዊ ፕሮግራማት ናይቲ ውድብ ዝውዕል 2 ቢልዮን ዶላር ከምእትህብ ገሊጻ'ኳ እንተነበረት፡ ምስቲ ኣብ 2022 ዝሃበቶ 17 ቢልዮን ክነጻጸር እንከሎ ሰማይን ምድርን'ዩ።

  2. ዲፕሎማስያዊ ወጥሪ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ንወኪል እስራኤል ትሰጉግ

    ደቡብ ኣፍሪቃ ንላዕለዋይ ዲፕሎማስያዊ ወኪል እስራኤል ኣብታ ገሃር ሰጒጓ።

    ፈጻሚ ጉዳያት እስራኤል ኣብ ፕሪቶርያ ዝኾነ ኣርየል ሰይድማን “ንዲፕሎማስያዊ ልምዲ ብምጥሓሱ" እዩ ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት ካብታ ሃገር ክወጽእ ተኣዚዙ።

    እስራኤል ብወገና፡ ሕነ ንምፍዳይ ንኣምባሳደር ደቡብ ኣፍሪካ ኣብ ፍልስጤም ሾን ኤድዋርድ ቢነቨለድት ብተመሳሳሊ ኣገባብ ክወጽእ ኣዚዛ ኣላ።

    ደቡብ ኣፍሪቃ፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ፍልስጤማውያን ነበርቲ ቓዛ ምጽናት ዓሌት ፈጺማ ብምባል ናብ ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ድሕሪ ምኽሳሳ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት እናተኻረረ'ዩ ክመጽእ ጸኒሑ።

    እታ ኣፍሪቃዊት ሃገር ኣብ 2018 ኣብ እስራኤል ዝነበረ ኣምባሳደራ ድሕሪ ምስሓባ፡ እስራኤል ብወገና ብኡንብኡ ኣምባሳደራ ካብ ፕሪቶርያ ስሒባ።

    እቲ ላዕለዋይ ዲፕሎማስያዊ ወኪል እስራኤል ማሕበራዊ መራኸቢታት ብምጥቃም ንፕረዚደንት ስሪል ራማፎዛ ከምዘጥቅዐ'ያ ፕሪቶርያ ትኸስስ።

    ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ፡ ቤተሰቡ ንኔልሰን ማንዴላ ዝኾነ ሓደ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ንጉስ ናብ እስራኤል ክበጽሕ ምዕዳሙ'ውን ንሰብመዚ ደቡብ ኣፍሪቃ ከየቖጥዐ ኣይተረፈን።

  3. ሃገራዊት ጋንታ ሰኔጋል ብዝፈጸመቶ 'ዘሕፍር ተግባራት' ተቐጺዓ

    ኣብ ናይ ፍጻመ ግጥም ዋንጫ ኣፍሪቃ ብውሳነ ማእከላይ ዳኛ ተቖጢዑ ዕግርግር ዝፈጠረ ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ሰኔጋል ካብ ዝቕጽል ኣርባዕተ ጸወታታት ተኣጊዱ።

    ፓፐ ቲያው $100,000 ዶላር ክኸፍል'ውን ብኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ (ካፍ) ተቐጺዑ ኣሎ።

    ኣብቲ ኣብ ንግስነት ሞሮኮ ዝተኻየደ ግጥም ዋንጫ መን ወሰደ፡ እቲ ሰልጣኒ ጋንታኡ ሒዙ ካብ ሜዳ ድሕሪ ምውጽኡ ጸወታ ብ17 ደቒቕ ክደናጔ ተገዲዱ ነይሩ።

    በይኑ ዝተረፈ ኣጥቃዓይ ሳድዮ ማነ ኣብ መወዳእታ ንብጾቱ ሓባቢሉ ነታ ጋንታ ናብ ሜዳ ከምእትምለስ ክገብር ምኽኣሉ ብውልቂ ናእዳ ዝረኸበሉ ዘይንቡር ፍጻመ ምንባሩ ይዝከር።

    እቲ ኣሰልጣኒ፡ ጋንታኡ ንሞሮኮ 1 ብ 0 ብምስዓር ነታ ዋንጫ ምስ ዓተረታ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ በቲ "ዘሕፍር ተግባራት" ተባሂሉ ብፊፋ ዝተገልጸ ኩነታት ብወግዒ ይቕሬታ ሓቲቱ ነይሩ።

    ፈደረሽን ኩዕሶ ሰኔጋል ልዕሊ 600 ሽሕ ዶላር ክኸፍል ተፈሪዱ ኣሎ። ብዘይካ'ዚ፡ ኣጥቃዕቲ እታ ጋንታ ዝኾኑ ኢሊማን ንዲያየን ሳርን ናይ ክልተ ግጥማት እገዳ ተገይሩሎም።

    ብወገን ሞሮኮ ድማ ኣጥቃዓይ እታ ጋንታ ኢስማዒል ሳይባሪ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝተዋህቦ ናይ ሰለስተ ጸወታታት እገዳ፡ $100,000 ክኸፍል'ዩ።

    እቲ ኣብ ፍጻመ ዝተፈጥረ ኩነታት ንኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ዝደወነ ብምንባሩ ንብዙሓት ኣፍቀርቲ ኩዕሶ እግሪ እታ ኣህጉር ዘጉሃየ እዩ።

    ውጽኢት ናይቲ ግጥም ክስረዝ ብሞሮኮ ዝቐረበ ጠለብ ግን ካብ ካፍ ተቐባልነት ኣይረኸበን።

  4. ብሪጣንያ፡ ንሕልፈት ዝተፈርደ ኣፍሪቃዊ ሓታቲ ዑቕባ

    ብቕትለት ሓንቲ ጓልኣንስተይቲ ገበነኛ ኮይኑ ዝተረኽበ ደቡብ ሱዳናዊ ንሕልፈት (ዕድመ ልክዕ) ክእሰር ተፈሪዱ።

    ደንግ ማጀክ ኣብ መጽንሒ ሆቴል ኣብ ዝነብረሉ ዝነበረ እዋን፡ ኣብ ጥቅምቲ 2024 ንሓንቲ ካብቶም ሰራሕተኛታት ናይቲ ሆቴል ብምቕታል'ዩ ተኸሲሱ።

    ጓል 27 ዓመት ሪያኖን ዋይት፡ ኣደ ሓደ ህጻን ኮይና፡ ምሸት ካብ ስራሕ ናብ ገዝኣ እናኸደት'ያ ኣብ መጸበዪ ባቡር ብተደጋጋሚ ብበሊሕ መፍትሕ-መሳምር (ስክሪውድራይቨር) ተወጊኣ ናብ ሆስፒታል ኣትያ። ድሕሪ ሽዱሽተ መዓልቲ ድማ ህይወታ ሓሊፉ።

    እቲ ንፈለማ እዋን ልዕሊ 21 ዕድመ ከምዘለዎ ዝተገልጸ ስደተኛ፡ ዛጊት ነቲ ገበን'ኳ እንተዘይኣመነሉ፡ መርመርቲን ኣኽበርቲ ሕጊን ግን ብቪድዮን፡ ስእልን ናይ ደም ዲ-ኤን-ኤን ዝተሰነየ መርትዖታት'ዮም ኣቕሪቦም።

    "ቀታሊ ምዃንካ ምእማን ቀጺልካዮ ኢኻ" ዝበለ ዳኛ ቤትፍርዲ "ናብቲ ቦታ መሳርሒ ወሲድካ፡ ነቲ ቅትለት ድማ ተጠቂምካሉ" ክብል ኣብ መዓልቲ ፍርዲ ተዛሪቡ።

    "ፍርዲ ናይቲ ቅትለት፡ ናይ ሕልፈት ማእሰርቲ እዩ" ክብል'ውን እቲ ዳኛ ነቲ መቕጻዕቲ ኣፍሊጡ።

    ብምሕረት ክፍታሕ እንተኾይኑ'ውን እንተወሓደ 29 ዓመት ከሕልፍ'ዩ ተፈሪዱ ዘሎ።

    እቲ ኣብ ደቡብ ሱዳን ብዘጋጠሞ ምፍርራሕ ናብ ስደት ከምዘምርሐ ዝገለጸ ደንግ ማጀክ፡ ብመስመር ምድረበዳ ሳሃራ ኣቢሉ ናብ ሊብያ ድሕሪ ምእታዉ፡ ማእከላይ ባሕሪ ብጃልባ ሰጊሩ፡ ናብ ኢጣልያ ከምዝኣተወን፡ ካብ ፈረንሳ ብንእሽቶ ጃልባ ኣብ ሓምለ 2024 ናብ ብሪጣንያ ከምዝኣተወን ሰብመዚ የመልክቱ።

  5. ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ዝለዓለ ነብሰ-ምግታእ ክግበር ጸዊዑ

    ኣቦ መንበር ኮምሽን ሕብረት ኣፍሪቃ መሕሙድ ዓሊ ዩሱፍ፡ ኣብ ገለ ክፋላት ክልል ትግራይ ዝግንፍል ዘሎ ኵነታት ብቐረባ ይከታተሎ ከም ዘሎን ኣብ ቀረባ እዋን ብዘጋጠመ ምዕባለታት ዓሚቝ ስክፍታ ከም ዝተሰምዖን ገሊጹ።

    እቲ ኣቦ መንበር፡ ብ2 ሕዳር 2022 ኣብ ፕሪቶርያ ዝተኸተመ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝተመርሐ ስምምዕ ቀዋሚ ምቍራጽ ተጻብኦታት ምሕላው፡ ኣገዳስነቱ ልዑል ምዃኑ ደጊሙ ኣስሚርሉ።

    “ኵሎም ወገናት ልዑል ነብሰ-ምግታእ ክገብሩ፡ ሓድሕድ ምትእምማኖም ከላሕልሑ ካብ ዝኽእሉ ተግባራት ክሕየቡ፣ ከምኡ’ውን ኵሎም እቶም ገና ዘይተፈጸሙ [ኣብ ውዕል ፕሪቶርያ ዝነበሩ] ጉዳያት ብሃናጺ ዘተ ክፍትሑ፡” ከም ዘለዎም ብምግላጽ፡ ንግዴታታትን መንፈስን ውዕል ፕሪቶርያ ምሉእ ብምሉእ ክኽተሉ ጸዊዑ።

    “ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ውዕል ፕሪቶርያ ብምልኣትን ኣድማዕን መንገዲ ንምትግባር ዘለዎ ጽኑዕ ተወፋይነት ደጊሙ የረጋግጽን ኣብ ምውሓስ ሰላምን ዕርቅን ንዅሎም ወገናት ዝህቦ ደገፍ፡” ከም ዝቕጽልን ገሊጹ።

    እዚ ሕብረት፡ ብመንገዲ ላዕለዋይ ደረጃ ፓነል ኢትዮጵያ ኣቢሉ ኣብ መንጎ ክልተኦም ሓይልታት፡ ምትሕብባርን ምትእምማንን ንምፍጣር፡ ኣብቲ ክልል ቀጻሊ ሰላምን ምርግጋእን ንምንጋስ ድልው ምህላዉ ሓቢሩ።

  6. ሰራዊት ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ናብ ኣካታዒ ከባቢታት ወተሃደራቶም ከም ዘዋፈሩ ተገሊጹ

    ሰራዊት ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን፡ ኣብ መንጎ ክልላት ትግራይን ኣምሓርን ናብ ዘካትዕ ቦታታት ወረዳ ጸልምቲ ወተሃደራቶም ከም ዘንቀሳቐሱን ዳግማይ ሓድሽ ግጭት ከም ዝተፈጥረን ኢትዮ-ኒውስ ትማሊ ጸብጺቡ።

    ሓይልታት መንግስቲ ብ26 ጥሪ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ትግራይ ተዅሲ ድሕሪ ምኽፋቶም፡ ኣብ ከባቢ ማይዳጉሻ ውግእ ተላዒሉ።

    ማዕከናት ዜና እታ ሃገር፡ ድሕሪ እቲ ፈላማይ ምልውዋጥ ተዅሲ “ናብ ምሉእ ግጭት ይዓርግ ከም ዘሎ፡” ጸብጺበን። ብ28 ጥሪ ኣብ ከባቢታት ማንጫራን ዲማን ብኸበድቲ ኣጽዋር ዝተሰነየ ውግእ ከም ተራእየ ተሓቢሩ።

    ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ’ውን “ወጥሪ” ከም ዝነበረ ጸብጻባት ይሕብሩ፣ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ ኣላማጣ ካብ ዝነበረ መዓስከራቱ ከም ዘንሰሓበ’ውን ተፈሊጡ።

    መንግስቲ ኮነ ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይ ብዛዕባ’ዚ ዳግማይ ኲናት ከይለዓል ስግኣት ፈጢሩ ዝርከብ ግጭት መግለጺ ኣይሃቡን።

    ኣብ ትግራይ፡ ተገልገልቲ ኣብ መዓልቲ ልዕሊ 2,000 ብር ከየውጽኡ ተደሪቶም፣ ከምኡ’ውን መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ ዝገብሮ በረራታት ንኻልኣይ መዓልቱ ደው ኣቢሉዎ ኣሎ።

  7. ብጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ሰልፊ፡ ህወሓት ኣብ ከባቢ ዓፋርን ጎንደርን መጥቃዕቲ ወጢኑ ከምዘሎ ኣጠንቂቑ

    ብኣማኻሪ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብ ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ተቓዋሚ ውድብ ዲሞክራስያዊ ስምረት ትግራይ፡ "ድሑር ጕጅለ" ክብል ዝጸውዖ ህወሓት "ክልል ዓፋርን ጎንደርን ዘዳውብ ከባቢታት ዒላማ ዝገበረ መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕቲ" ንምፍጻም "ምድላዋቱ ምሉእ ብምሉእ ውዲኡ ተዅሲ ጀሚሩ" ክብል ከሲሱ።

    እቲ ጕጅለ፡ ንስምምዕ ፕሪቶሪያ “ብግልጺ” ከም ዝጠሓሰ ብምምልካት፡ "ከበድቲ ኣጽዋር ካብቲ ዝተቐብረን ዝተሓብአን ቦታ ኣውጺኡ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ይጽጋዕ ኣሎ" ይብል እቲ መግለጺ።

    ሰልፊ ስምረት እቲ መግለጺኡ፡ እዚ ወተሃደራዊ ስርሒት "ሕግን ስርዓትን ከምኡ'ውን ምሉእ ብምሉእ ንውዕል ፕሪቶርያ ብምጥሓስ" ዝካየድ ምዃኑ ጠቒሱ፡ እቲ ጕጅለ ነዚ "ኲናት" "ምስ ሻዕብያ” ተሓባቢሩ ዘካይዶ ዘሎ እዩ ክብል ከሲሱ።

    ኣብዚ እዋን ‘’ብጉልባብ ግዝኣታዊ ሓድነት ብዅሉ ኣንፈት ውግእ ንምውላዕ ምምቅርራባቱ ኣጻፊፉ ንውጥን ኲናት ግዳማውያን ሓይልታት ከፈጽም ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ብብረት ክዓሉ ይህቅን ኣሎ’’ ክብል እውን ከሲሱ።

  8. ኣብ ቓዛ ተሪፉ ዝጸንሐ ሬሳ እንኮ እስራኤላዊ ተረኺቡ

    እስራኤል ነቲ ካብ ቓዛ ከይተመልሰ ዝጸንሐ እንኮ ሬሳ ኣባል ፖሊስ ነበር ከምዝረኸበቶ ኣፍሊጣ።

    ሓይልታት እስራኤል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሬሳ ናይቲ ራን ግቪሊ ዝተባህለ መኮንን ፖሊስ ምርካቡ ንውጥን ሰላም ፕረዚደንት ዶለልድ ትራምፕ ዘጽንዕ’ዩ።

    ሓይልታት እስራኤል፡ ነቲ ሬሳ ንምርካብ ነቲ ቀንዲ በሪ ወሽመጥ ቓዛ ዝኾነ ኣፍደገ ራፋሕ ብምርጋጥ ሓድሽ ስርሒት ምጅማሮም እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ከይፈርስ ስግኣት ፈጢሩ ቀንዩ እዩ።

    ብመሰረት እቲ ስምምዕ፡ ኣብ ኢድ ሓማስ ዝነበሩ ግዳያት ጅሆ ብምልኦም ክልቀቑ እንከለዉ፡ ኣስታት 2000 ፍልስጤማውያን ድማ ካብ ኣብያተ-ማእሰርቲ እስራኤል ከምዝተፈትሑ ይዝከር።

    ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል "ፍሉይ ዓወት" ክብል ነቲ ስርሒት ገሊጽዎ።

    "ንኹሎም ክንመልሶም ቃል ኣቲና፡ ኣነ'ውን ቃል ኣትየ። ንኹሎም ከኣ ኣምጺእናዮም" ክብል በንጃሚን ነታንያሁ ሓጎሱ ገሊጹ።

    ወተሃደራዊ ክንፊ ሓማስ ብወገኑ፡ እቲ ሬሳ ዝነበሮ ቦታ ዘመልክት "ኩሉ ዝርዝራትን ሓበሬታን" ንመንጎኛታት ከምዝሃበ ገሊጹ'ሎ።

    ብ7 ጥቅምቲ 2023፡ ዕጡቓት ሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ኣስታት 1,200 ሰባት ቀቲሎም፡ ንካልኦት 251 ሰባት ድማ ጅሆ ሒዞም ወሲዶሞም።

    ሰራዊት እስራኤል ካብታ መዓልቲ ጀሚሩ ብዝሃቦ ሓያል ወተሃደራዊ ግብረመልሲ፡ 71,660 ፍልስጤማውያን ከምዝሞቱ ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና ወሽመጥ ቓዛ ይጠቅስ።

  9. ምርኢት ሓልሊ ኣየር ኢትዮጵያ

  10. ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ንኤርትራ ብቓላት ኣጥቂዑ

    ብሰንኪ ጉዳይ ቀይሕ ባሕሪ ወጥሪ እናዓበየ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ብተዘዋዋሪ መንገዲ ኣብ ልዕሊ ጐረቤት ሃገር ኤርትራ ብቓላት ኣጥቂዑ።

    ኣቢይ ኣሕመድ፡ ኣብቲ ብ 24 ጥሪ ኣብ ዝተኻየደ ጽንብል ምረቓ መበል 90 ዓመት ዝኽሪ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ናይ ቀረባን ናይ ርሑቕን ጸላእትና ንኢትዮጵያ ንምድኻምን ስትራተጂያዊ ረብሓታታን ንምጕዳእን ካብ ሃብታ ንምምዝማዝን ንዝሓለፉ 100 ዓመታት ኣበርቲዖም ሰሪሖም እዮም” ክብል ተዛሪቡ።

    “ሓድነት፡ ክብርን ሃገራዊ ረብሓን ኢትዮጵያ ንምርግጋጽ ኣብ እንገብሮ ጻዕሪ ዕረፍቲ ከምዘይንህብ ንጸላእትና ደጊመ ከረጋግጽ እፈቱ” ይብል ኣቢይ።

    “ኣዕሩኽን ጸላእትን ክፈልጥዎ ዝደሊ ነገር እንተሃልዩ፡ ንኢትዮጵያ ኣጸቢቘም ከምዘይፈልጡዋ እዩ።”

    ሰበስልጣን ኤርትራ ነዚ ዘረባ ክሳብ ሕጂ መልሲ ኣይሃቡሉን።

    እንተዀነ ኣብዚ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት፡ ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያን ወተሃደራዊ መኮንናትን፡ ነቲ “ዘይፍትሓውን” ዝብልዎ ተበጻሕነት ቀይሕ ባሕሪ ናብ ኤርትራ፡ "ህላወኣዊ ጉዳይ" ምዃኑ እዮም ክገልጹ ጸኒሖም።

    ብሰላማዊ መንገዲ ዲፕሎማሲ ይዅን ብወተሃደራዊ ስጕምቲ ወደብ ዓሰብ ናይ ምሓዝ ተኽእሎታት እውን ከም ተኽእሎ ከልዕልዎ ጸኒሖም እዮም።

    ኤርትራ ነዚ ኣካይዳ ናይ ኢትዮጵያ “መርዛም ኣጀንዳ ግዝኣታዊ ምስፍሕፋሕ” ብምባል እያ ትገልጾ።

    ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብ12 ጥሪ ንመንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኤርትራ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሃገሩ ኲናት ኣዊጃ ምህላዋ ጠቒሱ፡ “ንሃገርና ከመይ ጌርና ከም እንከላኸለሉ ንፈልጥ ኢና” ኢሉ ምንባሩ ኣይርሳዕን።

  11. ኢትዮጵያውያን ዝርከብዎም ዕሱባት ወተሃደራት ኣብ ኲናት ሱዳን ከምዝሳተፉ ተገሊጹ

    ኣብ ሱዳን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሓድሕድ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት፡ ዝተዓሰቡ ወተሃደራት ይሳተፉ ከምዘለዉ ሰበስልጣን ሱዳን ይገልጹ።

    ኣብቲ ኲናት ቀንዲ ተዋሳእቲ ካብ ዝዀኑ ሓይልታት ዝዀነ ዳዕመ-ሰሪዕ፡ ወጻእተኛታት ዕሱባት ወተሃደራት ከምዘሰልፍ ጭብጢ ከምዝተረኽበን ሰበስልጣን ኣፍሊጦም።

    ዋና ዓቃቢ ሕጊ ሱዳን፡ ኣብ ጐድኒ እቲ ኣንጻር ሰራዊት ሱዳን ዝዋጋእ ዘሎ ዳዕመ-ሰሪዕ ከምዝተሰለፉ ዝንገረሎም ልዕሊ 120 ወጻእተኛታት ዕሱባት ሰራዊት ክሲ ኣቕሪቡ’ሎ።

    ንመንግስቲ ሱዳን ዝመርሕ ዘሎ ሰራዊት ሱዳን ኰይኑ፡ ዋና ዓቃቢ ሕጊ መንግስቲ ሱዳን ኢንቲሳር ኣሕመድ እቶም ብገበን ተኸሲሶም ዘለዉ ወጻእተኛታት ዝተፈላለየ ዜግነት ዘለዎም ምዃኖም ገሊጻ።

    እታ ዓቃቢ ሕጊ፡ እቶም ዕሱባት ኣብቲ ብጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ ኣብ ሱዳን ኣብ ዝተኻየደ ዳርጋ ሰለስተ ዓመት ዝወሰደ ኲናት ሓድሕድ ብምስታፎም ከም ዝተኸሰሱ ገሊጻ።

    ሰበስልጣን ሱዳን፡ ዳዕመ-ሰሪዕ ምስ ሰራዊት ሱዳን ኣብ ዝገብሮ ኲናት መሳርዑ ንምሕያል ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓሲቡ ወተሃደራት ከም ዝምልምል ይኸሱ።

    እዞም ወተሃደራት፡ ካብ ኢትዮጵያ፡ ጫድ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ከምኡ’ውን ካብ ኮሎምቢያ ተዓሲቦም ዝተሰለፉ ምዃኖ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ የረድእ።

    ዋና ዓቃቢ ሕጊ ሱዳን፡ ሓያሎ ወጻእተኛታት ዕሱባት ንሞት ተፈሪዶም ከምዘለዉ ሓቢራ።

    ብዛዕባ ኣፈጻጽማ ናይቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ዕሱባት ዝተዋህበ ፍርዲ ግን ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበትን።

    ኣብ መንጐ ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን ጀነራል ኣልቡርሃንን መራሒ ዳዕመ-ሰሪዕ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ጋዳሎን ዝተባርዐ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ዓሰርተታት ኣሽሓት ሰባት ቀቲሉ ሚልዮናት ኣመዛቢሉን እዩ።

  12. ኔቶ፡ ሓድሽ ቁጠዐ ዝፈጠረ መግለጺ ትራምፕ ይንቀፍ

    ንግደ ሃገራት ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) ዘነኣእስ መግለጺ ትራምፕ ኣብ ብሪጣንያን ገለ ሃገራት ኣውሮጳን ቁጠዐ ፈጢሩ።

    ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ (10 ዳውኒን ስትሪት) ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ፡ መግለጺ ናይቲ ኣመሪካዊ ፕረዚደንት "ዘይቅኑዕ" እዩ ክብል ኮኒኑ።

    ፖለቲከኛታት ገዛኢ ሰልፊ ዕዮን ቀንዲ ተቓዋሚ ሰልፊ ዓቃባውያንን'ውን ንመግለጺ ትራምፕ ይነቕፉ ኣለዉ።

    ትራም ትማሊ ሓሙስ ንኣመሪካዊ መደበር ተለቪዢን ፎክስ ኒውስ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ "ፈጺምና ደሊናዮም ኣይንፈልጥን ኢና . . . ፈጺምና ዝኾነ ነገር ሓቲትናዮም ኣይንፈልጥን ኢና።

    "ናብ ኣፍጋኒስታን ገለ ወተሃደራት ከምዝሰደዱ ክዛረቡ ይኽእሉ'ዮም፡ ሓቆም'ዮም፡ ኣብ ድሕሪት'ዮም ግን ነይሮም፡ ካብ ግንባር ቁርብ ፍንትት ኢሎም" ብምባል'ዩ እቲ ፕረዚደንት ተዛሪቡ።

    ኣፈኛ ቀዳማይ ሚኒስተር ኪር ስታርመር ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ፡ "እቲ ፕረዚደንት ንተራ ናይቶም ሓይልታት ብሪጣንያ ዝርከብዎም ወተሃደራት ኔቶ ምንእኣሱ ቅኑዕ ኣይኮነን" ኢሉ።

    ኣብቲ ድሕሪ መጥቃዕቲ 11 መስከረም (9/11) ዝተወልዐን ንልዕሊ 20 ዓመት ዝቐጸለን ኲናት ኣፍጋኒስታን 457 ወተሃደራት ከምዝሞቱ ይፍለጥ። ብኣማኢት ዝቑጸሩ ካልኦት'ውን ኣካላዊ ስንክልናን ስነኣእምሮኣዊ ስንብራትን ወሪዱዎም'ዩ። መብዛሕትኦም ኣብቲ ጽዕጹዕ ውግእ ዝካየደሉ ዝነበረ ዞባ ሄልማንድ ተዋፊሮም ዝነበሩ ምዃኖም ይዝከር።

  13. ውሃ ዘበለ ምስልታት ውጥን ዳግመ-ህንጻ ቓዛ

    ንስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ቓዛ ኣብ ግብሪ ንምውዓል "ቦርድ ሰላም" ዝመስረተ ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ ነታ ወሽመጥ ንምህናጽ ሓድሽ ውጥን ኣውጺኡ።

    እቲ ኣብ ዋዕላ መድረኽ ቁጠባ ዓለም ዳቮስ ዝቐረበ ውጥን፡ ንኣካላዊ ኣሰር ኲናት ዘህስስ'ዩ ዝመስል።

    "ኣብ ቓዛ ዓቢ ዓወት ከነመዝግብ ኢና። ንክትዕዘቦ ዘገርም ክኸውን'ዩ" ክብል'ዩ ትራም ነቲ ዝወጸ ውጥን ዝገልጾ።

    ሓንቲ ካብቲ ነቲ ውጥን ዘቕረቡ ሰብመዚ ዝኾነ ሰብኣይ ጓሉ፡ ጃረት ኩሽነር ብወገኑ፡ ህንጸት ቅድሚ ምጅማሩ እቲ ፍርስራስ ክጽረግ ከምዘለዉ ተዛሪቡ።

    እቲ ኲናት ብ7 ጥቀምቲ 2023 ካብ ዝውላዕ ኣትሒዙ፡ ኣብ ልዕሊ እታ ወሽመጥ ኣስታት 90,000 ቶን መዳፍዕ ከምዝወደቐ ኩሽነር ጠቒሱ። ብሰንኩ ድማ ኣስታት 60 ሚልዮን ቶን ዝግመት ፍርስራስ ተኾሚሩ ከምዘሎ የረድእ።

    ብመሰረት እቲ ወጺኡ ዘሎ ውጥን (ማስተር ፕላን)፡ ሓድሽ ናይ መንበሪ፡ ኢንዱስትሪ፡ ሕርሻን ቱሪዝምን ዞባታት ክህነጽ'ዩ።

    እቲ ኣብ ዳቮስ ዝቐረበ ምስሊ ናይቲ ውጥን፡ ኣብቲ ኣብ ገማግም ባሕሪ ዝህሉ ዞባ ቱሪዝም ዝተፈላለየ ቅርጺ ዘለዎ 180 ነዋሕቲ ህንጻታት ክህነጽ ምዃኑ የመልክት።

    ብዘይካ'ዚ፡ ልዕሊ 200 ሽሕ ቀዋሚ መንበሪ ኣባይቲ፡ 200 ማእከላት ትምህርቲ፡ 75 ትካላት ጥዕና፡ ከምኡ'ውን 180 ማእከላት ባህሊን ሃይኖትን ክህነጽ'ዩ።

    "ካብ ውሽጠይ ናይ ልምዓት ህንጻ ሰብ እየ፡ ከባቢ ጥራይ ድማ'ዩ ዘገድስ" ዝብል ትራምፕ፡ ንወሽመጥ ቓዛ ፈለማ ምስራኣያ፡ "ነዛ ጽብቕቲ ቦታ ተመልከቱዋ። ንብዙሓት ሰባት እንታይ ክትከውን ምኻኣለት" ክብል ኣድናቖቱ ከምዝገለጸ'ዩ ዝዝክር።

    ወጻኢ ናይቲ ዝሕሰብ ዘሎ ሰፊሕ-ዳግመ ህንጻ፡ በቲ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ሃገራት ናይቶ ቦርድ ዝኸፍልኦ ሓደ ቢልዮን ዶላር ክሽፈን'ዩ ትጽቢት ዝግበረሉ።

    ድሮ፡ ብዘይካ ኣመሪካ፡ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፡ ቐጠር፡ ባሕሬን፡ ግብጺ፡ እስራኤልን ቱርኪን ዝበላ ሃገራት ናብቲ ቦርድ ክጽንበራ ወሲነን ኣለዋ።

    ብሪጣንያ፡ ፈረንሳን ጀርመንን ዝርከብአን ሃገራት ምዕራብ ኣውሮጳ ግን፡ እታ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ኲናት ዝኣወጀት ሩስያ ኣባል ክትከውን ብምዕዳማን፡ እቲ ተበግሶ ንሕቡራት ሃገራት ዝትክእ ከይከውን ብምስጋእን ኣባላት ከምዘይኮና ይገልጻ ኣለዋ።

    ብመሰረት ውጥን ሰላም ቓዛ፡ እቲ ትራምፕ ኣቦመንበሩ ዝኾነ ፈጻሚ ኣካል ናይቲ ቦርድ ንክልተ ዓመታት ነታ ወሽመጥ ብምምሕዳር ንመስርሕ ዳግመ-ህንጻ ክመርሕ ትጽቢት ይግበረሉ።

    እቲ ቦርድ፡ ነቲ ካብ ቓዛ ወጻኢ ዘሎ ኩነታት ሰላም ዓለም ክከታተል ዝዓለመ ሓላፍነት ዘለዎ ምዃኑ'ውን ይፍለጥ።

  14. ኣመሪካ፡ ካብ ውድብ ጥዕና ዓለም ብወግዒ ወጺኣ

    ኣመሪካ ነቲ ካብ ውድብ ጥዕና ዓለም ክትለቅቕ ምዃና ቅድሚ ሓደ ዓመት ዝሃበቶ መጠንቀቕታ መሰረት ብምግባር ብወግዒ ኣባልነታ ስሒባ።

    ትራምፕ ንኻልኣይ ግዜ ስልጣን ኣብ ዝሓዘሉ መዓልቲ ካብ ዝገበሮም ፕረዚደንታዊ ውሳነታት ሓደ፡ ካብ ውድብ ጥዕና ዓለም ምስሓብ ነይሩ፤ ግብራዊ ድማ ኰይኑ ኣሎ።

    በዚ መሰረት፡ ድሕሪ’ቲ ውሳነ ሰንደቕ-ዓላማ ኣመሪካ ኣብ ጀነቫ - ስዊዘርላንድ ካብ ዝርከብ ዋና ቤት ጽሕፈት ውድብ ጥዕና ዓለም ከምዝወረደት ማዕከን ዜና ሮይተርስ ኣቃሊሑ።

    ክፍሊታት ጉዳያት ጥዕናን ወጻኢን ኣመሪካ ዘውጽእዎ ሓባራዊ መግለጺ፡ እታ ሃገር ምስ ውድብ ጥዕና ዓለም ድሕሪ ሕጂ ዝህልዋ ዝምድና ዝተወሰነን መስርሕ ምውጻእ ንምዝዛም ኣብ ዘድሊ ጉዳያት ዘድሃበ ጥራይ ምዃኑን ኣነጺሩ።

    ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ጥዕና ኣመሪካ፡ “ኣብቲ ትካል ከም ተዓዛቢ ክንሳተፍ ወይ ዳግማይ ክንጽንበር ዝዀነ መደብ የብልናን” ኢሉ።

    ኣሜሪካ ብዓለማዊ ኣካል ኣቢላ ዘይኰነስ፡ ብቐጥታ ምስ ሃገራት ኣብ ምቍጽጻር ሕማማትን ካልኦት ቀዳምነታት ህዝባዊ ጥዕናን ክትሰርሕ መደብ ኣለዋ።

    እታ ሃገር ካብቲ ብኢትዮጵያዊ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ዝምራሕን ልዕሊ 190 ሃገራቱ ዝኣባላቱ ውድብ ክትስሕብ ምውሳና ኣብ ኣመሪካን ኣብ መላእ ዓለምን ንዝርከቡ ንጥፈታት ጥዕና ዝሃሲ ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ።

    ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ቀዳማይ ዕድመ ስልጣኑ ካብ ውድብ ጥዕና ዓለም ክስሕብ ዝወሰነሉ ምኽንያት፡ ምስ ለበዳ ኮቪድ-19 ዝተኣሳሰር ኰይኑ ትጽቢት፡ ዝተገብረሉ ነገራት ክማላእ ብዘይምኽኣሉ ብምጥቃስ፡ ጆ ባይደን ስልጣን ዋይትሃውስ ድሕሪ ምሓዙ ግን እቲ ጉዳይ ተኣጓጒሉ እዩ ጸኒሑ።

    ኣሜሪካ ካብ ውድብ ጥዕና ዓለም ጥራይ ዘይኮነስ ኣብዚ ቀረባ እዋን ካብ ካልኦት ሓያሎ ኣካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝዀና ትካላት ክትወጽእ ወሲና ምህላዋ ዝፍለጥ ኰይኑ፤ እቲ ፕረዚደንት ትራምፕ ከም ቦርድ ሰላም ኢሉ ዘተኣታትዎ ዘሎ ውዳበ ድማ ንተራ ውድብ ሕቡራት ሃገራት የዳኽም ኣሎ ተባሂሉ ይንቀፍ።

  15. ኣብ ዘተ ሰላም ሩስያ-ዩክረይን ድሮ ዝፈለጥናዮን ዘይፈለጥናዮን

    ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ሎሚ ንተዛተይቲ ሩስያ፡ ዩክረይንን ኣመሪካን ተአንግድ ምህላዋ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ሰበስልጣን እታ ሃገር፡ ነቲ ቅድሚ ኣስታት ኣርባዕተ ዓመት ብወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝጀመረ ውግእ ንምዕራፍ፡ ሰለስቲአን ሃገራት ዝሳተፍኦ ብዓይነቱ ናይ መጀመርታ ኣኼባ ምዃኑ ይገልጹ ኣለዉ።

    ዛጊት እንፈልጦ?

    ዶናልድ ትራምፕ ክልተ ልኡኻቱ - ስቲቭ ዊትኮፍን ጃረድ ኩሽነርን - ምስ ቭላድሚር ፑቲን ድሕሪ ዝገበርዎ ርክብ ብቐጥታ ካብ ሞስኮ ናብ ኢማራት ኣቕኒዑዎም ኣሎ።

    ዩክረይን ንገለ ካብ ላዕለዎት ሰበስልጣናታ ትሰድድ ኣላ፤ ንሳቶም ድማ ሩስተም ዑመሮቭ፡ ሓላፊ ቤት ምኽሪ ሃገራዊ ድሕነትን ምክልኻልን ዩክረን፡ ኪሪሎ ቡዳኖቭ፡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ዘለንስኪ፡ ደቪድ ኣራካምያን ጠቕላሊ ሓፈሻዊ ስታፍ ኣንድሪ ህናቶቭን ይርከብዎም።

    ንልኡኽ ሩስያ ዝመርሑ ዘለዉ፡ ዳይረክተር ትካል ወተሃደራዊ ስለያ ሩስያ - GRU ጀነራል ኢጐር ኮስቲዩኮቭ፣ ልኡኽ ወፍሪ ሩስያ ኪሪል ዲሚትሪየቭ እውን ኣብ ኢማራት ዓረብ ብምህላዉ ምስ ዊትኮፍ ብተናጸል ኣብ ብሓባርን ክራኸብ እዩ።

    እቲ ዘይንፈልጦ?

    እቶም ንኣመሪካ፡ ሩስያን ዩክረይንን ዝወከሉ ተዛተይቲ ብሓቂ ኣብ ሓደ ክፍሊ - ኣብ ሓደ እዋን ኣብ መኣዲ - ኣብ እዋን ቀጥታዊ ዝርርብ ከገብሩ ብዛዕባ ምዃኖም?

    እቲ ኣኼባ መዓስ ክጅምር እዩ?

    ሎሚ ሓደ ጭቡጥ ነገር ክበጽሑ ይኽእሉ ዶ?

    ዘለንስኪ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ኣመሪካ ነቲ ኲናት ደው ንምባል 20 ነጥብታት ዝሓቘፈ ዘዳልወቶ ውጥን 90% ድሉው ምዃኑ እኳ እንተገለጸ፡ ብፍላይ ኣብ ጉዳይ መሬት ግን ገለ ዘይተፈጥሐ ነጥብታት ከምዘሎ ገሊጹ።

    ሓጋዚ ክረምሊን ዩሪ ኡሻኮቭ ነቲ ሓሙስ ኣብ ሞስኮ ዝተኻየደ ኣኼባ ኣመልኪቱ፡ “ብዅሉ መዳይ ጠቓሚ” እኳ እንተበለ፡ ኣብ መንጎ ፑቲንን ኣመሪካውያንን እንታይ ከምዝተዛተዩን፡ እቲ ርክቦም ኣብዚ ናይ ሎሚ ዘተ ብኸመይ ኣገዳሲ ረቛሒ ከምዝኸውንን ኣይፍለጥን።

  16. 'መራሕቲ ሩስያን ዩክረይንን ክሰማምዑ ዝደልዩ እመስለኒ' - ትራምፕ

    ፕረዚደንት ትራምፕ ትማሊ ሓሙስ ካብ ዳቮስ ኣብ ዝምለሰሉ ዝነበረ እዋን ኣብ ኣየር ፎርስ ዋን ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ፕረዚደንታት ሩስያን ዩክረይንን ሕጂ ስምምዕ ክገብሩ ድሌት ኣለዎም ዝብል እምነት ከምዘለዎ ሓቢሩ።

    “ፑቲን ክሰማማዕ ዘይደለየሉ እዋናት ነይሩ እዩ። ዘለንስኪ እውን ከምኡ፤ ብሓፈሻ ተጻባኢ እዋናት ነይሩ እዩ። ሕጂ ግን ክልቲኦም ክሰማምዑ ዝደልዩ ይመስለኒ" ኢሉ።

    ወሲኹ ትራምፕ፡ ትማሊ ምስ ቮሎድሚር ዘለንስኪ “ጽቡቕ” ዝርርብ ከምዝገበረ ብምሕባር፡ “እቲ ኲናት እንተዘብቅዕ ጽቡቕ ምዀነ" ክብል ተዛሪቡ።

    ኣብ ዳቮስ ድሕሪ ዝገበርዎ ርክብ፡ ዘለንስኪ፡ ጉዳይ መሬት ክሳብ ሕጂ ከምዘይተፈትሐ ብምግላጽ፡ ሎሚ ዝካየድ ስሉሳዊ ዝርርብ ንኽልቲኦም ወገናት መለሳ ክፈጥር ከምዝኽእል ገሊጹ።

  17. ትራምፕ፡ ንካናዳ ዝቐረበ ዕድመ ኣባልነት ቦርድ ሰላም ሰሪዙ

    ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ምስ ጐረቤት ሃገሩ ዝዀነት ካናዳ ኣብ ዝምዕብል ዘሎ ምትፍናን፡ ካናዳ ናብቲ ሓድሽ ዝቘመ ‘ቦርድ ሰላም’ ክትጽንበር ዝቐረበ ዕድመ ክስሓብ ሓቲቶ’ሎ።

    እቲ ፕረዚደንት ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዘስፈሮ መልእኽቲ፡ “ብኽብረትኩም! እዚ ደብዳበ’ዚ ቦርድ ሰላም ነቲ ካናዳ ንኽትጽንበር ብዝምልከት ናባኻትኩም ዝቐረበ ዕድመ ንኽስረዝ ዘገልግል ክኸውን ይፈቐደሉ” ይብል።

    ኣብዚ ቅንያት፡ ቀዳማይ ምኒስተር ካናዳ ማርክ ካርኒ፡ እቲ ኣመሪካ እትመርሖ ዘላ ስርዓተ-ዓለም ናብ ሕንፍሽፍሽ ይመርሕ ኣሎ ክብል ዝሃቦ መጠንቀቕታ ስዒቡ እዩ ንትራምፕ ኣቐይሙ ዘሎ።

    ካናዳ ንኣባልነት ኣብቲ ቦርድ ዝተሰልዐ ገንዘብ ከምዘይትኸፍል’ኳ እንተገለጸት፡ ክትጽንበር ምዃና ግን ኣመልኪታ ነይራ።

    እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣቦ መንበር ሕብረት ኤውሮጳ ኣንቶንዮ ኮስታ፡ መራሕቲ ኤውሮጳ ኣብ ስፍሓት ሓላፍነት እቲ ቦርድ ከቢድ ጥርጣረታት ከምዘለዎም እኳ እንተገለጸ፡ ኣብ ጉዳይ ቓዛ ግን ምስቲ ኣካል ክሰርሑ ፍቓደኛታት ምዃኖም ገሊጹ።

    እቲ ንትራምፕ ከም ኣቦ መንበሩ መጠን ሰፊሕ ስልጣን ዝህብ ቦርድ፡ ብኣመሪካ ከም ሓድሽ ዓለምለኻዊ ትካል ምፍታሕ ግርጭታት ዝቐርብ ዘሎ እዩ።

    ትራምፕ ኣብቲ ብሓሙስ ምሸት ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ ስለምንታይ ነቲ ንካናዳ ዝቐርብ ዕድመ ክስረዝ ወሲኑ ግን ዝዀነ ምኽንያት ኣይገለጸን።

    ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ምኒስተር ካርኒ እውን ብቕጽበት ምላሽ ኣይሃበን ዘሎ። እንተዀነ፡ ንዕድመ ትራምፕ ብመትከል ከምዝቕበሎ ዝሓለፈ ሰሙን ኣመልኪቱ ነይሩ።

    እዚ ይዅን ግን ካናዳ ነቲ ቀወምቲ ኣባላት ነቲ ቦርድ ንምምዋል ክኸፍልኦ ተባሂሉ ብትራምፕ ቀሪቡ ዘሎ ናይ ሓደ ቢልዮን ዶላር ክፍሊት ኣባልነት ከምዘይትኸፍል፡ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ኣመልኪታ ነይራ።

    'ቦርድ ሰላም' ትራምፕ፡ ፈለማ ነቲ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ኣብ ቓዛ ንኽልተ ዓመት ዝቐጸለ ኲናት ንምዕራፍን ዳግመ ህንጸት ንምክትታልን ዝዓለመ እዩ ተባሂሉ ነይሩ።

    እቲ ዝሓንጸጾ ቻርተር ግን ንግዝኣት ፍልስጤም ኣይጠቅስን፤ ብሓፈሻ ንስርሓት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንምትካእ ዝተዳለወ ከም ዝመስል ይግለጽ። ትራምፕ ድማ ምሉእ ህይወቱ ኣቦ መንበር ዝኸውን እዩ ዝመስል።

    ብመሰረት ሓበሬታ ዋይት-ሃውስ፡ ኣስታት 60 ሃገራት ብኣባልነት ናብቲ ቦርድ ክጽንበራ ተዓዲመን፤ ኣስታት 35 ሃገራት ድማ ድሮ ፈሪመን ኣለዋ።

    ኣርጀንቲና፡ ቤላሩስ፡ ሞሮኮ፡ ቬትናም፡ ፓኪስታን፡ ካዛኺስታን፡ ኡዝበኺስታን፡ ኮሶቮ፡ ሃንጋሪ፡ ግብጺ፡ ቱርኪ፡ ቐጠር፡ ዮርዳኖስ፡ ኢንዶነዥያን ስዑዲ ዓረብን ካብተን ተሰማሚዐን ዘለዋ ሃገራት እየን።

    ካብተን ቀወምቲ ኣባላት ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት - ቻይና፡ ፈረንሳ፡ ሩስያን ዓባይ ብሪጣንያን ግን ክሳብ ሕጂ ቃል ዝኣተወት ሃገር የላን።

  18. መራሕቲ ጒኒ-ቢሳው ሃገራዊ ምርጫ ከምዘካይዱ ኣፍሊጦም

    ብዕልዋ ስልጣን ዝሓዙ መራሕቲ ጒኒ-ቢሳው ሃገራዊ ምርጫ ከካይዱ ምዃኖም ኣፍሊጦም።

    እቲ ፕረዚደንታዊን ፓርላመንታዊን መረጻ ኣብ ዝመጽእ 6 ታሕሳስ'ዩ ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ።

    እቲ ብጀነራል ሆርታ ንታም ዝምራሕ ወተሃደራዊ መንግስቲ ቀልጢፉ ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ከምዝምለስ'ዩ ቃል ኣትዩ ነይሩ።

    እቲ ግዝያዊ ፕረዚደንት ኮይኑ ዘገልግል ዘሎ ጀነራል፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ብወተሃደራዊ ዕልዋ ስልጣን ካብ ዝጭብጥ ንድሓር ምርጫ ከካይድ ካብ ዞባዊ ውድብ ኢኮዋስ ጸቕጥታት ክግበረሉ ጸኒሑ'ዩ።

    ኢኮዋስ ብዛዕባ'ዚ ሓድሽ ናይ ግዜ መደብ ዘለዎ ርእይቶ ዛጊት ኣይገለጸን ዘሎ።

  19. ዩክረይን፡ ዝርርብ ትራምፕን ዘለንስኪን ኣብ ዳቮስ

    ኣብ ስዊዘርላንድ ዝርከብ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ምስ ዩክሬናዊ መዘናኡ ቮሎድሚር ዘለንስኪ ተራኺቡ።

    ንኲናት ዩክረይን ሰላማዊ ፍታሕ ንምንዳይ ዝተመዘዘ ኣመሪካዊ ፍሉይ ወኪል ስቲቭ ዊትኮፍ ናብ ስምምዕ ንምብጻሕ ተስፋ ከምዘሎ ድሕሪ ምግላጹ'ዮም መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ተራኺቦም ዘለዉ።

    ሎሚ ናብ ሩስያ ከምዝበርር ዝገለጸ ዊትኮፍ ብሓሙስ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ሓደ ጉዳይ ጥራይ ተሪፍዎም ከምዘሎ'ዩ ኣሚቱ።

    "ናብ ሓደ ጉዳይ ጥራይ ኣውሪድናዮ ኣለና፡ ነቲ ጉዳይ እቲ'ውን ተዘራሪብናሉ ኣለና፡ እዚ ኸኣ ክፍታሕ ዝኽእል'ዩ ማለት'ዩ"።

    ዊትኮፍ ኣየናይ ጉዳይ ተሪፉ ከምዘሎ'ኳ ብንጹር እንዘይጠቐሰ፡ መጻኢ ናይቲ ማእከል ኢንዱስትሪ ዩክረይን ዝኾነ ምብራቓዊ ዞባ ዶንባስ ኣብቲ ክሳብ ሕጂ ዝተኻየደ ልዝባት ወሳኒ ጉዳይ ኮይኑ ምጽንሑ ይፍለጥ።

    "ክልቲኦም ወገናት ነዚ ጉዳይ'ዚ ክፈትሑ ቅሩባት እንድሕር ድኣ ኮይኖም፡ ክንፈትሖ ኢና" ይብል እቲ ፍሉይ ወኪል።

    ትራምፕ ብወገኑ፡ "ተቓሪቦም ኣለዉ፡ ብዙሓት ሰባት'ዮም ዝቕተሉ ዘለዉ፡ ክንገብሮ ኣለና" ክብል ብዛዕባ'ቲ ዘተ ተዛሪቡ።

    ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ነቲ ኲናት ደው ንምባል "ስምምዕ ክገብር ድሉው" ምዃኑ፡ ትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ተዛሪቡ ነይሩ። እቲ ሎሚ ንጉሆ ናብ ዳቮስ ዝኣተወ ዘለንስኪ ግን ክሳብ ክንድቲ ቅሩብ ከምዘይነበረ'ዩ ትራምፕ ኣሚቱ ነይሩ።

    ሰብኣይ ጓሉ ንትራምፕ ዝኾነ ጃረት ኩሽነርን ዊትኮፍን ዝርከብዎ ልኡኽ ኣመሪካ ሎም-ምሸት ናብ ሞስኮ ብምኻድ ምስ ሰበስልጣን ክረምሊን ክላዘቡ ትጽቢት ይግበር።

    ኣብዚ ቀረባ እዋን ትራምፕ ዝፈጠሮ ምስ ግሪንላንድ ዝተሓሓዝ ጉዳይ ዓቢ ኣጀንዳ ምዃኑ ዩክረይን ኣቓልቦ ከይትስእን ስክፍታ ፈጢሩ ምጽንሑ ይፍለጥ።

    ነታ ኣካል ንግስነት ደንማርክ ዝኾነት ደሴት ንምውሳድ ሓይሊ ከምዘይጥቀምን፡ ከምቲ ዘፈራርሖ ኣብ ልዕሊ ተቓውሞአን ዝገለጻ ሃገራት ቀረጽ ከምዘይውስኽን ድሕሪ ምግላጹ ግን እቲ ጉዳይ ሃዲኡ ኣሎ።

    እዚ ድማ፡ ዳቮስ ሎሚ ናብ ጉዳይ ዩክረይን ቓዛን ዝበሉ ዛዕባታት ዓለም ከተተኩር ዕድል ፈጢሩላ ኣሎ።

  20. 'ብዛዕባ ልኡላውነትና ክንዛተ ኣይንኽእልን ኢና' - ቀዳመይቲ ምኒስተር ዴንማርክ

    ቀዳመይቲ ምኒስተር ዴንማርክ ሜት ፍረደሪክሰን ከምዚ ክትብል መግለጺ ሂባ ኣላ፤

    "ጸጥታ ኣርክቲክ ናይ መላእ ኪዳን ኔቶ ጉዳይ'ዩ። ስለዚ፡ ኣብ መንጎ ዋና ጸሓፊ ኔቶን ፕረዚደንት ኣመሪካን ክዝተየሉ’ውን ጽቡቕን ባህርያውን እዩ። ንግስነት ዴንማርክ፡ ኔቶ ኣብ ኣርክቲክ ዘለዎ ጽልዋ ንምዕባይ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዛ ትሰርሕ ኣላ።"

    "መንግስቲ ዴንማርክምሉእ መስርሕ ጻዕርታትና ምስ መንግስቲ ግሪንላንድ ተዋሂሂዱ እዩ ዝሰርሕ። ምስ ኔቶ ብቐረባ ክንዘራረብ ጸኒሕና ኢና። ምስ ዋና ጸሓፊ ኔቶ ማርክ ሩተ ድማ ቅድሚ ምስ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ዳቮስ ዝገበሮ ርክብን ድሕሪኡን ሓዊሱ ብቐጻሊ ኣዘራሪበዮ እየ።"

    "ኔቶ፡ መርገጺንግስነት ዴንማርክ ምሉእ ብምሉእ ይፈልጥ እዩ። ኣብ ኵሉ ፖለቲካዊ፡ ጸጥታዊ፡ ወፍሪ፡ ቍጠባ ክንዘራረብ ንኽእል ኢና። ኣብ ልኡላውነትና ግን ክንዘራረብ ኣይንኽእልን።”

    "ብርግጽ ድማ፡ንዴንማርክን ግሪንላንድን ኣብ ዝምልከት ጉዳያት ውሳነ ክወስዳ ዝኽእላ ባዕለን ዴንማርክን ግሪንላንድን ጥራይ እየን።"

    ንግስነት ዴንማርክ፡ ንመሬታዊ ምሉእነትና ኣኽቢርካ ኣብ ዝግበር ዝርርብ፡ ኣብ ኣርክቲክ፡ እንተላይ ኣብ ስርዓተ ምክልኻል ኣመሪካ፡ ብኸመይ ጸጥታ ከነሐይል ከም እንኽእል ምስ መሓዙት ሃገራት ሃናጺ ዝርርብ ክትቅጽል ትደሊ።