እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

መጥቃዕቲ ኢራን ይገድድ፡ መጻረዪ ነዳዲ እስራኤል ይነድድ፡ ትራምፕ ተስፋን መጠንቀቕታን ይሰድድ

ትራመፕ፡ ኢራን ንመፃብቦ ሆርሙዝ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት እንተዘይከፊታቶ፡ ን መመንጨዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ'ታ ሃገር ክድምስስ ምዃኑ ኣጠንቂቑ። ኣመሪካ ተወሰኽቲ ወተሃደራት፡ ነፈርቲ ውግእን መራኽብ ኲናትን ናብቲ ዞባ ተበግስ ከምዘላ እዩ ዝንገር። ኢራን ብወገና መጥቃዕትታታ ቀጺላቶ'ላ፡ መጻረዪ ነዳዲ እስራኤል ግዳይ ከምዝኾነ ይንገር ኣሎ። ብዛዕባ ኲናት ማእከላይ ምብራቕ ሓደሽቲ ምዕባለታት ክነቕርበልኩም ኢና ተኸታተሉና፤

ጽማቝ ሓበሬታ

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ኔቶን ትራምፕን ብዛዕባ ግሪንላንድ እንታይ ተዘራሪቦም?

    ዶናልድትራምፕ ትማሊ ምሸት ኣብ ዳቮስ ምስ ዋና ጸሓፊ ኔቶ ማርክ ሩተ ድሕሪ ዝገበሮ ዝርርብ፡ ክልቲኦም ወገናት ብዛዕባ መጻኢ ግሪንላንድ ከም ዝተሰማምዑ ተዛሪቡ።

    ዝርዝር ናይቲ ስምምዕ ግን ክሳብ ሕጂ ንጹር ኣይኰነን።

    ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ንመሻርኽቲ ቢቢሲ ሲቢኤስ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ኣመሪካውያን ነታ ርእሰ-ምምሕዳር ዴንማርክ ዝዀነት ዴሰት ከመሓድርዋ ከም ዘይተሰማምዑ ሓቢሮም።

    ድሕሪ እቲ ዝርርብ መራሒ ኔቶ ንፎክስ ኒውስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ጉዳይ ግሪንላንድ፡ "ሎሚ ምሸት ምስ ፕረዚደንት ኣብ ዝገበርክዎ ዝርርባት ኣይተላዕለን፡" ኢሉ።

    ትራምፕ ምስ ሓላፊ ኔቶ ድሕሪ ዝገበሮ ርክብ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ዕደና ከምኡ’ውን ኣብ ስርዓተ ምክልኻል ምትሕብባር ክህሉ ከም ዝኽእል ኣመልኪቱ።

    ድሕሪ እቲ ዝርርብ፡ ወሃቢት ቃል ኔቶ ኣሊሰን ሃርት፡ "ኣብ መንጎ ዴንማርክ፡ ግሪንላንድን ኣመሪካን ዝካየድ ዘተ፡ ሩስያን ቻይናን ኣብ ግሪንላንድ - ብቝጠባ ይዅን ብወተሃደራዊ መዳይ - እግረን ፈጺመን ከየምብራ ንምርግጋጽ ዝዓለመ ዩ፡" ክትብል ርእይቶ ሂባ።

  2. ዳቮስ፡ ቀንዲ ነጥብታት መደረ ፕረዚደንት ትራምፕ

    ግሪንላንድ ሃቡኒ ዝብል ዘሎ ዶናልድ ትራምፕ፡ ብሰንኪ እታ ቀንዲ ነፋሪቱ 'ኤርፎርስ ዋን' ዘጋጠማ ቴክኒካዊ ጸገማት፡ ብኻልእ ነፋሪት'ዩ ናብ ዙሪክ ኣትዩ።

    በታ 'ማሪን ዋን" ዝተባህለት ሄለኮፕተሩ ድማ ደንጉዩ ናብታ ኣብ ትሕቲ ጎቦታት ኣልፕስ እትርከብ ከተማ ዳቮስ ብምእታው፡ ካብ ዝተመደበሉ ግዜ ንላዕሊ ዝወሰደ ነዊሕ መግለጺ ሂቡ። ቀንዲ ትሕዝቶ ናይቲ መደረ ኣብዞም ዝስዕበ ዘተኮረ'ዩ ነይሩ፡

    • ግሪንላንድ፡ ነታ ኣካል ንግስነት ደንማርክ ዝኾነት ደሴት ንምርካብ "ብቕልጡፍ ዘተ" ክግበር ብምጽዋዕ፡ "ኣመሪካ በይና ጥራይ እያ ነዛ ሰፋሕ መሬት፡ ገዛፍ በረድ" ከተውሕሳ ትኽእል" ኢሉ።
    • ሓይሊ፡ ዝዓበየ መግለጺኡ ምዃኑ ብምጥቃስ "ሓይሊ ክጥቀም ኣየድልየኒን'ዩ፡ ሓይሊ ክጥቀም ኣይደልን፡ ሓይሊ ኣይክጥቀምን እየ" ብምባል ነቲ ብተርባጽ ተዋሒዙ ዝጸንሐ ልቢ ብዙሓት ከህድእ ፈቲኑ።
    • ኔቶ፡ ንግሪንላንድ ምጉባጥ ንወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) ይሃሲ'ዩ ንዝብል ምጉት ብምንጻግ፡ "ብዙሕ ሂብና ውሑድ ኢና ንረክብ" ብምባል እቲ ኪዳን ሳላኡ ከምዝሓየለ ተዛሪቡ።
    • ቁጠባ፡ ኣመሪካ ብመሪሕነቱ "ቁጠባዊ ተኣምር" ትጓናጸፍ ከምዘላ ብምጥቃስ፡ ዝቕባበ ከምዝጎደለን "ዝኾነት ሃገር ዘይራኣየቶ" ቁጠባዊ ዕብየት ከምዘመዝገበትን ገሊጹ።
    • ቀረጽ፡ እቲ ሃገሩ ኣመዝጊባቶ ዝበሎ ቁጠባዊ ዓወት ብኸፊል ቀረጽ ብምውሳኑ ምዃኑ ብምእማት፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ሃገራት ዓለም ዘንበሮ መጠን ቀረጽ "ንዘውረድኦ ዕንወት ንምኽሓስ" ዝተወስደ'ዩ ክብል ሞጒቱ።
    • ዩክረይን፡ "ምስ ፕረዚደንት ፑቲን እየ ዝላዘብ ዘለኹ፡ ስምምዕ ክገብር ይደሊ'ዩ ኢለ እኣምን። ምስ ፕረዚደንት ዘለንስኪ'ውን እላዘብ ኣለኹ፡ ንሱ'ውን ስምምዕ ይደሊ'ዩ፡ ሎሚ ክረኽቦ እየ" ኢሉ።
    • ዋሕዚ ስደተኛታት፡ ኣውሮጳ "ካብ ካልእ ምድርታት ዝተፈላለዩ ህዝብታት ተተኣታቱ ኣላ" ክብል ዝነቐፈ ትራምፕ፡ "ገለ ቦታታት ኣውሮጳ ብሓቂ ከተልልዮም ኣይትኽእልን ኢኻ" ብምባል ነቲ ክደጋግሞ ዝጸንሐ እታ ኣህጉrእ ብዋሕዚ ስደተኛታት ትዓኑ ኣላ ዝብል ምጉቱ ኣቕሪቡ።
    • ኣከባቢ፡ "ሓድሽ ቀጠልያ ምትላል" ክብል ብተደጋጋሚ ዝጠቐሶ ክሊማዊ ለውጢ ንምግታእ ዝግበር ፖሊሲታት ሃገራት ዓለም፡ "ካብ ጸዓት ገንዘብ ትገብር 'ምበር ገንዘብ ኣይትኸስርን" ክብል ተዛሪቡ። ከም ኣብነት ብሪጣንያ ኣብ ባሕሪ ሰሜን ዘሎ ሃብቲ ነዳዲ ክትጥቀም ዘይምኽኣላ'ውን ነቒፉ።
  3. ናብ ዘርሰኖ ኣውሮጳ ዝኣተወ ትራምፕ 'ሓይሊ ክጥቀም ኣይደልን' ይብል

    ብጉዳይ ግሪንላንድ ንኣውሮጳ ከናውጽ ዝቐነየ ፕረዚደንት ኣመሪካ ሎሚ ናብ ስዊዘርላንድ ኣትዩ'ሎ።

    እቲ ኣመሪካዊ መራሒ ነታ ኣካል ንግስነት ደንማርክ ዝኾነት ደሴት ብፍቶት ወይ ብሓይሊ ከምዝጐብጣ ብተደጋጋሚ ምግላጹ ካብ ሃገራት ኣውሮጳ ሓያል ተቓውሞ ክወሃቦ ቀንዩ ነይሩ።

    ኣብ ዓመታዊ ቁጠባዊ ዋዕላ ዳቮስ ንምስታፍ ሎሚ ናብ ዙሪክ ዝዓለበ ትራምፕ፡ ብፍልይቲ ሄሊኮፕተሩ ናብታ ንእሽቶ ከተማ ተጓዒዙ።

    ድሮ ዝተመደበሉ መደረ ዘስምዐ ትራምፕ፡ ነቲ ጉዳይ ንምህዳእ ሓይሊ ከምዘይጥቀም ብምግላጽ፡ ብልዝብ ዋንነት ናይታ ደሴት ክህልዎ ከምዝደሊ ተዛሪቡ'ሎ።

    እቲ መግለጺ ነቲ ክናወጽ ዝቐነየ ዕዳጋታት ዓለም'ውን ድሮ ከረጋግኦ ጀሚሩ'ሎ።

    "መጠኑ ዝሓለፈ ሓይሊ ክጥቀም እንተዘይወሲነ ንረኽባ ኣይመስለኒን፡ ደው ዘብለና'ውን ኣይምሃለወን፡ ግና ከምኡ ኣይክንገብርን ኢና" ክብል'ዩ ትራም ንሻቕሎት ነበርቲ እታ ደሴት፡ ደንማርክን መሻርኽቲ ሃገራት ኣውሮጳን ከህድእ ፈቲኑ ዘሎ።

    "ሓይሊ ክጥቀም ኣየድልየኒን'ዩ፡ ሓይሊ ክጥቀም ኣይደልን፡ ሓይሊ ኣይክጥቀምን እየ" ክብል ኪኖ ሩባታት ዳቮስ ዝተሰምዐ መቓልሕ ሰዲዱ።

  4. ኢማራት ካብ ሶማል ጠቕሊላ ትወጽእ

    ሶማልያ ምስ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝነበራ ኵሉ ዓይነት ስምምዓት ጸጥታን ምትሕብባርን ድሕሪ ምስራዛ፡ ኢማራት ካብ ንግዳዊ ርእሰ ከተማ ፑንትላንድ ዝዀነት ቦሳሶ ኣባላታ ክትስሕብ ጀሚራ ክብል ብውልቂ ዝውነን ትካል ካሲማዳ ኦንላይን ሓቢሩ።

    “መዓርፎ ነፈርቲ ቦሳሶ፡ በቶም መብዛሕትኦም ካብ ኮሎምብያ ዝመጹን ብኢማራት ዓረብ ተቘጺሮም ዝሰርሑ ብርክት ዝበሉ ሰራሕተኛታት ኣዕለቕሊቝ ይርአ” ይብል እቲ መርበብ ሓበሬታ።

    “ኢማራት ጽልዋኣ ኣብተን ፈደራላዊ ግዝኣታት ሓያል’ኳ እንተዀነ፡ እዚ ምግዓዝ መሳርሕታትን ሰራሕተኛታትን ግን ምልክት ናይቲ እናኸረረ ዝመጽእ ዘሎ ወጥሪ ኢማራት ዓረብን ሶማልያን ምዃኑ” እቲ ጸብጻብ ወሲኹ የመልክት።

    ብ19 ጥሪ ኣፍሪካ ኮንፊደንሻል ከም ዝበሎ፡ ኢማራት ድሕሪ ሕጂ ኣብ ኪስማዮ ወተሃደራዊ ህላወ ከምዘይብላን ኣብ በርበራ ዝርከብ ወተሃደራዊ መሳለጥያኣ ምሉእ ብምሉእ ከም ዘውጽአትን ንፌደራል መንግስቲ ሶማልያ ሓቢራ እያ።

  5. 'ኣመሪካውያን ክንከውን ኣይንደልን' - ምኒስተር ግሪንላንድ

    ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ሎሚ ኣብ ዳቮስ ስዊዘርላንድ ንመራሕቲ ዓለም መደረ ከስምዕ ትጽቢት ይግበር።

    ንሱ ንግዝኣት ደንማርክ ዝኾነት ደሴት ንግሪንላንድ ክቈጻጸራ እየ ኢሉ ኣብ ዘፈራርሓሉ ዘሎ እዋን እዩ ናብ ስዊዘርላንድ ዝገይሽ ዘሎ።

    ኣብቲ ዓለማዊ ቍጠባዊ መድረኽ፡ ፕረዚደንት ፈረንሳ ማክሮን ትማሊ ኣብ ዘስመዖ መደረ "ዓለም ናብ ሕጊ ኣልቦ ትዝምብል" ኣላ ክብል ኣጠንቂቑ።

    ትራምፕ ብወገኑ "ብዛዕባ ግሪንላንድ ብዙሕ ኣኼባታት መደብ ተታሒዙ’ሎ" ይብል።

    ትራምፕ ብሰሉስ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ንግሪንላንድ ንምውሳድ ክሳብ ክንደይ ክኸይድ ከም ዝኽእል ምስ ተሓተተ፡ "ክትፈልጡ ኢኹም" ኢሉ መሊሱ።

    ናብ ዳቮስ ምምጻኡ ብሰንኪ ኣብ ኣየር ፎርስ ዋን ዘጋጠመ ተክኒካዊ ጸገማት ክድንጒ ከም ዝኽእል ይግመት።

    እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ምኒስተር ኢንዱስትሪን ተፈጥሮኣዊ ሃብትን ግሪንላንድ ናጃ ናታኒልሰን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ""ኣመሪካውያን ክንከውን ኣይንደልን ኢና፡ ብዛዕባ'ዚ ድማ ኣዝዩ ንጹር መርገጺ ኣለና" ኢላ።

  6. ንትራምፕን ዘቘጠዐ ውሳነ ዓዲ እንግሊዝ፡ "ዓቢ ዕሽነት እዩ"

    ፕረዚደንት ትራምፕ፡ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ብዛዕባ ኣዘራረብቲ ውዕል ደሴታት ቻጎስ ዝበፅሖ ውሳነ ኰኒኑ።

    "እቲ ዘሰንብድ፡ መሓዛ ኔቶ ዝዀነት፡ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ነታ ኣገዳሲት ወተሃደራዊ መዓስከር ኣመሪካ ዝኾነት ደሴት ድየጎ ጋርስያ ንሞሪሸስ ክተርክባ መደብ ኣለዋ" ኢሉ።

    ትራምፕ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ትሩዝ ኣብ ዘስፈሮ ፅሑፍ፡ ቻይናን ሩስያን ነዚ ከም ዓብዪ ውድቀት ገይረን ከምዝርእየኦ ገሊጹ።

    “እዚኣተን ጉልበት ጥራይ ዝርደአን ዓለማዊ ሓይልታት እየን፡ በዚ ምኽንያት ድማ እያ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ኣብ ትሕቲ መሪሕነተይ ተራእዩ ዘይፈልጥ ክብሪ ዝረኽባ ዘለዋ"።

    "ዓባይ ብሪጣንያ ኣዝዩ ኣገዳሲ ግዝኣት ክትህብ ምውሳና ናይ ዓቢ ዕሽነት ተግባር እዩ።"

    ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ትራምፕ ነቲ ዓባይ ብሪጣንያ ልኡላውነት ደሴታት ቻጎስ ንሞሪሸስ ከተረክብ ዝገበረቶ ስምምዕ ክድግፍ ድሉው ምዃኑ ኣመልኪቱ ነይሩ።

    ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣብ ርእሲኡ ድማ ኣብታ ኣብታ ግዝኣት ዝዓበየት ደሴት ዲየጎ ጋርስያ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ዓባይ ብሪጣንያን ኣመሪካን ክትቆጻጸሮን ተስማሚዓ እያ።

    ቀዳማይ ሚኒስተር ሰር ኬር ስታርመር፡ እቲ ን99 ዓመታት ዝጸንሕ ስምምዕ ነቲ ደሴት ዳግማይ ንምክራይ፡ ንዓባይ ብሪጣንያ 101 ሚልዮን ፓውንድ ከምዝሓታ ገሊጹ።

    እዘን ደሴታት ብ1965 ካብ ሞሪሸስ ዝተፈለያ፡ እታ ሃገር ገና መግዛእቲ እንግሊዝ ኣብ ዝነበርለትሉ እዋን እዩ።

    ብሪጣንያ ነቲ ግዝኣት ብ3 ሚልዮን ፓውንድ ዝዓደገቶ እንተኾን፡ ሞሪሸስ ግን ከም ኣካል ናይቲ ናጽነት ንምርካብ ዝተገብረ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝተገብረ ውዕል ከምዝዀነ እያ ትምጕት።

    ብሪጣንያን ኣመሪካን ኣብልዕሊ ድየጎ ጋርስያ ወተሃደራዊ መዓስከር ክትሃንጽ ዓዲማ፡ እዚ ድማ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ካብ መንበሪኦም ክባረሩ ኣገዲዱ።

  7. ትራምፕ ስለ ምንታይ'ዩ ንግሪንላንድ ክጥቕልል ዝደሊ?

    ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ናብ ዋይት ሃውስ ቅድሚ ምምላሱ ኣብ ዝነበራ ሒደት ሰሙናት እዩ፡ ንመትረብ ፓናማን ኣካል ዴንማርክ ዝዀነት ርእሰ ምምሕዳር ግሪንላንድን 'ንምጥቕላል' ድልየት ከም ዘለዎ ክገልጽ ዝጀመረ።

    እዚ ንምስኻዕ ድማ፡ ወተሃደራዊ ስጕምቲ ኣማራጺ ከም ዘይኰነ ብወግዒ ዘይምግላጹ ንብዙሓት ኣሰንቢዱ ጸኒሑ።

    ክልቲአን ቦታታት -ግሪንላንድን ፓናማን- ንቑጠባን ድሕነትን ኣመሪካ ኣገደስቲ ከም ዝዀና ትራምፕ ይገልጽ።

    ብተወሳኺ፡ ካናዳ ናብ ኣመሪካ ንምሕዋስ ቍጠባዊ ጸቕጢ ከም ኣማራጺ ከም ዝጥቀም ተዛሪቡ ነይሩ።

    ፓናማ፡ ግሪንላንድን ዴንማርክን ከምኡ'ውን ካናዳ ነዚ ርእይቶታት ቍጥዐ ዝተሓወሶ መልሲታት እየን ክህባሉ ጸኒሐን።

    እዚ ቅድም ኢሉ ዝተዳለወ ትንታነ፡ ዝንባለ ትራምፕ ካበይ ዝነቅል'ዩ? እንታይኸ ክስዕብ ይኽእል? ዝብሉ መብርሂታት ሒዙ ኣሎ።

  8. ትራምፕ፡ ታሪፍ '100%' ግብራዊ ክገብር'የ ይብል

    ፕረደዚንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ግሪንላንድ ንምቍጽጻር ንዘቕረቦ እማመ ኣብ ልዕሊ ዝቃወማ ሃገራት ኤውሮጳ ታሪፍ ክድንግግ ምዃኑ ክገልጽ እንከሎ፡ ነዚ "100 ሚእታዊት" ግብራዊ ከም ዝገብሮ ኣፈራሪሑ። መሓዙት ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ ዙርያ ልኡላውነት ግሪንላንድ ኣይፋል ይብላ ኣለዋ።

    ምኒስተር ጕዳያት ወጻኢ ዴንማርክ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ በታ ሓውሲ ርእሰ-ምምሕዳር ዘለዋ ግዝኣት ዴንማርክ ንምውናን ብምፍርራሕ ልዑላነውታ ኣብ ሓደጋ ከእቱ ከም ዘይክእል ኣስሚሩሉ።

    ጸሓፊት ጕዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ ኢቨት ኩፐር፡ መጻኢ ግሪንላንድ "ግሪንላንዳውያንን ዴንማርካውያንን ጥራይ፡" ክውስኑ እዮም ዝብል መርገጺ ሃገራ ደጊማ ኣረጋጊጻ።

    ፕረዚደንት ኣመሪካ፡ ዋሽንግተን ንግሪንላንድ ካብ ዴንማርክ ክትገዝእ ኣብ ስምምዕ ክሳብ ዝብጻሕ፡ ካብ ሓደ ለካቲት ጀሚሩ ናብ ኣመሪካ ኣብ ዝለኣኽ "ዝዀነን ኵሉን ኣቑሑት" 10% ቀረጽ ክኽፍል ምዃኑን፡ ካብ ሓደ ሰነ ጀሚሩ ድማ እዚ ናብ 25% ሓፍ ክብል ምዃኑን ገሊጹ።

    ትራምፕ፡ ተመሳሳሊ ስጕምቲ ኣብ ልዕሊ ዴንማርክ፡ ኖርወይ፡ ሽወደን፡ ፈረንሳ፡ ጀርመን፡ ሆላንድን ፊንላንድን - ኵለን ኣባላት ናይቲ ኣብ 1949 ዝተመስረተ ልፍንቲ ምክልኻል ኔቶ እየን - ግብራዊ ከም ዝኸውን ኣፍሊጡ።

    ነዚ ምፍርራሕ ታሪፍ ዝምልከት በቲ ዝወጠኖ ክኸይድ ምዃኑ ምስ ተሓተተ፡ "እወ፡ 100%" ኢሉ።

  9. ቻንስለር ጀርመን፡ ነገራት ክጋደዱ ኣይንደልን ኢሉ

    ቻንስለር ጀርመን ፍሪድሪክ መርዝ፡ ንፕረዚደንት ትራምፕ ሎሚ ረቡዕ ኣብ ዳቮስ ኣብ ዝካየድ ኣኼባ ዓለማዊ ቁጠባዊ ፎረም ክረኽቦ ክፍን እዩ።

    ታሪፍ፡ ንዝዀነ ወገን ከም ዘይረብሕ ድማ ገሊጹ።

    ንሱ፡ እቲ ሕጂ ዝርአ ዘሎ ወጥሪ "ክጋደድ ኣይንደልን ኢና። ምስ ኣመሪካ ንግዳዊ ምስሕሓብ ክህሉ ኣይንደልን ኢና" ይብል።

    መርዝ፡ ኣመሪካ ኣብ ሓደ እዋን " ኣብ ግሪንላንድ ልዕሊ 30 ሽሕ ወተሃደራት፡" ከም ዝነበሩዋ ብምግላጽ፡ "ኣብዚ እዋን'ዚ ግን ትሕቲ 200 ኣለዉ፡" ኢሉ።

    ብምስዓብ፡ "ኩነታት ጸጥታ ዝያዳ ክኸብድ ይኽእል'ዩ፤ እዚ ድማ መሬት ኤውሮጳዊ ኔቶ ስለ ዝዀነ፡ ነዚ ከባቢ'ውን ኣብ ምሕላው ተገዳስነት ኣሎና፡" ይብል።

    ብተወሳኺ፡ እቲ ዝሓለፈ ሰሙን መወዳእታ ዝተገብረ ናይ ዳህሳስ ተልእኾ፡ ሰበስልጣን ንእሽቶ ወተሃደራዊ ጕጅለ ፈረንሳ ናብ ግሪንላንድ ከም ዝኣተወት ኣብ ዝገለጽሉ እዋን፡ "ኣቐዲሙ ኣብ ቤት ምኽሪ ኔቶ ኣብ ቅድሚ ወኪል ኣመሪካ ከም ዝተዘተየሉ" ተዛሪቡ።

    "ስለዚ እዚ ይፍጸም ከም ዘሎ ንመንግስቲ ኣመሪካ ዘገርም ኣይነበረን። ተነጊሩ፡ ተሰማሚዑሉ ነይሩ... ወተሃደራዊ ስጕምቲ ኰይኑ ድማ ኣይፈልጥን፡" ኢሉ።

  10. ትራምፕ፡ ግሪንላንድ ብኣመሪካ ዝሓሸ ኣገልግሎት ክትረክብ'ያ ኢሉ ይኣምን- ዋይትሃውስ

    ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ግሪንላንድ ሃገራዊ ድሕንነት ኣመሪካ ንምውሓስ ክወስዳ እዩ ክትብል ምክትል ጸሓፊት ፕረስ ዋይት ሃውስ ኣና ኬሊ ገሊጻ።

    "ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ግሪንላንድ ብዓይኒ ሃገራዊ ድሕነት ስትራተጂካዊ ኣገዳስነት ዘለዋ ቦታ ምዃና ይኣምን፤ ነበርቲ ግሪንላንድ ድማ ካብ ዘመናዊ ስግኣታት ዞባ ኣርክቲክ ብኣመሪካ እንተዝሕለዉ ዝሓሸ ኣገልግሎት ከም ዝረኽቡ ርግጸኛ'ዩ፡" ትብል።

    መግለጺ ኣና ወሲዅ፡ "እቲ ፕረዚደንት ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ነዊሕ ዝጸንሕ ሰላም ንምምስራት ቈሪጹ ተላዒሉ'ሎ፡" ይብል።

    ትራምፕ ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኖርወይ ጆናስ ስቶረ ኣብ ዝለኣኾ መልእኽቲ፡ ሽልማት ኖቤል ሰላም ብዘይምዕዋቱ፡ ድሕሪ ሕጂ "ብዛዕባ ሰላም ጥራይ ናይ ምሕሳብ ግዴታ" ከም ዘይስምዖ ገሊጹ።

  11. ሩስያ ብዛዕባ መጻኢ ግሪንላንድ እንታይ በለት?

    ፕረዚደንት ኣመሪካ ስለምንታይ ዓይኑ ኣብ ግሪንላንድ ከምዘንበረ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ክዛረብ ሰሚዕኩም ኣለኹም።

    እወ፡ ሩስያን ቻይናን ዕድል ኣብ ዝረኸባሉ ዘሊለን ናብታ ዕቑር ባህርያዊ ጸጋታት ከምዘለዋ ዝንገረላ ደሴት ክኣትዋ ይዝንብያ ከምዘለዋ'ዩ ትራምፕ ዝምጉት።

    "ዲስትሮየር [መርከብ ኲናት] ናይ ሩስያ ኣለዋ፡ ዲስትሮየር ቻይና ኣለዋ፡ ካብኡ ዝዓበየ ድማ ሳብማሪን [ትሕተ-ማያውያን] ሩስያ ኣብ ኩሉ እቲ ከባቢ [ናይታ ደሴት] ኣለዋ" ክብል'ዩ ትራም ተሰሚዑ።

    ምላሽ ሩስያኸ እንታይ ይኸውን ትብሉ? ተቓውሞ?

    ኣይፋሉን! እኳ ድኣስ ሞስኮ፡ ንትራምፕ ኣይትሓዝዎ'ያ ትብል ዘላ።

    መንግስቲ ሩስያ ኣብ ዘውጽኦ ሓድሽ ጽሑፍ፡ ሃገራት ኣውሮጳ ንውጥን ጐበጣ ትራምፕ ንምዕንቃፍ ዝገብርኦ ዘለዋ ጻዕርታት ይነቅፍ።

    "ኣብ ቅድሚ'ቲ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዝወስዶ ዘሎ ታሪኻዊ ስጉምቲ ደው ምባል፡ ንቕጽና ኮፐንሃገን [ደንማርክ]፡ ከምኡ'ውን ናይ ሸጠፍ ከናብ ምሕዝነት ሃገራት ኣውሮጳን፡ እንኮላይ እተን መሓዙት ኣመሪካ ዝብሃላ ብሪጣንያን ፈረንሳን" ዘርኢ እዩ።

    "እቲ ትራምፕ ዘበግሶ ዘሎ ዕብየት ንኣውሮጳ ኣየድልያን እዩ። ብራስለስ [ሕብረት ኣውሮጳ]፡ እቲ ኣመሪካዊ ፕረዚደንት ኣብቲ ዝመጽእ ባይቶኣዊ ምርጫ 'ክጥሕል' እያ ትምነ ዘላ" ይብል እቲ ኣብ ሮሲያስካያ ጋዜጣ ዝወጸ መግለጺ ክረምሊን።

    ብዛዕባ ጎበጣ ግሪንላንድብምምሕዳር ትራምፕ ዝወሃብ ዘሎ መጠንቀቕታታት ንብዙሓት ርእሰከተማታት ኣውሮጳ ኣብ ከቢድ ስግኣት ኣእትዩወን ይርከብ።

  12. ጉባኤ ዴሳዊ (ኮሚኒስት) ሰልፊ ቬትናም ሓደስቲ መራሕቲ ክመርጽ ይዳሎ

    ኣብ ዝመጽእ መዓልታት ኣብ ዝካየደ መበል 14 ጉባኤ ናይቲ ሰልፊ፡ ንሓሙሽተ ዓመት ዘገልግሉ 200 ባላት ማእከላይ ሽማግለ፡ ከምኡ’ውን 17 ክሳብ 19 ኣባላት ፖሊትቢሮ ክምረጹ እዮም።

    እቲ ኣብታ ሃገር እንኮ ዝኾነ ሰልፊ ኣብዚ ጉባኤ ተካእቲ ዝኾኑ ናኣሽቱ መራሕቲ ናብ ስልጣን ንምምጻእ መዲቡ ከምዘሎ ይንገር።

    ኣብ 2024 ዋና-ጻሓፊ ኮይኑ ዝተረመርጸ ወዲ 64 ዓመት ቶ ላም ኣብ ቦታኡ ክቕጽል ትጽቢት ይግበር።

    ሓላፊ ማእከላይ ኮሚቲ፡ ፖሊትቢሮ፡ ሰክረታርያትን ዝኾነ ላም፡ ኣቦመንበር ወተሃደራዊ ኮሚሺንን ጸረ-ብልሽውናን እዩ።

    ቅድሚ ክልተ ዓመት ናብ ስልጣን ካብ ዝድይብ ንድሓር ነታ ብቕልጡፍ ትሕንበብ ዘላ ሃገር ናብ ዝለዓለ-እቶት ዝረጋገጸላላ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ፍልጠትን ተክኖሎጂን ዝተመስረተ ቁጠባ ትውን ንምግባር ዓቢ ውጥን ኣውጺኡ ምህላዉ ይፍለጥ።

    ነዚ ንምግባር ድማ “መዋእል ሃገራዊ ንጥቀት” ኣዊጁ ኣሎ።

    ብመሰረት ሕገ-መንግስቲ ቬትናም፡ ዋና ጸሓፊ ናይቲ ሰልፊ መራሒ እታ ሃገር’ዩ ዝኸውን።

    ኣብ ዝመጽእ መጋቢት’ውን ሃገራዊ ባይቶኣዊ ምርጫ ብምክያድ ሓድሽ መንግስቲ ክቐውም ትጽቢት ይግበር።

    ቅዲ ምዕባለ ቻይና እትኽተል ዘላ ቬትናም ኣብቲ ክፍሊ-ኣህጉር ዝቐልጠፈ ቁጠባዊ ዕብየት ተመዝግብ ምህላዋ ይፍለጥ።

  13. ትራምፕ ንጉዳይ ግሪንላንድ ምስ ሽልማት ኖበል ሰላም የተሓሕዞ

    ፕረዚደንት ኣመሪካ ንጉዳይ ግሪንላንድ ምስቲ ዘይተዋህቦ ሽልማት ኖበል ሰላም 2025 ኣተሓሒዝዎ።

    ዶናልድ ትራምፕ ከምዝብሎ፡ እቲ ንመራሒት ተቓውሞ ቬነዙዌላ ዝተዋህበ ሽልማት ንዕኡ ዘይምውሃቡ ባህ ከምዘይበሎ'ዩ ኣሚቱ።

    ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኖርወይ ጆናስ ጋህር ስቶር ኣብ ዝሰደዶ መልእኽቲ፡ ነቲ ሽልማት ዘይምርካቡ ንኖርወይ ወቒሱ።

    መራሒ ኖርወይ ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ እቲ ሽልማት ብመንግስቲ እታ ሃገር ዘይኮነ፡ ብኮሚቲ ሽልማት ኖበል ዝወሃብ ምዃኑ ኣነጺሩ።

    "ኣነ 8 ኲናታት ደው ከምዘበልኩ መጠን ሃገርካ ሽልማት ኖበል ሰላም ከይትህበኒ ምውሳና፡ ሰላም ጥራይ ክሓስብ ሓለፍነት ከምዘይስምዓኒ ገይሩኒ'ዩ፡ ዋላ'ኳ ናብኡ ዝዛዙ እንተኾንኩ።

    "ሕጂ ግን፡ ብዛዕባ ንኣመሪካ እንታይ'ዩ ጽቡቕን ቅኑዕን ኢለ እየ ክሓስብ" ከምዝበለ፡ መሻርኽቲ ቢቢሲ ዝኾነ ኣመሪካዊ ማዕከን ዜና ሲ-ቢ-ኤስ ኣረጋጊጹ።

    "ኣብ ልዕሊ ግሪንላንድ ፍጹምን ምሉእን ምቁጽጻር እንተዘይሃልዩና ዓለም ውሕስቲ ኣይኮነትን" ክብል'ውን ደጊሙ ኣጠንቂቑ።

    ቀዳማይ ሚኒስተር ፊንላንድ ንትራምፕ መልእኽቲ ድሕሪ ምስዳዱ'ዩ፡ በቲ ፕረዚደንት ዝተዋህበ ምላሽ ንመራሒ ኖርወይን'ውን ተሰዲዱ።

    መግለጺታት ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ርእሰከተማታት ሃገራት ኣውሮጳ ከቢድ ሻቕሎት ፈጢሩ ይርከብ።

    ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ፈረንሳን ደንማርክን ዝርከብአን ሓያሎ ሃገራት ኣውሮጳ ናብታ ኣካል ንግስነት ደንማርክ ዝኾነት ዓባይ ደሴት ወተሃደራት ክሰዳ ጀሚረን ነይረን።

    ዋሽንግተን'ውን ካብ እዋን ካልኣይ ወግእ ዓለም ኣትሒዛ ኣብ ግሪንላንድ ወተሃደራዊ መዓስከር ከምዘለዋ ይፍለጥ።

  14. በዓል ጥምቀት ኣብ ማይጨው - ትግራይ

    ሰዓብቲ እምነታት ኦርቶዶክስ ተዋህዶን ካቶሊክን ትግራይ ንበዓል ጥምቀት ብዝደመቐ ሃይማኖታውን ባህላውን ስርዓት የኽብሩ ኣለዉ።

    ብፍላይ ኣብ ከተማ ማይጨው ድሙቕ ስነስርዓት ጥምቀት ሰዓብቲ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ይካየድ።

  15. በዓል ጥምቀት ኣብ ኣስመራ - ኤርትራ

    ኣስመራ ድሙቕን ውቁብን በዓል ጥምቀት ኣእንጊዳ።

    ሰዓብቲ እምነት ክርስትና ኤርትራ ንበዓል ጥምቀት ብሃይማኖታውን ባህላውን ስርዓት ኣኽቢሮም።

    ፓትሪያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ፣ ሰበስልጣን መንግስቲ፣ ኣባላት ዶፕሎማቲክ ማሕበረሰብን ሰዓብትን ኣብ ዝተረኸቡሉ ብድሙቕ ከምዝተብዓለ ሚንስተር ዜና ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ብስእሊ ኣሰንዩ ሓቢሩ።

  16. በዓል ጥምቀት ኣብ ጎንደር - ክልል ኣምሓራ

    ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ጎንደር ድሙቕ ስርዓተ ጥምቀት ሰዓብቲ እምነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ይካየድ ኣሎ።

    ኣብታ ከተማ ዝፍፀም ስርዓተ ጥምቀት ብኣማኢት ኣሽሓት ዝግመቱ ነበርትን ካብ ውሽጥን ደገን ዝዕደሙ ኣጋይሽን ይሳተፉሉ።

    ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ታየ ኣጽቀስላሴ ኣብቲ ስነስርዓት ተረኺቡ።

  17. በዓል ጥምቀት ኤርትራውያን ኣብ ኬንያ

    ኣብ ኬንያ ዝርከቡ ኤርትራውያን ሰዓብቲ እምነት ኦርቶዶክስን ካቶሊክን ኣብ ኣብያተ ክርስትያናቶም ተረኺቦም ይጥመቑ ኣለዉ።

  18. ስነስርዓት በዓል ጥምቀት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት - ብስእሊ

    ሰዓብቲ እምነት ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለያ ከባቢታት ናብ ዝርከባ ኣብያተ ክርስትያናት እናኸዱ ኣብ ስተዳለወ ባህረ-ጥምቀት ይጥመቑ ኣለዉ።

    እዞም ኣሳእል ነቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከባቢ ስታድየም ኣበበ ቢቂላ ዝካየድ ዘሎ ስነስርዓት ጥምቀት የርእዩ።

  19. ቀዳማይ ሚኒስተር ፊንላንድ ‘ታሪፍ ንዋላ ሓደ ኣይጠቕምን’ዩ’

    ቀዳማይ ሚኒስተር ፊንላንድ ፔተሪ ኦርፖ “ታሪፍ ንዋላ ሓደ ኣይጠቕምን’ዩ’ ብምባል ንኣውሮጳን ንኣመሪካን ዝሃሲ ምዃኑ ገሊጹ።

    እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ “ኣረኣእያ ፊንላንድ፡ ኣብ መንጐ መሻርኽቲ ዝህሉ ሕቶታት ብዘተ’ምበር ብጸቕጢ ክፍታሕ የብሉን ዝብል’ዩ።

    "ብዓቢኡ ብዛዕባ ኣርክቲክ ዘሎ ናይ ጸጥታ ጉዳይ ዘለና ስክፍታ’ውን ኣልዒልና ኣላና፤ ምኽንያቱ እዚ ንፊንላንንድ ወሳኒ ነገር’ዩ” ኢሉ።

    ብምስዓብ “ንሕና ግዝኣታዊ ሓድነት ዴንማርክን ግሪንላንድን እናኽበርና፡ ምስ ኩሎም መሓዙትና ሓቢርና ንጸጥታ ኣርክቲክ ክንሕሉ ኢና ንጽዕር፡ ” ይብል።

    ኣብ መወዳእታ ኸኣ "ታሪፍ ንኤውሮጳን ኣመሪካን ክጎድእ እዩ። ንማንም ኣይጠቕምን’ዩ። ንሕና ኸኣ ምስ ኤውሮጳውያን መሻርኽትናን መቓርብትናን ብቕርበት ንሰርሕ ኣለና፡” ኢሉ።

  20. ርክብ ስታርመርን ትራምፕን ኣብ ውጥረት ይወድቕ

    ኬር ስታርመር ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ኣትሒዙ፡ ምስ ዶናልድ ትራምፕ ዘለዎ ቅርበት ብማእከላይ መርገጺ’ዩ ሒዝዎ ጸኒሑ።

    እቲ ርክቦም ከኣ ካብ ሎሚ ንግሆ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ኣብ ውጥረት ኣትዩ ይርከብ።

    ኣመሪካ፡ ኣንጻር ናይ ቀረባ መሻርኽታ ዝኾነት ዓዲ እንግሊዝ’ያ ኣብ ቁጠባዊ ኲናት ኣትያ ዘላ።

    ሰብ መዚ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ሞንጎ ዶናልድ ትራምፕን ኪር ስታርመርን ናይ ተሌፎን ርክባት ክግበር ይፍትኑ ኣለዉ።

    ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ቬንዙዌላ መጥቓዕቲ ብምፍጻም ንፕረዚደንት ኒኮላስ ማድሮ ማሪኻ ምስ ወሰደቶ፤ ኪር ስታርመር ምስ ዶናልድ ትራምፕ ብቴሌፎን ንምዝርራብ መዓልታት’ዩ ወሲድሉ።

    እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኪር ስታርመር ነቲ ዶናልድ ትራምፕ ሰሊዕዎ ዘለዎ ታሪፍ ኣመልኪቱ ክዘራረቦ ትጽቢት ይግበር። ክሰልጦ ድዩ ኣይክሰልጦን ግን ቀስ ኢልካ ዝርአ’ዩ ክኸውን።