ኣብ ኣመሪካ፡ ኣስታት 20 ሚልዮን ሰባት ብኮቪድ-19 ተለኺፎም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ተገሊጹ

ኣብ ኣሜሪካ፡ ትማሊ ጥራሕ ልዕሊ 37 ሽሕ ሓደሽቲ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ተረኺቦም። ጸብጻብ ኒውዮርክ ታይምስ ከም ዘመላኽቶ ድማ፡ ኣብ ቴክሳስ፣ ፍሎሪዳን ካሊፎርኒያን ሓዊሱ ኣብ 29 ግዝኣታት ኣሜሪካ፡ መዓልታዊ ዘጋጥም መልከፍቲ ይውስኽ ኣሎ። በዚ ምኽንያት ዘጋጥም ሞት ግን ምንካይ ኣርእዩ ኣሎ። ውድብ ጥዕና ዓለም ድማ፡ ኣብ ኤውሮጳ ሓድሽ ለብዒ እዚ ቫይረስ ክውስኽ ይኽእል'ዩ ክብል ኣጠንቂቑ።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ኒውዮርክ፡ ካብ ትሸዓተ ግዝኣታት ኣሜሪካ ንዝኣትውዋ ሰባት ክውሸቡ ተገድድ

    ኒውዮርክ፣ ኒው ጄርሲን ኮኔክቲከትን፡ ሓድሽ ረኽሲ ኮሮናቫይረስ ይርኣየን ካብ ዘሎ ግዝኣታት ንዝመጹ ሰባት፡ ን14 መዓልታት ንነብሶም ክውሽቡ ሓቲተን።

    ኣመሓዳሪ ኒው ጄርሲ ፊል ማርፊ፡ ኣብዘን ሰለስተ ግዝኣታት ዝነብር ህዝቢ ‘ኣብ ሞትን ሕየትን” ኮይኑ ኣዋርሕ ኣሕሊፉ’ዩ ብምባል፡ ዳግም ደግሲ እዚ ቫይረስ ክጥቃዕ ኣይንደልን ኢሉ።

    ካብዘን ግዝኣታት ናብ ኒውዮርክ፣ ኒው ጄርሲን ኮኔክቲከትን ዝመጽኡ ሰባት፡ ክሳብ 14 መዓልታት ክውሸቡ ይግደዱ።

    ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ካሊፎርኒያ [ብሮቡዕ 7149 ሓደሽቲ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ረኺባ]፣ ፍሎሪዳ [መዓልታዊ 5580 ሓደሽቲ ትረክብ]፣ ኣሪዞና [ትማሊ፡ 1795 ሓደሽቲ ዝሓመሙ ረኺባ]፣ ቴክሳስ [ብሮቡዕ 5551 ሓደሽቲ በዚ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት’ያ ረኺባ] ሓድሽ መልከፍቲ ኮቪድ-19 ዝርኣየን ዘለዋ ግዝኣታት እየን።

    ኣሪዞናን ቴክሳስን፡ ዝርግሐ እዚ ቫይረስ ንምቁጽጻር ተነቢሮም ንዝነበሩ እገዳታት ቀዲመን ዘልዓላ እየን።

    ወሰኽ መልከፍቲ ኮቪድ-19 ኣሜሪካ
  2. ተስፋ ዝተገብረሉ ክታበት ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ሰባት ይፍተን ኣሎ

    ክታበት

    ምንጪ ስእሊ, IMPERIAL COLLEGE

    ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምንካይ ተስፋ ዝተገብረሉ ክታበት፡ ኣብ ዓባይ ብሪጣኒያ ፈተነ ይካየደሉ ኣሎ።

    ኣብ ዝቕጽሉ ሰለስተ ሰሙናት፡ ን300 ሰባት ክወሃብ’ዩ ዝተባህለ እዚ ክታበት፡ ብፕሮፌሰር ኢምፔሪያል ኮሌጅ ኦፍ ለንደን ሮቢን ሻቶክ እዩ ዝካየድ።

    እቲ ክታበት፡ ቅድም ኢሉ ኣብ እንስሳት ተፈቲኑ ውጽኢታዊ ከም ዝኾነ ተረጋጊጹ እዩ።

    እዚ ክታበት፡ ጉድኣት ዘየስዕብን ሰብነትና ሕማም ዝከላኸሉ ዋህዮታት ከማዕብል ዘነቓቕሕን እዩ ተባሂሉ ኣሎ።

    ኣብ ዓለም ብውሑድ 120 ክታበታት ይፍተኑ ዘለው ኮይኖም፡ ብተመራመርቲ ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድ ዝፈረየ ክታበት ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ይካየድ ከም ዘሎ ይፍለጥ።

    እዚ ናይ ኢምፔሪያል ኮሌጅ ኦፍ ለንደን ክታበት ድማ፡ ኣብ ዓባይ ብሪጣኒያ ሎሚ መዓልቲ ዝጅምር ኮይኑ፡ ሓንቲ ጓል 39 ዓመት ክኢላ ሒሳብ ፍቓደኛ ኮይና ተመዝጊባ ኣላ።

    ኣብዚ እዋን፡ ኣብታ ሃገር ኣብ ፈተነ ንዘለው ክልተ ክታበታት 46 ሚሊየን ፓውንድ በጀት ተሰሊዑ እዩ።

  3. ኣብ ሜልቦርን፡ ‘ገዛ ንገዛ’ መርመራ ኮሮናቫይረስ ክጅመር’ዩ

    መርመራ ኮሮናቫይረስ ኣብ ሜልቦርን

    ምንጪ ስእሊ, EPA

    ኣብ ዓለም ምስ ዘሎ ዝርግሐ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ክነጻጸር እንከሎ፡ ናይ ኣውስትራሊያ ዝተሓተ እዩ።

    ግን ድማ፡ ኣብታ ሃገር ወሰኽ መልከፍቲ ይረኣይ ስለዘሎ፡ ሰበ ስልጣን እታ ሃገር በዚ ክዘናግዑ ኣይደለዩን።

    ኣብዚ ሕጂ እዋን፤ ኣብ ሜልቦርን “ሃንደበታዊ” መርመራ ኮሮናቫይረስ ንምክያድ፡ “ተቓላዕቲ” ዝኾኑ ከባቢታት የንጽሩ ኣለው።

    ግዝኣት ቪክቶሪያ፡ ንውሕ ንዝበሉ ሰሙናት ኣብ ኣውስትራሊያ ማእከል ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብ ዝተፈጥረ ምትሕልላፍ እቲ ቫይረስ ኮይና ቐጺላ ኣላ።

    “ነቲ ትኽክለኛ ጽሪ ንምፍላጥ፡ ገና ንገዛ ከይድና ክንምርምር ኢና። ነቲ ስርዓት ጥዕና፡ ናብ ገዛኹም ከነምጽኦ ኢና” ኢሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዳኒኤል ኣንድሪውስ።

    ነዚ ገዛ ንገዛ ዝካየድ መርመራ ዝሕግዙ፡ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ተሃደራት ድማ ክዋፈሩ እዮም።

    ኣብታ ሃገር 34 ሓደሽቲ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ዝተረኸቡ ኮይኖም፤ እቶም 33 ኣብ ቪክቶሪያ’ዮም።

    እዚ፡ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ ዝተመዝገበ ዝለዓለ ቑጽሪ መልከፍቲ ኮይኑ፡ ኣብዚ እዋን ሸውዓተ ሰባት ጥራሕ ኣብ ሆስፒታል ኣለው።

  4. ኣብ ህንዲ መዓልታዊ ዝለዓለ መልከፍቲ ኮቪድ-19 የጋጥም ኣሎ

    መሐከሚ ኮሮናቫይረስ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ኣብታ ሃገር ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ 17 ሽሕ ሓደሽቲ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ኣለው።

    እዚ ለበዳ፡ ኣብ ህንዲ ካብ ዝርኣይ ፡ ልዕሊ 470 ሽሕ ሰባት ክልከፉ እንከለው፡ እቶም ልዕሊ 14 ሽሕ ሞይቶም’ዮም።

    ብሮቡዕ፡ ደልሂ ካብ ሙምባይ ሓሊፋ ኣዝያ ዝተጠቕዐት ምዃና ዘመላኽት መልከፍቲ 3788 ሰባት ከጋጥማ እንከሎ፡ ብሓፈሻ ልዕሊ 70 ሽሕ ሰባት፡ ኣብ ደልሂ በዚ ቫይረስ ተታሒዞም እዮም።

    ዳርጋ እቲ ሲሶ መልከፍቲ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተራእየ እዩ።

    ደልሂ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራሕ 100 ሽሕ ሰባት ክትምርምር ስለ ዝኸኣለት፡ እዚ ናይ ቁጽሪ ወሰኽ ናይዚ ውጽኢት ክኸውን ከምዝኽእል እዩ ዝግለጽ።

    ክሳብ ሕጂ ድማ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር፡ 400 ሽሕ ሰባት መርመራ ተገይሩሎም ኣሎ።

    እታ ከተማ፡ 10,000 ዓራት ዝሕዝ ኣብ ህንዲ እቲ ዝዓበየ “ግዚያዊ ሆስፒታል” ትሃንጽ ኣላ።

  5. ኒውዮርክ፡ ካብ ትሸዓተ ግዝኣታት ኣሜሪካ ንዝኣትውዋ ሰባት ክውሸቡ ተገድድ

  6. ጨው ዘለዎ ማይ፡ ንመድሓኒት ኮቪድ-19 ክፍተን’ዩ

    ጨው ዝውሰኾ ዘሎ ማይ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ተመራመርቲ ኤደንብራ፡ ዝለዓለ መጠን ጨው ዘለዎ ማይ፡ መድሓኒት ኮቪድ-19 ክኸውን ይኽእል’ዶ ኣብ ዝብል ምርምር የካይዱ ኣለው።

    ቅድሚ ሕጂ፡ ኣብ ሰዓል ዝተኻየዱ መጽናዕታት ከም ዘመላኽቱዎ፡ ጨው ዘለዎ ማይ ተጠቒሞም ኣፍንጭኦም ዘጽርዩ ሰባት እቲ ስዓል ክቐለሎም ይገብር።

    ተመራመርቲ፡ ኣብ ስኮትላንድ ኣብዚ መጽናዕቲ ንምስታፍ ፍቓደኛ ዝኾኑ ሰባት ይደልዩ ኣለው።

    እቶም ተሳተፍቲ፡ ምልክት እዚ ሕማም ዘለዎም ወይ ድማ በቲ ቫይረስ ከም ዝተለኸፉ ዝተረጋገጸ ክኾኑ ኣለዎም።

    እቲ ቅድም ኢሉ ኣብ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ዝተገብረ ፈተነ፡ ቀሊል ሰዓል ዘለዎም ሰባት ጨው ዘለዎ ማይ ክጥቀሙ ተገይሩ ነይሩ።

    እቶም ተሳተፍቲ፡ ጨው ዘለዎ ማይ ምስ ሰተዩ ዝነበሮም ቓንዛ ንሓጺር ሰዓት ክቐለሎም ከሎ፡ ነቲ ቫይረስ ናብ ካልእ ሰብ ናይ ምሕላፍ ተኽእሎኦም'ውን ጸቢብ ከም ዝነበረ ተገሊጹ።

    እዚ መጽናዕቲ ውጽኢታዊ እንተኾ'ውን ጸቢብ፡ ዝርግሐ እዚ ለበዳ ክንኪ ተስፋ ይግበር።

  7. ከመይ ሓዲርኩም?

    ኣብዚ ዕለት ዘለው ምዕባለታት ኮሮናቫይረስ፥

    ·ኣውስትራሊያ፡ ኣብ ቪክቶሪያ ዘጋጠማ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ስለ ዝበርትዓ፡ ሓደ ሽሕ ወተሃደራት ትልእኽ ኣላ

    ·ካብ ዓለም ዝተሓተ መልከፍቲ እኳ እንተሃለዋ፡ እዚ ሓድሽ ማዕበል ኮሮናቫይረስ ግን ኣስጊኡዋ ኣሎ

    ·ኒውዮርክ፣ ኒው ጄርሲን ኮኔክቲከትን ካብ ትሸዓተ ግዝኣታት ኣሜሪካ ዝመጽኡ ሰባት ን14 መዓልታት ክውሸቡ የገድዳ

    ·ዳይሬክተር ትካል ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ኣብ ቀረባ ቑጽሪ መልከፍቲ እዚ ቫይረስ 10 ሚሊየን ክበጽሕ እዩ ኢሉ

    ቢቢሲ ትግርኛ
  8. ኤርትራ፡ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ 144 በጺሑ

    ኣስመራ

    ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ከባቢ ሞልቊ ኣብ ዝርከብ መወሸቢ ማእከል ሓደ ሰብ ብኮሮናቫይረስ ከም ዝተለኽፈ ሚኒስትሪ ጥዕና ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

    እቲ ውልቀሰብ ካብ ኢትዮጵያ ዝተመልሰ ምዃኑ እቲ ሓበሬታ የረድእ።

    ሰባት ነቲ ኣብ መንጎ ሃገራት ዘሎ ምንቅስቓሳት ዝእግዱ መምርሒታት ይጥሕስዎም ከምዘለዉ እቲ ሚኒስትሪ ጠቒሱ።

    “ዋሕዚ ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ጅቡቲን የመንን ብመሬትን ባሕርን ዝምለሱ ዜጋታት ቀጻሊ’ዩ ዘሎ” ኢሉ።

    ክሳብ ሕጂ፡ ኣብታ ሃገር ብድምር 144 በቲ ቫይረስ ክልከፉ እንከለዉ፡ 39 ሓውዮም፡ 105 ድማ ኣብ ሆስፒታል ተዓቚቦም ኣለዉ።

  9. ኣመሪካውያን ክእግድ'ዩ ዝተባህለ ሓድሽ ኣዋጅ ሕብረት ኣውሮጳ ይዝረበሉ'ሎ

    ኣምባሳደራት ሕረብት ኣውሮጳ፡ ሎሚ ኣብ ጉዳይ ምኽፋት ዶባት ናይ’ቲ ሕብረት ክዝትዩ'ዮም።

    ኣብቲ ካብ 1 ሓምለ ኣብ ግብሪ ክውዕል ትጽቢት ዝግበረሉ ሓድሽ መም፡ ካብ ዝተወሰና፡ ትሑት ለብዒ ኮቪድ-19 ሃገራት ዝመጹ በጻሕቲ ናብ ኣባል ሃገራት ናይ ሕብረት ክበጽሑ ክፍቀደሎም’ዩ።

    ዜጋታት፡ ናይታ ልዑል መጠን መልከፍቲ ዝራኣየላ ዘሎ ኣመሪካ ግን፡ ኣብቲ ናይ መጀመርታ ዝርዝር ከምዘይኣትዉ ግምታት ኣሎ።

    ከም ብዓል ሩስያን ብራዚልን ዝበላ ሃገራት’ውን ካብቲ ዝርዝር ክወጻ ትጽቢት ይግበር።

    ኣብ ላቲን ኣመሪካ፡ እቲ ቫይረስ ብናህሪ ይላባዕ ከም ዘሎ ይፍለጥ። ብራዚል እታ ኣዝያ ዝተሃሰየት ሃገር ናይቲ ዞባ ኮይና’ላ። ብዓለም ደረጃ’ውን፡ ብቑጽሪ ሞት ኣብ ካልኣይ ደረጃ ተሰሪዓ’ላ- ዛጊት ልዕሊ 50, 000 ሞይቶም ኣለዉ።

    በዚ መሰረት፡ ብራዚል፡ ፐሩ፡ ቺለ፡ ፓናማን ስዑዲ ዓረብን እተን ዝኸፍአ ለብዒ ዝተራእየለን ተባሂለን በቲ ሕብረት ተኸፊለን ኣለዋ።

    ኣብ ኣመሪካ፡ መጠን ሞት ልዕሊ 120,000 ክበጽሕ እንከሎ፡ ልዕሊ 2.3 ሚልዮን ተለኺፎም ኣለዉ።

    ኣብ ዝተፈላለያ ክፍለሃገራት ሓያል ደግሲ ክረአ ምጅማሩ’ውን ንሰብመዚ ጥዕና ኣሻቒሉ ይርከብ።

    ሕብረት ኣውሮጳ፡ ነቲ ኣብ ቅልውላዉ ኣትዩ ዘሎ ቁጠባ ናይቲ ዞባ ንምብርባር፡ በጻሕቲ ክኣትዉ ንምዕዳም’ዩ ነቲ ስጉምቲ ዝወስድ ዘሎ።

    ሃገራት ኣውሮጳ፡ ካብ 15 ሰነ ጀሚረን’የን ንበጻሕቲ ዶባተን ክኸፍታ ጀሚረን።

    መርመራ ኮቪድ-19

    ምንጪ ስእሊ, AFP

  10. ኣብ ኣውስትራሊያ ድሕሪ ሓደ ወርሒ፡ ሓደ ሰብ ብኮቪድ-19 ሞይቱ

    መርመራ ኮሮናቫይረስ

    ምንጪ ስእሊ, EPA

    ኣብ ኣውስትራሊያ፡ ቑጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝሞቱ ሰባት 103 በጺሑ።

    ኣብታ ሃገር፡ ድሕሪ ሓደ ወርሒ’ዩ ሓደ በዓል ጸጋ ዕድመ ብኮሮናቫይረስ ሞይቶም።

    ኣብ ከተማ ሜልቦርን'ውን እቲ ቫይረስ ደጊሱ ይብሃል ኣሎ።

    ኣብታ ከተማ ኣብ ዝርከባ መብዛሕትኦም ስደተኛታት ዝነብሩለን ሽዱሽተ መንደራት፡ ሓደሽቲ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ተረኺቦም።

    ኣብ ኣውስትራሊያያ ቋንቋ ኢንግሊዘኛ ንዘይዛረቡ ሰባት ብዛዕባ እቲ ቫይረስ እኹል ሓበሬታ ኣይተዋህበን ዝብል ነቐፌታ’ውን ይቐርብ ኣሎ።

    ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ግን፡ ነዚ ኣይቕበሉዎን።

    ካብ ትማሊ ጀሚሩ፡ ሸሞንተ ሓደሽቲ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ምህላዎም ድማ ይግለጽ።

  11. ኮቪድ-19፡ ሚኒስተር ላይቤሪያ ናብ ሆስፒታል ኣትዩ

    ሚኒስትሪ ትምህርቲ ላይቤሪያ፡ ዝቕጽል ሰሙን ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ዝተዓጸዋ ኣብያተ ትምህርቲ ንምኽፋት ኣብ ዝዳለወሉ እዋን፡ እቲ ሚኒስተር ንርእሱ ናብ ሆስፒታል ኣትዩ።

    ሚኒስትር ኣንሱ ሶኒን ምኽትሉ ላቲማ ዳ-ቶንግን ብኮሮናቫይረስ ሓሚሞም ኣብ ሆስፒታል’ዮም ዝርከቡ።

    ጋዜጣ ኣፍሪቃ ላይቤሪያ፡ እቲ ምኽትል ኩነታት ጥዕንኡ ምስ ኸፍአ ንተወሳኺ ሕክምና ናብ ጋና ተወሲዱ ክብል ኣብ ቕድሚት ገጹ ሓቲሙ።

    ሚኒስትሪ ሓበሬታ እታ ሃገር ነቲ ጋዜጣ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ግን፡ እቲ ምኽትል ሚኒስቴር ትምህርቲ ኣብ ድሓን ኩነታት ከም ዝርከብ ብምግላጽ፡ ናብ ጋና ከይዱ’ዩ ንዝብል ወረ ግን ነጺጉዎ።

    ኣብ ላይቤሪያ፡ 652 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ክሓሙ ከለው፡ 34 ሰባት ሞይቶም።

    ብሰኑይ፡ ተመሃሮ 12 ክፍሊ ንሃገራዊ ፈተና ንክዳለው ኣብ ዝቕጽል ሰሙን ኣብያተ ትምህርቲ ከም ዝኽፈታ ከም ዝተገለጸ ይዝከር።

  12. ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ሞንጎሊያ መረጻ ይካየድ ኣሎ

    ሃገራዊ መረጻ ሞንጎሊያ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ዜጋታት ሞንጎሊያ ናብ ጣብያታት መረጻ ብምኻድ ድምጺ ይህቡ ኣለው።

    ሞንጎሊያ ኣብ ዓለም፡ ድሕሪ ደቡብ ኮርያ ሃገራዊ መረጻ ተካይድ ዘላ ካልአይቲ ሃገር ኮይና።

    ዜጋታት ኣብ እዋን መረጻ ካብ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ንነብሶም ንምክልኻል ዝተፈላለየ መምርሒ ዝተዋህቦም ኮይኑ፡ ሰብ ሞያ ረስኒ ሰብነት መረጽቲ ብምዕቃን፡ ጣብያታት መረጻ ጸረ ቫይረስ ኬሚካላት ብምንጻግን ንመረጽቲ ጓንቲ ብምዕዳልን እቲ ሃገራዊ መረጻ ይሳለጥ ኣሎ።

    ክልተ ዓበይቲ ፖለቲካዊ ሰልፊታት እታ ሃገር ዝነሓንሑ ዘለው ኮይኖም፡ እቶም ሰልፊታት ሰብ ብብዝሒ ክእከብ የብሉን ዝብል ሓሳብ እናተቓወሙዎ ጸኒሖም።

    ኣብቲ መረጻ፡ ገዛኢ ሰልፊ ሞንጎሊያ ዝኾነ ውድብ ህዝብታት ሞንጎሊያ ድማ ስልጣኑ ኣሕሊፉ ንዘይምሃብ ከም ዝወዳደር እዩ ዝግለጽ።

    እዚ ሰልፊ፡ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት’ዩ 76 ወናብር ዘለዎ ባይቶ እታ ሃገር ተረኪቡ ስልጣን ሒዙ።

    ኤዥያዊት ሃገር ሞንጎሊያ፡ ዝርግሐ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር ጥቡቕ ስጉምቲ ዝወሰደት ኮይና፡ ክሳብ ሕጂ 200 ሰባት ጥራሕ በዚ ቫይረስ ክሓሙ ከለው፡ ብምኽንያት እዚ ቫይረስ ዝሞተ ሰብ የለን።

  13. ኣብ ላቲን ኣመሪካ ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝሞቱ ሰባት 100,000 ሓሊፉ

    ላቲን ኣመሪካ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ሓበሬታ ዩንቨርሲቲ ጆንስ ሆፕኪንስ ከምዘርእዮ፡ ኣብ ኣብ ላቲን ኣመሪካን ካሪብያንን ብዝሒ ብሰንኪ ብኮሮናቫይረስ ዝሞቱ ሰባት ካብ 100,000 ሓሊፉ።

    ልዕሊ ፍርቂ ካብ’ዚ ዘጋጠመ ሞት ኣብ ብራዚል ዝተርኣየ እዩ። ብራዚል ካብ ኣመሪካ ቀጺላ፡ በዚ ሕማም ኣዝያ ተሃስያ ዘላ ሃገር እያ።

    ኣብ ሜክሲኮ ድማ ዛጊድ 23,300 ሞት ኣጋጢሙ ኣሎ። ክልቲአን ሃገራት፡ ልሕሉሕ ዝበሃል ገጉምቲ ዕጽዋ ዝወሰዳ ሃገራት እየን።

    ፔሩን ቺሊን እውን ካብተን ኣዝየን ዝተሃሰያ ሃገራት ናይዚ ዞባ እየን።

    ላቲን ኣመሪካ፡ ኣብዚ እዋን ቀንዲ ማእከል እዚ ለበዳ ክትከውን ከላ፡ ዝያዳ ኣመሪካን ኣውሮጳን ልዑል መዓልታዊ ሞት እዩ ዘጋጥም ዘሎ።

  14. ኣመሪካ ወሰኽ መልከፍቲ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣሻቒልዋ ኣሎ

    ስእሊ ኣንቶኒ ፋውቺ

    መዓልታዊ ዘጋጥም ዘሎ ሓድሽ መልከፍቲ ኮቪድ-19፡ ዳርጋ ኣብ ልዕሊ ፍርቂ ግዝኣታት ኣሜሪካ መጠኑ ይውስኽ ኣሎ።

    ገሊኦም ኣመሓደርቲ፡ ሓድሽ ስጉምቲ ዕጽዋ ክእውጁ ከም ዝኽእሉ ይገልጹ። ንኣብነት፡ ብሰኑይ ኣብ ፍሎሪዳ ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ናብ ልዕሊ 100 ሽሕ በጺሑ።

    ኣብ መላእ እታ ሃገር፡ ጥንኩር መምርሒ ምጥቃም መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ስለ ዘየሎ፡ ብርክት ዝበሉ ምምሕዳር ከተማታት ናይ ባዕሎም መምርሒ ኣጠቓቕማ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫ ከውጽኡ ጀሚሮም።

    እንተ ላዕለዋይ ክኢላ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ኣሜሪካ፡ ኣብ ገለ ግዝኣታት ኣሜሪካ "ዘሻቕል ወሰኽ መልከፍቲ” ኮሮናቫይረስ ይርኣይ ኣሎ ክብል ኣጠንቂቑ።

    ዳይሬክተር ሃገራዊ ኢንስቲትዩት ኣለርጂ ዶክተር ፋውቺ፡ ኣብ ብርክት ዝበላ ደቡብን ምዕራብን ግዝኣታት ኣሜሪካ፡ "ከባብያዊ ምትሕልላፍ እዚ ቫይረስ ይውስኽ" እዩ ዘሎ ብምባል፡ ነቲ ኹነታት ድማ ኣዝዩ ዘሻቕል ክብል እዩ ገሊጹዎ።

    "ቅድሚ ክልተ መዓልቲ፡ ኣብ ሓደ መዓልቲ ጥራሕ 30 ሽሕ ሓደሽቲ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ነይሮም። እዚ ንዓይ ጸገም'ዩ" ኢሉ።

    "ስለ ዝኾነ፡ ኣብቶም ዝቕጽሉ መዓልታት ኣብ ቴክሳስ፣ ፍሎሪዳ፣ ኣሪዞናን ካልኦት ግዝኣታትን ዘጋጥም ዘሎ ሓድሽ መልከፍቲ ንምቁጽጻር ክንጽገም ኢና" ኢሉ።

  15. ከመይ ሓዲርኩም?

    ናብ ቢቢሲ ትግርኛ እንኳዕ ድሓን መጻእኩም። ናይዚ ዕለት ካብ ዘለው ምዕባለታት ኮቪድ-19

    ·ዳይሬክተር ምክልኻልን ምቁጽጻርን ሕማማት ኣሜሪካ ሮበርት ሬድፊልድ፡ ኣሜሪካ ብኮሮናቫይረስ “ተንበርኪኻ፡ ኢሉ።

    ·መራሒ ሓይሊ ዕማም ምቁጽጻር ዝርግሐ እዚ ቫይረስ ኣንቶኒ ፋውቺ ብወገኑ፡ ሓድሽ ዝርግሐ እዚ ለበዳ፡ ናብ “ዝህውኽ” ደረጃ በጺሑ ኣሎ ክብል ኣጠንቂቑ።

    ከም ጸብጻብ ዩኒቨርሲቲ ጆንስ ሆፕኪንስ፡ ኣብ ዓለም ቑጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት፡ ልዕሊ 9,240,398በጺሑ።

    ኣሜሪካ፡ ብቑጽሪ በዚ ቫይረስ ብዝተትሓዙ ሰባት ቐዳመይቲ ኮይና፡ ብራዚል ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትርከብ።

    ክሳብ ሕጂ፡ ኣብ መላእ ዓለም፡ ልዕሊ 476 ሽሕ ሰባት ብምኽንያት እዚ ቫይረስ ሞይቶም።

    ኣብ ኢትዮጵያ’ውን፡ ቑጽሪ በዚ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት 4663 ኮይኑ ኣሎ።

    ናይ ትማሊ ፍጻሜታት፡ ናብ ታሕቲ ውርድ ኢልኩም ምርካብ ትኽእሉ።

    ናብ ቢቢሲ ትግርኛ እንኳዕ ድሓን መጻእኩም
  16. ሓድሽ ዜና, ኢትዮጵያ፡ 185 ሓደሽቲ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ተረኺቦም

    ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ ልዕሊ 3775 ሰባት ብዝተገብረ መርመራ፡ 185 ሰባት በቲ ቫይረስ ከምዝተለኸፉ ሚኒስተር ጥዕናን ትካኅ ጥዕና ማሕበረሰብን ኢትዮጵያ ብሓባር ኣብ ዘውጸእዎ ዕለታዊ መግለጺ ኣፍሊጦም።

    እዚ ድማ ብሓፈሻ ኣብታ ሃገር ብዝሒ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት፡ ናብ 4848 ኣብጺሑዎ ኣሎ።

    ብኻሊእ ገጽ፡ ኣብ ኢትዮጵያ 115 በቲ ቫይረስ ተጠቒዖም ዝነበሩ ሰባት ሓውዮም ከምዘለዉ ምፍላጥ ተኻኢሉ።

    ብሐፈሻ ዛጊድ ካብቲ ሕማም ዝሓወዩ ብዝሒ ሰባት 1412 በጺሑ ኣሎ።

  17. ብሉጽ ተጻዋታይ ቴንስ ኖቫክ ጆኮቪች ብኮሮናቫይረስ ተለኺፉ

    ኖቫክ ጆኮቪች

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ተሰሪዑ ዝርከብ፡ ብሉጽ ተጻዋታይ ቴንስ (ባይታ) ኖቫክ ጆኮቪች ብኮቪድ-19 ተታሒዙ።

    ምስኡ ተጋጢሞም ዝነበሩ፡ ግሪጎር ዲሚትሮቭ፡ ቦርና ኮሪክን ቪክተር ተሮይኪን ምስኡ ድሕሪ ምጽዋቶም በቲ ባይረስ ከምዝተለኽፉ’ውን ተረጋጊጹ።

    ወዲ 33 ዓመት፡ ሰርቢያዊ ጆኮቪች ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ብዛዕባ’ቲ መልከፍቲ ኣዝዩ ከም ዝሓዘነ ብምግላጽ፡ “እቲ ዝተኻየደ ውድድር ብጽሩይ ልቢ ዝተገብረን፡ ሓድነት ንምፍጣርን፡ ነቲ ዞባ ዘለና ምሕዝነትን ምድንጋጽን ንምርኣይ ዝዓለመን’ዩ” ኢሉ።

    ብዓልቲ ቤቱን ደቆምን በቲ ቫይረስ ከምዘይተለኽፉን’ውን ሓቢሩ።

    ኣብቲ ኣብ ርእሰከተማ ሰርብያ ዝኾነት በልግሬድ ዝተኻየደ ጸወታ፡ ኣስታት 4000 ደገፍቲ ተረኺቦም ከም ዝነበሩ ጸብጻባት ሓቢሮም።

  18. ኣብ ብሪጣንያ እገዳታት ኮቪድ-19 ይፈኩስ ኣሎ

    እንግሊዝ እጽዋ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ኣብ ዓዲ-እንግሊዝ (ኢንግላንድ)፡ ኣብያተ-መስተ፡ ኣብያተ-መግቢ፡ ሆቴላትን ጽባቐ ጸጉሪን ዝርከብዎም ትካላት ኣገልግሎታት ካብ 4 ሓምለ ጀሚሮም ክኽፈቱ ምዃኖም ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሰን ሎሚ ኣፍሊጡ።

    ኣካላዊ ምፍንታት'ውን ካብ 2 ሜትሮ ናብ "ሓደ ሜትሮን ልዕሊኡን" ክወርድ ምዃኑ ጆንሰን፡ ንፓርላማ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ። እንተ ተኻኢሉ ግን ሰባት 2 ሜትሮ ክፈናተቱ ምዒዱ'ሎ።

  19. ኣብ ኣፍሪቃ፡ ፈላማይ ፈተነ ክታበት ኮሮናቫይረስ ኣብዚ ሰሙን ክጅመር እዩ

  20. “መሬት ዓድና ክንረግጽ” ኢለን ዝምሕጸና ኢትዮጵያውያን ኣብ ሊባኖስ