ኣብ ኣመሪካ፡ ኣስታት 20 ሚልዮን ሰባት ብኮቪድ-19 ተለኺፎም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ተገሊጹ

ኣብ ኣሜሪካ፡ ትማሊ ጥራሕ ልዕሊ 37 ሽሕ ሓደሽቲ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ተረኺቦም። ጸብጻብ ኒውዮርክ ታይምስ ከም ዘመላኽቶ ድማ፡ ኣብ ቴክሳስ፣ ፍሎሪዳን ካሊፎርኒያን ሓዊሱ ኣብ 29 ግዝኣታት ኣሜሪካ፡ መዓልታዊ ዘጋጥም መልከፍቲ ይውስኽ ኣሎ። በዚ ምኽንያት ዘጋጥም ሞት ግን ምንካይ ኣርእዩ ኣሎ። ውድብ ጥዕና ዓለም ድማ፡ ኣብ ኤውሮጳ ሓድሽ ለብዒ እዚ ቫይረስ ክውስኽ ይኽእል'ዩ ክብል ኣጠንቂቑ።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ኤርትራ፡ 23 ተወሰኽቲ ሰባት ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም

  2. ኣብ ኢትዮጵያ 8 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ሞይቶም 250 ተለኺፎም

    ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብዘን ዝሓለፋ 24 ሰዓታት 8 ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ከም ዝሞቱ፡ ሚኒስትሪ ሓለዋ ጥዕና ኣፍሊጡ።

    ዛጊት፡ ምስዞም ናይ ሎሚ ሓዊሱ፡ ኣብታ ሃገር 89 ሰባት ሞይቶም ኣለዉ።

    ተወሰኽቲ 250 ሰባት በቲ ቫይረስ ከም ዝተለኽፉ’ውን እቲ መግለጺ ሓቢሩ። ካብዞም ናይ ሎሚ እተን 92 ደቂ-ኣንስትዮ እየን።

    ዓሰርተ ካብኦም ከኣ ወጻእተኛታት ምዃኖም ተፈሊጡ።

    ክሳብ ሕጂ ብድምር፡ ቁጽሪ ዝተለኽፉ ሰባት 5425 በጺሑ’ሎ። ክእለዩ ዝጸንሑ 144 ከም ዝሓወዩ ድማ እቲ መግለጺ ይጠቅስ።

    ልያ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

  3. ኣብ ስዑድ ዓረብ ኣብ ስቓይ ዝርከቡ ስደተኛታትን፡ ምላሽ መንግስቲ ትግራይን

  4. መስርሕ ፍርዲ ቕትለት ጀነራል ሰዓረን ሜ/ጀነራል ገዛኢን፡ ንስድራ ክፉት ክኸውን ተወሲኑ

  5. ኣብ ትግራይ፡ 21 ሓደሽቲ ብኮቪድ-19 ዝተለኸፉ ሰባት ተረኺቦም

    ተወሸብቲ

    ምንጪ ስእሊ, Axum University

    ኣብ ትግራይ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ብዝተካየደ መርመራ 246 ቅምሶታት፡ እቶም 21 ኮሮናቫይረስ ተረኺቡዎም።

    እቶም 20፡ ናብ ካልእ ሃገር ተጓዒዞም ዝነበሩ ከም ዝኾኑ ኢንትስቲትዩት መጽናዕቲ ጥዕና ትግራይ ገሊጹ።

    እዚ፡ ብዝሒ ኣብቲ ክልል ኮሮናቫይረስ ዝተረኸቦም ሰባት ናብ 204 ሓፍ ኣቢሉዎ ኣሎ።

    ብኻልእ ወገን፡ 9 በቲ ቫይረስ ተታሒዞም ዝጸንሑ ሰባት እንትድሕኑ፡ ብሓፈሻ 42 ሰባት ካብቲ ሕማም ሓውዮም፤ ሓደ ድማ ሞይቱ።

    ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኣብቲ ክልል 162 ሰባት ኣብ መወሸቢ ማእከላት ክህልው እንከለው፡ ሓደ ኣብ ክፍሊ ጽኑዕ ሕክምና ይርከብ።

  6. ብስፍሓቱ ካልኣይ ዝኾነ ለበዳ ሕማም ኢቦላ ኣብ ቁጽጽር ውዒሉ

  7. ኣብ ደቡብ ሱዳን፡ 47 ሰራሕተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብኮቪድ-19 ተለኺፎም

    ልኡኽ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ደቡብ ሱዳን፡ 47 ሰራሕተኛታቱ ብኮሮናቫይረስ ተለከኺፎም ከምዘለው ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ።

    ካብዚኦም፡ ሓደ ሰራሕተኛ በዚ ቫይረስ ከምዝሞተ’ውን ገሊጹ።

    ኣብ ደቡብ ሱዳን፡ ዛጊት 2000 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ኮይኖም፡ እቶም 10 ድማ ኣባላት ካቢነ ሚኒሰትራት እታ ሃገር እዮም።

    ኣብታ ሃገር ክሳብ ሕጂ 10000 መርመራታት ኮሮናቫይረስ ተኻይዱ ኣሎ።

    ክኢላታት ጥዕና ግን ቁጽሪ ዝተለኽፉ ሰባት ካብቲ ዝተዋህበ ቁጽሪ ንላዕሊ ክኸውን ከም ዝኽእል ኣጠንቒቖም።

    መርመራ ኮሮናቫይረስ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

  8. ኣብ ጽርግያታት ሊባኖስ ዝተደርበያ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት

  9. ኣብ ኒጀር፡ 10 ሰራሕተኛታት ረድኤት ተጨውዮም

    ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ኒጀር ኣብ ዝርከብ ዓድታት እኽሊ ዝዕድሉ ዝነበሩ 10 ስራሕተኛታት ረድኤት ከምዝተጨውዩ ተሓቢሩ።

    እቶም ጨወይቲ ኣብ ሞቶ ሳይክል ተሰቒሎም ነቶም ሰራሕተኛታት ከምዝወሰድዎምን፡ 2 ቶዮታ ላንድ-ኩሩዘራትን ከምዝወሰዱ ተገሊጹ።

    እቲ ኣብቲ ምስ ማሊን ቡርኪናፋሶን ዝዳወብ ምዕራባዊ ከባቢታት እታ ሃገር ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ብጂሃዳውያን ዕጡቓት ተኻይዱ ክኸውን ከም ዝኽእል ይግመት።

    ኒጀርን፡ ካልኦት መዳውብቲ ሃገራትን በቶም ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝንቀሳቐሱ እስላማውያን ጉጅለታት ክጥቃዓ ምጽንሐን ይፍለጥ።

    ምስ ጂሃዳዊ ጉጅለ ኣልቃዒዳን፡ ዳዕሽን ርክብ ዘለዎም ጉጅለታት ኣብ ኒጀር ከም ዝነጥፉ ይግለጽ።

    ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ፡ ልዕሊ 4,000 ሰባት ብእስላማውያን ጉጅለታት ከምዝተቐትሉ ጸብጻባት ይሕብሩ።

    ኒጀር

    ምንጪ ስእሊ, AFP

  10. ስነ ስርዓት ቀብሪ ፕረዚደንት ብሩንዲ ነበር ሎሚ መዓልቲ ክፍጸም'ዩ

  11. ጀርመን 560 ሚልዮን ዶላር ንውድብ ጥዕና ዓለም ክትህብ እያ

    መራሕቲ ሃገራት ኤውሮጳ ምስ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ትማሊ ሓሙስ ሚኒስተራት ጥዕና ሃገራት ጀርመንን ፈረንሳን ምስ ጀነራል ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ድሕሪ ምዝርራብ ነቲ ትካል ብዝከኣለን ንክሕግዛ ከም ዝተመባጸዐ ተሓቢሩ።

    ሚኒስተር ጥዕና ጀርመን ጀንስ ስፋን ከም ዝሓበሮ፡ ሃገሩ 560 ሚልዮን ዶላር ንውድብ ጥዕና ዓለም ክትህብ ምዃና ገሊጹ።

    እቲ ሚኒስትር፡ እዚ ዓለማዊ ለበዳ ዓለማዊ ምትሕግጋዝ ከም ዘድልዮ ድሕሪ ምሕባር፡ "ናይ ሓደ ሃገር ንጽል ፍታሕ ንዓለምለኻዊ ጸገማት ከም ዘይዕወት ፍሉጥ'ዩ" ኢሉ።

    ብኻልእ ወገን፡ መንግስቲ ፈረንሳ፡ 50 ሚልዮን ዩሮ ንውድብ ጥዕና ዓለም ከም ዝህብን፡ ካልእ 90 ሚልዮን ዩሮ ድማ ንማእከል ምርምር ልዮን ከም ዘበርክትን ሚኒስተር ጥዕና እታ ሃገር ኦሊቨር ቨራን ሓቢሩ።

    መንግስቲ ኣመሪካ ንውድብ ጥዕና ዓለም "ኩርኩር ቻይና'' ኢሉ ዝህቦ ዝነበረ ሓገዝ ምስ ኣቛረጾ፡ መራሕቲ ሃገራት ኤውሮጳ ንውድብ ጥዕና ዓለም ንምሕጋዝ ዝከኣለን ይገብራ ከም ዘለዋ ይገለጽ።

  12. ምንዋሕ እዋን መረፃ ኣብ ኢትዮጵያ ሕጋዊ ዶስ ኣይፋሉን?

  13. ኣብ ዓበይቲ ግዝአታት ኣሜሪካ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ብናህሪ ይውስኽ ኣሎ ተባሂሉ

    ኣብ ኣሜሪካ፡ ብትማሊ ሓሙስ ጥራሕ፡ ልዕሊ 37 ሽሕ ሓደሽቲ ብኮሮናቫይረስ ዝተታሕዙ ሰባት ከም ዝተረኸቡ ብመርመራ ተረጋጊጹ።

    እዚ፡ ኣብ ወርሒ ሚያዚያ የጋጥም ምስ ዝነበረ መዓልታዊ መልከፍቲ ሓደ ዓይነት እዩ።

    ጸብጻብ ኒውዮርክ ታይምስ ከም ዝብሎ፡ ኣብ ቴክሳስ፣ ካሊፎርኒኣን ፍሎሪዳን ሓዊሱ ኣብ 29 ግዝኣታት ኣሜሪካ መዓልታዊ ዝውስኽ መልከፍቲ ይርኣይ ኣሎ።

    እንተኾነ፡ ቑጽሪ መልከፍቲ ኣብ ዝውስኸሉ፡ ብዝሒ ብምኽንያት እዚ ቫይረስ ዘጋጥም ዘሎ ሞት ግን ነክዩ'ሎ።

    ትማሊ፡ ብሕማም ኮሮናቫይረስ 692 ሰባት ሞይቶም።

    ኣብ ኣሜሪካ ዘሎ መልከፍቲ ኮቪድ-19
  14. ክልላዊ መረጻ ትግራይ ብዓይኒ ፍሉጣት ፖለቲከኛታት ኢትዮጵያ

  15. ኣብ ሜክሲኮ፡ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝሞቱ ሰባት ልዕሊ 25 ሽሕ ሓሊፉ

    ዓዳጊትን ሸያጥን ኣብ ሜክሲኮ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    መንግስቲ ሜክሲኮ፡ ኣብ ሃገሩ ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ልዕሊ 200,000 ከም ዝበጽሐ ብምግላጽ፡ ቑጽሪ ዝሞቱ ካብ 25 ሽሕ ከም ዝዛየደ ኣፍሊጡ።

    ክሳብ 28 ለካቲት፡ ኣብታ ሃገር ዋላ ሓደ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፈ ሰብ ኣይነበረን።

    ሓደጋ እዚ ለበዳ ኣብ ኤሽያን ኤውሮጳን እናሓየለ ኣብ ዝመጽአሉ እዋን’ውን፡ ክሳብ መወዳእታ ወርሒ መጋቢት ኣብ ሜክሲኮ ዝርግሐ እዚ ቫይረስ ንምቁጽጻር ዝኾነ ዓይነት ስጉምቲ ዕጽዋ ኣይተወሰደን ጸኒሑ።

    ፕረዚደንት ኣንድሬስ ማኑኤል ሎፔዝ፡ ስጉምቲ ንምውሳድ ብምዝንግዑን ተዓጽዮም ንዝነበሩ ንምኽፋት ብምቕልጣፉን ድማ ተነቒፉ።

    ብርክት ዝበሉ ትካላት ንግዲ ሜክሲኮ፡ ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ ክኽፈቱ ጀሚሮም።

    መዓልታዊ ዘጋጥም መልከፍትን ሞትን ግን ሕጂ’ውን ይውስኽ ኣሎ።

  16. መንግስቲ ኣመሪካ ንዝሞቱ ዜጋታቱ 1.4 ቢልዮን ዶላር ልኢኹ

  17. ከመይ ሓዲርኩም?

    ቀንዲ ምዕባለታት ኮሮናቫይረስ ዓለም

    • ኣብ ላቲን ኣሜሪካ ለብዒ ኮሮናቫይረስ ይወስኽ ብምህላዩ፡ ኣብ ሜክሲኮ ጥራሕ ልዕሊ 25 ሽሕ ሰባት ብምኽንያት እዚ ቫይረስ ሞይቶም ኣለው።
    • ብርክት ዝበላ ግዝኣታት ኣሜሪካ ሓድሽ መልከፍቲ እዚ ቫይረስ የጋጥመን ኣሎ። መዓልታዊ ልዑል ቑጽሪ መልከፍቲ ክርኣ እንከሎ፡ ትማሊ ጥራሕ 40 ሽሕ ሰባት በቲ ቫይረስ ተታሒዞም።
    • ሰብ መዚ ጥዕና ኣሜሪካ፡ ኣስታት 20 ሚልዮን ህዝቢ ኣሜሪካ ብኮሮናቫይረስ ተለኺፉ ክኸውን ከም ዝኽእል ገሊጾም
    • ኤውሮጳ’ውን ኣብ ውሽጢ ኣዋርሕ ንፈለማ እዋን ክብሃል ብዝኽእል፡ ሰሙናዊ ዝውስኽ መልከፍቲ እዚ ቫይረስ ተርኢ ኣላ
    • ብደረጃ ዓለም፡ ብዝሒ ብኮቪድ-19 ዝተለኸፉ ሰባት 9.6 ሚልዮን ክበጽሕ እንከሎ፡ ብምኽንያት እዚ ሕማም ዝሞቱ ሰባት 460 ሽሕ በጺሑ'ሎ።
    ከመይ ሓዲርኩም?
  18. ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 141 ሰባት ኮሮናቫይረስ ተረኺብዎም

    ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት ኣብ ልዕሊ 4675 ምርመራ ዝተገብረ ኾይኑ፡ 141 ሰባት በቲ ቫይረስ ከምዝተትሓዙ ሚኒስትር ጥዕናን ትካል ጥዕና ማሕበረሰብ ኣረጋጊጹ።

    ከመኡ ድማ፡ ሰለስተ ሰባት በቲ ቫይረስ ህይወቶም ከምዝሓለፈ እቲ መግለጺ ይሕብር።

    ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ሎሚ ኣማስዩ ኣብ ዘውጸኦ ዕለታዊ ጸብጻብ ከምዝሓበሮ ድማ፡ ሸውዓተ ካብ ሰቲት ሑሞራ ኣብ መሐከሚ ማእኸል ዝነበሩ ሰባት ሎሚ ድሒኖም ወፂኦም ኣለው።

    እቲ ቢሮ ወሲኹ ድማ፡ ኣብቲ ክልል ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 547 መርመራ ዝተገበረሎም ኮይኑ፡ ኩሎም ነጻ ከምዝኾኑ ሓቢሩ።

    ብሓፈሻ፡ ዛጊድ ኣብትግራይ 8,223 ምርመራ ኮሮናቫይረስ ዝተገበረሎም እንትኸውን፡ ካብኣቶም 183 እቲ ቫይረስ ተረኺቡዎም።

    ካብዚኦም ድማ፡ 150 ኣብ መሐከሚ ማእኸል ዝርከቡ ኾይኖም ሓደ ኣብ ጽኑዕ ክትትል ክፍሊ ሕክምና ከምዝርከብ ተፈሊጡ።

    ኣብ ክልል ትግራይ፡ ዛጊድ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ በቲ ቫይረስ ህይወታ እንትሓልፍ፡ 33 ሰባት ድማ ሙሉእ ንሙሉእ ድሒኖም።

    ኣብዚ ሕዚ እዋን፡ ኣብ ኢትዮጵያ 5175 በቲ ቫይረስ ከምዝተትሓዙ ተረጋጊጹ።

    ተወሺቦም ዝነበሩ

    ምንጪ ስእሊ, Axum University

  19. ፕሬዝደንት ሰኔጋል ተወሺቡ

    ፕሬዝደንት ሰኔጋል ማኪ ሻል፡ ምስ ሓደ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፈ ሰብ ድሕሪ ምርኻቡ፡ ን 14 መዓልታት ንነብሱ ፈልዩ ከጽንሕ እዩ።

    ኣብዚ እዋን ውጽኢት መርመራ እቲ ፕሬዝደንት ናጻ’ኳ እንተኾነ፡ ኩለ መዳያዊ ጥንቃቐ ንምግባር ግን ን14 መዓልታት ክውሸብ እየ ኢሉ።

    ማኪ ሻል፡ ካብ 2012 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ፈረንጂ] ጀሚሩ ፕሬዝደንት እታ ሃገር ዝኾነ እዩ።

    ሓጋጊት ሕጊ ሰኔጋል የያ ዲያሎ፡ ብሮቡዕ ብኮሮናቫይረስ ከም ዝተለኸፈት ገሊጻ እያ።

    ኣብ ሰኔጋል፡ 6129 ሰባት በቲ ቫይረስ ክተሓዙ ከለው፡ 93 ድማ ሞይቶም።

    ማኪ ሻል፡ ካብ 2012 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ፈረንጂ] ጀሚሩ ፕሬዝደንት እታ ሃገር ዝኾነ እዩ።

    ምንጪ ስእሊ, AFP

  20. ዓብዪ ስግኣት ካልኣይ ወለዶ ዕስለ ኣንበጣ፡ ኣብ ኤርትራን ትግራይን