ኣብ ኣመሪካ፡ ኣስታት 20 ሚልዮን ሰባት ብኮቪድ-19 ተለኺፎም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ተገሊጹ

ኣብ ኣሜሪካ፡ ትማሊ ጥራሕ ልዕሊ 37 ሽሕ ሓደሽቲ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ተረኺቦም። ጸብጻብ ኒውዮርክ ታይምስ ከም ዘመላኽቶ ድማ፡ ኣብ ቴክሳስ፣ ፍሎሪዳን ካሊፎርኒያን ሓዊሱ ኣብ 29 ግዝኣታት ኣሜሪካ፡ መዓልታዊ ዘጋጥም መልከፍቲ ይውስኽ ኣሎ። በዚ ምኽንያት ዘጋጥም ሞት ግን ምንካይ ኣርእዩ ኣሎ። ውድብ ጥዕና ዓለም ድማ፡ ኣብ ኤውሮጳ ሓድሽ ለብዒ እዚ ቫይረስ ክውስኽ ይኽእል'ዩ ክብል ኣጠንቂቑ።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ብሪጣንያ፡ ኣብያተ መስተን መግብን ክኽፈቱ'ዮም

    ቢራ ኣብ ባር እናተቐድሐ

    ኣብ ዓዲ-እንግሊዝ (ኢንግላንድ)፡ ኣብያተ-መስተ፡ ኣብያተ-መግቢ፡ ሆቴላትን ጽባቐ ጸጉሪን ዝርከብዎም ትካላት ኣገልግሎታት ካብ 4 ሓምለ ጀሚሮም ክኽፈቱ ምዃኖም ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሰን ሎሚ ኣፍሊጡ።

    ኣካላዊ ምፍንታት’ውን ካብ 2 ሜትሮ ናብ “ሓደ ሜትሮን ልዕሊኡን” ክወርድ ምዃኑ ጆንሰን፡ ንፓርላማ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ።

    እንተ ተኻኢሉ ግን ሰባት 2 ሜትሮ ክፈናተቱ ምዒዱ’ሎ።

    ኣብ ዓዲ-እንግሊዝ፡ ክልተ ስድራቤታት ኣብ ውሽጢ ገዛ ክራኸቡን ብሓንሳብ ክሓድሩን ምዝኽእሉ’ውን ተፈሊጡ። ካልኦት ክፍለ-ሃገራት ብሪጣንያ (ዌልስ፡ ስኮትላንድን ሰሜን ኣየርላንድን) ነቶም እገዳታት ባዕለን ናይ ምውሳን ስልጣን ኣለወን።

    ነቶም ብሓንሳብ ዘይነብሩ ኣባላት ስድራቤተት ግን ምስዕዓምን ምትሕቑቛፍን ኣይክፍቀደሎምን እዩ።

    ይኹን’ምበር፡ እቲ ለበዳ እናገደደ እንተኸይዱ፡ እቶም እገዳታት ናብ ዝነበርዎ ክምለሱ ከም ዝኽእሉ ኣጠንቂቑ’ሎ።

    እቲ ሓደጋ ምሉእ ብምሉእ ክሳብ ዝእለ ድማ ህዝቢ ዘድሊ ዝበሎ ጥንቃቐታት ክገብር ተማሕጺኑ።

  2. ትራምፕ፡ ንግዝኡ ቪዛን ግሪን ካርድን ከይወሃብ ኣጊዱ

  3. ኣብ ሑመራ 4ይ መመርመሪ ማእከል ኮቪድ-19 ሎሚ መዓልቲ ስርሑ ክጅምር’ዩ

    መርመራ ኮሮናቫይረስ ካብ ኣፍንጫ ብዝውሰድ ቅምሶ እዩ ዝካየድ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ኣብ ትግራይ፡ ዓቕሚ መርመራ ኮሮናቫይረስ ንምዕባይ ኣብ ሑመራ ዝተኸፍተ ሓድሽ መመርመሪ ማእከል ሎሚ መዓልቲ ስርሑ ክጅምር’ዩ።

    ቅድም ኢሉ፡ ኣብ መቐለ ክልተ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣኽሱም ድማ ሓደ መመርመሪ ማእከላት ተኸፊቶም ጸኒሖም።

    እዚኦም መዓልታዊ፡ ብማእከላይ ክሳብ 750 ዝበጽሑ ሰባት ናይ ምምርማር ዓቕሚ እንተሃለዎም፡ ክንድቲ ዝድለ ከም ዘይኮነን፡ ኣብ ሓደ እዋን ዝለዓለ ዝተባህለ መርመራ 490 ቅምሶታት መርመራ ገይሮም ከም ዝፈልጡን ሓላፊ ቢሮ ጥዕና እቲ ክልል ዶክተር ሓጎስ ጎደፋይ ንቢቢሲ ገሊጹ።

    ኣብዚ ሕጂ እዋን ዘሎ ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ንምፍላጥ ድማ፡ ማእከል መርመራ ሑመራ ብምውሳኽ መዓልታዊ ናብ ሓደ ሽሕ ሓፍ ንክብል ከም ዝግበር እቲ ሓላፊ ተዛሪቡ።

    እዚ ግን ምስ ብዝሒ ህዝቢ እቲ ክልል ክነጻጸር እንከሎ ትሑት እዩ ብምባል፡ ዚያዳ ክስራሕ ከም ዘለዎ ዶክተር ሓጎስ ገሊጹ።

    ኣብቲ ክልል፡ ክሳብ ሕጂ መርመራ ልዕሊ 7 ሽሕ ቅምሶታት ክግበር እንከሎ፡ ብዝሒ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት 186 በጺሑ።

    ክሳብ ሕጂ፡ ኣብ ትግራይ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ጥራሕ’ያ ብምኽንያት እዚ ቫይረስ ሞይታ። 20 ሰባት ድማ ሓውዮም።

  4. ስለምንታይ ዚያዳ ደቂ ኣንስትዮ ብኮቪድ-19 ይሞታ ኣለዋ?

    ኣብ ህንዲ፡ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ናይ ዝሞታ ደቂ ኣንስትዮ ቑጽሪ ኣዝዩ ልዑል እዩ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ዓለምለኻዊ መረዳእታ ከም ዘመላኽቶ፡ ክሳብ ሕጂ ብምኽንያት ኮቪድ-19 ካብ ዝሞቱ ሰባት፡ እቶም ዝበዝሑ ደቂ ተባዕትዮ'ዮም።

    ንኣብነት፡ ኣብ ጥልያን፣ ቻይናን ኣሜሪካን፡ ዝበዝሑ በዚ ሕማም ዝተጠቕዑን ዝሞቱን ደቂ ተባዕትዮ'ዮም።

    ኣብ ህንዲ ግን፡ ካልእ ሕንቅልሕንቅሊተይ እዩ ዘሎ።

    ጉጅለ ተመራመርቲ ህንድን ኣሜሪካን ዘካየዱዎ መጽናዕቲ፡ ዋላ'ኳ ደቂ ተባዕትዮ ብዝለዓለ መጠን ነዚ ሕማም ተቓላዕቲ እንተኾኑ፡ ደቂ ኣንስትዮ ግን ካብቲ ወዲ ተባዕታይ ንላዕሊ ናይ ምሟት ተኽእሎ ኣለወን ይብል።

    እዚ መጽናዕቲ፡ ኣብ ህንዲ ክሳብ ግንቦት 20 ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ዝሞቱ ሰባት መሰረት ብምግባር እዩ ተኻይዱ።

    3.3 ሚኢታዊት ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዛ ደቂ ኣንስትዮ ክሞታ እንከለዋ፡ ብዝሒ በዚ ቫይረስ ዝሞቱ ደቂ ተባዕትዮ 2.9 ሚኢታዊት ከም ዝኾነ እቲ መጽናዕቲ ይሕብር።

    ኣብ ክሊ ዕድመ 40-49 ካብ ዘለው ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን፤ እተን 3.2 ሚኢታዊት ደቂ ኣንስትዮ እንትሞታ፡ ናይ ደቂ ተባዕትዮ 2.1 ሚኢታዊት ኮይኑ ተመዝጊቡ።

    ኣብ ክሊ ዕድመ 5-19 ዓመት ካብ ዘለው ሰባት ድማ፡ ደቂ ኣንስትዮ ጥራሕ እየን ሞይተን።

  5. ኡጋንዳ፡ ናብ “ዝኸፍአ ደረጃ” ለበዳ ተምርሕ ኣላ

    መጓዓዝያ ዝጽበዩ ዘለው ሰባት

    ምንጪ ስእሊ, AFP

    ፕሬዝደንት ኡጋንዳ ዩዌሪ ሙሴቬኒ፡ እታ ሃገር ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ተምርሕ ኣላ ኢሉ።

    እቲ ፕሬዝደንት ትማሊ ብቴሌቪዥን ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ ኣብ ገለ ከባቢታት እታ ሃገር ኣገልግሎት ህዝባዊ መጓዓዝያን ናይ ብሕቲ መካይንን ስለ ዝተጀመረ፡ እቲ ቫይረስ ኣሰሮም ክርከብ ናብ ዘይኽእል ሰባት ይኸይድ ምህላው ገሊጹ።

    እዚ ከምዚ እናሃለወ ግን፡ ኣብ 33 ከባቢታት እታ ሃገር ተነቢሩ ዝጸንሐ እገዳ ምንቅስቓስ ናይ ህዝብን ብሕትን መጓዓዝያ ክለዓል ምዃኑ እዩ ጠቒሱ።

    እንተኾነ፡ ኣብ ዶብ ከባቢታት ዝህሉ እገዳ መጓዓዝያ ብዝነበሮ ክቕጽል እዩ።

    ቅድም ኢሉ፡ ምትሕልላፍ እቲ ቫይረስ ካብ ካልኦት ሃገራት ኣብ ዝመጽኡን መራሕቲ መኪና ነዊሕ ርሕቐትን ከም ዝነበረ ይግለጽ።

    ኣብ ኡጋንዳ፡ ሕጂ’ውን ኣዋጅ እቶ እቶ ተኣዊጁ፡ ኣብያተ ትምህርትን ናይ ኣምልኾ ቦታታትን ተዓጽዮም እዮም ዘለው።

    ኣብታ ሃገር፡ 774 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ክሓሙ ከለው፡ ካብዚኦም እቶም 631 ሓውዮም፤ ዋላ ሓደ ሰብ ግን ብምኽንያት እዚ ቫይረስ ኣይሞተን።

  6. ኮሮናቫይረስ፡ ናሚቢያ ኣብያተ ትምህርቲ ክትከፍት እያ

    መሸፈኒ ኣፍን ከምኡ'ውን ጓንት ዝገበረ መንእሰይ

    ምንጪ ስእሊ, AFP

    ኣብ ናሚቢያ፡ ዝርግሐ ለበዳ ኮቪድ-19 ንምቁጽጻር ዝወጽኡ ኣዋጃት ክፎኽሱ ስለ ዝጀመሩ፡ ዝተዓጸዋ ኣብያተ ትምህርቲ ምኽፋት ከም ዝጅምር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኣፍሊጡ።

    ካብ 6 ሓምለ ክሳብ 3 ነሓሰ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ኣብያተ ትምህርቲ ምኽፋት ከም ዝጅመር ብምግላጽ፡ ብ18 መስከረም ትምህርቲ ክዛዘም ምዃኑ ሓቢሩ።

    ፕሬዝደንት ሃጌ ጌንጎብ፡ ዝርግሐ እዚ ቫይረስ ንምቁጽጻር ዝተወስዱ ስጉምታት ከም ዝፎኸሱ ትማሊ ተዛሪቡ ነይሩ።

    ኣብ ዝቕጽል ሰሙን፡ “ብጥንቃቐ ካብ ዝተሓረያን ዝተሓተ ስግኣት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዘለወንን ሃገራት” ዝመጽኡ በጻሕቲ ዓዲ፡ ክኣትው ክፍቀደሎም ምዃኑ ሓቢሩ።

    ዓውዲ ቱሪዝም እታ ሃገር፡ ን 100 ሽሕ ሰባት ዕድል ስራሕ ዝፈጠረ ምዃኑ ይዝረብ።

    ብተወሳኺ፡ ብዝሒ ኣብ መርዓን ስነ ስርዓት ቀብርን ዝርከቡ ሰባት፡ ካብ 50 ናብ 250 ሓፍ ኢሉ።

    ክሳብ ሕጂ፡ ኣብ ናሚቢያ 603 ሰባት በቲ ቫይረስ ክትሓዙ ከለው፡ ዋላ ሓደ ሰብ ምስ'ዚ ቫይረስ ብዝተሓሓዝ ኣይሞተን።

  7. ስዑዲ ዓረብ ንግደት ሓጅ እዚ ዓመት ኸልኪላ

    ስዑዲ ዓረብ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ክትብል፡ ሎሚ ዓመት ንንግደት ሓጅ ኣመንቲ ካብ ካልኦት ሃገራት ከይኣትውዋ ከልኪላ።

    ኣብቲ ናይ ሎሚ ዓመት ሃይማኖታዊ ፍጻመ ክሳተፉ ዝኽእሉ፡ ኣብዚ እዋን ኣብታ ሃገር ዘለዉን ውሱናት ሰባት ጥራይን ምዃኖም መራኸብቲ ብዙሓን እታ ሃገር ገሊጸን።

    እቲ ናብ ቅዱስ ቦታታት መካን መዲናን ዝግበር ዓመታዊ ንግደት፡ ኣስታት 2 ሚልዮናት ኣመንቲ እስልምና ክሳተፉሉ እዩ ትጽቢት ነይሩ።

    ሓጅ፡ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ምሉእ ንምሉእ ክስረዝ ይኽእል እዩ ዝብል ፍርሒ’ውን ነይሩ።

    ስዑዲ ዓረብ ሓጅ እዚ ዓመት ኸልኪላ

    ምንጪ ስእሊ, AFP

  8. ኣብ ሜክሲኮ ዝተወለዱ ሰለስተ ቖልዑ፡ ኮሮናቫይረስ ተረኺቡዎም

    ኣብ ሜክሲኮ፡ ብኮቪድ-19 ዝተለኸፉ ሰለስተ ህጻናት ተወሊዶም። ሰብ መዚ ጥዕና እታ ሃገር፡ ከምዚ ዝበለ ክስተት ሰሚዖም ከም ዘይፈልጡ ይዛረቡ።

    እዞም ዕሸላት ኣብ ዝተወለዱላ ናይ መጀመርታ ሰዓታት በቲ ቫይረስ ከም ዝተለኸፉ ክረጋገጽ እንከሎ፡ ምስ ዝኾነ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዘ ሰብ፡ ዝኾነ ዓይነት ምትንኻፍ ኣይነበሮምን ተባሂሉ።

    ተመራመርቲ ድማ፡ ኩነታት እዞም ዕሸላት ኮሮናቫይረስ ካብ ጥኑሳት ኣዴታት ብመዳሕንቲ ይመሓላለፍ ድዩ ኣይመሓላለፍን ዝብል ንምፍላጥ ክሕግዘና እዩ ይብሉ።

    ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ እቶም ክልተ ዕሸላት ኣብ ዝተረጋግአ ኩነታት ኮይኖም፡ እቲ ሓደ ሕክምናዊ ክትትል ይግበረሉ ኣሎ።

    ሰብ መዚ ጥዕና ሜክሲኮ፡ ስድራ እዞም ህጻናት ነቲ ቫይረስ ተቓላዕቲ ኮይኖም ዝጸንሑ ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ይግምቱ።

  9. ውድብ ጥዕና ዓለም 'ሓድነት ምስኣን ዓብዪ ስግኣት እዩ' ኢሉ

    ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ምስ ፕሬዝደንት ቻይና ዢ ጂንፒንግ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ዳይሬክተር ጀነራል ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ “ኣብዚ ሕጂ እዋን ዓብዪ ስግኣት ኮይኑ ዘሎ እቲ ቫይረስ ዘይኮነ፡ ሕጽረት ዓለምለኻዊ ሓድነትን መሪሕነትን’ዩ” ኢሉ።

    “ኣብ ዝተኸፋፈለት ዓለም ኾይንና ነዚ ለበዳ ክንምክቶ ኣይንኽእልን” ክብል መልእኽቱ ኣሕሊፉ።

    ዶክተር ቴድሮስ፡ ብቪድዮ ኮንፈረንስ ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ ሽም ፕሬዝደንት ዶናልድ ትራምፕ እንተዘይኣልዓለ’ውን፡ ትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣሜሪካ ንውድብ ጥዕና ዓለም ትስልዖ ዝነበረት በጀት ጠጠው ከምዘበሎ ምግላጹ ዝዝከር እዩ።

    ትራምፕ “ቻይና፡ ሙሉእ ንሙሉእ ንውድብ ጥዕና ዓለም ተቖጻጺራቶ” እዩ ዝብል።

  10. ስለምንታይ ዚያዳ ደቂ ኣንስትዮ ብኮቪድ-19 ይሞታ ኣለዋ?

  11. ድሓን'ዶ ሓዲርኩም?

    ናብ ቢቢሲ ትግርኛ እንኳዕ ድሓን መጻእኩም? ዓበይቲ ርእሰ ዜናታት ኮሮናቫይረስ እዚ ዕለት፥

    • ዳይሬክተር ጀነራል ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ቅልውላው እዚ ለበዳ፡ ብምኽንያት "ፖለቲከኛታት" እዩ "በርቲዑ" ክብል ነቒፉ። ኣብ ዝተኸፋፈለት ዓለም ኾይንና ነዚ ለበዳ ክንምክቶ ኣይንኽእልን" እውን ኢሉ።
    • ቐዳማይ ሚኒስትር ብሪጣኒያ፡ ሎሚ መዓልቲ ክለባት፣ ሬስቶራንታትን ሲነማታትን ካብ 4 ሓምለ ጀሚሩ ንክኽፈቱ መምርሒ ክህብ እዩ
    • ኣሜሪካ፡ ሓድሽ ሞት 425 ሰባት ከተመዝግብ እንከላ፡ እዚ ቑጽሪ ብምኽንያት እዚ ለበዳ ዝሞቱ ሰባት ናብ ልዕሊ 120 ሽሕ ሓፍ ኣቢሉዎ።
    • ስዑዲ ዓረብ፡ ተጉዓዝቲ ሓጂ ዑምራ እዚ ዓመት ኸልኪላ
    • ኣብ ዓለም፡ ልዕሊ 9 ሚሊዮን ሰባት በዚ ቫይረስ ክጥቅዑ እንከለው፡ ምስዚ ብዝተኣሳሰር 417 ሽሕ ሰባት ምሟቶም ይግለጽ
    ቢቢሲ ትግርኛ
  12. ብሪጣንያ፡ ብዝሒ መዓልታዊ ሞት ናብ 15 ወሪዱ

    ሚኒስተር ጥዕና ብሪጣንያ (የማን) ምስ ኣማኻሪት ጥዕና

    ኣብ ብሪጣንያ፡ ብዝሒ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ዝሞቱ ናብ 15 ውሪዱ።

    እዚ፡ ካብ 15 መጋቢት ንደሓር፡ እቲ ዝተሓተ መዓልታዊ ቁጽሪ ሞት እዩ።

    “ዋላ’ኳ ሞት ሓደ ሰብ’ውን ዘሕዝን እንተኾነ …. ዘሐጉስ ዜና’ዩ” ክብል ሚኒስተር ጥዕና ማት ሃንኮክ ገሊጹ።

    ብዝሒ መዓልታዊ መልከፍቲውን ንፈለማ እዋን፡ ናብ ትሕቲ 1000 ጎዱሉ’ሎ።

    ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ሆስፒታል ዝእለዩ ዘለዉ ሕሙማት ኮቪድ-19 እውን ትሕቲ 5000 ወሪዱ ከምዘሎ ሰብመዚ ጥዕና ሓቢሮም።

    ኣብ ዓዲ-እንግሊዝ (ኢንግላንድ) ንኮሮናቫይረስ ኣዝዮም ተቓላዕቲ ዝተባህሉ ልዕሊ 2 ሚልዮን ሰባት ካብ ኣባይቶም ከይወጹ ተኣጊዶም ምጽንሖም ይፍለጥ።

    ካብ 6 ሓምለ ጀሚሮም ግን፡ ከምሰቦም፡ ምስ ካልኦት 6 ሰባት ኣብ ደገ ክራኸቡ ክፍቀደሎም’ዩ።

    ካብ ባሕቲ ነሓሰ ጀሚሩ ድማ ናብ ዕዳጋ ምኻድ ክፍቀደሎም’ዩ።

    ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ፡ ምኽፋት ኣብያተ መግብን መስተን ብዝምልከት መግለጺ ክህብ ትጽቢት ይግበር።

  13. ኣብ ኢትዮጵያ ተወሰኽቲ 131 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ተታሒዞም

    ናይ ሓበሬታ ሰሌዳ

    ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት፡ ሓደ ወጻእተኛ ዝርከቦም 131 ሰባት ኮቪድ-19 ተረኺቡዎም።

    ሚኒስተር ሓለዋ ጥዕናን ትካል ጥዕና ማሕበረሰብን ኢትዮጵያ ብሓባር ኣብ ዝሃብዎ ዕለታዊ መግለጺ ኣብ ልዕሊ 3,238 ሰባት ናይ ላብራቶሪ መርመራ ከም ዝተገብረ ሓቢሮም።

    ብዘይካ'ዚ፡ ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት ሓደ ሰብ በቲ ለበዳ እንትመውት፡ ዛጊድ ብዝሒ መወትቲ 75 በጺሑ።

    እቶም በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት፡ 94 ደቂ ተባዕትዮ እንትኾኑ፡ እተን 37 ድማ ደቂ ኣንስትዮ እየን።

    ኣብ ክሊ ዕድማ 2 ክሳብ 80 ዝርከቡ ምዃኖም’ውን እቲ መግለጺ ጠቒሱ።

    ብሓፈሻ ኣብታ ሃገር፡ ብዝሒ በቲ ቫይረስ ዝተታሕዙ ሰባት ናብ 4,663 ክብ ኢሉ’ሎ።

    ብሐፈሻ ድማ፡ ዛጊድ 1,297 ሰባት ካብቲ ሕማም ሓውዮም ኣለዉ።

  14. ባዕልና፣ ኣብ ገዛና መርመራ ኮቪድ-19 ክንገብር ንኽእል'ዶ?

    AFP

    ምንጪ ስእሊ, AFP

    መግለጺ ስእሊ, መርመራ ኮሮናቫይረስ

    መርመራ ኮሮናቫይረስ ክካየድ እንከሎ፡ እቲ ቅምሶ ካብ ኣፍንጫ እዩ ዝውሰድ።

    እዚ፡ ናብ ኣፍንጫ ውሽጢ ዝኣቱ ቀጢን መሳርሒ፡ ዋላ’ኳ ጉድኣት ዘብጽሕ እንተዘይኮነ፡ መርመራ ኮሮናቫይረስ ንዝግበረሎም ሰባት ግን ምቹእ ኣይኮነን።

    ጉጅለ ተመራመርቲ ጃፓን፡ ኣብ ውሽጢ 25 ደቓይቕ ውጽኢት ዝሕብርን መርመራ እቲ ቫይረስ ካብ ምራቕ ንክውሰድ ዝገብርን መሳርሒ ከላልዩ ጻዕሪ ይገብሩ ኣለው።

    ትካል ሕክምና ሺኦኖጊ፡ ምስ ዩኒቨርሲቲ ጃፓን ብሓባር ይሰርሕ ከም ዘሎ ብምግላጽ፡ እዚ ፈተነ እንተሰሚሩ ሰባት ኣብ ገዝኦም መርመራ ክገብሩ ይኽእሉ’ዮም ኢሉ።

    ኣብ ዓባይ ብሪጣኒያ’ውን፡ ካብ ምራቕ መርመራ ኮሮናቫይረስ ንምግባር ዘኽእል ፈተነ ይካየድ ዘሎ ኮይኑ፡ ክሳብ ሕጂ 14 ሽሕ ሰብ ሞያ ጥዕና ይሳተፉሉ ኣለው።

  15. ኣድማ ናይጄሪያውያን ሓካይም ኣእኺሉ

    በዓል ሞያ ጥዕና

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ዶኳትር ናይጄሪያ፡ ሕሙማት ኮሮናቫይረስ ኣብ ምሕካም ንዘጋጥሞም ዘሎ ሕጽረት ናውቲ መከላኸሊ ዝምልከት ሕቶ ብምቕራብ ዝጸውዑዎ ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማ፡ ከም ዘእኸለ ኣፍሊጦም።

    ማሕበር ተላመድቲ ሓካይም እታ ሃገር፡ 40 ሚኢታዊት ዶኳትር እታ ሃገር ዝሕዝ ኮይኑ፡ መንግስቲ ነቲ ዘቕረቡዎ ሕቶ ንክምልስ ግዜ ንምሃብ ብዝብል፡ እቲ ኣድማ ከም ዘእኸለ ገሊጹ።

    እዚ ንሓደ ሰሙን ዝኣክል ዝጸንሐ ተቓውሞ ሓካይም፡ ካብ ሎሚ ንጉሆ ጀሚሩ እዩ ጠጠው ክብል።

    እቲ ማሕበር፡ ገለ ሆስፒታላት ናይ መከላኸሊ ኣቑሑት ከም ዝተዋህበን ብምግላጽ፡ መንግስቲ ነተን ዝተረፋ ሆስፒታላት ቐረብ ከምጽእ ቃል ኣትዩ’ዩ ኢሉ።

  16. ተመሊሱ ንዘይመጽእ ኣቦኦም ዝጽበዩ ደቂ ኣምባቸው መኮነን

  17. ብራዚል፡ ልዕሊ 50 ሽሕ ሞት ብምምዝጋብ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ተሰሪዓ

    ደገፍቲ ፕሬዝደንት ቦልሶናሮ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ለበዳ ኮሮናቫይረስ ካብ ዝርአ ንነጀው፡ ዝለዓለ መጠን ሞት ካብ ዘመዝገባ ሃገራት ኣሜሪካ ኣብ ቅድሚት ትርከብ።

    ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኣብ ብራዚል ልዕሊ 50 ሽሕ ሰባት በዚ ሕማም ብምሟቶም፡ እታ ሃገር ካልአይቲ ዝበዝሐ ቑጽሪ ሞት ዘመዝገበት ኮይና።

    እዚ ኣዝዩ ዘሰንብድ ልዑል ቁፅሪ ሞት ዝተመዝገበ፡ እታ ሃገር ልዕሊ ሓደ ሚልየን ረኽሲ ኮሮናቫይረስ ኣብ ዘመዝገበትሉን፡ ብፖለቲካዊ ናዕቢ ኣብ ትሕቆነሉን ዘላን ግዘ እዩ።

    ሰብሞያ፡ ሕዚ እውን ጫፍ እቲ ለበዳ ኣብታ ሃገር ንሰሙናት ከም ዝቕጽል እዮም ዝገልጹ።

    ፕሬዝደንት ቦልሶናሮ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ሃገሩ ካብ ዝርአ ጀሚሩ ዝርግሕኡ ኣብ ምቁጽጻር ዕሽሽ ኢሉ እዩ ዝብል ነቐፌታ ይቐርበሉ።

    ብግልጺ ካብ ሰብ መዚ ጥዕና እታ ሃገር ዝወሃቡ ምኽርታትን ኣዋጃት ዕጽዋን ተቓዊሙዎም'ዩ።

    ብሰንበት፡ ሚኒስትሪ ጥዕና ብራዚል ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት 641 ሓደሽቲ ሰባት ከም ዝሞቱ ብምግላጽ፡ እቲ ቑጽሪ ናብ 50 ሽሕን 617 ከም ዝደየ ሓቢሩ። ኣብቲ ዕለት፡ መልከፍቲ ልዕሊ 17 ሽሕ ሰባት እዩ ተረኺቡ።

    ፕሬዝደንት ቦልሶናሮ ግን፡ ካብቲ ቫይረስ ንላዕሊ እቶም ዝርግሐ እዚ ቫይረስ ንምዕጋት ዝውሰዱ ስጉምታት ዘስዕቡዎ ቑጠባዊ ሃሰያ ቐሊል ኣይኮነን ኢሉ ይኣምን።

  18. ኣብ ደቡብ ኮርያዊት ከተማ፡ ጽኑዕ ስጉምቲ ተኣዊጁ

    ኣብ ደቡብ ኮርያዊት ከተማ፡ ጽኑዕ ስጉምቲ ተኣዊጁ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ዴይጆን፡ ኣብ ደቡብ ኮርያ፡ ሓምሸይቲ ዝዓበየት ከተማ እያ።

    እዛ ከተማ፡ ብምኽንያት ዳግም ዝርኣይ ዘሎ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ፡ ጥቡቕ ስጉምታት ኣካላዊ ርሕቐት ናብ ምትግባር ተመሊሳ።

    ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት፡ 17 ሓደሽቲ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ክትረክብ እንከላ፡ እቶም ሽዱሽተ ካብ ካልእ ሃገር ዝመጽኡ’ዮም።

    ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ግን፡ ካብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር 80 ኪሎ ሜትሮ ርሒቓ እትርከብ ስለ ዝኾነት ዓብዪ ስግኣት ሓዲሩዎም ኣሎ።

    ድሮ ኣብ ቤተ መዘክራት፣ ናይ ስፖርት ቦታታትን ቤተ ንባብን ዝህሉ ምትእኽኻብ ተኸልኪሉ ኣሎ። 22 ኣብያተ ክርስቲያናት’ውን ተዓጽየን።

    እዘን ኣብያተ ክርስትያን፡ ምስታ ኣብ ወርሒ ለካቲት፡ ልዕሊ 6 ሽሕ ኣባላታ ብኮቪድ-19 ተለኺፎም ሰፊሕ ምትሕልላፍ እዚ ለበዳ ተፈጢሩላ ዝተባህለት ቤተ ክርስቲያን ዝተኣሳሰራ እየን።

    ከንቲባ ከተማ ሴኡል፡ ሃንደበት ካልኣይ ዙርያ ለበዳ እቲ ቫይረስ ከይኽሰት ምድላው ይገብር ከም ዘሎ ክገልጽ እንከሎ፡ ኣሰር ምትንኻፍ ዘለዎም ሰባት ዝእልሹ ሰብ ሞያን ሆስፒታላትን ይዳሎ ምህላዉ'ውን ተገሊጹ።

  19. ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት መልከፍቲ 183 ሽሕ ሰባት መዝጊቡ

    ኣርማ ትካል ጥዕና ዓለም

    ምንጪ ስእሊ, EPA

    ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣብ ሓደ መዓልቲ እቲ ዝለዓለ ዝተባህለ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ መዝጊቡ።

    ኣብዚ ድማ፡ ኣሜሪካ እቲ ዝለዓለ ቑጽሪ ትሕዝ።

    እቲ ትካል ከም ዝገለጾኀ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 183 ሽሕ ሰባት’ዮም በቲ ቫይረስ ተታሒዞም።

    ክሳብ ሕጂ፡ ኣብ መላእ ዓለም 9 ሚሊዮን ሰባት በዚ ቫይረስ ክልከፉ ከለው፡ 467 ሽሕ ድማ ብምኽንያት እዚ ቫይረስ ሞይቶም።