እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብቕትለት 'ቲ ሞይቱ ዝተረኽበ ኤርትራዊ ሽዱሽተ ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም
መርመቲ ገበን ስቲቭናጅ - ዓዲ እንግሊዝ፡ ምስ ቅትለት'ቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሞይቱ ዝተረኽበ በረኸት ሰሎሞን ዝተባህለ ኤርትራዊ መንእሰይ ብዝተኣሳሰር፡ ሽዱሽተ ሰባት ኣብ ቀይዲ ከም ዘእተው ኣፍሊጦም።
ሬሳ ናይቲ ብተደጋጋሚ ብኻራ ተወጊኡ ዝተቐትለ መንእሰይ ብሓሙስ ሰዓት 07፡30 ናይ ንጉሆ ካብ ከተማ ለንደን ንሰሜን ውጽእ ኢሉ ኣብ ዝርከብ ስቲቭናጅ ዝተባህለ ቦታ ተረኺቡ።
ወዲ 20 ዓመት በረኸት ሰለሙን፡ ትሕቲ ዕድመ ኮተቴ ኮይኑ ናብ ብሪጣንያ ዝኣተወን ዑቕባ ዝተዋህቦን ምንባሩ ፖሊስ ሀርትፈርድሻየር ጠቒሱ ምንባሩ ይፍለጥ።
መበገሲ ናይቲ "ጨካን መጥቃዕቲ" እንታይ ምዃኑ ክርድኦም ከምዘይክኣለ፡ ኣፈኛ ፖሊስ ተዛሪቡ ነይሩ።
መግለጺ ፖሊስ እንታይ'ዩ ዝብል
ፖሊስ ስቲቭናጅ - ዓዲ እንግሊዝ ትማሊ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ሓሙሽተ ሰባት ብቕትለት ተጠርጢሮም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ክኣትዉ እንከለው፣ እቲ ሻድሻዮም ድማ ነቲ ዝተፈጸመ ገበን "ሓጊዙ" ተባሂሉ ተጠርጢሩ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ'ሎ።
ሽዱሽተኦም ጥርጡራት ኣብ 20ታት ዕድመ ዝርከቡ ኰይኖም፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ፖሊስ ኣትዮም ኣለው።
ኣባል ኣሃዱ ምርመራ ዓበይቲ ገበናት ቤድፎርድሻየር፡ ኢንስፔክተር ኢያን ማክፈርሰን፡ “ብዘይካ’ዚ ማእሰርቲ ናይዞም ጥርጡራት፡ ኣብ ዙርያ ሞት በረኸት ዘሎ ጉዳያት ብግቡእ ንምጽራይ ሰፊሕ መርመራ ንቕጽል ኣለና፡” ኢሉ።
ንሱ ብተወሳኺ፡ “ዝዀነ ምስክር ወይ ብዛዕባ’ዚ ፍጻመ ሓበሬታ ዘለዎን፣ ቅድሚ ሕጂ ከኣ ምስ ሓለፍቲ መርመራ ገበን ዘይተዘራረበን፡ ክመጽኣናን ሓበሬታ ክህበናን እላቦ፡” ክብል ጻውዒት ኣቕሪቡ’ሎ።
“ነቶም ቅድሚ ሕጂ ናባና ቀሪቦም ሓበሬታ ዝሃቡና ድማ፡ ንስለዝገበርዎ ምትሕብባር ከመስግን እፈቱ፡" ኢሉ።
ብዛዕባ መንነት እቶም ተጠርጢሮም ኣብ ቀይዲ ኣቲዮም ዘለው ሰባት ግን ፖሊስ፡ ዛጊት ዝዀነ መግለጺ ኣይሃበን።