እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሲቲ ምስ ቶተንሃም፡ ኒውካስል ምስ ዩናይትድ- ግምት ትጽቢት ዝግበረሎም ግጥማት እዚ ሰሙን
መበል 14 ሰሙን ግጥማት ፕረሚየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ቀዳምን ሰንበትን ክካየድ እዩ።
ቶተንሃም ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ግጥማት ክትሰዓር እንከላ ኣገደስቲ ተጻወትታ ስኢና ኣላ፤ ኣሰልጣኒ ኣንጅ ፖስተኮግሎ ሰንበት ናብ ስታድዩም ኢቲሃድ ተጓዒዙ ኣብ ዝገብሮ ግጥም ስልቲ መጥቃዕቱ ይቕይር ዶ ይኸውን?
ተንታኒ ኩዕሶ እግሪ ኣብ ቢቢሲ ክሪስ ሳተን፡ “ብዛዕባ ኣንጅ እኹል እፈልጥ እየ፤ ኣጥቃዕቱ ከብዝሖም እዩ። ስፐርስ ነቲ ጸወታ ብቐንዱ ኣብ ሜዳ ሲቲ ክገብርዎ እዮም፤ እንተኾነ ግና እዚ ንሲቲ ኣብ መልሰ መጥቃዕቲ ዕድል ክፈጥረሎም እዩ” ይብል።
ሳተን እዚ ግጥም ንዝርከቦም ኩሎም ጸወታታት መበል 14 ሰሙን ፕሪሚየር ሊግ ከምዚ ዝስዕብ ግምቱ ሂቡ ኣሎ።
ቀዳም 2 ታሕሳስ
ኣርሰናል ምስ ዎልቭስ
ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ዎልቭስ ነጥብታት ክትስእን እንከላ እዚ ከኣ ብሰንኪ ድኹም ኣጸዋውታ ዘይኮነ ግዳይ ግጉይ ውሳነታት ቪኤኣር ብምዃና ዝሰዓበ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ብረንትፎርድ ዝገጠመት ኣርሰናል ጸወታ ኣብ ምዝዛሙ ብዝረኸበታ ሸቶ እያ ክትዕወት ክኢላ።
ኣርሰናል ሕጂ’ውን እትዕወተሉ ዕድል ክትደሊ ከድልያ እዩ፤ ትዕወት ከኣ ይመስለኒ ይብል ሳተን።
ኣብዚ እዋን ብልጫ ኣርሰናል መስመር ምክልኻላ ብርቱዕ ምዃኑ እዩ። ኣብ ታሪኽ ፕረሚየር ሊግ እቲ ዝበለጸ ምክልኻል ኣለዋ። ኣብዚ ጸወታ’ውን ነዚ ክጥቀሙሉ እዮም።
ሓለቓ እታ ጋንታ ማርቲን ኦኤጋርድ ጋንትኡ ጌና ምሉእ ዓቕማ ከምዘይተጠቕመትሉ እዩ ዝዛረብ።
እንተኾነ ግና ኣብ ሰሌዳ ፕረሚየር ሊግ ኣብ ላዕሊ ኣብ ግጥማት ኣውሮጳ’ውን ካብ ጉጅለኣ ቀዳመይቲ ብምዃን ናብ ዙር-16 ሓሊፋ ኣላ።
ግምት፡ 2-0
ብረንትፎርድ ምስ ሉተን
ሉተን ኣብዚ እዋን ጽቡቕ ተጻዋርነት እዮም ዘርእዩ ዘለው፤ ነቲ ምስ ክሪስታል ፓላስ ዝነበሮም ግጥም እውን ዝተዓወቱሉ መገዲ መሳጢ እዩ ኔሩ።
እንተኾነ ግና ብረንትፎርድ ትስዕር ይመስለኒ። ኣብ ሜዳኦም ክሳዕ ክንደይ ሓያላት ምዃኖም ንፈልጥ ኢና፤ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ብኣርሰናል ክሰዓሩ፡ ዕድል ኣይገበሩን።
ግምት 2-0
በርንሊ ምስ ሸፊልድ ዩናይትድ
ናብ መኖም ከምዘብል ሓርቢቱኒ።
ኣብ ፕረሚየር ሊግ ኣብ ሜዳኣ ካብ ሸውዓተ ጸወታ ሸውዓተ ግዜ ዝተስዓረት በርንሊ ዝኸፍአ ታሪኽ ዘለዋ ጋንታ እያ። ሸፊልድ ዩናይትድ በንጻሩ ካብ ሜዳኣ ወጻኢ ዝኸፍአ ታሪኽ እዩ ዘለዋ፤ ካብ ዘካየደቶ ሽዱሽተ ግጥማት ሓደ ነጥቢ ጥራይ እያ ረኺባ።
ብተደጋጋሚ በርንሊ ኣብ ሜዳኣ ተርፍ ሙር ክትጻወት ከላ ማዕረ ክትፈላለ’ያ ኢለ እኳ እንተገመትኩ ኣይሰለጠንን፤ እንተኾነ ሕጂ’ውን ካልእ ኣማራጺ የብለይን። ከም ሓቂ ንበርንሊ ክድግፍ ኣይደልን ግና ሸፊልድ ዩናይትድ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣዝዩ ሕማቕ ኔራ፤ ንዓኣ እውን ክድግፍ ኣይደልን።
ኣብ ላዕሊ ብዘለዋ ጋንታታት ክትሰዓር ትቕበሎ ኢኻ፤ ማዕሬኻን ኣብ ከባቢኻ ብዘለዋን ክትሰዓር ግና ዕንወት እዩ።
ግምት 1-1
ኖቲንግሃም ፎረስት ምስ ኤቨርተን
እዚ ግጥም ነታ ኣብ ሜዳኣ ከይተስዓረት ንነዊሕ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብብራይተን ንዝዓነወት ኖቲንግሃም ፎረስት ዓቢይ ግጥም ይመስል።
ኣሰልጣኒ ስቲቭ ኩፐር ጸቕጢ በርቲዕዎ ኣሎ፤ እቲ ጸገም ከኣ ትጽቢት ወናኒ ፎረስት፡ ኤቫንገሎስ ማሪናኪስ እዩ።
ኤቨርተን’ውን እቲ ነጥቢ ኣዝዩ የድልያ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብማንቸስተር ዩናይትድ 3 ብ 0 ምስዓሮም ዕድል ኣይገበሩን። እንተኾነ ብዙሕ ብሉጽ ጸወታታት ኣርእዮም እዮም።
ግምት 0-1
ኒውካስል ምስ ማንቸስተር ዩናይትድ
ማን ዩናይትድ ብረቡዕ ኣብ ግጥማት ቻምፕዮንስ ሊግ ኣንጻር ጋላታሳራይ (ቱርካዊት ጋንታ) ኣብ ቅድሚት ጽቡቕ እኳ እንተተጻወቱ ብድሕሪት ድኻማት ኔርዎም።
ኒውካስል ብሰሉስ ብፓሪስ ሰይንት ጀርመይን ብምስዓሮም ኣብዚ ኣበርቲዖም ክጻወቱ እዮም።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንቸልሲ ኣብ ሜዳኣ ዘዕነወት ኒውካስል ንማን ዩናይትድ እውን እትገድፋ ኣይትመስልን።
ንኤሪክ ተን ሃግ ከቢድ ምሸት እዩ ክኸውን።
ግምት 3-1
ሰንበት 3 ታሕሳስ
በርንመዝ ምስ ኣስቶን ቪላ
ኣስቶን ቪላ ኮነት እታ ካብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ግጥማት ንሰለስተ ዝተዓወተት በርንመዝ ኣብ ጽቡቕ ኣቃውማ እየን ዘለዋ።
ደገፍቲ በርንመዝ ክትሰዓር እያ ክብል ከለኹ ይቑጥዑ እዮም እሞ ሎሚ ነጥቢ ክህቦም እየ።
ቪላ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንቶተንሃም ምስዓራ ጽቡቕ ውጽኢት እዩ ኔሩ። ግና ነታ ተራር በርንመዝ ምስዓር ክኸብዳ እዩ።
ግምት 1-1
ቸልሲ ምስ ብራይተን
ነዚ ግምት ክህብ ከለኹ ክስሕቕ እግደድ ኣለኹ።
ሰሙን መጸ ካብ ቸልሲ እንታይ ከምዝጽበይ ንጹር ስእሊ የብለይን፤ ብቐጻሊ ከኣ እስሕት።
ኣዝዮም ክግመቱ ዘይክእሉ እዮም። ብራይተን’ውን ካብኡ ትፍለ ኣይኮነትን።
ቸልሲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብኒውካስል ብከቢድ ድሕሪ ምስዓራ ሕጂ ክትበራበር ከድልያ እዩ።
ብራይተን ብሓሙስ ምስ ኤኢኬ ኣቴንስ ብምጽዋታ፡ ቸልሲ ክትስዕር እያ።
ግምት 3-2
ሊቨርፑል ምስ ፉልሃም
ፉልሃም ሰኑይ ምስ ዎልቭስ ኣብ ዝገበረቶ ግጥም ጽቡቕ ዓወት እያ ኣመዝጊባ። ካብ ኣንፊልድ ገለ ክረኽቡ ግና ጽቡቕ ዕድል ከድልዮም እዩ።
ሊቨርፑል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ስታድዩም ኢቲሃድ፡ ኣገዳሲ ነጥቢ ረኺባ እያ፤ ኣብዚ ግና ሰለስተ ነጥቢ ከይተማቐለት ብምልኡ የድልያ።
ሓላው ልዳት ኣሊሰንን ድዮጎ ጆታን ጎዲሎምዋ ዘለው ሊቨርፑል፡ ጎደሎታታ ሸፊና ክትጻወት እያ። መሓመድ ሳላሕ ሸቶ ከመዝግብን ጋንትኡ ብሰፊሕ ክትስዕርን እጽበ።
ግምት 3-0
ዌስት ሃም ምስ ክሪስታል ፓላስ
ክሪስታል ፓላስ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብሉተን ድሕሪ ምስዓሮም ካብ ሓሙሽተ ግጥማት ኣብ ኣርባዕተ ዓወት ኣይሰለጦምን፤ ግና ሕማቕ ስለዝተጻወቱ ኣይኮነን። እቲ ምስ ኒውካስል ዝገበርዎን 4 ብ 0 ዝተስዓሩሉን ግጥም ጥራይ እዩ ብሰፊሕ ዝተስዓሩሉ።
ዌስት ሃም ብወገኖም ጃሮድ ቦወን ሓውዩ ክስለፍ ይትስፈው።
እዚ ንክሪስታል ፓላስ ሓጋዚ እዩ፤ እንተስ ብሸቶ እንተስ ብዘይ ሸቶ ማዕረ ክፈላለያ እየን።
ግምት 1-1
ማን ሲቲ ምስ ቶተንሃም
ኣብ ስታድዩም ኢቲሃድ ምስ ሲቲ ክሳዕ መወዳእታ ዝተሓናነቓ ጋንታታት ውሕዳት እየን፤ ስለዚ ቶተንሃም እንታይ ዓይነት ኣሰላልፋ ከምእትገብር ምርኣይ መሳጢ ክኸውን እዩ።
ስፐርስ ምስ ቪላ ኣብ ዝነበሮም ግጥም ንቤን ዴቪስን ኤመርሰን ሮያልን ኣብ መስመር ምክልኻል እዮም ኣሰሊፎም።
ኣብዚ ግጥም መን ይስለፍ ብዘየገድስ ዝሓሸ ምንቅስቓስ ከርእዩ ከድልዮም እዩ።
ክፉትን ቶተንሃም ዕድላት እትፈጥረሉን ግጥም ክኸውን እጽበ።
ሲቲ ዕድላት ምፍጣር ጥራሕ ዘይኮነ ንምጥቃም’ውን ድሕር ኣይትብልን እያ።
ኣብቲ ግጥም ብርክት ዝበለ ሸቶታት ዝምዝገብ ኮይኑ እቲ ዝበዝሐ ናይ ፔፕ ጓርድዮላ ጋንታ ክኸውን እዩ።
ግምት 4-2