‘ዘይተዓወተ ሕጹይ ሪፓብሊካን ኣብ ገዛውቲ ሰበስልጣን ክትኩስ ቈጺሩኒ’

ምንጪ ስእሊ, TWITTER
ኣብ ኣሜሪካ ክፍለ ግዝኣት ኒው ሜክሲኮ ዝነብር ሰብኣይ፡ ኣብ ገዛ ዲሞክራትስ ብመኪና ተዅሲ ክፍጸም ብምሕጋዝ ገበን ከምዝፈጸመ ተኣሚኑ።
ተኸሳሲ ዲሜትሪዮ ትሩሂሎ፡ እቲ ተግባር ንሓደ ዝተሳዕረ ሕጹይ ሪፓብሊካን ንምሕጋዝ ከምዝፈጸሞ እውን ገሊጹ።
እቲ ተኸሳሲ ከምዝብሎ፡ ሰሎሞን ፔና ዝተበሃለ ሕጹይ ነበር፡ ኣብ ሕዳር 2022 ኣብ ሓጋጊ ኣካል እታ ግዝኣት መንበር ክረክብ ብዘይምኽኣሉ ተዅሲ ንኽፍጽም ከምዝቘጸሮ ይዛረብ።
ብድሕሪ'ዚ ኣብ ዝቐጸሉ ሰሙናት ኣብ ኣልቡከርኪ ኣብ መንበሪ ገዛውቲ ሓያሎ ሰበስልጣን ዲሞክራት መጥቃዕቲ ተፈጺሙ።
ሰሎሞን ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝቐረበ ክሲ ነጺጉ፤ እንተዀነ ኣብ ሰነ ናብ ፍርዲ ክቐርብ እዩ። ትሩሂሎ እውን ድሒሩ ክፍረድ እዩ።
እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ ኣብ ኣሜሪካ ፖለቲካዊ ዓመጽ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ ዝብል ስግኣት ኣብ ዝዝርጋሓሉ ዘሎ እዋን'ዩ።
ወዲ 42 ዓመት ትሩሂሎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ እዩ ኣብ መወዳእታ 2022ን መጀመርታ 2023ን ኣብ ኣልቡከርኪ ምስ ዝተፈጸመ ተዅሲ ብዝተኣሳሰር ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።
ምስ ኣኽበርቲ ሕጊ ፈደራል ኣብ ዝገበሮ ናይ ምእማን ስምምዕ፡ ውዲት፡ ኣብ መረጻ ኢድ ብምእታው ከምኡ’ውን ብረት ምጥቃምን ዝብሉ ሓሙሽተ ገበናት ከምዝፈጸመ ተኣሚኑ።
ኣኽበርቲ ሕጊ ፈደራል ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ሰሎሞን ፔና ኣብ ታሕሳስ 2022፡ ኣብ ኣባይቲ ሰለስተ ሕጹያት ነበር ጥይት ብምትኳስ ከፈራርሖም ንትሩሂሎ ገንዘብ ከምዝኸፈለ ገሊጾም።
ኣብ ጥሪ ፔናን ትሩሂሎን ሓደ ካብቲ ዝተሓሰበ ተዅሲ ከምዝፈጸሙ እቲ መግለጺ ወሲኹ ይሕብር።
ሰሎሞን ፔና ኣብቲ መረጻ ብሓጋጊ ኣካል እታ ግዝኣት ብኣስታት 50 ሚእታዊት’ኳ እንተተሰዓረ፡ ንሱ ግን እቲ ድምጺ "ተጭበርቢሩ’ዩ" ክብል ይኸስስ።
ፖሊስ ከም ዝብሎ፡ ነቶም ድሒሩ ዒላማ ዝገበረሎም ኣርባዕተ ዲሞክራት፡ እቲ ውጽኢት ንኽግልበጥ ጸቕጢ ንምግባር ዝዓለመ እዩ ነይሩ።
ኣብቲ እዋን፡ ኣብ ትዊተር ሰሎሞን ፔና፡ በቲ ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ኣብ መረጻ ምትላል ተፈጺሙ ዝብሎ ናይ ሓሶት ክሲ ዝተደፋፍአ ክኸውን ከምዝኽእል ሓቢሩ ነይሩ።
ብ15 ሕዳር 2022 ኣብ ትዊተር ዝዘርግሖ ናይ መወዳእታ መልእኽቱ፡ "ትራምፕ ን2024 ጥራይ ኣፍሊጡ። ምስኡ ደው ኢለ ኣለኹ። ኣነ ንውጽኢት [ሃውስ ዲስትሪክት] ፈጺመ ኣይተቐበልኩን። ሕጂ ኣማራጺታተይ ይምርምር ኣለኹ" ይብል።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
