'ኣብ ሪጋ ባኒ ሃለዋቶም ዘጥፉኡ ዘለው ሰባት'

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ዞባ ናጎርኖ-ካራባኽ ኣዘርባጃን ንዝነብሩ 120 ሽሕ ብሄራት ኣርመንያውያን ምስ ሪፓብሊክ ኣርመንያ ዘራኽብ እንኰ መስመር ‘መንገዲ ህይወት’ ኢሎም ይፅውዕዎ።
ንኣስታት ትሽዓተ ኣዋርሕ ግን ‘መተሓላለፊ መስመር ላቺን’ ብሰበስልጣን ኣዘርባጃን ተዓጽዩ ስለ ዝጸንሐ፡ ኣብቲ ዝተነፀለ ዞባ ከቢድ ሕጽረት መግቢ፣ መድሃኒት፣ ፍርያት መናጽህን ነዳድን ኣስዒቡ።
ወዲ 18 ዓመት ሃይክ ኣብ ባርኮኒ ናይ ሓደ ኣብ ጎሪስ ዝርከብ ፅቡቕ ሆቴል [ኣብ ዶብ ኣርመንያን ኣዘርባጃንን] ደው ኢሉ ምስ ኣዲኡ ብቪድዮ ቴሌፎን ይዛረብ ኣሎ።
“እንቋቑሖ የለን፣ ሽኮር የለን፣ ፈጺሙ ጥዑም መግቢ የለን፤ ባኒ ብራሽን ይዕደል ኣሎ፡ ቅድሚ ቅሩብ መዓልታት ሰዓት 04፡00 ተሲአ ሪጋ ሒዘ ኣለኹ" ትብል ኣዲኡ ካብ ከተማ ካራባክ ማርታከርት ክትዛረብ ከላ።
ሃይክ ትኽክለኛ ስሙ ኣይኰነን። ንድሕነቱ ክንብል ቀይርናዮ ኢና።
ኣርመንያውያን ኣብቲ ካልእ ሸነኽ መስመር ላቺን ካብ ታሕሳስ ጀሚሩ ብኣዘርባጃን ተዓጽዩ ስለ ዘሎ ስድራቤቶም ክበጽሑ ኣይክእሉን።
ዝዀነ ናጻ መራኸቢ ብዙሃን ናብ ከባቢ ናጎርኖ-ካራባክ ክበጽሕ ኣይከኣለን።
ስእልታትን ቪድዮታትን ባዶ ድኳናት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክዝርጋሕ ጸኒሑ እዩ።
ጋዜጠኛ ኢሪና ሃይራፔትያን፡ ካብ ውሽጢ እቲ ኣብ ዕፅዋ ዝኣተወ ኣርመንያዊ ከባቢ ኣብ ዝለኣኸቶ ዝተቐድሐ መልእኽቲ ድምጺ፡ "ሰባት ንእሽቶ ራሽን መግቢ ንምርካብ ንሰዓታት ሪጋ ሒዞም ኣለዉ። ገለ ሰባት ኣብቲ ሪጋ ዝሓዝሉ ይወድቁ ኣለዉ" ትብል።
"ንመጓዓዝያ ዝኸውን ነዳዲ የብልናን፤ ሰባት ንስድራቤቶም ንምምጋብ ዝከኣሎም ንምግዛእ ኣብ ሪጋ ደው ንምባል ብዙሕ ኪሎ ሜተራት ብእግሮም ክጓዓዙ ኣለዎም።"

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሰብመዚ እቲ ከባቢ ናጎርኖ-ካራባክ፡ ካብ ሰለስተ ሞት ሓደ ብሰንኪ ሕጽረት ኣመጋግባ ዘጋጥም ምዃኑ ይገልጹ።
"ሓንቲ ነፍሰጾር ናብ ሆስፒታል ዘብጽሓ ነዳዲ ስለ ዘይነበረ ውላዳ ዝሰኣነትሉ ጉዳይ እፈልጥ እየ" ትብል ኣደ ሃይክ።
ካብ ወርሒ መጋቢት ጀሚሩ፡ ነዳዲ፣ መድሃኒትን ሻምፖን ከይተረፈ ከም ዘየለ፡ ከምኡ'ውን ስሩዕ ምቁራጽ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከምዘሎ ትዛረብ።
ክረምቲ ምስ ኣተወ እናገደደ ክኸይድ እዩ። ወዳ ጽልኢ፣ ፍርሕን ተስፋ ምቑራጽን ይስምዖ ኣሎ።
"ምኽንያቱ ይንዋሕ ይሕጸር ገዛይ፣ ከተማይ፣ ሃገረይ ብኣዘርባጃን ከም እትውሰድ ስለ ዝርዳእ።"
ንኣርመንያውያን ካራባክ ገዝኦም ኣርትሳክ እያ።
እዚ ኣኽራናዊ ምድረበዳ ግዝኣት፡ ኣካል ዞባ ናጎርኖ-ካራባክ ኣዘርባጃን ኰይኑ፡ ኣብ ካርታ ዓለም ዘይትርከብ ባዕላ ናፅነታ ዝኣወጀት ሪፓብሊክ እያ።
ብባህሊ ብዙሕ ዘመሳሰል እኳ እንተሃለወን፡ ክልቲአን ግዝኣታት ኣርመንያን ኣዘርባጃንን ንዓሰርተታት ዓመታት ንምቁጽጻር ነዛ መሬት፡ ህይወት ዓሰርተታት ኣሽሓት ሰባት ዘጥፍአ ውግኣት ኣካይደን እየን።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ 2020 ንሽዱሽተ ሰሙን ዝቐጸለ ኲናት፡ ኣዘርባጃን ንኹሉ እቲ ካብ 1994 ጀሚሩ ብኣርመንያ ዝተታሕዘ ኣብ ከባቢ ናጎርኖ-ካራባክ ዝርከብ ግዝኣታት ዳግማይ ሒዛቶ።
ብሽምግልና ሩስያ ዝተገብረ ተኹሲ ደው ምባል፡ ድሕነት ብሄራት ኣርመንያውያን ንምውሓስን ንመስመር ላቺን ንምቁጽጻርን፡ ዓቃብ ሰላም ሩስያ ዝተዋፈረ ኰይኑ፡ ኣብ መንጎ ካራባክን ሪፓብሊክ ኣርመንያን ናጻ ምንቅስቓስ ሰባትን ኣቑሑትን ክህሉ ዝዓለመ ነይሩ።
እንተዀነ፡ ሩስያ ኣብ ኲናት ዩክሬን ትኹረት ብምግባራ፡ ኣዘርባጃን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ፡ ናብ ዞባዊ ርእሰ ከተማ ናጎርኖ-ካራባክ ስቴፓናከርት መንገዲ ዓጽያቶ።
ኣብ ወርሒ ሚያዝያ፡ ኣዘርባጃን "ልኡላዊ መሰላ"ን "ምሉእ ምምላስ ግዝኣታዊ ሓድነታን" ብምምኽናይ ኣብ ኣፍ ደገ ኮሪደር ላቺን ናይ ገዛእ ርእሳ ወተሃደራዊ መፈተሺ ነቑጣ ተኺላ።
ኣዘርባጃን፡ ኣርመንያ ነቲ ጽርግያ ተጠቒማ ወተሃደራዊ ቀረብ ከተምጽእ ተጠቒማትሉ ኢላ ትኸስስ፡ ኣርመንያ ነዚ ክሲ ትነፅጎ።
እቲ እንኰ ናብ ናጎርኖ-ካራባክ ዝበጽሕ ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ትካል፡ ኣህጉራዊ ኮሚተ ቀይሕ መስቀል (ICRC) እዩ።
እንተዀነ እቲ ትካል ሕክምናዊ ምውጻእ እኳ እንተገበረት፡ ውሑስ ምትሕልላፍ ኣቑሑትን ሰባትን ክረክብ ክትረክበ ኣይከኣለትን።
ኣብዚ ወርሒ ኣብ ህጹጽ ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣሜሪካ ኣዘርባጃን ኣብ ኮሪደር ላቺን ናጻ ምንቅስቓስ ናብ ንቡር ክትምልስ ጸዊዓ።
ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ፡ ኣብ ጽርግያ ብኽልቲኡ ኣንፈት "ዘይተደረተ ምንቅስቓስ ሰባት፡ ተሽከርከርትን ጽዕነትን" ንኽፍቀድ ሕጋዊ ቀያዲ ትእዛዝ ከም ዘለዎ ንኣዘርባጃን ሓቢሩ ነይሩ።

ኣርመንያውያን ግን ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ ቅልውላው ንምፍታሕ ዘለዎ ተወፋይነት ይጠራጠሩ።
ኣብ ከተማ የረቫን ዝርከቡ ሰልፈኛታት፡ እቲ መንገዲ ዳግማይ ክኽፈት ብምሕታት መእተዊ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ዓጽዮም።
ኣዘርባጃን ሰብኣዊ ቅልውላው ከም ዘሎ ትኽሕድ።
ነቲ ግዝኣት ምሉእ ብምሉእ ክትቆጻጸሮ ከም እትደሊን፡ ኣብ እዋን ኲናት 2020 ዳግማይ ዝተታሕዘ ብከተማ ‘ኣግዳም’ ኣቢላ ኣማራጺ መስመር ቀረብ ከፊታ ከም ዘላ ትገልፅ።
ኣምባሳደር ኣርመንያ ኤድሞን ማሩክያን ግን ኣዘርባጃን ንኣርመንያ ምስ ናጎርኖ-ካራባክ ዘራኽብ ሓደ መስመር ጥራይ ኣብ ዝህልወሉ እዋን ናይ ሓሶት መብጽዓታት ከም ዝኣተወት ይኸስስ።
ጸብጻቢት ሕቡራት ሃገራት ነበር ጉልናራ ሻሂንያን፡ ምስ ሪፓብሊክ ኣርመንያ ዝነበረ ናይ መወዳእታ ርክብ ምቁራጽ ንኣርመንያውያን ካራባክ ጥፍኣት ከም ዘስዕብ ኣጠንቂቓ።
"ኣብ ኣዘርባጃን ኣብ ምንታይ ደረጃ ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከም ዘጋጠመ ትፈልጡ ኢኹም። ምስቲ ምሉእ ናይ ጽልኢ ፖሊሲኦም፡ ከመይ ጌርካ ኢኻ ኣብ ካራባክ ኣብ ልዕሊ ኣርመንያውያን ጽቡቕ ኣረኣእያ ክህሉ ትጽቢት ትገብር?"
ካብ ጎሪስ ብመኪና ሓጺር መንገዲ ርሒቑ ዝርከብ ፓኖራማ ኣኽራን ንህሉው ቅልውላው ንጹር ትርኢት ይህብ።
ብወገን ኣርመንያ፡ ከም ኣካል ናይቲ ኣብ 2020 ዝተገብረ ስምምዕ ተኹሲ ደው ምባል፡ ናብ ኣዘርባጃን ዝተውሃበ ግዝኣት ንምክታት ኣብ ዝተሃንጸ ሓድሽ ጽርግያ ዝዀነ ምንቅስቓስ የለን።
ኣብቲ ናብ መፈተሺ ነቑጣ ኣዘርባጃን ዝቐርበሉ መንገዲ፡ መግቢ፣ መድሃኒት፣ ፎርሙላ ህጻናትን ካልእ ኣገዳሲ ነገራትን ሓዊሱ ንካራባክ ዝኸውን 400 ቶን ሰብኣዊ ሓገዝ ዝጸዓና መካይን ደው ኢለን ኣለዋ።
ኣደ ሃይክ ኣዝያ እትናፍቖ ሓንቲ ነገር ዘይቲ ምብሳል ምዃና ብምዝካር፡ ኣብ ጎሪስ ዝጽበ ዝነበረ መራሒ ጽዕነት መኪና እንታይ ከም ዘጓዕዝ እሓቶ።
"ዕስራን ክልተን ቶን ዘይቲ ምግቢ" ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
