እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትግራይ፡ ኣብ ወረዳ ሓውዜን በረድን ንፋስን ዝሓወሰ ዝናብ ጕድኣት ኣብፂሑ
ኣብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ፡ ኣብ ወረዳ ሓውዜን፡ በረድን ንፋስን ሓዊሱ ዝዘነበ ሓያል ዝናብ ኣብ ዘራእቲ፣ መንበሪ ኣባይትን ማሕበራዊ ትካላት ከቢድ ጉድኣት ከም ዝወረደ ፀብፃባት ይሕብሩ።
ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብ ከባብታት ቈላ ተምቤን፡ ጣብያ ቀይሕ ተኽሊ፡ ዝወረደ ሓያል በረድ ዝተሓውሶ ዝናብ ኣብ ልዕሊ ህይወት፣ ዘራእትን እንስሳተን ሰፊሕ ጉድኣት ምብፅሑ ምፅብፃብና ዝዝከር እዩ።
ሕዚ ድማ፡ ኣብ መዳውብቲ እታ ወረዳ ዝዀነ - ወረዳ ሓውዜን ኣብ ልዕሊ ዘራእትን ገዛውትን ተመሳሳሊ ጉድአት ከምዝበፅሐ ሓለፍቲ ቴሌቪዥን ትግራይ ንሓለፍቲ ምምሕዳር እታ ወረዳ ጠቒሱ ፀብፂቡ።
ምክትል ኣመሓዳርን ሓላፊ ዘፈር ቁጠባን ወረዳ ሓውዜን ኣይተ ብርሃነ ሃይላይ፡ ኣብታ ወረዳ ዛጊድ እኹል ዝርገሐ ዝናብ ከምዘየለ ብምግላፅ፣ ሓሓሊፉ ዝወርድ ዘሎ ዝናብ ድማ፡ በረድን ንፋስን ዝሓወሰ ስለዝዀነ ከቢድ ጕድኣት የስዕብ ምህላዉ ተዛሪቡ።
ብመሰረት ካብቲ ከባቢ ዝተረኽበ ሓበሬታ፡ ባሕቲ ነሓሰ 2018፡ ኣብ ጣብያ ሸለዋን ከተማ ዓዲ ሑፃን በረድን ንፋስን ሓዊሱ ብዝወረደ ሓያል ኣብ ልዕሊ 210 ሄክታር መሬት ዘራእቲን 2 መንበሪ ገዛውትን ጕድኣት ከም ዝበፅሐ ኣይተ ብርሃነ ሃይላይ ገሊፁ።
ከምኡ ድማ፡ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት፡ ኣብ ጣብያ ሃሪከዋ ቁሸት መስሓት፣ 70 ሄክታር መሬት ዘራእቲ ጕድኣት እንትበፅሖ፣ ኣብ 4 መንበሪ ገዛ ቆርቆርኡ ምቕንጣጥን ምፍራስን፣ 3 መምሃሪ ክፍሊ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ መስሓት ድማ ሙሉእ ብሙሉእ ከምዝዓነወ ኣይተ ብርሃነ ኣብሪሆም።
ኣብታ ወረዳ ብበረድ ከቢድ ጉድኣት ዝበፅሖም ዘራእቲ ብቐፃሊ ክትትል ከም ዝግበር ዝገለፀ ኣይተ ብርሃነ፣ ሓረስቶት ኩነታት ዘራእቶም በብመዓልቱ ከፍትሹ፣ ስራሕቲ ምእላይን ምፅንፋፍን ማይ ከካይዱን ፡ ሙሉእ ጕድኣት ንዝበፅሖም ዘራእቲ ድማ ቀልጢፎም ብዝባፅሑ ዘራእቲ ንኽሽፍኑ ምዒዱ።
ሕብረተሰብ ኣብ ባዕሉ፣ ደቁን እንስስኡን ዝኸፍአ ሓደጋ ቅድሚ ምብፅሑ፣ ኵነታት ዝናብ እናተኸታተለ ግቡእ ጥንቃቐ ክገብር ከም ዘለዎ ድማ፣ ኣይተ ብርሃነ ሃይላይ ኣጠንቂቝ።
እንታይ ኣጋጢሙ ነይሩ
14 ሓምለ 2018 [ግ] ኣብ ከባብታት ቆላ ተምቤን (ወረዳ ቀይሕ ተኽሊ) ዝወረደ፡ ሓያል ዝናብ 'ተራእዩ ዘይፈልጥ' ከም ዝዀነ፡ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ሕርሻን ምክትል ኣመሓዳርን እቲ ወረደ፡ ኣቶ ሃፍቶም ዘነበ ንቢቢሲ ትግርኛ ኣረዲኡ ነይሩ።
ኣይተ ሃፍቶም፡ እቲ ሓደጋ በረድ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ሓሙሸተ ጣብያታት ጕድኣት ዘብፀሐ ኰይኑ፡ ወዲ 12 ዓመት ንኡስ ብሰንኪ እቲ ሓያል ዝናብ ዘስዐቦ ውሕጅ ተወሲዱ ህይወቱ ከም ዝሰኣነ ተዘሪቡ።
"ናይ ሓደ ሰብ ህይወት ሕልፈት ኣጋጢሙ፤ ወዲ 12 ዓመት እዩ፤ ኣብ በረኻ ኣብ መጓሰ እናሃለወ ውሕጅ ወሲዱዎ ሞይቱ፡" ኢሉ።
ብሓፈሻ፡ 2134 መራሕቲ ስድራ (ልዕሊ 10,000 ነበርቲ) በቲ ሓደጋ ከም ዝተፀልዉ ዝገለፀ ኣይተ ሃፍቶም፡ ኣብ ልዕሊ 201 እንስሳ ዘቤት ናይ ሞት መውሰድትን ከም ዘጋጠመ ወሲኹ ተዛሪቡ።
እቲ ሓደጋ ስዒቡ 12 ኣባይቲ ምሉእ ንምሉእ ዝዓነዉ ዀይኖም፡ 625 ድማ መጠናዊ ዕንወት ከም ዝበፅሖም ምፍላጥ ተኻኢሉ።
ኣብዚ ወረዳ ዝርከብ ብሓፈሻ ልዕሊ 1,000 ሄክታር መሬት ጕድኣት ዝበፅሖ ኰይኑ፡ ብፍላይ ድማ ብመስኖ ዝለምዐ መሬት፡ በቲ ውሕድ ከም ዝተወስደን ሓረስቶት ገልቢጦም ክዘርኡ ይግደዱ ከም ዘለዉን ካብቲ ከባቢ ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት።
እቶም ጉድኣት ዝበፅሖም መራሕቲ ስድራ፡ ዛጊድ ድጋፍ ይገበረሎም ኣይገበረሎም ዝተፈልጠ ነገር የለን።
ሳዕቤናት ኤል ኒኖ
ኣብዚ ዓመት፡ ተጻራሪ ሳዕቤናት ኤል ኒኖ ማለት ትሑት መጠን ዝናብን ልዕሊ ዓቐን ዝናብን ነቲ ሕብረተሰብ ኣብ ሓደጋ የእትዎ ከም ዘሎ ጸብጻባት የመልክቱ።
ቤት ጽሕፈት ምውህሃድ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት (OCHA) - ኣብ ኢትዮጵያ፡ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ክልተ መልክዕ ኤል ኒኖ ዘርኢ እዩ።
ኣብ ሓደ ከባቢ ደርቅን ሕጽረት ማይን ከጋጥም እንከሎ፡ ኣብ ካልእ ከባቢ ድማ ውሕጅ ከጋጥም ከም ዝኽእል የረድእ።
ብመሰረት ሓበሬታ ኦቻ-ኢትዮጵያ፡ ኣብ ገለ ከባቢታት እታ ሃገር፡ ዝራእቲ፡ ሩባታትን ዒላታት ማይን ይነቕጹ ኣለዉ።
ኣብ ከም ትግራይ፡ ቀንዲ ወቕቲ ዝናብ ክረምቲ ኣብ ዝዀነሉ ከባቢታት፡ "ካብ ንቡር ክሳብ ልዕሊ ንቡር ዝርግሐ ዝናብ" ክህሉ ምዃኑ ሰብሞያ ይዛረቡ።
ዞባታት ደቡብን ምብራቕን ትግራይ፡ ዞባታት ሰሜንን ደቡብን ወሎ፡ ዞባታት ክልል ዓፋርን ማእከላይ ክፋላት'ታ ሃገርን፡ "ንቡር ብዝሒ ዝናብን" ክህልውዎም ፡ ኣብ ገለ ከባብታት ድማ፡ "ትሕቲ ንቡር መጠንን ዝርግሐን ዝናብ" ትጽቢት ይግበር።
ብመሰረት ጸብጻብ ውድብ ሜትሮሎጂ ዓለም፡ ብፍላይ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዝበዝሐ ክፋል ኤርትራ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ኡጋንዳ፡ ጅቡቲ፡ ሱዳን፡ ከምኡ'ውን ኣብ ምዕራባውን ገማግም ባሕርን ኬንያ፡ ትሕቲ ንቡር ዝናብ ክዘንብ ትጽቢት ይግበር።
እቲ ሕጽረት ዝናብ፡ ኣብ ሕርሻ፡ ቀረብ ማይ፡ ጽሬት፡ ውሕስነት መግቢን ጥዕና ህዝብን ኣሉታዊ ጽልዋ ክህልዎ'ዩ።