እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኤርትራዊት ስኒት ሃብተኣብ፡ ካብ ኣስመራ ክሳብ መድረኽ ወይዘሪት ዓለም
ኣብ ታሪኽ ውድድራት ጽባቐ፡ ንነዊሕ ዓመታት ኣካላዊ ትርኢትን ደጋዊ ማራኺነትን ከም ቀንዲ መዐቀኒ ብቕዓት ኰይኑ ክረአ ጸኒሑ እዩ።
ሕብረተሰብና እውን መብዛሕትኡ ግዜ ንውድድራት ሞዴሊንን ጽባቐን ምስ ኣካዳምያዊ ብቕዓትን ብልሒ ኣእምሮን ኣተኣሳሲሩ ኣይርእዮን እዩ።
ይዅን እምበር፡ እዚ ጽኑሕ ክውንነት እናተቐየረ ይመጽእ ኣሎ። ነዚ ሓድሽ ምዕራፍ ብግብሪ ካብ ዘንጸባርቓ ዘለዋ ብሉጻት ደቀንስትዮ ድማ፡ እታ ንሃገራ ኤርትራ ኣብ ዓለምለኻዊ መድረኻት ብምውካል ሓድሽ ታሪኽ ትጽሕፍ ዘላ መንእሰይ ስኒት ሃብተኣብ ኣብ ቅድሚት ትስራዕ።
ስኒት፡ ኣብ ርእሲ እቲ ማራኺ ትርኢታ፡ ብሞያኣ ክኢላ ስነመጽናዕቲ ስርዓተ-መትኒ ወይ ኒውሮሳይንስ (Neuroscientist)፡ መምህርን ንመሰል ትምህርቲ ቈልዑ እትጣበቕን መንእሰይ እያ።
ንሳ ንሃገራ ኤርትራ ኣብቲ መበል 73 ውድድር 'ሚስ ዩኒቨርስ' ብምውካል ቀዳመይቲ ኤርትራዊት ብምዃን ታሪኽ ዘመዝገበት ኰይና፡ ሕጂ ድማ ኣብቲ ዝመጽእ ውድድር 'ሚስ ዎርልድ 2026' ንምስታፍ ትዳሎ ኣላ።
እዚ ውድድር እዚ ኣብ መድረኽ ጽባቐ ናይ መወዳእታ ተሳትፎኣ ከም ዝኸውን እውን ኣብቲ ምስ ቢቢሲ ዝገበረቶ ቃለመጠይቕ ውሳነኣ ኣረጋጊጻ'ላ።
ስኒት፡ ካብ ማእከላይ መነባብሮ ዝነበሮም ስድራቤት'ያ ኣብ 1999 ኣብ ኣስመራ ተወሊዳ ዓብያ።
ኣቦኣ ኣቶ ሃብተኣብ ተወልደመድህን ሰራሕተኛ ኢንሹራንስ፣ ኣደኣ ነፍ/ ሪት ወ/ሮ ኣድያም ዮውሃንስ ድማ ጆሜትራ ኮይኖም'ዮም፡ ድሌታ እናማልኡ ብልዑል ስድራቤታዊ ፍቕርን ክብርታትን ኣዕቢዮምዋ። ካብ ጽባቐ መልክዓ ዝተላዕለ'ውን፡ 'ጀዌት' - ብቋንቋ ብሌን ንጽባቐ ጓል ሄዋን ብዝወሃብ ናይ ቅብጥሮት ስም እናጸውዑ ድማ ኣዕቢዮማ።
ንሳ ካብ መዋእለ ህጻናት ክሳብ ካልኣይ ደረጃ ኣብ ቤት ትምህርቲ ጥልያን እያ ተማሂራ። ብድሕሪኡ ኣብ ኮለጅ ማይ-ነፍሒ ንሓጺር እዋን ድሕሪ ምክትታላ ናብ ስደት ኣምሪሓ።
ገና ተምሃሪት ካልኣይ ደረጃ ኣብ ዝነበረትሉ፡ ኣብ ኣስመራ ምስ ዝርከብ 'ዶልቸ ቪታ' ዝተባህለ ፋብሪካ ኣልባሳት ብስሩዕ ቍመናኣ ተመሪጻ፡ ከም ሞዴል ኰይና ክትሰርሕ ዕድል ረኺባ ነይራ። ኰይኑ ግን እዚ ናይ ሞዴሊን ስራሕ ንኣእምሮኣ ዕግበት ኣይሃቦን።
ስኒት ንምንታይ ነቲ ዓውዲ ከም ዝሓደገቶ ቅድሚ ሕጂ ምስ ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዝገበረቶ ቃለመሕትት ከምዚ ክትብል ገሊጻ ነይራ፤ "ከም መስቀሊት ባንቡላ፡ ቅዲ ኽዳን ዝሰርሑ ሰባት ኣልባሳቶምን ስራሓውቶምን ዘፋሉጡላ ሞዴል ጥራይ እንተ ዀይነ ደኣ'ሞ ስብእናይን መንነተይን ኣበይ ክረአ እዩ?" እዚ ብስል ዝበለ ኣተሓሳስባ፡ ነቲ ጽባቐኣ ብኣካዳምያዊ ብቕዓትን ሰብኣዊ ዕላማን ክስነ ከም ዘለዎ ንኽትውስን ደሪኹዋ።
በዚ ድማ ሕብረተሰብ ዝገብሮ ዝነበረ ጸቕጢ ትምህርቲ ተወሲኹዎ፡ ኣብ ትምህርታ ጥራይ ከተተኵር ወሰነት።
ስድራቤታዊ ጽልዋን መበገሲ ራእይን
ስኒት ናብ ኣመሪካ ድሕሪ ምኻዳ ኣብ ዩኒቨርስቲ ጆርጅ ማሶን ኣብ ዓውዲ ኒውሮ-ሳይንስ ኣተኲራ ትምህርታ ትከታተል ኣላ።
ነዚ ኣዝዩ ጻዕሪ ዝሓትት ዓውዲ ክትመርጽ ዝደፋፍኣ ግን ሰብኣውን ስድራቤታውን ጽልዋ እዩ ነይሩ። እታ ቀንዲ ደራኺት ሓይሊ ድማ እታ ዳውን ሲንድሮም ዘለዋ ጓል 16 ዓመት ምንኣሳ ሓፍታ እያ።
ስኒት፡ እቲ ኣብ ኤርትራ ንሓፍታ ዝወሃብ ዝነበረ ትምህርቲ፡ ብቕዓትን ዓቕምን ናይታ ጸገም ዘለዋ መንእሰይ ኣብ ግምት ዘእተወ ብዘይምንባሩ፡ ሓፍታ ናብቲ ክትበጽሖ እትኽእል ዝነበረት ደረጃ ከም ዘይበጽሐት ተዕዝብ።
ኣብ መግለጺኣ "ብኣንጻሩ ግና ሓፍተይ ባህርያታ ድሓን እኳ እንተዀነ፡ ኣብ ትምህርቲ ግና ቀልጢፋ ናይ ምቕባል ተኽእሎ የብላን።
ኣብ ቋንቋን ቍጽሪን ግና እቲ ኣመሃህራ እንድሕር በቲ ንዓኣ ዝርድኣ ምሂርካያ ማዕረ ናይቶም ዝዀነ ጸገም ዘይብሎም ቈልዑ'ዩ፡" ትብል።
በዚ ምኽንያት ድማ እቲ ጸገም ኣብ ኣእምሮ ናይቶም ቈልዑ ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ዘይሰማማዕ ስርዓተ-ኣመሃህራ ምዃኑ ተገንዘበት።
ኣብ ጐድኒ ትምህርታ ድማ ከም ተሓጋጋዚት መምህር ኰይና ኣብ ቅድመ-ትምህርትን መዋእለ ህጻናትን (ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣውሮራን ሞንተሶሪን) ሰሪሓ እያ።
ኣብኡ ከላ ዘጋጠማ ሓደ ኦቲዝም ዘለዎ ተምሃራይ ድማ ንራእያ ዝያዳ ኣደልዲሉዎ። ብዛዕባኡ ክትዛረብ ከላ፡ "ኣብ መዳይ ኣካዳምያዊ ትምህርቲ ኣዝዩ ድንቂ መንፋዓት'ኳ እንተነበሮ ኣብ ባህሪኡ ሓገዝ የድልዮ ብምንባሩ ብጥቡቕ ይሕግዞን ይከታተሎን ነይረ።
ኣዝዩ ዘሐጕሰኒ ድማ ኣብታ ሓጻር እዋን ኣዝዩ ጽቡቕ ለውጢ ብምምጻኡ ነቲ ሃቐናይ ኣዝየ ንኽደፍኣሉን ክቕጽሎን ኣተባቢዑኒ" ትብል።
እዚ ተመኵሮ እዚ፡ ነቲ "ምምህርና እግዚኣብሄር ዝሃበኒ ጸጋ እዩ" ዝብል እምነታ ናብ ግብራዊ ስጕምቲ ንኽትቅይሮ ሓይሊ ኰይኑዋ እዩ።
'ንብዙሕነት ምንዳፍ' ሰውራ ትምህርቲ
እቲ ስኒት እትቃለሰሉ ዘላ ቀንዲ ዕላማ፡ ንፍሉያት ቈልዑ ዝኸውን ሓድሽ ካሪክሉም ትምህርቲ ምንዳፍን 'ንብዙሕነት ምንዳፍ' (Designing for Diversity) ዝብል ፕሮጀክት ቤት ትምህርቲ ምትካልን እዩ።
ዓለም ኣብ ብዙሕ መዳያት እናማዕበለት ክነሳ፡ ኣገባብ ትምህርቲ ግን ብዙሕ ከም ዘይተቐየረ ስኒት ብትሪ ትነቅፍ። ኣብቲ ምስ ቢቢሲ ዝገበረቶ ቃለመሕትት ነዚ ዝስዕብ መብርሂ ሂባ ነይራ፤ "ናይ መወዳእታ ዕላማይ ሓድሽ ካሪክሉም ትምህርቲ ምንዳፍ እዩ።
ምኽንያቱ ኣብ መዳይ መጓዓዝያ እንተረኣና ካብ ብፈረስ ምኻድ ሎሚ ናብ ብኣውሮፕላን ምብራር በጺሑ፣ ኣብ መራኸቢታት እንተመጺእና ካብ ብደብዳበን መልእኽተኛን ሓበሬታ ምልውዋጥ ናብ ገጽ ንገጽ ተደዋዊልካ ምርኻብ በጺሑ ኣሎ። ...ኣብ ትምህርቲ እንተሪኢኻ ግና ቅድሚ ነዊሕ ዘበን ተምሃራይ ድሕሪ ሰድያ ኮፍ ኢሉ ይመሃር ነይሩ። ክሳብ ሕጂ እውን ኮፍ ኢሉ ይመሃር ኣሎ።"
ስለዚ፡ ነዚ ነዊሕ ዘበን ዝገበረ ኣገባብ ቀይራ፡ ምስ ባህርያትን ክእለትን ናይዞም ፍሉይ ጠመተ ዘድልዮም ቈልዑ ዝኸይድ ሓድሽ ትምህርታዊ ለውጢ ከተተኣታቱ ትደሊ።
ስኒት፡ እቲ ፍሉይ ጠመተ ንዝደልዩ ቈልዑ ተባሂሉ ዝተማህዘ 'ሞንተሶሪ' ዝተባህለ ኣገባብ ትምህርቲ እውን እንተዀነ፡ ሎሚ ካብ ዕላማኡ ወጺኡ ንሃብታማት ጥራይ ዘገልግል ብምዃኑ ቅሬታኣ ትገልጽ።
ብቐጥታ ከም ዝገለጸቶ፡ "ሓጋዝን ብሉጽን ክነሱ ኣብዚ ግዜ'ዚ ደቂ ሃብታማት ዝመሃሩሉ እዩ ኰይኑ ዘሎ። ...ብገንዘብ ይዅን ብኻልእ ምኽንያታት ንዖኦም ተባሂሉ ዝመጽአ መሳርሒ ክነሱ፡ ንዖኦም ካብቲ ሰእሊ ኣውጺእካ ናብ ረብሓ እቶም ጸገም ዘይብሎም ጥራይ ክውዕል ምኽንያታዊ ኣይኮነን።" በዚ ሓሳብ እዚ ድማ፡ ነቲ ትምህርቲ ንዅሉ ማዕረ ዝበጽሓሉ ባይታ ከተጣጥሕ ትጽዕር ኣላ።
ጽባቐ ምስ ዕላማ - ስለምንታይ 'ሚስ ዎርልድ'?
እሞ ነዚ ዅሉ ክልሰ-ሓሳብን ራእይን ሒዛ ኸላ፡ ስለምንታይ እያ ናብቲ 'መስቀሊት ባንቡላ' ኢላ ዝነጸገቶ መድረኽ ጽባቐ ተመሊሳ?
ምኽንያቱ መድረኽ 'ሚስ ኣፍሪቃ ኣመሪካ' ይኹን 'ሚስ ዎርልድ'፡ ካብቲ ናይ ቀደም ውድድር ጽባቐ ዝተፈልየ መልክዕ ስለ ዘለዎ እዩ።
ስኒት ነዚ መድረኻት ከም መሳልል እያ እትጥቀመሉ። ኣብቲ ምስ ቢቢሲ ዝነበራ ቃለመሕትት ከም ዝገለጸቶ፡ "ነቲ ዓቢ ራእየይ ዝዀኑ ሓገዝትን መሻርኽትን ኣብ ምርካብን ምስ ዝተፈላልዩ ዓበይቲ ዕድላትን ሰባት ንምርኻብ ባይታ ክፈጥረለይ ሰፊሕ ዕድል ስለዘለዎ፡ ከም ናብቲ ሸቶይ መብጽሒ ድልድል እየ ዝርእዮ" ትብል።
ብፍላይ ድማ ውድድር 'ሚስ ዎርልድ'፡ ብ1972 ብጁልያ ሞርሊ ዝተመስረተ 'ጽባቐ ምስ ዕላማ' (Beauty with a Purpose) ዝብል ጽኑዕ ዕላማ ኣለዎ።
ኣብዚ መደብ እዚ፡ ተወዳደርቲ ኣብ ሃገሮም ዘሎ ጭቡጥ ማሕበራዊ ጸገማት ዝፈትሕ ዘላቒ ተበግሶታት ክነድፋን ክመርሓን ትጽቢት ይግበረለን።
ስኒት ድማ ነዚ መድረኽ ተጠቒማ፡ ነቲ 'ንብዙሕነት ምንዳፍ' ዝብል ራእያ ዓለማዊ ኣፍልጦ ከተውህቦን፡ ድምጺ ናይቶም ሓገዝ ዘድልዮም ቈልዑ ኣብ መላእ ዓለም ከተስምዕን እያ ትሳተፍ ዘላ።
ሚስ ዎርልድ 2026 - ናይ መወዳእታ ምዕራፍ ጽባቐ
ስኒት፡ ውድድር 'ሚስ ዎርልድ 2026' ኣብ ዓለምለኻዊ መድረኻት ጽባቐ ናይ መወዳእታ ተሳትፎኣ ከም ዝኸውን ብምሉእ ርግጸኝነት ኣፍሊጣ ኣላ።
እዚ ድማ ነቲ ዝጀመረቶ ፕሮጀክት ካብ መድረኽ ጐስጓስ ናብ ግብራዊ ስራሕ ንምስግጋር እዩ።
ድሕሪ እዚ መወዳእታ ውድድር፡ ኵሉ ጕልበታን ጸጋታታን ነቲ ኣብ ኤርትራን ኣፍሪቃን ከተተኣታትዎ እትደሊ ሓድሽ ስርዓተ-ትምህርትን ምምስራት ትካል 'ንብዙሕነት ምንዳፍ'ን ከተውዕሎ እያ።
ንሳ ብቋንቋታት ትግርኛ፡ እንግሊዝኛን ጥልያንኛን (ከምኡ'ውን ብዝተወሰነ ፈረንሳ) ዘለዋ ክእለት ተጠቒማ፡ ዓለምለኻዊ መሻርኽቲ ብምድላይ ንሃገራ ዓቢይ ኣበርክቶ ክትገብር ትዳሎ ኣላ።
ስኒት ብተወሳኺ ኣብ ቃለመሕትታ፡ "በቲ እግዚኣብሄር ዝሃበኒ ናይ ምምህርና ፍቕሪ፡ መጽናዕትን ትምህርትን ወሲኸ ንኵነታትን ዓቕምን ናይዞም ሓገዝ ዘድልዮም ቈልዑ ኣብ ግምት ብምእታው ነቲ ንዕኦም ዝበቅዕ ስርዓተ ኣመሃህራ ወይ ካሪክለም ከመሓይሾን ከዐርዮን እየ ዝሓስብ ዘለኹ" ኢላ ነይራ እያ።
ሕጂ ድማ እዚ ሕልማ ጋህዲ ዝዀነሉ እዋን ዝቐረበ ከም ዝመስል ትእምት።
ስኒት ሃብተኣብ፡ ካብ ኣስመራ ተበጊሳ፡ ጽባቐ፡ ርእሰ-ተኣማንነት፡ ስነ-ፍልጠትን ማሕበራዊ ሓላፍነትን ኣወሃሂዳ፡ ንመንእሰያት ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ንኣዋልድ ድማ ብፍላይ ዓቢይ ኣብነት ኰይና ኣላ።
ንሳ ነቲ ዘለዋ ዓለምለኻዊ መድረኽ ንባዕላ ንምድማቕ ዘይኰነስ፡ ነቶም ፍሉይ ሓገዝ ዘድልዮም ደቂ-ሃገራ ብርሃን ንምዃን ክትጥቀመሉ ምውሳና፡ ንስብእናኣ ካብቲ ልሙድ መድረኻት ውድድር ጽባቐ ክብ ዘብሎ ምዃኑ ይእመን።