ኣብ ሸላታት ሞት ስዑዲ ዓረብ ተስፋ ዝቘረጹ ኢትዮጵያውያን ናብ ቢቢሲ ደዊሎም

    • Author, ኣኽሊሉ ጸጋይ
    • Role, ቢቢሲ ትግርኛ
  • Published
  • ንባብ: 7 ደቓይቕ

እቲ ኢትዮጵያዊ መንእሰይ ካብታ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ፍርዲ ሞቱ ዝጽበየላ ጸባብ ክፍሊ ማእሰርቲ ብተሌፎን ናብ ቢቢሲ ክድውል ዕድል ምስረኸበ፡ ኣብ ድምጹ ጭንቀትን ተስፋ ምቝራጽን ይስማዕ ነይሩ።

ሃብቶም - ልክዕ ከምቶም ኣብዚ ጽሑፍ ዝቐረቡ ካልኦት እሱራት፡ መንነቱ ንምሕላው ስሙ ዝተቐየረ - ኣብ ደቡባዊት ከተማ ኻሚስ ሙሻይት ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ንልዕሊ ሰለስተ ዓመታት ተታሒዙ ይርከብ።

ኣብ ድሕሪኡ ካብ ዝስማዕ ዝነበረ ድምጺ ጭንቅን ነድሪን ብጾቱ እሱራት ክብ ኢሉ ሓገዝ ክልምን ይስማዕ ነይሩ፤ መንግስቱ ንዕድሉ ንምቕያር ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ውሑድ ብምዃኑ ድማ ብሕርቃን ይዛረብ።

ሃብቶም፡ "ሓደ እሱር ንኻልእ ከጸናንዕ ኣይክእልን እዩ፣ ተደፊእካ ካብ ምብካይ ወጻኢ ካልእ ኣማራጺ የብልናን። መዓስ ከም ዝኸውን እኳ እንተ ዘይፈለጥና [ፍርዲ ሞት ዝፍጸመሉ መዓልቲ]፡ ተራና ኢና ንጽበ ዘለና" ይብል።

ንሱን ገለ ካብቶም መተኣስርቱን፡ ዝሓሸ ናብራ ንምርካብ ብምሕላም፡ ካብቲ ኣብ ሃገሮም ዝነበረ ኲናትን ድኽነትን ዝሃደሙ እዮም።

እንተዀነ እቲ ብጅቡትን የመንን ዘሕለፎ ጕዕዞ፡ መወዳእታኡ ማእሰርቲ እዩ ኰይኑ - በዚ ድማ ኣብ ኣብያተ-ማእሰርቲ ስዑዲ ዓረብ ብገበን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ዕጸ-ፋርስ (ኮንትሮባንዳ) ፍርዲ ሞት ካብ ዝጽበዩ ዘለዉ እናወሰኹ ዝኸዱ ኢትዮጵያውያን ተጸንቢሩ ይርከብ።

ዛንታኦም ንምንጋር ብሃንቀውታ፡ ገለ ካብቶም እሱራት ቍጽሪ ሞባይል ተሌፎን ክፍሊ ቢቢሲ ትግርኛ ክረኽቡ ክኢሎም። ብድምር፡ ካብቶም ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ፍርዲ ሞት ዝጽበዩ ዘለዉ ዓሰርተታት - ምናልባት እውን ክሳብ 200 ዝበጽሑ - ኢትዮጵያውያን፡ ምስ ሸውዓተ ካብኣቶም ተዘራሪብና ኣለና።

ካልኦት ዜጋታት ወጻኢ - ከም ዜጋታት ፓኪስታን፡ ሱዳንን ዮርዳኖስን ዝኣመሰሉ - እውን ኣብ ተመሳሳሊ ኵነታት እኳ እንተለዉ፡ ኣብዘን ቀዳሞት ሸውዓተ ኣዋርሕ ናይዚ ዓመት ግን 17 ኢትዮጵያውያን ተቐቲሎም እዮም።

እዚ ድማ ካብቶም ዜጋታት ስዑዲ ዓረብ ዘይኰኑ ዜጋታት ወጻኢ እቲ ዝለዓለ ቍጽሪ እዩ። ሓሙሽተ ካብዚ ቅትለታት ድማ ብሰኑይ ዝተፈጸመ እዩ።

ትካል ተሓላቒ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ከም ዘመልክቶ፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት ክልተ ኢትዮጵያውያን ጥራይ ብሞት ተቐጺዖም ነይሮም፤ ኣብ 2025 ግና 35 ሰባት በጺሖም።

እዚ ምውሳኽ ብልክዕ ስለምንታይ ከም ዘጋጠመ ንጹር እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ መወዳእታ 2022 ዘብቅዐን ከቢድ ዕንወት ዘስዓበን ናይ ክልተ ዓመት ደማዊ ኲናት ሓድሕድ ስዒቡ፡ ብዙሓት ሰባት ካብቲ ዞባ ብምስዳዶም ክኸውን ይኽእል እዩ ዝብል ግምት ኣሎ።

ተመራማሪት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዳና ኣሕመድ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ "እዚ ተርእዮ ምስቲ ስዑዲ ዓረብ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ብገበን ዕጸ-ፋርስ ንዝተኸሰሱ ሰባት እትህቦ ፍርዲ ሞት እናስፋሕፈሐ ምምጻኡ ዝተኣሳሰር ክኸውን ይኽእል እዩ" ትብል።

ልክዕ ከም መብዛሕትኦም ቢቢሲ ዘዘራረቦም ሰባት፡ ካብ ትግራይ ዝመጸ ሃብቶም፡ ሓደ ዓይነት ካናቢስ ዝዀነ 'ሓሺሽ' ብዘይሕጋዊ መገዲ ብምስግጋር ተኸሲሱ ገበነኛ ኰይኑ ተረኺቡ። ኣብ ስዑዲ ዓረብ፡ ብውሳነ ዳኛ፡ በደለኛ ኰይኑ ምርካብ ናብ ፍርዲ ሞት ከብጽሕ ይኽእል እዩ።

ይዅን እምበር፡ ተሓለቕቲ መሰላት - ከም ሪፕሪቭ ፡ ተሓላቒ መሰላት ወዲ-ሰብ ከምኡ'ውን ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል - ኣብ ከምዚ ዓይነት ክስታት ሕጋዊ መስርሕ ዳርጋ ከም ዘይክተል የረድኡ።

ዳና ኣሕመድ ካብ ኣምነስቲ ከም ዝገለጸቶ፡ ተኸሰስቲ ጠበቓ ናይ ምርካብ ወይ መዛግብቲ ቤት ፍርዲ ናይ ምርኣይ ዕድል ኣይወሃቦምን እዩ፣ ትርጕም እንተ ተዋሂቡ እውን እኹል ክኸውን ኣይክእልን እዩ።

ብኽልሰ-ሓሳብ ደረጃ መሰል ይግባይ እኳ እንተሎ፡ ብዘይ ጠበቓ ግን ይግባይ ከቕርቡ ስለ ዘይክእሉ፡ "እቲ ፍርዲ ብቐጥታ ይጸድቕ" ትብል።

"ካብ ምሃብ ፍርዲ ጀሚሩ ክሳብ ግምገማ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲን ብንጉስ ምጽዳቑን ዘሎ ምሉእ መስርሕ ፍርዲ፡ ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ግልጽነት ዝጐደሎ እዩ። ብሞት ዝተፈርዱ ሰባትን ስድራቤቶምን ብዛዕባ መጻኢ ዕድሎም ኣብ ጸልማት እዮም ዝወድቁ" ትብል ዳና ኣሕመድ።

ሃብቶም፡ ምስ ጠበቓ ክዛረብ ወይ ርእሱ ክከላኸል ዕድል ከም ዘይተዋህቦ ይገልጽ። ብተወሳኺ፡ ኣብቲ ብዓረብኛ ዝተጻሕፈን ነቲ ፍርዲ ከም ዝተሰማምዓሉ ዝገልጽን ሰነድ፡ ኣብ ምንታይ ይፍርም ከም ዘሎ ከይፈለጠ ብግዲ ክታሙ ከም ዘንበረ ሓቢሩ።

ቢቢሲ ዘዘራረቦም ካልኦት እሱራት እውን ብዛዕባ እቲ ስርዓተ ሕጊ ተመሳሳሊ ዛንታ እዩ ነይሩዎም።

ናድያ ሃርድማን፡ ላዕለወይቲ ኣማኻሪት መሰላት ስደተኛታት ትካል ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ እቲ ትካል ምስቶም ነቲ ጉዳይ ብቐረባ ዝከታተሉ ሰባት ርክብ ከም ዝገበረን ብዛዕባ "ዝዀነ ዓይነት ሕጋዊ መስርሕ ዘይብሉ ጃምላዊ ፍርድታት፡ ርእይቶ ኣብ ጃምላዊ ፍርድታትን፡ ከምኡ'ውን ዝተኣስሩ ሰባት ፍርዶም መዓስ ከም ዝፍጸም ከይፈለጡ ብሃንቀውታ ዝጽበይሉ ኵነታትን" ሓበሬታ ከም ዝረኸበት ገሊጻ።

ሰበስልጣን ስዑዲ ዓረብ ብዛዕባ እቲ መስርሕ ሕጊ ፍትሓዊ ኣይኰነን ዝብል ክስታት ምላሽ ንኽህቡ ቢቢሲ ንዘቕረቦ ሕቶ ምላሽ ኣይሃቡን።

እንተዀነ ነፍሲ ወከፍ ፍርዲ ሞት፡ ብመንገዲ ወግዓዊ ማዕከን ዜና ብዝወጽእ መግለጺ እዩ ዝስነ። እዚ መግለጺ ድማ ንጹር መስርሕ ማለት መርመራ፡ ጉዳይ ቤት ፍርዲ፡ ይግባይ፡ ውሳነ ላዕለዋይ ቤት ፍርድን ድሕሪኡ ድማ ንጉሳዊ ኣዋጅን ከም ዘሎ የረድእ።

እቲ መግለጺ ወሲኹ፡ እዚ ፍርዲ ንዜጋታት "ካብ ሓደጋ ዕጸ-ፋርስ"ን ክስዕቦ ካብ ዝኽእል ዕንወትን ንምክልኻል ዘሎ ጽኑዕ ውሳነ ዘንጸባርቕ ምዃኑ ይገልጽ።

ሃብቶም፡ ብመንገዲ እታ ኣብ መንደቕ ክፍሊ ማእሰርቱ ዝተሰቕለት ተሌፎን ሓሓሊፉ ምስ ስድራቤቱ ርክብ ዝገብር እኳ እንተዀነ፡ ኣብ መጽበዪ ፍርዲ ሞት ከም ዘሎ ክነግሮም ከም ዘይደለየ ብምግላጽ፡ "ሕጂ ካብ ዝነግሮም፡ ምስ ሞትኩ መርድእ ሞተይ እንተ ተነግሮም እመርጽ" ኢሉ።

ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ወዲኡ፡ ካብ ኮለጅ ተመሪቑ፡ ወለዱ ንምሕጋዝ ስራሕ ንምርካብ ይሓልም እኳ እንተ ነበረ፡ ኲናት ትግራይ ግን ነዚ ኵሉ ኣምኪኑዎ እዩ።

"ዕላማይ ስለ ዝፈሸለ፡ ንኽስደድ ወሲነ" ይብል።

ኣብ 2021 ናብ ስዑዲ ዓረብ ዝገበሮ ሓደገኛ ጕዕዞ ብህይወት ድሕሪ ምስጋሩ፡ ሃብቶም ጓሳ ኣጣል ኰይኑ ትሑት ደሞዝ ዝኽፈሎ ስራሕ ረኺቡ ነይሩ፤ ይዅን እምበር ኣስራሕቱ ንዕኡን ንኻልኦትን ዝያዳ ገንዘብ ክረኽቡሉ ዝኽእሉ ዕድል ኣቕረቡሎም።

ሓደ ጽዕነት ንኸብጽሑ ተሓቲቶም መገዶም እናኸዱ ከለዉ፡ ብፖሊስ ደው ክብሉ ተገዲዶም፡ እቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሰፊሑ ዝዝውተር ተፈጥሮኣዊ መነቓቕሒ ቈጽሊ - ጫት - ሒዞም ተረኺቦም።

እቶም ወግዓውያን መግለጺታት ስዑዲ ዓረብ ኵሎም ብዛዕባ ዘይሕጋዊ ምስግጋር 'ሓሺሽ' ዝጠቕሱ እኳ እንተዀኑ፡ እቶም ቢቢሲ ዘዘራረቦም ሰባት ግና ብዛዕባ ጫት እዮም ዝዛረቡ።

"እንታይ ጽዒንና ከም ዝነበርና ኣይፈልጥን እየ ነይረ። ጸኒሑ ግና ጫት ምዃኑ ተነጊሩኒ፣ ጫት እንታይ ምዃኑ እኳ ፈጺመ ኣይፈልጥን እየ" ዝበለ ሃብቶም፡ በቲ ዝቐረበሉ መጠን ገንዘብ ሰዲዑ ናብቲ ስራሕ ከም ዝኣተወ ተኣሚኑ።

ሃብቶም፡ "ከይፈለጥኩ ጌጋ ፈጺመ" ክብል ብምእማን፡ እቲ ናይ ሞት ፍርዱ ናብ ናይ ማእሰርቲ ግዜ ክቕየረሉ ተስፋ ከም ዝገብር ገሊጹ ኣሎ።

ኣብ ሚያዝያ፡ ሰለስተ ካብቶም መተኣስርቱ ዝዀኑ ኢትዮጵያውያን ብሞት ክቕጽዑ ከለዉ - ኣብ ሰነ ድማ ካልኦት ትሽዓተ ተቐቲሎም።

እቲ ኣብ ሚያዝያ ዝተፈጸመ ቅትለታት፡ ካብ ተሓለቕቲ መሰላትን ገለ ሓለፍቲ ኢትዮጵያን፡ እንተላይ ካብቲ ዓቢይ ጽልዋ ዘለዎ መራሒ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ-ክርስትያን ኢትዮጵያ፡ ብርቱዕ ቍጥዐ ኣልዒሉ ነይሩ እዩ።

ፓትርያርክ ኣቡነ ማትያስ፡ መንግስቲ ምስ ሰበ-ስልጣን ስዑዲ ዓረብ ዝርርብ ክገብር ብምጽዋዕ፡ ነቶም እሱራት "ኣብ ትሕቲ ጽላሎት ሞት" ዝነብሩ "ድምጺ ዘይብሎም ውሉዳት" ክብሉ ገሊጾምዎም ነይሮም።

ትካል ተሓላቒ መሰላት ወዲ-ሰብ ኣብ ናይ ሚያዝያ ጸብጻቡ፡ ሰበስልጣን ስዑዲ ዓረብ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ዝፍጽምዎ ዘለዉ ቅትለት ብህጹጽ ደው ከብሉን ኵሉ ጉዳያት ብመሰረት ኣህጉራዊ ሕጊ ክተኣናገድን ጸዊዑ።

ብተወሳኺ፡ ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ብህጹጽ ጣልቃ ብምእታው ቆንስላዊ ደገፍ ክህብ ሓቲቱ።

ብሓፈሻ ድሕነት ኢትዮጵያውያን ኣብ ስዑዲ ዓረብ፡ ኣብ ግንቦት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ መንጎ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ጌድዮን ጢሞቴዎስን ምክትል ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ስዑዲ ዓረብ ዋሊድ ኣል-ኹረይጅን ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ተላዒሉ ነይሩ።

ነዚ ስዒቡ ኣብ ሰነ፡ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብታ ሃገር ታፋ ቱሉ ዳዲ፡ ናብቲ ቤት ማእሰርቲ ምብጻሕ እኳ እንተ ገበረ፡ እቶም እሱራት ግን ኵነታቶም ንኸረድኡ እኹል ግዜ ከም ዘይተዋህቦም ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ኣብታ ዝሰዓበት ሰሙን ተወሳኺ ቍጽሪ ዘለዎም ኢትዮጵያውያን ስለ ዝተቐትሉ ድማ እቲ ምብጻሕ ኣዝዩ ድሩት ጽልዋ ጥራይ ከም ዝነበሮ ዘመልክት እዩ ነይሩ።

ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕብረት ኣፍሪቃ እውን ብወገኑ፡ ኢትዮጵያ ህይወት ናይቶም ኣብ ስዑዲ ዓረብ ፍርዲ ሞት ዝጽበዩ ዘለዉ ዜጋታታ ንኸተድሕን ተማሕጺኑ ኣሎ።

ቢቢሲ፡ ርእይቶ ንምርካብ ምስቶም ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝርከቡ ሰበስልጣን ኢትዮጵያን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ መንግስቲን ርክብ እኳ እንተ ገበረ፡ ዛጊት ዝዀነ ምላሽ ኣይረኸበን።

ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ብዛዕባ እቲ ፍርዲ ሞት ብፍላይ ከይጠቐሰ፡ ብ13 ሓምለ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ነቶም ኣብ ኣጸጋሚ ኵነታት ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ዜጋታት ግቡእ መፍትሒታት ንምርካብ" ምስ ሰበስልጣን ስዑዲ ዓረብ ስሩዕ ርክብ ይገብር ከም ዘሎ ሓቢሩ ነይሩ።

ብተወሳኺ፡ ነቲ ገበን ወይ ፍርዲ ብዘይ ምጥቃስ፡ "ክሳብ ሕጂ" ኣስታት 2,000 ኢትዮጵያውያን "ካብ ንጉሳዊ ምሕረት ተጠቃምቲ ከም ዝዀኑ" ኣብቲ መግለጺኡ ኣስፊሩ ኣሎ።

ሓደ እሱር፡ ሓላዊ መግቢ ሒዙ ኣብ ዝመጸሉ እዋን ማዕጾ ክፍሎም ኣብ መዓልቲ ሓንሳብ ጥራይ ከም ዝኽፈት ገሊጹ።

ውጽኢት ናይቲ ዝካየድ ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት እናተጸበዩ ከለዉ፡ እቶም ንቢቢሲ ዘዘራረቡ እሱራት ኣብ ኣዝዩ ጸባብን ሰባት ዝተጨናነቕሉን ቦታታት ከቢድ ጸገማት የሕልፉ ከም ዘለዉ ሓቢሮም።

ኣብ ካልእ ክፋል ናይቲ ቤት ማእሰርቲ ዝርከብ ደስታ ብወገኑ፡ ኣብታ ን90 ሰባት ተባሂላ ዝተዳለወት፡ 45 ድርብ-ዓራውቲ ብመንደቕ እተሰርዓላ ክፍሊ፡ 200 ሰባት ተጨቓጪቖም ከም ዘለዉ ገሊጹ።

ብቐትሪ እቶም እሱራት ኣብቲ ኣዝዩ ዘጨንቕ ኵነታት ኣብ መሬት ተጠቓቒጦም ከም ዝቕመጡ፤ ብለይቲ ዛሕሊ ምስ ኰነ ድማ ኣብ ክንዲ ኣንሶላ ፕላስቲክ ጓሓፍ ከም ዝጕልበቡ ሓቢሩ።

"እቲ ፍርዲ ሞት ምጽባይ ዝፈጥሮ ጭንቀት፡ ምስቲ ዘሎና ጸበባን ምጭንናቕን ተደሚሩ፡ ንሕማምን ራዕድን የቃልዓና ኣሎ" ይብል ደስታ።

"እቲ ሓላዊ ማዕጾ ዝኸፍት መግቢ ከምጽእ ከሎ ጥራይ እዩ፤ ንሱ እውን ኣፉን ኣፍንጫኡን ብማስክ ሸፊኑ እዩ ዝኣቱ - ማዕጾ ዝኽፈተላ እንኮ ግዜ እውን ንሳ እያ። መግቢ ምስ ሃበና ቀልጢፉ ቆሊፉ ይኸይድ።

"ዝዀነ ሕቶ ክትሓትቶም ወይ ክትዛረቦም ኣይከኣልን እዩ። እንተ ሓተትካ እውን ከቢድ መውቃዕቲ እዩ ዝጽበየካ።"

ንሱ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ካብ የመን ዶብ ክሰግር ከሎ እዩ ተታሒዙ፡ ዕጸ-ፋርስ ብዘይሕጋዊ መገዲ ኣሰጋጊሩ ብዝብል ክሲ ድማ ተኸሲሱ።

"ኣርባዕተ ኢትዮጵያውያን ኢና ነይርና፡ ሓደ የመናዊ እውን ምሳና ነይሩ። ንሱ ብዘይ ስግኣት ዶብ ንኽንሳገር ክሕግዘና ከም ዝኽእልን ውሑስ ዝዀነ መገዲ ከም ዝፈልጥን ነጊሩና። ኣብ ክንድኡ ግና ጫት ዝሓዘ ጽዕነት ክንስከመሉ ሓቲቱና፡ ገለ ገንዘብ ክኸፍለና እውን ተመባጺዑልና ነይሩ።

"እቲ ዘሕዝን ግን ዶብ ምስ ሰገርና ነዊሕ ከይጸናሕና ብፖሊስ ተታሒዝና። ክትኵሱልና ምስ ጀመሩ እቲ የመናዊ ሃዲሙ ኣምሊጡ፣ ንሕና ግና ክንሃድም ኣይከኣልናን። ብስንባደ ናበይ ከም እንኸይድ እኳ ጠፊኡና።"

ልክዕ ከምቶም ቢቢሲ ዘዘራረቦም ኵሎም ሰባት፡ ደስታ ፍርዲ ሞት ክውሰነለይ እዩ ኢሉ ፈጺሙ ሓሲቡ ከም ዘይፈልጥን ግዜ ማእሰርቱ ወዲኡ ውዒሉ ሓዲሩ ናብ ሃገሩ ክምለስ ትጽቢት ይገብር ከም ዝነበረን ገሊጹ።

ኣብ ክንድኡስ፡ ኣብቲ ንፍርዲ ሞት ዘብጽሕ ክስታት ዝተዘርዘረሉ ብዓረብኛ ዝተጻሕፈ ሰነድ ብግዲ ክታሙ ከም ዘንበረ ሓቢሩ። ጸኒሑ ኣብ ቤት ፍርዲ ምስ ቀረበ፡ ነቲ ዝቐረበሉ ክስታት ንምምጓት ዝዀነ ዕድል ከም ዘይተዋህቦን ሕጋዊ ጠበቓ ከም ዘይነበሮን ኣረዲኡ።

"ኣብታ ቀዳመይቲ መዓልቲ ኣብ ቅድሚ ዳኛ ምስ ቀረብካ፡ 'ነዚ ክስታት ትቕበሎ ዲኻ?' ኢሉ ይሓትተካ። ኣብ ካልኣይ ግዜ ምስ ቀረብካ ድማ ናይ ሞት ፍርዲ ይውስነልካ" ይብል ደስታ።

ስድራቤቱ ንምምሕዳር ዝቃለስ ዝነበረ ነዳቓይ ሕጡብ፡ ኣብ እዋን ኲናት እቲ ተዅሲ ናብ ገዛውቱ እናቐረበ ምስ መጸ እዩ ካብ ትግራይ ተሰዲዱ።

ሕጂ ግና ዳግማይ ብዛዕባ ህይወቱ ኣብ ስግኣት ወዲቑ ኣሎ - ንሱን ሃብቶምን ከምኡ'ውን ኣብ መጽበዪ ፍርዲ ሞት ዝርከቡ ካልኦት ዓሰርተታት እሱራትን ድማ ካብ ደገ ሓገዝ ክግበረሎም ይልምኑ ኣለዉ።

"ኣብ ከቢድ ፍርሒ ኢና እንነብር ዘለና፡ ነቲ ዝወሃበና መግቢ እኳ ክንበልዖ ኣይከኣልናን" ይብል ሃብቶም።

  • ተወሳኺ ጸብጻባት ደሚያን ዛነ