እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኮፕ28፡ ኣባላት ስድራቤቱ ናብ ዱባይ ሰዲዱ ተባሂሉ ዝንቀፍ ዘሎ ፕረዚደንት
ኣርባዕተ ደቂ ፕሬዝደንት ናሚቢያ ሃጌ ጌንጎብ፡ ምስ ጉጅለ ልኡኽ ኮፕ28 እታ ሃገር ዱባይ ብምኻዶም፡ ገለ ዜጋታት እታ ሃገር ቁጠዐኦም ይገልጹ ኣለዉ።
እቶም ደቁ፡ ኣካል ናይቲ ኣብ ዋዕላ ክሊማ ዱባይ (ኮፕ28) ንምስታፍ ዝኸደ ልኡኽ እታ ሃገር ኮይኖም ካብ ዝኸዱ ሽዱሽተ ኣባላት ስድራቤት እቲ ፕሬዝደንት እዮም ብዝብል'ዩ እቲ ነቐፌታ ዝቐርብ ዘሎ።
ቤት ጽሕፈት እቲ ፕሬዝደንት ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ደቁ ናብ ዱባይ ከም ዝኸዱ ብምርግጋጽ፡ ወጻኢታት እቲ ጕዕዞ ግን ብመንግስቲ ዝተሸፈነ ኣይኰነን ክብል ነቲ ዝቐርበሉ ዘሎ ክስታት ነጺጉ።
ካልኦት ኣባላት እቲ ስድራ ብኸመይ ከም ዝተኸፍሉ እውን ኣየነጸረን።
“ፕሬዝደንት ጌንጎብን ማዳሜ ጌንጎብን (በዓልቲ ቤቱ)፡ ንወጻኢታትን ኣየርን ደቈም ከፊሎም” ይብል እቲ ቤት ጽሕፈት ኣብ ኤክስ ዝዘርግሖ ሓበሬታ።
“ህዝብን ሚዲያን ናሚብያ፡ ዋላ ሓንቲ ሳንቲም ናይ ህዝቢ ገንዘብ ንወጻኢታት ደቂ እቶም እቲ ፕረዚደንት ንምሽፋን ኣይወጽአን” ኢሉ።
ገለ ናሚብያውያን ግን፡ እቲ መንግስቲ ዝሃቦ መልሲ ዘየዐግብ’ዩ ብምባል ነጺጐምዎ። ወጻኢታት ደቁን ኣባላት ስድራኡን ብውልቃዊ ገንዘብ ከም ዝተሸፈነ ዘረጋግጽ መርትዖ ንምቕራብ’ውን ኣይክኣለን ክብሉ ነቒፎም።
ገለ ነቐፍቲ’ውን፡ መንግስቲ ኣባላት ስድራ እቲ ፕሬዝደንት ኣብ ጉባኤ ኮፕ28 ዘለዎም ተራ እንታይ’ዩ? እቲ ጉዕዞኦም ክኣ ብውልቃዊ ወጻኢታት ዝተሸፈነ እንተዀይኑ ስለምንታይ ኣብ ዝርዝር ልኡኽ መንግስቲ ኣትዩ? ንዝብሉ ሕቶታት መብርሂ ክህብ ሓቲቶም።
“ደናቑር ጌርኩም ዲኹም ትሓስቡና? ኣካል እቲ (ኣኼባ) እንተዘይኰይኖም፡ ስለ ምንታይ ኣብ ዝርዝር ልኡኽ መንግስቲ ኣትዮም? ምስ ልኡኽ መንግስቲ ኣብ ዱባይ ዝዀንሉ ምኽንያትከ እንታይ’ዩ?” ክብል ሓደ ናሚብያዊ ኣብ ኤክስ ጽሒፉ።
ኣባል ባይቶ እታ ሃገር ኢና ሄንጋሪ ብወገና፡ “ኣብ ባይቶ ሓፈሻዊ ጸብጻብ ክቐርብ ንጽበ” ኢላ።
ቅድም ኢሉ፡ ኣባላት ባይቶን ሰብ መዚ ባይቶን ኣብ ኮፕ28 ንምስታፍ ጉዕዞ ከዋድድ ዘይኽኣለ መንግስቲ ወጻኢታት ስድራ እቲ ፕሬዝደንት ይምውል ኣሎ ዝብል ነቐፌታ ኣቕሪባ ነይራ።
እዚ ኣብታ ሃገር ዝተራእየ ቁጥዐ፡ መንግስታት ኣፍሪቃ ዓበይቲ ጉጅለታት ናብ ኮፕ28 ብምልኣኽ ሰፊሕ ነቐፌታ ኣስዒቡ ኣሎ። ገለ ዜጋታት ፋይናንሳዊ ሓሻሽነት እዩ ብምባል ይነቕፉ።
መንግስታት ናይጄሪያ፣ ታንዛኒያን ኬንያን፡ መብዛሕትኦም ልኡኻት ካብ ሚዲያ፣ ትካላት ሲቪክ ማሕበረሰብን ውልቀን ስለ ዝዀኑ፡ ወጻኢታቶም ብመንግስቲ ኣይተሸፈንን ብምባል ነቲ ነቐፌታታት መልሲ ሂቦምሉ ኣለው።
ናይጀርያ 1,411፡ ንግስነት ሞሮኮ 823፡ ታንዛንያ 765 ኣባላት ዘለውዎ ጉጅለታት ናብቲ ዋዕላ ሰዲደን ኣለዋ። ኬንያ'ውን 51 ብመንግስቲ ዝተላእኩን ብዙሓት ብዘይመንግስታዊ ጉጅለታት ዝተላእኩን ሰባት ናብ ዱባይ ሰዲዳ'ላ።