እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
28 ሚልዮን ዶላር ዝሰረቐት 50 ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪድዋ
ካብ ትሰርሓሉ ትካል 28 ሚልዮን ዶላር ዝሰረቐት ደቡብ ኣፍሪቃዊት ጓል ኣንስተይቲ ትማሊ ዓርቢ ናይ 50 ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪዳ።
ሂልደጋርድ ስቲንካምፕ ነቲ ገንዘብ ካብቲ ንኣስታት 13 ዓመታት ከም ሰራሕተኛ ሒሳብ (ኣካውንታንት) ኮይና እትሰርሓሉ ዝነበረት ኩባንያ ክንክን ጥዕና እያ ወሲዳቶ።
ስቲንካምፕ ቅድሚ ሕጂ’ውን እንተኾነ ብ336 ክስታት ምትላል ገበን ቀሪቡላ ከምዝወዓለቶ ተኣሚና ከምዝነበረ ተገሊጹ።
እታ ውልቀ ሰብ ኣብ ቅድሚ ዳኛ ዝቐረበት ኮይና፡ እቲ ዳኛ ብሓደ ውልቀሰብ ክንድዚ ዝኣክል ገንዘብ ዝተሰረቐሉ ጉዳይ ገጢምዎ ከምዘይፈልጥ ገሊጹ።
ዳኛ ፊሊፕ ቨንተር "ሓንቲ ሰራሕተኛ ካብ ኣስራሒኣ ክንድዚ ዝኣክል ገንዘብ ከም ዝሰረቐት ንኽትኣምኖ ፈታኒ’ዩ" ክብል ስንባደኡ ገሊጹ።
ስቲንካምፕ ዳኛ መከላኸሊ ክተቕርብ ምስ ሓተታ፡ እቲ ብሞት ዝተፈለያ በዓል ቤታ ነቲ ገንዘብ ክትሰርቆ ከም ዘገደዳ ተዛሪባ።
እቲ ዳኛ ግና "ነቲ ተግባራት ንሳ ጥራይ እያ ፈጺማቶ" ኢሉ።
መርመርቲ ፎረንሲክ፡ ስቲንካምፕ ነቲ ገንዘብ ኣብ ቁማር፣ ምዕዳግ መመላኽዒ ናውቲ መገሻን ኢሉ’ውን ምቹው ናብራ ንኽትነብር ከምዝተጠቐምትሉ ኣረጋጊጾም።
ንሳ ብተወሳኺ ኣብ ሓንቲ ለይቲ ኣብ ካዚኖ 263 ሽሕ ዶላር ወጻኢ ከምዝገበረት ተፈሊጡ።
እቲ ቤት-ፍርዲ ብተወሳኺ ስቲንካምፕ ኣብ ኣህጉራዊ መገሻታት ኣስታት 1.6 ሚልዮን ዶላር ከምዘውጽአትን ብተደጋጋሚ ናብ ዱባይ ከምዝገየሸትን ሰሚዑ።
እታ ናይ 50 ዓመታት ፍርዲ ዝተፈረዳ ደቡብ ኣፍሪቃዊት ቅድሚ ስራሕ ምግዳፋ ካብ 2004 ክሳብ 2017 ኣብቲ ትካል ሰሪሓ።
ስቲንካምፕ ነዚ ውጥን ክትሕንጽጽ ዝኸኣለት፡ ካብ ዳታቤዝ ናይቲ ኩባንያ ኣለቃሕቲ ክትውስኽ ወይ ክተውጽእ ስልጣን ስለዝተዋህባ ምዃኑ ፖሊስ ደቡብ ኣፍሪቃ ገሊጹ።
በዓል ቤታ ከም ኣለቃሒ ወሲኻ ኣብ ሕሳቡ ገንዘብ ክተእቱ ድማ ጀሚራ።
ስቲንካምፕ ኣብ 2018 ናብ ፖሊስ ኢዳ ስለዝሃበት፡ ዋሕስ ተፈቒዱላ ነይሩ። ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ድማ ገበነኛ ከምዝኾነት ኣሚና።