ቀይሕ ባሕሪ፡ ሑቲ መጥቃዕቲ መራኽብ ደው ከብሉ 12 ሃገራት ኣጠንቂቐን

ቀይሕ ባሕሪ፡ ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ልዕሊ መራኽብ ዝፍጽምዎ መጥቃዕቲ ደው ከብሉ መጠንቀቕታ ቀሪብሎም

ምንጪ ስእሊ, EPA

Published

ዓባይ ብሪጣንያን ኣመሪካን ከምኡ ከኣ ካልኦት 10 ዓበይቲ ሃገራት፡ ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ልዕሊ'ተን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝንቀሳቐሳ መራኽብ ዝፍጽምዎ ዘለዉ መጥቃዕቲ ደው እንተዘይኣቢሎም ከቢድ ሳዕቤን ከኸትለሎም ከምዝኽእል ኣጠንቂቐን።

እዘን ሃገራት ኣብ ዘውጽኣኦ ሓባራዊ መግለጺ፡ ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ልዕሊ መራኽብ ጽዕነት ዝፍጽምዎ መጥቃዕቲ ብቕጽበት ደው ከብሉ መጠንቀቕታ ኣሰንየን መልእኽተን ኣሕሊፈን ኣለዋ።

ብኢራን ዝድገፉ ዕጡቓት ሑቲ፡ ንሓማስ ዘለዎም ደገፍ ንምግላጽ’ዮም ካብ ሕዳር ኣትሒዞም ኣብ ልዕሊ ብባብኤል መንደብ ዝሓልፋ ዝተፈላለያ መራኽብ መጥቃዕቲ ክፍጽሙ ጸኒሖም።

ሑቲ፡ ሚሳይላት፡ ድሮናት፡ ፈጣናት ጀላቡን ሄሊኮፕተራትን ተጠቒሞም ልዕሊ 20 ግዜ ኣብ መራኽብ ጽዕነት መጥቃዕቲ ፈጺሞም ኣለዉ።

ሑቲ፡ ንሓማስ ዘለዎም ደገፍ ንምግላጽን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ጸቕጢ ንምፍጣርን ኣብተን ናብ እስራኤል ዘምርሓ መራኽብ ጥራይ መጥቃዕቲ ይፍጽሙ ከምዘለዉ’ዮም ዝገልጹ።

ኣብ ቀይሕ ባሕሪ መልሕቐን ደርብየን ዝርከባ ወተሃደራውያን መራኽብ ዓባይ ብሪጣንያን ኣመሪካን ሑቲ ንዝፈጸምዎ ሓያለ መጥቃዕትታት ድሮንን ሚሳይልን ከምዘምከና ብተደጋጋሚ ክገልጻ ጸኒሐን’የን።

እዘን ሓባራዊ መግለጺ ዝሃባ 12 ሃገራት ኣውስትራልያ፡ ባሕረይን፡ ቤልጂም፡ ካናዳ፡ ዴንማርክ፡ ጀርመን፡ ጣልያን፡ ጃፓን፡ ኔዘርላንድስ፡ ኒውዚላንድ፡ ዓባይ ብሪጣንያን ኣሜሪካን ኮይነን፡ ንሑቲ ተሪር መጠንቀቕታ ኣመሓላሊፈን ኣለዋ።

ኣብቲ ሓባራዊ መግለጺ፡ ሑቲ ኣብ ልዕሊ መራኽብ ዝፍጽምዎ መጥቃዕቲ “ዘይሕጋውን ዘይቅቡልን’ዩ” ድሕሪ ምባል፡ “ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን መራኽብ ጽዕነት ብዝዀነ መለክዒ ሕጋዊ መመኽነይታ ክርከበሉ ኣይክእልን’ዩ” ኢለን።

ሑቲ መጥቃዕትታት ዝቕጽሉ እንተዀይኖም “ንዝመጽእ ኵሉ ሳዕቤናት ክሽከምዎ’ዮም” ኢለን።

እተን ሃገራት ድሕነት መራክብን ቀይሕ ባሕርን ንምክልኻል፡ ስግኣት መጥቃዕትታት ካብ ስሩ ንምእላይ ክሳብ እቲ ሚሳይላት ሑቲ ተኸዚኑሉ ዘሎ ቦታ ብምኻድ መጥቃዕቲ ከምዝፍጽማ ኣጠንቂቐን ኣለዋ።

15 ሚእታዊት ካብ ቍጠባ ዓለም ብመስመር ባብኤል መንደብ መትረብ ስወጽን ካብን ናብን ከምዝመሓላለፍ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ድሕነት እዚ ከባቢ ምስዘይወሓስ ኣብ ዓለም ሰፍ ዘይብል ቍጠባዊ ጸገማት ከኸትል ከምዝኽል’ዩ ዝግለጽ።

ድሮ’ውን ኣብ ዕዳጋ ዓለም ዋጋ ነዳዲ ወሰኽ ኣርእዩ ኣሎ።

ዓለምለኻዊ ቤት ምኽሪ ምግዕዓዝ ጽዕነት ብባሕሪ ብሰንኪ መጥቃዕትታት ሑቲ 20 ሚእታዊት ኮንተይነራት ዘመላልሳ መራኽብ ብቀይሕ ባሕሪ ምሕላፍ ኣቋሪጸን ብደቡብ ኣፍሪቃ ኣቢላን ይኸዳ ከምዘለዋ ብምግላጽ፡ እዚ ካልአይ ኣማራጺ ነዊሕን ኣህላኽን ከምዝዀነ ሓቢሩ።

ብረቡዕ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ፡ ብዙሓት ሃገራት ንመጥቃዕትታት ሑቲ ክዅንናኦ እንከለዋ፡ ሓያለ ከኣ እቲ ሕጂ ዘሎ መጥቃዕትታት ግቡእ ኣተኣላልያ እንተዘይተገይርሉ ናብ ካልእ ዝኸፍአ ቅልውላው ከምርሕ ከምዝኽል ስክፍታአን ገሊጸን።

ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ክሪስ ሉ፡ እታ ንሑቲ ምሉእ ደገፍ እትህብ ኢራን ቀንዲ ሱር ናይቲ ጸገም ከምዝዀነት ክገልጽ እንከሎ፡ ኢራን ብወገና ኣብቲ ኣብ ልዕሊ መራኽብ ዝፍጸም መጥቃዕትታት ዝዀነ ብቐጥታዊ ይዅን ብተዘዋዋሪ ኢድ ከምዘይብላ ኣፍሊጣ ኣላ።

እዘን 12 ብሓባር ኣንጻር ሑቲ መጥቃዕትታት ከምዝፍጽማ ዘጠንቅቓ ዘለዋ ሃገራት ኣብ ልዕሊ ሑቲ መጥቃዕቲ ኣየር እንተፈጺመን፡ እታ ቀንዲ ደጋፊት እቲ ዕጡቕ ጕጅለ ዝዀነት ኢራን እንታይ ግብረመልሲ ከምእትህብ ግን ንጹር ኣይኮነን።

ባብኤል መንደብ ካብ ገማግም ኤርትራን ጅቡትን ናብ የመን 32 ኪሎሜተር ግፍሒ ዘለዎ ስትራተጂያዊ መስመር ኰይኑ እዞም የመናውያን ዕጡቓት ኣብዚ መስመር እዚ ብምዃን'ዮም መራኽብ ብምዕጋት መጥቃዕትታት ዝፍጽሙ ዘለዉ።

ዕጡቓት ሑቲ ተኸተልቲ እምነት ሺዓ ኰይኖም፡ እቲ ሑቲ ዝብል ስም ካብ መስራቲ እቲ ምንቅስቓስ ሑሰይን ኣልሑቲ ዝተወሰደ’ዩ።

ካብ 2014 ጀሚሮም ኣብ የመን ብዘካይድዎ ዘለዉ ኲናት ሓድሕድ ንርእሰ ከተማ ሰንዓ፡ ሰሜናዊ ክፋል የመንን እቲ የመን እትውንኖ ገማግም ቀይሕ ባሕርን ተቘጻጺሮም ይርከቡ።

እቲ ኣንጻር ሑቲ ዝቃልስ ዘሎ መንግስቲ የመን ካብተን ብስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ዝምርሓ ሃገራት ዓረብ ደገፍ ይግበረሉ’ዩ።

እቲ ተደጋጋሚ መጥቃዕትታ ሑቲ ዝፍጸመሉ ዘሎ መስመር ባብኤል መንደብ
መግለጺ ስእሊ, እቲ ተደጋጋሚ መጥቃዕትታ ሑቲ ዝፍጸመሉ ዘሎ መስመር ባብኤል መንደብ