ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣሜሪካ ጀላቡ ሑቲ ኣጥሒላ ብሪጣንያ ኣንጻር ሑቲ ክገጥም’የ ትብል

ኣብ ቀይሕ ባሕሪ እትርከብ ብኣሜሪካ እትውነን ዩኤስኤስ ኢሰንሃወር

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ቀይሕ ባሕሪ እትርከብ ዋንነት ኣሜሪካ ዝዀነት ዩኤስኤስ ኢሰንሃወር
Published

ጸሓፊ ምክልኻል ዓባይ ብሪጣንያ ግራንት ሻፕስ፡ ሰራዊት ብሪጣንያ ነቶም ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ልዕሊ መራኽብ ጽዕነት መጥቃዕትታት ዝፍጽሙ ዘለዉ ዕጡቓት ሑቲ ንምግጣም ድልው ከምዘሎ ገሊጹ።

እቲ ሓላፊ ኣብ ደይሊ ቴለግራፍ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ ብሪጣንያ ድሕነት መስመር ቀይሕ ባሕሪ ንምሕላው “ቀጥታዊ ስጕምቲ ንምውሳድ ድልውቲ” ኣላ ኢሉ።

እቲ ሓላፊ፡ መርከብ ውግእ ብሪጣንያ ኣብ ታሕሳስ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ብሑቲ ዝተፈነወ መጥቃዕቲ ድሮን ከምዘምከነት ብምዝኽኻር፡ ብሪጣንያ ተወሳኺ ስጕምቲ ንምውሳድ’ውን ድሕር ከምዘይትብል ኣስሚርሉ።

ዕጡቓት ሑቲ፡ ኵናት እስራኤልን ሓማስን ካብ ዝጅመር፡ ነቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ ተካይዶ ዘላ መጥቓዕቲ ብምቅዋም ኣብ ልዕሊ መራኽብ ተደጋጋሚ መጥቓዕትታት ክፍጽሙ ከምዝጸንሑ ይፍለጥ።

ብኢራን ዝድገፉ ሑቲ፡ ንዕጡቓት ሓማስ ዘለዎም ደገፍ ንምግላጽ ናብ እስራኤል ይኸዳ ኣለዋ ኣብ ልዕሊ ዝበልወን መራኽብ ልዕሊ 100 መጥቃዕቲታት ድሮንን ሚሳይልን ከምዝፈነዉ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ጸሓፊ ምክልኻል ብሪጣንያ ግራንት ሻፕስ ኣብ ጽሑፉ፡ እቲ ብሑቲ ዝፍጽም ዘሎ መጥቃዕትታት ደረቱ ዝሓለፈ ከምዝዀነ ብምጥቃስ “ኣብ ልዕሊ ብቀይሕ ባሕሪ ዝሓልፋ መራኽብ ዝፍጸም ዘሎ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ጌጋ ቅማረን ንሰፊሕ ዞባ ዝሽፍን ግጭት ከለዓዕል ዝኽእልን’ዩ” ኢሉ።

እቲ ሓላፊ፡ ድሕነት ቀይሕ ባሕሪ እንተዘይተሓልዩ “ነቶም ኣብ ከም ደቡብ ቻይናን ክረሚያን ተመሳሳሊ ምፍርራሓት ዝፍጽሙ ዘሻድን ክኸውን’ዩ” ድሕሪ ምባል፡ “እዚ ንመላእ ማሕበረሰብ ዓለም ፈተና ኰይኑ፡ ብሪጣንያ ምስ መሻርኽታ ብምዃን ድሕነት ቀይሕ ባሕሪ ንምውሓስ ክትሰርሕ’ያ” ኢሉ።

ብሓይሊ ባሕሪ ብሪጣንያ እትውነን መርከብ ኤችኤምኤስ ዳይመንድ

ምንጪ ስእሊ, MINISTRY OF DEFENCE

መግለጺ ስእሊ, ብሓይሊ ባሕሪ ብሪጣንያ እትውነን መርከብ ኤችኤምኤስ ዳይመንድ

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣሜሪካ ካብ ታሕሳስ ጀሚራ ኣብ ልዕሊ እተን ብቀይሕ ባሕሪ ዝመሓላለፋ መራኽብ መጥቓዕቲ ንኸይፍጸም ኣበርቲዓ ክትሰርሕ ምጽንሓ ይፍለጥ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ነቲ ኣሜሪካ ዘበገሰቶ ስርሒት ከኣ ብሪጣንያ፡ ካናዳ፡ ፈረንሳ፡ ባሕረይን፡ ኖርወይን ስጳኛን ተጸንቢረናኦ ኣለዋ።

ከም መርኣያ እቲ ጥምረት ኤችኤምኤስ ዳይመንድ ዝተበሃለት መርከብ ውግእ ብሪጣንያ፡ ኣብ ታሕሳስ ካብ ሑቲ ዝተፈነወ መጥቃዕቲታት ድሮን ከተፍሽሎ ክኢላ’ያ።

ትማሊ ሰንበት’ውን ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ፡ ነቶም ብንኣሽቱ ጀላቡ ተሓጊዞም ናብ ሓንቲ ዓባይ መርከብ ጽዕነት ኮንቲነራት ክድይቡ ዝፈተኑ ዕጡቓት ሑቲ ብሄሊኮፕተር መጥቃዕቲ ብምፍጻም ነተን ጀላቡ ኣጥሒሉ እዩ።

እታ ሄሊኮፕተር፡ ካብ ኣባላት እታ መርከብ ጻውዒት ርድኡና ምስ በጽሓ’ያ ካብ ዓባይ ወተሃደራዊት መርከብ ሓይሊ ባሕሪ ኣሜሪካ ተበጊሳ ኣብ ልዕሊ እተን ጀላቡ ሑቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመት።

እታ ሄሊኮፕተር ነተን ሰለስተ ጀላቡ ምስ ኣባላትን ከተቃጽለን እንከላ፡ ሓንቲ ጃልባ ግን ኣምሊጣ።

ወሃቢ ቃል ሑቲ እታ ዓባይ መርከብ ኮንተይነር ደው ንኽትብል ዝተወሃባ መጠንቀቕታ ክትሰምዕ ከምዘይክኣለት ድሕሪ ምሕባር፡ በቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 10 ካብ ኣባላት ሑቲ ደሃይ ኣጥፊኦም ከምዘለዉ ገሊጹ።

እታ ሑቲ ከጥቅዕዋ ዝፈተኑ መርከብ ማረስክ ሃንጉዙ እትበሃል ኰይና፡ ኣብ ሲንጋፓር ዝተመዝገበትን ብደኒማርካዊ ትካል እትውነን ከምዝዀነትን ማእከላይ እዚ ኣሜሪካ ኣፍሊጡ።

እተን ብረት ዝዓጠቓ ኣርባዕተ ጀላቡ ሑቲ ብኣቈጻጽራ እቲ ከባቢ ሰዓት ሽዱሽተን ፈረቓን ንግሆ ናብታ መርከብ ክሳብ 20 ሜትሪ ብምጽጋዕ ደው ንኽትብል ድሕሪ ምፍርርሖም እዮም ኣባላት እታ ዓባይ መርከብ ናብ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ መልእኽቲ ሰዲዶም።

ኣብቲ ከባቢ ዝነበረት ዩኤስኤስ ኢሰንሃወር ዝተበሃለት ነፈርቲ ትጽዕን ዓባይ መርከብ ሓይሊ ባሕሪ ኣሜሪካ፡ ሄሊኮፕተር ብምስዳድ ነቲ ስርሒት ክትፍጽሞ ከምዝኸኣለት ማእከላይ እዚ ኣሜሪካ ኣፍሊጡ።

ቀይሕ ባሕሪ ሓደ ካብ ቀንዲ ንኤስያን ኣውሮጳን ዘራኽብ መስመር ማይ ኰይኑ 12 ሚእታዊት ቍጠባ ዓለም በዚ መስመር እዚ ካብን ናብን ከምዝመሓላለፍ’ዩ ዝግለጽ።

ተንተንቲ ቍጠባ፡ ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ልዕሊ መራኽብ ዝፍጽምዎ መጥቀዕትታት ኣብ ዕዳጋ ዓለም ወሰኽ ዋጋ ሃለኽቲ ነገራት ከስዕብ ከምዝኽእል ከጠንቅቑ ጸኒሖም’ዮም።

ብሰንኪ እቲ ሑቲ ኣብ ልዕሊ ፈሳስን ደረቕን ጽዕነት ዘመላልሳ መራኽብ ዝፍጽምዎ መጥቃዕትታት ዝሰግኣ መራኽብ ዝውንና ዓበይቲ ትካላት ዓለም፡ ነገራት ክሳብ ዝረጋጋእ መራኽበን ብቀይሕ ባሕሪ ከይሓልፋ ውሳነ ኣሕሊፈን ምህላወን ይፍለጥ።

እቲ ተደጋጋሚ ብሒቲ መጥቃዕትታ ዝፍጸመሉ ዘሎ መስመር ባብኤል መንደብ
መግለጺ ስእሊ, እቲ ተደጋጋሚ መጥቃዕትታ ሑቲ ዝፍጸመሉ ዘሎ መስመር ባብኤል መንደብ