“መስመር ቀይሕ ባሕሪ ሕጂ እውን 'ኣዝዩ ሓደገኛ' እዩ” ሃፓግ-ሎይድ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሓደ ካብ ዓበይቲ ትካላት መራኽብ ዓለም ዝኾነ ሃፓግ-ሎይድ፡ ነቲ ከባቢ ውሑስ ንምግባር ኣህጉራዊ ወተሃደራዊ ስርሒት’ኳ እንተተኻየደ፡ ንካናል ስዊዝ ዳግማይ ምጥቃም ከምዘይጅምር ኣፍሊጡ።
ኣብ ኲናት እስራኤልን ቓዛን ንሓማስ ዝድግፉ ዓመጽቲ ሑቲ የመን፡ ናብ እስራኤል ገጸን ይኸዳ ኣለዋ ዝበልወን መራኽብ ዒላማ ይገብሩ ከምዘለዉ ገሊጾም።
ሓያሎ ትካላት ድሕሪ መጥቃዕቲ ነቲ መስመር ምጥቃም ደው ኣቢለንኦ ኣለዋ።
ትማሊ ሰሉስ ዴንማርካዊ ትካል መራኽብ ማርስክ ብመስመር ቀይሕ ባሕሪ ስርሑ ከምዝጅምር ገሊጹ።
ጀርመናዊ ሃፓግ-ሎይድ ግን ብሓደ ካብቶም ኣብ ዓለምና ኣዝዮም ፍሉጣት ዝኾኑ መስመራት ንግዲ ምሕላፍ ጌና "ኣዝዩ ሓደገኛ" ከምዝኾነ ብምጥቃስ፡ መራኽቡ ብመስመር ‘ኬፕ ኦፍ ጉድ ሆፕ’ ክግዕዛ ከምዝገብር ኣፍሊጡ።
እቲ ትካል ብዓቕሚ ኣብ ዓለም ሓሙሻይ ዝዓበየ ናይ መራኽብ ትካል እዩ።
ወሃቢ ቃል እቲ ትካል ወሲኹ፡ ነቲ ውሳኔኡ መሊሱ ክግምግሞ ምዃኑ ሓቢሩ።
ገለ ንቀይሕ ባሕሪ ዝጥቀማ መራኽብ፣ ብሸነኽ ደቡባዊ የመን፣ ብዓመጽቲ ሑቲ ካብ ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ሮኬታትን መጥቃዕቲ ከምዝበጽሐን ይፍለጥ።
ከም መልሲ ናይዚ ድማ ልዕሊ ደርዘን ሃገራት ምስ ‘ፕሮስፐሪቲ ጋርድያን’ ዝተባህለ ጥምረት ኣሜሪካ ተጸንቢረን ኣብቲ ከባቢ ንዝግበር ንግዳዊ መራኽብ ንምክልኻል ፈቲነን ኣለዋ።
ትካል መራኽብ ሜዲትራንያን ባሕሪ፡ ሓንቲ ካብ ስዑዲ ዓረብ ናብ ፓኪስታን እትጉዓዝ ዝነበረት መርከቡ ኣብ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመ ምግላጹ ስዒቡ’ዩ ሃፖግ ሎይድ መራኽቡ ብመስመር ቀይሕ ባሕሪ ከምዘይጥቀም ዘፍለጠ።
እቲ ኣብ ስዊዘርላንድ ዝመደበሩ ኩባንያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ንዕማም ሓይሊ ባሕሪ ጥምረት ከምዝሓበረን "በቲ ዝተዋህቦ መምርሒ መሰረት ከምዝተዋፈረን" ገሊጹ።
ኩሎም ሰራሕተኛታት እታ መርከብ ውሑስ ምንባሮምን ዝኾነ ይኹን መጉዳእቲ ከምዘይበጽሖምን ኤምኤስሲ ወሲኹ ሓቢሩ።
ካናል ሱዌዝ ብሰሜን ቀይሕ ባሕሪ ብምህላዉ፡ እቲ መስመር ንሃለኽቲ ኣቑሑት፡ ነዳድን ፈሳሲ ተፈጥሮኣዊ ጋዝን ንምጉዕዓዝ ሓደ ካብቶም ኣገደስቲ መስመራት ይገብሮ።
ትካል ‘ኣይኪኤ’ ዓመጽቲ ኣብ ልዕሊ እቲ መስመር ዝጥቀማ መራኽብ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሞም፡ ቀረብ ፍርያቱ ክድንጉይ ከምዝኽእል ክገልጽ እንከሎ፡ ዓቢ ትካል ቢፒ ድማ ንኹሉ ብቀይሕ ባሕሪ ዝለኣኽ ዘይተጻረየ ነዳዲ ንግዚኡ ደው ከምዘብሎ ኣፍሊጡ።
ማርስክ ብኻልእ ወገን ብሰንበት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ “ዋላ'ኳ ስጉምትታት ጸጥታ እንተተወሰደ፡ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ሓፈሻዊ ሓደጋ ግን ኣይተወገደን" ኢሉ።
"ማርስክ ነቲ ኩነታት ዳግማይ ንምግምጋምን ንድሕነት ባሕረኛታትና ኣድላዪ ኮይኑ እንተረኺብናዮ ዳግማይ ውጥናት ምቕያር መስመራት ባሕሪ ንምጅማርን ድሕር ኣይንብልን" ኢሉ።
ሃፓግ-ሎይድ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ 25 መራኽብ ናይ መስመር ለውጢ ክገብራ ከምዝተገደዳ ሓቢሩ።




![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)

