ኣርሴናል ደጊማ ቻምፕዮን ፕሪሜርሊግ ናይ ምዃን ዕድላ ከመይ'ዩ?

ተጻወትቲ ኣርሴበናል ቻምፕዮን ፕሪምየር ሎኢግ ድሕሪ ምኻኖም ኣብ ጎዶናታት እናጸንበሉ

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ተጻወትቲ ኣርሴበናል ቻምፕዮን ፕሪምየር ሎኢግ ድሕሪ ምኻኖም ኣብ ጎዶናታት እናጸንበሉ
Published
ንባብ: 6 ደቓይቕ

ኣርሰናል ዝሓለፈ ዓመት ዋንጫ ብምውሓስ ዳግማይ ፕሪምየር ሊግ ንምዕዋት ዝነበራ ነዊሕ ትጽቢት ዛዚማቶ።

ሕዚ ከኣ ድሕሪ 2004-2005 ንመጀመርታ ግዜ ኣብዚ ዝጅምር ጸወታታት ፕሪሜርሊግ ክብራ ንምዕቃብ'ያ ክትኣትዎ።

ጋነርስ ዳግማይ ዋንጫ ንምልዓል ምስ ካልኦት ጋንታታት ብምውድዳር እቶም ዝሓሹ'ዮም።

ግን ታሪኽ ብዛዕባ ሻምፕዮንነተን ንምዕቓብ ዝጻወታ ጋንታታት እንታይ'ዩ ዝነግረና።

እዞም ብሚከል ኣርቴታ ዝዕለሙ ተጻወትቲ ኣርሴናል ኣከታቲሎም ዋንጫ ፕሪምየር ንምልዓል ዘለዎም ተኽእሎ ክሳብ ክንደይ'ዩ?

ውሁድ ስነኣእምራኣዊ ምድላዋት ክህልዎም ድዩ?

ኣሰልጣኒ ማንቸስተር ሲቲ ፔፕ ጋርድዮላ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ንዋንጫ ፕረምየር ሊግ ኣከታቲሉ ደጋጊሙ ክዕወተላ ኣየማተአን።

ጋርድዮላ ንፈለማ እዋን ደጋጊሙ ዋንጫ ቅድሚ ምዕታሩ፡ ኣብ ዝነበረ ሸሞንተ ወቕትታት፡ ኣከታቲላ ዝተዓወተት ጋንታ ኣይነበረትን።

ቅድሚ ጋርድዮላ ኣብ ታሪኽ ፕሪምየር ሊግ ክልተ ኣሰልጠንቲ ጥራይ'ዮም ኣከታቲሎም ነታ ዋንጫ ተዓዊተሙላ ዝፈለጡ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሰር ኣሌክስ ፈርጉሰን ኣብ ማንቸስተር ዩናይትድ፡ ጆሴ ሞሪኖ ድማ ኣብ ቸልሲ።

ንዋንጫ ኣከታቲልካ ምዕዋት ኣዝዩ ከቢድ ክኸውን ካብ ዝኽእለሉ ምኽንያት ሓደ ስነ-ኣእምሮኣዊ ረቛሒ እዩ።

ንሓደ ምሉእ ወቅቲ ነታ ዋንጫ ንምዕታር ኣበርቲዖም ዝሰርሑ ተጻወትቲን ሰራሕተኛታትን፡ ዋንጫ ምስ ተዓወቱ ናይ ዕግበትን ናይ ሩፍታን መንፈስ'ዩ ዝዓስሎም።

ስለዚ ኣከታቲልካ ዋንጫ ንምዕታር እቲ ዕማም ካብዚ ዕግበት'ዩ ዝጅመር።

ካብዚ ዕግበት እዚ ወጺእካ፡ ነታ ዋንጫ ኣከታቲሎም ንኽዕወቱላ ዘኽእሎም ስነ ኣእምሮኣዊ ምድላዋት ምግባር ከኣ ዓቢ ዕማም ኣሰልጠንቲ'ዩ።

እዚ ከኣ ንሓንቲ ጋንታ ከቢድ ክኸውን ይኽእል'ዩ፡

ከምቲ ሌስተር ሲቲ ኣብ 2015-16 ኣብ ፕረምየር ሊግ ድሕቲ ምዕዋታ፡ ኣብ ዝቅጽል ወቅቲ ይትረፍ ዓወታ ክትዕቕብ፡ ኣብ ፕሪምየር ሊግ ዘቐጽላ ነጥቢ'ውን ከተዋህልል ኣይክኣለትን።

ተጻወትቲ ዋንጫ ድሕሪ ምውሳዶም ኣብ ፍጹም ምዝናይ'ዮም ዝኣተዉ።

ሓደ ተጻዋታይ ንጋርድያን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ዋንጫ ምዕታር ከም ምድያብ እምባ ኤቨረስት'ዩ ። ድሕሪኡ ተመሊስካ ትወርድ፡ ኣብ ሕቖኻ ነቲ እምባ ከምዝደየብካዮ ዝሕበር ምልክት ይግበረልካ'ሞ፡ ከም ብሓድሽ ክትድይቦ ይንገረካ፡ በቓ ልክዕ ከምዚ'ዩ" ኢሉ።

ናይ ክንፊ ተጻዋታይ ፕሪምየር ሊግ ነበር ኣንድሮስ ታውንሰንድ፡ መድፈዐኛታት ብሰንኪ ተወዳዳሪ ባህሪ ፕሪምየር ሊግ ነቲ ኣብ 2025-26 ዘመዝገብዎ ዓወት ክደግምዎ ከም ዝጽግሞም'ዩ ዝገልጽ።

ታውንሰንድ ንቢቢሲ ሬድዮ 5 ላይቭ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ሊቨርፑል ኣብዚ ዳሕረዋይ ዝወሰደቶ ክልተ ዋንጫ ኣብ ኣብ ትቅጽል ዓመት ንዓወታ ክትዕቕብ ኣይክኣለትን ብተዛማዲ ድኹም ዓመታት ኣሕሊፋ'ያ" ይብል።

ተጻወትቲ ሊቨርፑል ኣብ ዓመተ 2019-2020 ዋንጫ ወሲዶም ኣብ ዝቀጸለ ወቅቲ መበል ሳልሳይ፡ ኣብ 2024-2025 ዋንጫ ወሲዶም ኣብ ዝቀጸለ ወቅቲ ከኣ ሓሙሻይ ኮይኖም'ዮም ውድድሮም ዛዚሞም።

ኣንድሮስ ታውንሰንድ ብምስዓብ "ምስ ተዓወትካ እቲ እፎይታ ብቅጽበት'ዩ ዝመጽእ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ሒዝካዮ ዝኣተኻ ስነኣእምሮኣዊ ቅርቡነት ድሕሪ ዓወትካ ክትደግሞ ከኣ ክብድ ይብል'ዩ" ይብል።

ቀጻልነት ቀንዲ መፍትሕ'ዩ

ሚከል ኣርተታ ኣብ ኣርሴናል ሸውዓት ዓመታት ምስ ኣሰልጠነ'ዩ ነታ ዋንጫ ተዓዊትላ

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሚከል ኣርተታ ኣብ ኣርሴናል ሸውዓት ዓመታት ምስ ኣሰልጠነ'ዩ ነታ ዋንጫ ተዓዊትላ

ኣብዚ ዓመተ ስፖርት መወዳድርቲ ኣርሴናል ዝዀና ጋንታታት ብዙሕ ምቕይያራት'የን ገይረን ዘለዋ።

ማንቸስተር ሲቲ፡ ሊቨርፑልን ቸልሲን ሓደስቲ ኣሰልጠንቲ ሒዘን ናብዚ ውድድር ክኣትዋ እንከለዋ፡ ሮበርቶ ዲ ዘርቢን ማይክል ካሪክን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ድሕሪ ምምዛዞም፡ ኣብ ቶተንሃምን ማንቸስተር ዩናይትድን ንፈለማ እዋን ምሉእ ዓመታት ኣሰልጠንቲ ኮይኖም ነዘን ጋንታታት ክመርሕወን'ዮም።

እዚ ማለት ኩሎም እዚ ጸወታ ክሕድሶምን ንምንባቡ ግዜ ክወስደሎም ይኽእል'ዩ።

ኣርሴናል ግን እቲ ንዝሓለፈ ሸውዓት ዓመታት ዘሰልጠና ሚከል ኣርቴታ ሒዝዋ ናብዚ ውድድር ይኣቱ ስለዘሎ ናይ ቀጻልነት ረብሓ ኣለዋ።

ኣርሰናል እውን ኣብ ተጻወትቲ ብዙሕ ዓበይቲ ለውጥታት ኣይገበረትን ፡ እቲ ሓደ ዝገበረቶ ከም ዓቢ ዝግለጽ ምፍራም ተጻወትቲ እዩ።

ግሪኻዊ ኣጥቃዓይ ክሪስቶስ ትዞሊስ ካብ ክለብ ብሩጅ ብ34 ሚልዮን ፓውንድ፡ ኣከፋፋሊ ብሩኖ ጉይማረስ ድማ ካብ ኒውካስል ዩናይትድ ብ75 ሚልዮን ፓውንድ ምምጻእ እዩ።

ብፍላይ ጓይማራየስ ምፍራሙ ኣርሰናል ንዋንጫኣ ናይ ምክልኻል ዕድላ ብዓቢኡ ከምዘዕብዮ ኣርቴታ ይኣምን።

ኣርቴታ፡ "ንነብሱ ከም ተቃላሲ ዝገልጾ ይመስለኒ፤ ኣነ ከም ዝመስለኒ ንሱ'ውን ዓቢ ክእለት ዘለዎ ተቃለካሲ'ዩ ከምኡ'ውን ንዓና ዝሕግዘና ስነ-ኣእምሮኣዊ ምልከትን ኣመራርሓን ግርማሞገስን ኣለዎ፡ እዚ ድማ ብሓቂ ኣብታ ጋንታ ዝተፈልየ ነገር ክፈጥር'ዩ።"

"ናብ ዝቕጽል ደረጃ ክንከይድ ንደሊ፡ ንኹሉ ኣብ ውሽጢ እዛ ጋንታ ዘሎ ሰብ ዝያዳ ንኽኸይድ ዝደፍእ ከምዚ ዝኣመሰለ ስብእና፡ ድሌትን ባህርን ዘለዎም ተጻወትቲ ከም ዘድልዩና ድማ ኣዝዩ ርግጸኛታት ኢና።" ይብል ኣርቴታ።

ይኹን'ምበር፡ ኣብ ዋንጫ ዓለም ኣብ ሕቖኡ ብዘጋጠሞ ማህረምቲ "ንዝተናውሐ ግዜ" ካብ ምስላፍ ክቦክር ብዝክእል ተኸላኻላይ ዊልያም ሳሊባ ሃጓፍ ኣጋጢምዋ ኣሎ።

ዝሓለፈ ዓመት ምስ ጋብሪኤል ማጋልሃስ ኣብ ምክልኻል ብዝነበሮ ውህደት ኣርሴናል ኣብ ምክልኻል ብዘድሃበ ጸወታ ዓወታት ክትሓፍስ ሳሊባ ዓቢ እጃም'ዩ ነይርኦ።

ምብኳር ናይዚ ተኸላኻለይ ከኣ ነታ ጋንታ ዓቢ ክሰራ'ዩ።

መወዳድርቲ ኣርሴናል ሓይለንዶ ይመጽኣ ይዀና?

ገላ ካብ መቐናቕነቲ ኣርሴናል ናይ ኣሰልጠንቲ ለውጢታት ገይረን ኣለዋ፡ ገለ ካብኣቶም ከኣ ዋንጫ ናይ ምውሳድ ዕድል ኣለዎም ኢልካ ክትዛረብ ዘይድፍሩ'ዮም።

ንኣብነት ቸልሲ ኣብዚ ጸወታ ካብቶም ብብዝሒ ተደለይቲ ዝኾኑ መንእሰያት ኣሰልጠንቲ ን ዛቢ ኣሎንሶ'ያ ሒዛ ዘላ፡ እዚ ኣሰልጣኒ እዚ ምዕዳጋ ከኣ ከም ዕዉት ዕድጊ'ዩ ዝውሰድ።

እዚ ምስ ሊቨርፑል ብምጽዋት ንፕሪምየር ሊግ ዝፈለጥጦ ኣሎነሶ፡ ኣብ ዓመተ 2023-24 ንባየር ሊቨርኩሰን ብምዕላም ኣብ ጀርመን ዝነበረ ዝነወሐ ዘይተሰዓርነት ብምስባር ታሪኻዊ ዓወት ከመዝግብ ክኢሉ'ዩ።

ወዲ 24 ዓመት ኣጥቃዓይ ኢንግሊዝ ሞርጋን ሮጀርስ ብ117 ሚልዮን ፓውንድ ክብረወሰን ክለብ ኣስቶንቪላ ክመጽእ ከሎ፡ ወዲ 26 ዓመት ተኸላኻላይ ፈረንሳ ማክሰንስ ላክሮይስ ድማ ካብ ክሪስታል ፓላስ ብ52 ሚልዮን ፓውንድ ተጸንቢሩ።

ቸልሲ 47 ሚልዮን ፓውንድ ዝዋግኡ ናይ ማእከል ተኸላኻላይ ወዲ 21 ዓመት ማርኮ ፓለስትራ ብምዕዳጋ በዝን ወዲ ከምዝን ሓንቲ ካበተን ተፈራሕቲ ጋንታ'ያ ኢልካ ክግለጽ ዝከኣል'ዩ።

ተዓወቲ ፕሪምየር ሊግን ገዲም ተጻወትቲን ወዲ 36 ዓመት ጆርዳን ሄንደርሰን ወዲ 35 ዓመትን ዳኒ ዌልቤክ'ውን ኣብዛ ጋንታ ምህላዎም እቶኢ ተመክሮኦም ነታጋንታ ናብ ቅድሚት ክደፍኣ ዓቦ ተክእሎ'ዩ ዘለወዎም።

ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ዓመት ድሕሪ ምኻድ ጋርድዮላ ሕጂ ብኤንዞ ማሬስካ እትመሓደር ዘላ ማንቸስተር ሲቲ፡ ንኣከፋፋሊ ኖቲንግሃም ፎረስት ኤልዮት ኣንደርሰን ካብ ማንቸስተር ሲቲ ብ116 ሚልዮን ፓውንድ ኣፈሪማቶ፡ እንተኾነ ግነወ ነቲ ኣብዚ ክራማት ኣብ ዝተኻየደ ዋንጫ ዓለም ብሉጽ ተጻዋታይ ናይዚ ውድድር ዝነበረ ስጳኛዊ ኣከፋፋሊ ሮድሪ ክትስእኖ እያ።

ይኹን እምበር፡ ተጻዋታይ ቸልሲ ኤንዞ ፈርናንደዝ ንዕኡ ክትክኦ ይኽእል'ዩ።

ማንቸስተር ዩናይትድ ንዩሪ ቲለማንስ ካብ ኣስቶን ቪላ ብ35 ሚልዮን ፓውንድ ብምፍራም ንማእከል ሜዳኣ ኣደልዲላ ኣላ፡ ብጻዩ ኣከፋፋሊ ኣንድሬይ ሳንቶስ ካብ ቸልሲ ብ48 ሚልዮን ፓውንድ ብምምጻእ ማእከል ሜዳኣ ኣደልዲላ ትርከብ።

ኣስቶን ቪላ ንውድድር ዩሮፓ ሊግ ካብ እትልዕል ሰለስተ ወርሒ ጥራይ ኮይኑ ኣሎ፡ ካብ ሽዑ ጀሚሩ ግን ብዙሕ ተቐይሩ ኣሎ፡ ሮጀርስ፡ ቲለማንስን ሉካስ ዲግንን - ኩሎም ኣብ መዛዘሚ ጸወታ ዝጀመሩ - ኩሎም ተፋንዮም ኣለዉ።

ወሰንቲ ተጻወትቲ ዮሃን ማንዛምቢ ካብ ፍራይበርግ (59.5 ሚልዮን ፓውንድ) ከምኡ'ውን ጆኣው ጎሜስ ካብ ዎልቭስ ብ38 ሚልዮን ፓውንድ ክትዕድጎም እንከላ፡ ኣሌሃንድሮ ጋርናቾ'ውን ብልቓሕ ካብ ቸልሲ ናብታ ጋንታ ኣትዩ ኣሎ።

ቅድሚ ክልተ ዓመታት ሻምፕዮን ዝኾነት ሊቨርፑል ሕጂ ብኣንዶኒ ኢራኦላ ትመሓደር ኣላ።

ጋንትኡ ድማ 60 ሚልዮን ፓውንድ ምምጻእ ካብ ሬነስ ማእከላይ ተኸላኻላይ ጀረሚ ጃኬት ብምዕዳጋ ማእከል ሜዳኣ ኣሰልዲላ ኣላ።

ተኸላኻላይ ሮናልድ ኣራውጆ ድማ ካብ ባርሴሎና ብልቓሕ ተጸንቢርዋ ኣሎ።

ብተወሳኺ ሊቨርፑል ንወዲ 22 ዓመት ኣጥቃዓይ ቪክቶር ሙኖዝ'ውን ኣምጺኣቶ'ኳ እንተነበረት፡ ውጽኢት ቅድመ-ውድድር ግን ዝተሓዋወሰ'ዩ ነይሩ።

ቶተንሃም ድሕሪ ክልተ ኣጸጋሚ ዓመታት ምስ ቀዳሞት እትስርዓሉ ተኽእሎ'ውን ክህሉ ይኽእል'ዩ።

ዲ ዘርቢ ድማ ንጋንትኡ ንምምሕያሽ ኣበርቲዑ ክሰርሕ ጸኒሑ'ዩ፡ ንሳንድሮ ቶናሊ ካብ ኒውካስል (100 ሚልዮን ፓውንድ)፡ ማቴውስ ፈርናንደስ ካብ ዌስትሃም (85 ሚልዮን ፓውንድ)፡ ያን ፖል ቫን ሄከ ካብ ብራይተን (52 ሚልዮን ፓውንድ) ብድምር ልዕሊ 200 ሚልዮን ፓውንድ ብምውጸእ መሳርዑ ኣደልዲሉ ኣሎ።

ንኣርሰናል ምጅማር እዚ ዓመተ ስፖርት ክሳብ ክንደይ ከቢድ'ዩ

ኣብ ሓደ ወቕቲ መሬት ምዝባጥ ኩሉ ግዜ ኣገዳሲ እዩ።

ኣብ ምፍላም ጸወታ ፎኲስ ጸወታታት እንተበጺሕካ ንዓወት ውሕስነት ኣይህበካን'ዩ። ክሕግዘካ ግን ይኽእል'ዩ።

ኣብ ዓለማዊ ደረጃ ሓይሊ መሰረት ብምግባር - ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከባ ልዕሊ 13,500 ጋንታታት ናይ ዓቕሚ ነጥቢ ዝምድብ - ኦፕታ፡ ንተን ቀዳሞት ሓመዑሽተ ጸወታታት ናይ ነፍሲ ወከፍ ጋንታ ብምርኩስ ብምግባር ደረጃ ኣቐሚጡ ኣሎ።

ካብቶም ንዋንጫ ክወዳደሩ ዝኽእሉ ተጻወትቲ፡ ተጻወትቲ ማንቸስተር ዩናይትድ ምዃኖም'ዩ ሰሪዕዎም ዘሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ውድድር ዋንጫ ቀንዲ ተሃላለኽቲ ኣርሰናልን ማንቸስተር ሲቲን እየን ተባሂለን'የን ተሰሪዐን ነይረን።

ጋነርስ ነዚ ዓመተ ስፖርት ንኮቨንትሪ ብምእንጋድ ደሕሪ ምጅማር ናብ ኣስቶንቪላ ክትገይሽ እያ ፡ ኣብ ሜድኣ ምስ ቸልሲ ድሕረኢ ምጽዋት ካብ ሜድኣ ወጻኢ ንሳንደርላንድን ብራይተንን ክትገጥም'ያ።

ማንቸስተር ሲቲ ብወገና ኣብ ሜድኣ ኣንጻር ቦርንማውዝ ጸወታ ትጅምር፡ ካብ ሜዳኣ ወጻኢ ምስ ክሪስታል ፓላስ ኣብ ሜዳኣ ንኮቨንትሪ ብምእንጋዳ፡ ናብ ማንቸስተር ዩናይትድ ከይዳ ክትገጥም'ያ እታ ሓሙሸይቲ ጸወታ ኣብ ሜድኣ ምስ ንሳንደርላንድ ክትገጥም ኢያ።