ኢትዮጵያ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ዘካየዶ ሓድሽ ምቅይያር ሰበስልጣን

ኣቶ ተመስገን ጥሩነህ [ጸጋም] ኣምባሳደር ታዮ ኣጽቀስላሴ [የማን]
መግለጺ ስእሊ, ኣቶ ተመስገን ጥሩነህ [ጸ] ኣምባሳደር ታየ ኣጽቀስላሰ [የ]
Published

ቅድሚ ሓደ ሰሙን ካብ ምክትል ኣቦመንበርነት ውድብ ብልጽግና ተሰናቢቱ ዝቐነየ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻእን ኣቶ ደመቀ መኮነን፡ ሎሚ ካብ መንግስታዊ ሓላፍነቱ ብዕሊ ተሰናቢቱ።

ኣቶ ደመቀ ክልተ ስራሕ ደሪቡ ይሰርሕ ከምዝነበረ ዝፍለጥ ኰይኑ በቲ ናይ ሎሚ መዓልቲ ውዕሎ ሽመት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ግን እቲ ንሱ ደሪቡ ዝሰርሖ ዝነበረ ስልጣን ክልተ ሰባት ተመዲቦምሉ ኣለዉ።

በዚ መሰረት፡ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሎሚ ኣብ ዘካየዶ ስሩዕ ኣኼባ፡ ሓላፊ ድሕነት እታ ሃገር ኰይኑ ኣብ ምግልጋል ዝነበረ ኣቶ ተመስገን ጥሩነህ፡ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ኰይኑ ተሸይሙ’ሎ።

እቲ ባይቶ ብተወሳኺ ኣብ ስርሓት ዲፕሎማሲ ኢትዮጵያ ንብዙሕ ዓመታት ክነጥፍ ዝጸንሐ ኣምባሳደር ታየ ኣጽቀስላሰ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ኰይኑ ክመርሕ ንዝቐረበ ሽመት ኣጽዲቑ’ሎ።

ኣማኻሪ ጉዳያት ጸጥታ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝነበረ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ድማ ንኣቶ ተመስገን ብምትካእ ሓላፊ ሃገራዊ ስለያን ድሕነትን ኢትዮጵያ ኮይኑ ተመዚዙ ኣሎ።

ትዕግስት ሓሚድ ድማ ዳይረክተር ናይቲ ኣብ ሓደ እዋን ብኣቢይ ኣሕመድ ዝምራሕ ዝነበረ 'ኢንሳ' (INSA) ተባሂሉ ዝፍለጥ ምምሕዳር ጸጥታዊ መርበብ ሓበሬታ ከምዝኾነት ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣፍሊጡ'ሎ።

ዶክተር መቕደስ ዳባ

ምንጪ ስእሊ, SM

መግለጺ ስእሊ, ዶክተር መቕደስ ዳባ

ካብዚ ብተወሳኺ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ፡ ኣብቲ ሎሚ 8 ለካቲት 2024 ዘካየዶ ስሩዕ ኣኼባ፡ ዶክተር መቕደስ ዳባ ሚኒስተር ሓለዋ ጥዕና ገይሩ ሸይሙ ኣሎ።

እታ ሓዳስ ሚኒስተር ጥዕና፡ ኣብ ጀነቫ ላዕለወይቲ ክኢላን ኣብ ቤት ጽሕፈት ምክትል ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ከም መራሒት ጉጅለ ከምዝሰርሐት ታሪኽ ህይወታ ይሕብር።

ዶክተር መቕደስ ነታ ካብ 2019 ኣትሒዛ ንኣስታት ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐት ዶክተር ሊያ ታደሰ ተኪኣ እያ ተሸይማ ዘላ።

እታ ሚኒስተር ጥዕና ነበር፡ ስለምንታይ ከምዝተተከአት ዛጊድ ካብ መንግስቲ ዝተበሃለ ነገር የለን።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ተመኵሮ ስራሕ ናይቶም ሚኒስተራት ብዝርዝር ድሕሪ ምቕራቡ ኣባላት ባይቶ እታ ሃገር ነቲ ሽመት ብምሉእ ድምጺ ኣጽዲቘሞ።

ኣቶ ተመስገን ጥሩነህ

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሎሚ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ኰይኑ ዝተመዘዘ ኣቶ ተመስገን ኣብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ስርሑ ዝበዝሕ ግዜ ኣብ ወተሃደራውን ጸጥታውን ከምዝነበረ ድሕረ ባይታኡ የርኢ።

ኣባል ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ክሳዕ መዓርግ ሓለቓ ሽሕ [መጀር] በጺሑ ዝነበረ ኰይኑ ብፍላይ ኣብ ወተሃደራዊ ስለያ ተመዲቡ ብሓላፍነት ከምዝሰርሐ ይግለጽ።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ምዕራብ ጎጃም ተወሊዱ ዝዓበየ ኣቶ ተመስገን ጥሩነህ፡ ብኮምፒዩተር ሳይነስ ቀዳማይ ዲግሪ ብምሕደራን ኣመራርሓን ድማ ካልኣይ ዲግሪ ኣለዎ።

ንሱ ካብቶም ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኰይኖም፡ ኤጄንሲ መረብ ሓበሬታ ድሕነት ኢትዮጵያ - ኢንሳ - ዝመስረቱ ሰባት ሓደ ክኸውን እንከሎ ምስ ኣብይ ዘለዎም ጥቡቕ ርክባትን ናይ ስራሕ ምሕዝነትን ኣብኡ ከምዝተጀመረ’ዩ ዝንገር።

ኣቶ ተመስገን ኣብ ክልል ኣምሓራ ካብ ኣመሓዳርነት ዞባ ክሳዕ ፕረዚደንት እቲ ክልል ኰይኑ ዝሰርሐ ኰይኑ ኣብይ ኣሕመድ ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ምስተመረጸ ድማ ብሚኒስተር መዓርግ ኣማኻሪ ድሕነት ቀዳማይ ሚኒስተር ኰይኑ ሰሪሑ።

ኵናት ትግራይ ኣብ 2020 ምስተወልዐ፡ ካብ ክልል ኣምሓራ ተላዒሉ ሓላፊ ድሕነት ኢትዮጵያ ኰይኑ ክሳዕ ሎሚ ክሰርሕ ዝጸንሐ ኰይኑ፡ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዝነበረ ኵናት ሓድሕድ ንኸብቅዕ ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ ንኽፍረም ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ዝተመረጹ 7 ተዛተይቲ ሓደ ከምዝነበረ ዝዝከር እዩ።

ነታ ሃገር ዝመርሕ ዘሎ ውድብ ብልጽግና ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ንኣቶ ደመቀ መኮነን ተኪኡ ምክትል ኣቦ መንበርነት እቲ ውድብ ዝተረከበ ኣቶ ተመስገን ጥሩነህ፡ ሎሚ ድማ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኰይኑ ተሸይሙ’ሎ።

ኣምባሳደር ታየ ኣጽቀስላሴ

ኣብ ኢትዮጵያ ንልዕሊ 30 ዓመታት ኣብ ስርሓት ዲፕሎማሲ ክነጥፍ ዝጸንሐ ኣምባሳደር ታየ ኣጽቀስላሴ ኣብቲ ሎሚ ሚኒስተር ኰይኑ ክመርሖ ዝተሸመሉ ቤት ጽሕፈት ካብ ሚኒስተር ድኤታ ጀሚሩ ክሳዕ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራትን ኣብ ሕቡራት ሃገራት ተወካሊ ኢትዮጵያን ኰይኑ ከምዝሰርሐ ድሕረ ባይታኡ የርኢ።

እቲ ኣምባሳደር ካብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ብፖለቲካል ሳይነስ ዲግሪ ከምኡ እውን እንግሊዝ ካብ ዝርከብ ዩኒቨርስቲ ላንካስተር ድማ ብዓለም ለኻዊ ርክባት ካልኣይ ዲግሪ ከምዝተመሃረ ናይ ትምህርቲ ድሕረ ባይታኡ የመልክት።

ካብ 2015 [ ግእዝ] ጀሚሩ ኣማኻሪ ጉዳያት ፖሊሲ ወጻኢ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ኰይኑ ኣብ ምስራሕ ዝጸንሐ ኣምባሳደር ታየ፡ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኰይኑ ተሸይሙ’ሎ።