ፈላሚ ዋዕላ መራሕቲ ኢጣልያን ኣፍሪቃን ኣብ ርእሰከተማ ሮማ ይካየድ ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, IFM
ሓያለ መራሕቲ ኣፍሪቃ ዝሳተፍሉ ዘለዉ ዋዕላ ኢጣልያን-ኣፍሪቃን ሎሚ 29 ጥሪ ብወግዒ ጀሚሩ።
እቲ ኣብ ርእሰከተማ ሮማ ዝቕጽል ዘሎ ዋዕላ ንፈለማ እዋን ብደረጃ መራሕቲ ሃገራትን መንግስታትን ዝካየድ ዘሎ እዩ። ትማሊ ምሸት መራሒት መንግስቲ ኢጣልያ ዝኾነት ቀዳመይቲ ሚኒስተር ጂዮርጂያ ሜሎኒ ነቶም መራሕቲ ናይ ድራር እንግዶት ገይራትሎም ነይራ።
እቲ "ድልድል ሓባራዊ ዕብየት" ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ዝካየድ ዘሎ ኣኼባ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ዓውድታት ቁጠባዊ ምትሕግጋዝ ዘተኮረ ምዃኑ እቲ ዝወጸ መደብ የመልክት።
ኣብቲ ሎሚ ንጉሆ ዝነበረ ልዝብ፡ እቶም መራሕቲ፡ ብዛዕባ ትሕተ-ቅርጺን ውሕስነት መግብን ዝምልከት መደረታትን ዘተን ኣካይዶም። ትምህርቲን ሞያዊ ስልጣናን'ውን ገለ ካብቶም ኣንጀንዳታት እዮም።
እቲ ንኢጣልያ ዓቢ ብድሆ ኮይኑ ዝርከብ ጉዳይ ዋሕዚ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታትን ጸጥታን'ውን ሎሚ ምሸት ክዛተይሉ ምዃኖም መንግስቲ ኢጣልያ ዘውጽኦ ሓበሬታ የረድእ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢጣልያ ኣንቶንዮ ታጃኒ ኣብ ኤክስ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ "ኣፍሪቃ ካብ ቀንዲ ኣጀንዳታት መሪሕነት ኢጣልያ ኣብ ጉጅለ-7" ከምእትኸውን ገሊጹ'ሎ።
ኣብቲ ዋዕላ፡ ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋኪ ዝርከቦም ሓያለ መራሕቲ ዓለምለኻውያን ውድባትን ትካላትን ይሳተፉ ኣለዉ።
ዓበይቲ ሃገራት ምዕራብን ምብራቕን፡ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ዘለዎም ጽልዋ ንምርግጋጽ ተመሳሳሊ ዋዕላታት ከአንግዱ ምጽንሖም ይፍለጥ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ፡ ሩስያን ንግስነት ስዑዲ ዓረብን ንመራሕቲ ኣፍሪቃ ብምዕዳም ዋዕላ ኣካይደን ነይረን።
ቻይና፡ ጃፓን፡ ኣመሪካ፡ ፈረንሳ፡ ሕብረት ኣውሮጳ፡ ህንድን ቱርኪን'ውን ምስ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ስሩዕ ዋዕላታት ኣለወን።
ብውሕዱ 17 ኣፍሪቃውያን መራሕቲ መንግስቲ፡ ከምኡ'ውን ወከልቲ ሃገራት ኣብቲ ኣኼባ ይሳተፉ ኣለዉ።
ካብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣቢይ ኣሕመድ፡ ዊልያም ሩቶን ሓሰን ሸኽ ማሕሙድን ኣብ ሮማ ተረኺቦም ኣለዉ።

ምንጪ ስእሊ, @Antonio_Tajani
ኣቓልቦ ዝሰሓበ መገሻ ፕረዚደንት ኢሳይያስ
መራሒ ኤርትራ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ዝሓለፋ ሓያለ ዓመታት ኣብ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ክገይሽ እዚ ንፈለማ እዋን እዩ።
ክሳብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ካብ ከምዚኦም ዝበሉ ዋዕላታት ተነጺሉ'ዩ ጸኒሑ። ኣብ 2023 ግና፡ ናብ ዋዕላ መራሕቲ ሩስያን-ኣፍሪቃን፡ ድሒሩ'ውን ኣብቲ ስዑዲ ዓረብ ዘአንገደቶ ተመሳሳሊ ኣኼባ ክሳተፍ ተራእዩ።
ድሕሪ ሓያለ ዓመታት ናብ ዞባ ሕብረት ኣውሮጳ ዝኣተወ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኣብ መስከረም 2006 ን8 መዓልታት ዝጸንሐ "ናይ ስራሕ ምጻሕ" ኣብ ኢጣልያ ኣካይዱ ነይሩ።
ኣብ ግንቦት 2010 ድማ ኣብ ዋዕላ ፈረንሳ-ኣፍሪቃ ንምስታፍ ናብ ከተማ ኒስ ገይሹ ምንባሩ ይዝከር።
ስለዚ ድማ'ዩ ምብጻሕ ናይቲ ኣብ ባዕላውን ግዱድን ተነጽሎ ዝጸንሐ ኤርትራዊ ፕረዚደንት ናብ ሮማ ኣቓልቦ ስሒቡ ዝርከብ።

ምንጪ ስእሊ, Italian Government
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዑስማን ሳልሕ፡ ከምኡ’ውን ኣብታ ሃገር ኣምባሳደር ኤርትራ ኮይኑ ዘገልገለ ኮሚሽነር ባህልን ስፖርትን ዘመደ ተኽለ ምስቲ ፕረዚደንት ተጓዒዞም ኣለዉ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢጣልያ'ውን ድሕሪ'ቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተፈረመ ስምምዕ ሰላም 2018 ናብ ኣስመራ በጺሑ ነይሩ።
እቲ ኣብ ክፍላ ጥቅምቲ ናይቲ ዓመት ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝተራኸበ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ጁሰፔ ኮንተ፡ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ንፈለማ እዋን ናብ ኣስመራ ዝበጽሐ መራሒ ኣውሮጳዊት ሃገር እዩ ነይሩ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
